ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ጥቅምቲ 2019

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 2-29 ታሕሳስ 2019 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

1919—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት

ብ1919 የሆዋ ንህዝቡ ቕድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ኺሰብኩ ሓይሊ ሂብዎም እዩ። ፈለማ ግና፡ ኣብቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዓብዪ ለውጢ ኣድልዩ ነይሩ እዩ።

ፍርድታት ኣምላኽ—ኣምላኽሲ ዅሉ ሳዕዶ እኹል መጠንቀቕታ ይህብ እዩ፧

የሆዋ ኣምላኽ ንነበርቲ ምድሪ ኻብቲ ኣብ ጸብጻብ ኵነታት ኣየር ብእተዓጻጸፈ ደረጃ ሓደገኛ ዝዀነ “ህቦብላ” የጠንቅቖም ኣሎ። ከመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ዚገብር ዘሎ፧

ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ወትሩ ብዕዮ ትሑዛት ንኹን

ኣብ መወዳእታ “ዳሕሮት መዓልትታት” እንታይ ፍጻመታት ኪህሉ እዩ፧ ነቲ ፍጻመታት ኣብ እንጽበየሉ እዋንከ የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ዚደልየና፧

ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” እሙናት ኴንና ንመላለስ

የሆዋ ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” እንታይ ክንገብር እዩ ዚጽበየና፧ እሙናት ኴንና ንምምልላስከ ሕጂ ኸመይ ጌርና ኢና ኽንዳሎ እንኽእል፧

የሆዋ እንታይ ኬዅነካ እዩ፧

ብግዜ ጥንቲ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ድሌትን ንምግባር ዓቕምን ሂብዎም እዩ። እሞ ደኣ የሆዋ ንዕኡ ንምግልጋል ብኸመይ የዕጥቐና፧

ንየሆዋ በይኑ ተወፋይነት ሃቦ

ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነት ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኽንልክዕ ዚሕግዘና ኽልተ መዳይ ህይወትና እስከ ንርአ።