ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 5

መዝሙር 108 ኣምላኽና ብተኣማንነት የፍቅር

ካብ ፍቕሪ የሆዋ ብኸመይ ንጥቀም፧

ካብ ፍቕሪ የሆዋ ብኸመይ ንጥቀም፧

“ክርስቶስ የሱስ ንሓጥኣን ኬድሕን እዩ መጺኡ።”1 ጢሞ. 1:15

ኣትኵሮ

ካብቲ በጃ ብኸመይ ከም እንጥቀምን ንየሆዋ ምስጋናና ብኸመይ ከም እነርእዮን።

1. ንየሆዋ ንምሕጓስ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

 ንሓደ እትፈትዎ ሰብ ጽቡቕን ጠቓምን ፍሉይ ህያብ ሂብካዮ ንበል። እቲ ሰብ ነቲ ህያብካ ኣብ መኽዘን እንተ ዜቐምጦ፡ ብዛዕባኡ እውን ፈጺሙ ዘይሓስብ እንተ ዚኸውን ኣዚኻ ምጐሃኻ። ብኣንጻሩ ግና ንህያብካ ብጽቡቕ ምስ ዚጥቀመሉ፡ ሞሳኡ እውን ምስ ዚገልጸልካ፡ ኣዚኻ ምተሓጐስካ። ኣብዚ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ነጥቢ እንታይ እዩ፧ የሆዋ ንወዱ፡ በጃ ኪኸውን እዩ ሂቡና። ስለዚ፡ ነቲ ኽቡር ውህበቱን ነቲ ንዕኡ ንምድላው ዝደረኾ ፍቕርን ምስጋናና ምስ እንገልጽ ኣዝዩ እዩ ዚሕጐስ!—ዮሃ. 3:16፣ ሮሜ 5:7, 8

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

2 ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግና፡ ነቲ ውህበት በጃ ኸም ተራ ነገር ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት ኣብ መኽዘን ከነቐምጦ ንኽእል ኢና። ብእኡ ሕጉሳት እኳ እንተ ዀንና፡ ካብ ቅድሚ ዓይንና ግና ንኣልዮ። ከምኡ ምእንቲ ኸይከውን፡ ነቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ዝገበሩልና ነገር ዘሎና ምስጋና ብቐጻሊ ኽንሕድሶ ኣሎና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ኽትሕግዘና እያ። ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ ኻብቲ በጃ ብኸመይ ከም እንጥቀም ክንመያየጥ ኢና። ብተወሳኺ፡ ንፍቕሪ የሆዋ ኸም እነማስወሉ ብኸመይ ከም እነርኢ፡ ምናዳ ድማ ኣብ ቅንያት በዓል ዝኽሪ ብኸመይ ከምኡ ኸም እንገብር ክንምርምር ኢና።

ሕጂ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

3. ሓደ ኻብቲ ሕጂ ሳላ እቲ በጃ ረኺብናዮ ዘለና ጥቕምታት እንታይ እዩ፧

3 ካብቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ሕጂ እውን ንጥቀም ኢና ዘለና። ንኣብነት፡ ሳላ እቲ በጃ፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረ ይብለልና ኣሎ። ይቕረ ኺብለልና ግዴታ የብሉን። ከምኡ ኺገብር ግና ይደሊ እዩ። ሓደ ዘማሪ፡ “ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ሕያዋይን ንይቕረታ ድልውን ኢኻ” ኢሉ ምስጋናኡ ገሊጹ ኣሎ።—መዝ. 86:5፣ 103:3, 10-13

4. የሆዋ ነቲ በጃ ንመን እዩ ኣዳልዩዎ፧ (ሉቃስ 5:32፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:15)

4 ገሊኦም ካብ የሆዋ ይቕረታ ንምርካብ ብቑዓት ከም ዘይኰኑ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ከም ሓቂ፡ ኵላትና ብቑዓት ኣይኰንናን። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሃዋርያ ኽብሃል ብቑዕ ኣይኰንኩን” ብምባል ነዚ ነገር ከም እተረድኦ ገሊጹ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ብጸጋ ኣምላኽ ግና ከምዚ ዀይነዮ ዘለኹ ዀይነ ኣለኹ” በለ። (1 ቈረ. 15:9, 10) ካብ ሓጢኣትና እንተ ተነሲሕና፡ የሆዋ ይቕረ ይብለልና እዩ። ስለምንታይ፧ እዚ ነገር እዚ ስለ ዚግብኣና ዘይኰነስ፡ ስለ ዜፍቅረና እዩ። ዘይብቑዕ ከም ዝዀንካ ዀይኑ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ነቲ በጃ ንዚንስሑ ሓጥኣን ደኣ እምበር፡ ሓጢኣት ንዘይብሎም ሰባት ከም ዘየዳለዎ ዘክር።ሉቃስ 5:32፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:15 ኣንብብ።

5. ምሕረት የሆዋ ኸም ዚግብኣና ጌርና ምሕሳብሲ ቕኑዕ ድዩ፧ ግለጽ።

5 ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ነዊሕ ዓመታት እኳ እንተ ኣሕለፍና፡ ምሕረቱ ኸም ዚግብኣና ዀይኑ ኺስምዓና የብሉን። ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ነቲ ብተኣማንነት እነቕርበሉ ኣገልግሎት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። (እብ. 6:10) ኰይኑ ግና፡ ንወዱ ኸም ዓስቢ ኣገልግሎትና ገይሩ ዘይኰነስ፡ ከም ናጻ ውህበት ገይሩ እዩ ሂቡና። ምሕረት የሆዋ ጻማ ጻዕርና ኸም ዝዀነ፡ ወይ ኣብ ግምት ኪኣቱ ዚግባእ ፍሉይ ነገር ከም ዝገበርና ጌርና እንተ ሓሲብና፡ ብኻልእ ኣበሃህላ ክርስቶስ ንኸንቱ ሞይቱ ኢና እንብል ዘለና።—ምስ ገላትያ 2:21 ኣረኣኢ።

6. ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝጸዓረ ስለምንታይ እዩ፧

6 ጳውሎስ ብጻዕሩ ሞገስ ኣምላኽ ኪረክብ ይኽእል ከም ዘይነበረ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዙሕ ዝጸዓረ ደኣ ስለምንታይ እዩ፧ ዚግብኦ ኸም ዝዀነ መረጋገጺ ንምቕራብ ዘይኰነስ፡ ንጸጋ የሆዋ ሞሳኡ ንምግላጽ እዩ። (ኤፌ. 3:7) ንሕና እውን ከም ጳውሎስ፡ ምሕረት የሆዋ ብጻዕርና ንምርካብ ዘይኰነስ፡ ንዕኡ ዘሎና ሞሳ ንምግላጽ ኢና ብቕንኣት እነገልግል።

7. ካብቲ በጃ ሕጂ እንረኽቦ ኻልእ ጥቕሚ እንታይ እዩ፧ (ሮሜ 5:1፣ ያእቆብ 2:23)

7 ካብቲ በጃ ሕጂ እንረኽቦ ኻልእ ጥቕሚ ኸኣ፡ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ብሕታዊ ርክብ ኪህልወና ምኽኣሉ እዩ። a ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም እተጠቕሰ፡ ካብ እንውለድ ኣትሒዝና ምስ ኣምላኽ ርክብ መስሪትና ኣይኰንናን እንውለድ። ሳላ እቲ በጃ ግና፡ “ምስ ኣምላኽ . . . ሰላም” ስለ ዚህልወና፡ ክንቀርቦ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 5:1፣ ያእቆብ 2:23 ኣንብብ።

8. የሆዋ ናይ ጸሎት ፍሉይ መሰል ስለ ዝሃበና፡ ስለምንታይ ኢና ኸነመስግኖ ዘሎና፧

8 ሓደ ኻብቲ እቲ ምስ የሆዋ እንምስርቶ ርክብ ዜምጽኦ ጥቕምታት እስከ ንርአ። እዚ ድማ ጸሎት ንምቕራብ ዘሎና ፍሉይ መሰል እዩ። የሆዋ ነቲ ኣብ ኣኼባ ብሓባር እነቕርበሉ ጸሎት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ነፍሲ ወከፍና በብውልቅና እነቕርበሉ ጸሎት እውን ይሰምዖ እዩ። ጸሎት ንልብና ኼህድኦ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም እውን ኪህበና ይኽእል እዩ። እቲ ጥቕሙ ግና በዚ ጥራይ ዚሕጸር ኣይኰነን። ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት እውን ኬደልድሎ ይኽእል እዩ። (መዝ. 65:2፣ ያእ. 4:8፣ 1 ዮሃ. 5:14) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን የሆዋ ይሰምዖ ኸም ዘሎ፡ ጸሎት ከኣ ነቲ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ርክብ ከም ዜደልድሎ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ ኣዘውቲሩ ይጽሊ ነበረ። (ሉቃ. 5:16) ንሕና እውን ሳላ መስዋእቲ የሱስ ፈተውቲ የሆዋ ኽንከውን ብምኽኣልና፡ ብጸሎት እውን ንዕኡ ኽንዛረቦ ብምኽኣልና፡ ኣዚና ኢና እነመስግን!

ኣብ መጻኢ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

9. ኣብ መጻኢ እሙናት ኣምለኽቲ ኻብቲ በጃ ብኸመይ እዮም ኪጥቀሙ፧

9 ኣብ መጻኢኸ እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ኻብቲ በጃ ብኸመይ እዮም ኪጥቀሙ፧ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም። ደቂ ሰብ ንኣሽሓት ዓመታት ኪሞቱ ስለ ዝጸንሑ፡ ብዙሓት ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይከውን እዩ ዚመስሎም። የሆዋ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ግና ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ነይሩ። ኣዳም እንተ ዘይሓጥእ ነይሩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይከኣል ኣይምመሰለን። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት መስተንክር ኰይኑ እኳ እንተ ተራእየና፡ እቲ የሆዋ ነዚ ኽንረክብ ኢሉ ፍቑር ወዱ ብምሃብ ዝኸፈሎ ነገር እውን ብሓቂ መስተንክር እዩ።—ሮሜ 8:32

10. እቶም ቅቡኣትን እቶም ካልኦት ኣባጊዕን እንታይ እዮም ብሃንቀውታ ዚጽበዩ፧

10 ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ መጻኢ እንረኽቦ ጥቕሚ እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ግና ካብ ሕጂ ትጽቢት ክንገብር እዩ ዚደልየና። እቶም ቅቡኣት ነቲ ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ካብ ሰማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚገዝእሉ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበይዎ። (ራእ. 20:6) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ከኣ ነቲ ኻብ ስቓይን ሓዘንን ናጻ ዀይኖም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዚነብሩሉ እዋን ሃረር ይብልዎ እዮም። (ራእ. 21:3, 4) ንስኻኸ ሓደ ኻብቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም ካልኦት ኣባጊዕ ዲኻ፧ ዓስብኻ ኻብቲ ነቶም ሰማያዊ ህይወት ዚውሃቦም ዓስቢ ዚትሕት ኣይኰነን። ደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ኺነብሩ እዮም ተፈጢሮም፣ በቲ ኣብ ምድሪ ዚህልወና ህይወት ድማ ኣዚና ኽንሕጐስ ኢና።

11-12. ገለ ኻብቲ ኣብ ገነት ክንረኽቦ እንጽበዮ በረኸት እንታይ እዩ፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

11 ኣብ ገነታዊት ምድሪ እንታይ ዓይነት ህይወት ከም ዚህልወካ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። ብዛዕባ ሕማም ወይ ሞት ኣይክትጭነቕን ኢኻ። (ኢሳ. 25:8፣ 33:24) የሆዋ ንትምኒትካ ዘበለ ዅሉ ምሉእ ብምሉእ ኬዕግበልካ እዩ። ኣብ ምንታይ ዓውድታት ኢኻ ኽትነጥፍ እትደሊ፧ ኣብ ፊዚክስ ዲኻ፧ ኣብ ኬሚስትሪ ዲኻ፧ ኣብ ሙዚቃ ዲኻ፧ ወይስ ኣብ ስነ ጥበብ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ነደፍትን ሃነጽትን ሓረስቶትን ከም ዜድልዩና መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። ምግቢ ዜዳልዉ፡ ናውቲ ዚሰርሑ፡ ስፍራ ኣታኽልቲ ዚከናኸኑ፡ ከምኡ እውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ናይ ክንክን ዕዮ ዚዓይዩ ብርግጽ ኬድልዩና እዮም። (ኢሳ. 35:1፣ 65:21) ንዘለኣለም ክትነብር ስለ እትኽእል፡ ነዚ ኽእለታት እዚ ንምምዕባል ግዜ ኺህልወካ እዩ።

12 ንምዉታት ብትንሳኤ ምቕባልሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዜሐጕስ ኪኸውን እዩ! (ግብ. 24:15) ብዘይካዚ፡ እቶም ማእለያ ዘይብሎም ፍጥረታት ብዛዕባ የሆዋ እንምሃሮ ነገር እሞ ሕስብ ኣብሎ። (መዝ. 104:24፣ ኢሳ. 11:9) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ካብ ሓጢኣት ናጻ ዄንና ንየሆዋ ኸነምልኾ ኸለና ዚፈጥረልና ስምዒት እሞ ሕሰቦ። ነቲ ኣብ መጻኢ እትረኽቦ በረኸትሲ ‘ንግዜኡ ብሓጢኣት ብእትረኽቦ ባህታ’ ኽትቅይሮዶ ምደለኻ፧ (እብ. 11:25) ኣይፋልን! እቲ ሽዑ እንረኽቦ በረኸት ኣዝዩ ዜደንቕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ሕጂ እንኸፍሎ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ እንተ ዘይውሒድዎ ኣይበዝሖን እዩ። ብዛዕባ ገነታዊት ምድሪ ወትሩ ተስፋ እናገበርና ኣይኰናን ክንነብር። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ገነት ብሓቂ ኽንነብር ኢና። የሆዋ ኻብ ፍቕሪ ተላዒሉ ወዱ እንተ ዘይህበና ነይሩ፡ እዚ ዅሉ ኺርከብ ኣይምተኻእለን።

ኣብ ገነት እንታይ በረኸት ንምርካብ ኢኻ ልዕሊ ዅሉ ተሃንጢኻ እትጽበ ዘለኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ)


ንፍቕሪ የሆዋ ኸም እተማስወሉ ኣርኢ

13. ብኸመይ ኢና ንፍቕሪ የሆዋ ሞሳና ኸነርኢ እንኽእል፧ (2 ቈረንቶስ 6:1)

13 ነቲ የሆዋ በጃ ብምድላው ዝገበረልና ነገር ብኸመይ ኢና ሞሳና ኸነርኢ እንኽእል፧ ኣብ ህይወትና ንዕዮኡ ቐዳምነት ብምሃብ፡ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (ማቴ. 6:33) ስለምንታይሲ፡ የሱስ ዝሞተ፡ “እቶም ብህይወት ዘለዉ ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንስአን እምበር፡ ደጊም ንርእሶም ከይነብሩ” ኢሉ እዩ። (2 ቈረ. 5:15) እወ፡ ዕላማ ጸጋ የሆዋ ኽንስሕቶ ኣይንደልን ኢና።—2 ቈረንቶስ 6:1 ኣንብብ።

14. ብኸመይ ኢና ኣብ መምርሒ የሆዋ እምነት ከነሕድር እንኽእል፧

14 ኣብቲ የሆዋ ዚህበና መምርሒ እምነት ብምሕዳር እውን፡ ንፍቕሩ ኸም እነማስወሉ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ብኸመይ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ንኣብነት፡ ክንደይ ዚኣክል ዓለማዊ ትምህርቲ ኸም ዜድልየና፡ ወይ እንታይ ዓይነት ስራሕ ክንሰርሕ ከም ዘሎና ኽንውስን ከለና፡ የሆዋ እንታይ ክንገብር ከም ዚደልየና ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። (1 ቈረ. 10:31፣ 2 ቈረ. 5:7) እምነትና ብተግባር ከነርኢ ኸለና ኸኣ፡ ሓደ ዜደንቕ ነገር እዩ ዚፍጠር፦ ኣብ የሆዋ ዘላትና እምነት ትሕይል፡ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ከኣ ይድልድል። በዚ ኸምዚ ተስፋና ርግጽ ትኸውን።—ሮሜ 5:3-5፣ ያእ. 2:21, 22

15. ኣብ ቅንያት በዓል ዝኽሪ ብኸመይ ኢና ሞሳና ኸነርኢ እንኽእል፧

15 ብዘይካዚ፡ ንፍቕሪ የሆዋ ሞሳና ኸነርእየሉ እንኽእል ካልእ መገዲ ኣሎ። ኣብዚ ቕንያት በዓል ዝኽሪ፡ ነቲ በጃ ኽሳዕ ክንደይ ከም እነመስግነሉ ንየሆዋ ኸነርእዮ ንኽእል ኢና። ኣብ በዓል ዝኽሪ ንሕና ኽንእከብ ኣብ ልዕሊ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ንኻልኦት እውን ክንዕድም ንኽእል ኢና። (1 ጢሞ. 2:4) ነቶም እትዕድሞም ሰባት ከኣ፡ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ እንታይ ከም ዚግበር ግለጸሎም። ኣብ jw.org ዚርከብ የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮን ሞት የሱስ ዘክር ዘርእስታ ቪድዮን ከተርእዮም ትኽእል ኢኻ። ሽማግለታት ድማ፡ ንዘይንጡፋት ኪዕድምዎም ኣለዎም። ገሊኦም ካብቶም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ ናብቲ መጓሰ ምስ ተመልሱ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዚፍጠር ሓጐስ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ! (ሉቃ. 15:4-7) ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ንሕና ንሓድሕድና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓደስቲ ወይ ንነዊሕ እዋን ጠፊኦም ዝነበሩ እውን ሰላም ክንብሎም ኣሎና። ንኣጋይሽና ጽቡቕ ጌርና ኢና ኽንቅበሎም እንደሊ!—ሮሜ 12:13

16. ኣብ ቅንያት በዓል ዝኽሪ ኣገልግሎትና ኸነስፍሕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

16 ኣብ ቅንያት በዓል ዝኽሪ፡ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታትካ ወሰኽ ክትገብር ትኽእልዶ፧ ከምኡ ምግባር ሓደ ኻብቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ንዝገበሩልና ነገር ሞሳና እንገልጸሉ ጽቡቕ መገዲ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዝያዳ ብእተሳተፍና መጠን፡ ደገፉ ብዝያዳ ኢና እንርኢ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ ይሕይል። (1 ቈረ. 3:9) ብተወሳኺ እውን፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ወይ ኣብ ደብተር ኣኼባ መንጎ ሰሙን ዚወጽእ ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ተኸታቲልና ኸነንብቦ ኣሎና። ምናልባት እውን ነቲ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እቲ መጽናዕቲ ኽትገብረሉ ትደሊ ትኸውን።

17. እንታይ እዩ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ፧ (“ ንፍቕሪ የሆዋ ሞሳና ኸነርኢ እንኽእለሉ መገድታት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

17 ልክዕ እዩ፡ ንዅሉ እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ነጥብታት ንምግባር ኵነታትካ ኣይፈቕደልካን ይኸውን። የሆዋ ግና ነቲ እትገብሮ ነገር ምስ ናይ ካልኦት ኣነጻጺሩ ኸም ዘይርእዮ ዘክር። የግዳስ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ እዩ ዚርኢ። ነቲ ኽቡር ውህበቱ ዝዀነ በጃ ኻብ ልብኻ ኸም እተማስወሉ እንተ ርእዩ፡ በዚ ባህ እዩ ዚብሎ።—1 ሳሙ. 16:7፣ ማር. 12:41-44

18. ንየሆዋ ኣምላኽን ንየሱስ ክርስቶስን ኣዚና እነመስግኖም ስለምንታይ ኢና፧

18 ሳላ እቲ በጃ ጥራይ ኢና ሕድገት ሓጢኣትን ዕርክነት ምስ የሆዋን ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ክንረክብ ዝኸኣልና። እምበኣር፡ ነቲ እዚ ዅሉ በረኸት ክንረክብ ዘኽኣለና ፍቕሪ የሆዋ ዘሎና ሞሳ ወትሩ ነርኢ። (1 ዮሃ. 4:19) ነቲ ኻብ ፍቕሪ ተላዒሉ ሰብኣዊ ህይወቱ ምእንታና ዝሃበ የሱስ ዘሎና ሞሳ እውን ነርኢ።—ዮሃ. 15:13

መዝሙር 154 ዘይተቋርጽ ፍቕሪ

a ክርስቶስ ገና በጃ ኸይኰነ ኸሎ፡ የሆዋ ነቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ኣምለኽቱ ይቕረ ኢሉሎም እዩ። ወዱ ኽሳዕ ሞት እሙን ከም ዚኸውን ስለ እተኣማመነ እዩ ኸምኡ ኺገብር ክኢሉ። ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ፡ እቲ በጃ ኸም እተኸፍለ እዩ ዚቝጸር ነይሩ።—ሮሜ 3:25