ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 43

ንየሆዋ በይኑ ተወፋይነት ሃቦ

ንየሆዋ በይኑ ተወፋይነት ሃቦ

“የሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ . . . ኣምላኽ እዩ።”—ናሆ. 1:2

መዝሙር 51 ንኣምላኽ ውፉያት ኢና

መላለዪ *

1. የሆዋ ንበይኑ ተወፋይነትና ዚግብኦ ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ ፈጣሪናን ወሃብ ህይወትናን ስለ ዝዀነ፡ ንበይኑ ተወፋይነትና ይግብኦ እዩ። (ራእ. 4:11) ኣብዚ ግና ብድሆ የጋጥመና እዩ። ንየሆዋ ነፍቅሮን ነኽብሮን እኳ እንተ ዀንና፡ ብኻልእ ነገራት ተሳሒብና ነቲ ንዕኡ በይኑ ዚግባእ ተወፋይነት ከነጕድለሉ ንኽእል ኢና። እዚ ብኸመይ ኬጋጥመና ኸም ዚኽእል ኪርድኣና ኣለዎ። ፈለማ ግና፡ ንዕኡ በይኑ ተወፋይነት ክንህቦ ኺብሃል ከሎ እንታይ ከም ዜጠቓልል እስከ ንርአ።

2. ብመሰረት ዘጸኣት 34:14፡ ንየሆዋ በይኑ ውፉያት እንተ ዄንና እንታይ ኢና እንገብር፧

2 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣምላኽ ውፉይ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ንዕኡ ዓሚቝ ፍቕሪ ኸም ዘሎካ የመልክት። ንየሆዋ በይኑ ውፉያት እንተ ዄንና፡ ንዕኡ ጥራይ ኢና እነምልኾ። ዋላ ሓደ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ንየሆዋ ዚግባእ ቦታ ኺሕዝ ኣይነፍቅደሉን ኢና።—ዘጸኣት 34:14 ኣንብብ።

3. ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነት ብዕሙትና እንገብሮ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

3 ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነት ብዕሙትና እንገብሮ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ብዛዕባኡ እተምሃርናዮ ሓቅታት እተመርኰሰ እዩ። ነቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ነድንቖ ኢና። ምስቲ ንሱ ዚፈትዎን ዚጸልኦን ንሰማማዕ ኢና። ንዓና ዘለዎ ዕላማ ንርድኦን ንድግፎን ኢና። ኣዕሩኹ ኽንከውን ኣጋጣሚ ብምኽፋቱ፡ ከም ዘኽበረና ይስምዓና እዩ። (መዝ. 25:14) ብዛዕባ ፈጣሪና ዝፈለጥናዮ ዘበለ ዅሉ ኽንቀርቦ ይድርኸና እዩ።—ያእ. 4:8

4. (ሀ) ድያብሎስ ነቲ ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነት ንምድኻም እንታይ እዩ ዚጥቀም፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

4 ድያብሎስ ነዚ ስርዓት እዚ ይቈጻጸሮ እዩ፣ ብእኡ ኣቢሉ ኸኣ ንሰብኣዊ ትምኒትናን ንስጋዊ ድኽመትናን ዚስሕብ ነገራት የቕርበልና እዩ። (ኤፌ. 2:1-3፣ 1 ዮሃ. 5:19) ሸቶኡ ኸኣ ንየሆዋ በይኑ ውፉያት ምእንቲ ኸይንኸውን፡ ፍቕርና ኪኸፋፍል ዚኽእል ነገራት ምሃብ እዩ። እተወሰነ ኣሳልጦ ዝረኸበሉ ኽልተ መገዲ እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ደድሕሪ ሃብቲ ኽንስዕብ ይፍትነና እዩ፣ ካልኣይ፡ ሕማቕ ናይ መዘናግዒ ምርጫታት ምእንቲ ኽንገብር ኪጸልወና ይጽዕር እዩ።

ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ተጠንቀቕ

5. ፍቕሪ ገንዘብ ከይነማዕብል ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

5 ብተፈጥሮና እኹል ምግብን ጽቡቕ ክዳንን ብቑዕ መንበርን ንደሊ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ፍቕሪ ገንዘብ ከይነማዕብል ክንጥንቀቕ ኣሎና። ብዙሓት ክፍሊ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝዀኑ ሰባት፡ “ፈተውቲ ገንዘብ”ን ፈተውቲ እቲ ገንዘብ ኪዕድጎ ዚኽእል ነገራትን እዮም። (2 ጢሞ. 3:2) የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ ዝበለ ፍቕሪ ንምምዕባል ኪፍተኑ ኸም ዚኽእሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣ ወይ ከኣ ናብቲ ሓደ ለጊቡ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ዚብል ምዕዶ ሂቡ ኣሎ። (ማቴ. 6:24) ሃብቲ እዛ ዓለም እዚኣ ንምጥራይ ብዙሕ ግዜን ጻዕርን እናወፈየ ንየሆዋ ዜምልኽ ሰብ፡ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ከም ዚፍትን ሰብ እዩ። ከምኡ እንተ ገይሩ፡ ንየሆዋ በይኑ ተወፋይነት ኪህቦ ኣይክእልን እዩ።

ገሊኦም ሎዲቅያውያን ብዛዕባ ርእሶም ዝነበሮም ኣረኣእያ . . . የሆዋን የሱስን ብዛዕባኦም ዝነበሮም ኣረኣእያ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)

6. ካብቲ የሱስ ኣብ ሎዲቅያ ንእትርከብ ጉባኤ እተዛረቦ ቓላት እንታይ ንምሃር፧

6 ኣብ ኣጋ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ኣባላት እታ ኣብ ከተማ ሎዲቅያ ዝነበረት ጉባኤ፡ “ሃብታም እየ፡ ሃብቲመ እየ፡ ገለ እኳ ኣየድልየንን” ኢሎም ይምክሑ ነይሮም እዮም። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋን የሱስን ግና፡ “ምግዱርን ዜደንግጽን ድኻን ዕዉርን ዕሩቕን” እዮም ነይሮም። የሱስ ንዓታቶም፡ ሃብታማት ስለ ዝዀኑ ዘይኰነስ፡ ፍቕሪ ገንዘብ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮም ርክብ ስለ ዘበላሸዎ እዩ መኺርዎም። (ራእ. 3:14-17) ደድሕሪ ሃብቲ ንምስዓብ ኣብ ልብና ድሌት ከም ዘሎና እንተ ኣስተብሂልና፡ ኣተሓሳስባና ንምዕራይ ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። (1 ጢሞ. 6:7, 8) ከምኡ እንተ ዘይጌርና፡ ልብና ኺከፋፈል እሞ የሆዋ ንኣምልኾና ኸይቅበሎ ይኽእል እዩ። የሆዋ “ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ ኣምላኽ እዩ።” (ዘዳ. 4:24) እሞ ደኣ ኣብቲ ብዛዕባ ገንዘብ ዘሎና ኣረኣእያ ኸመይ ጌርና ኢና ሚዛንና ኽንስሕት እንኽእል፧

7-9. ካብ ተመክሮ ሓደ ዴቪድ ዝስሙ ሽማግለ እንታይ ተማሂርካ፧

7 ንሓደ ዴቪድ ዚብሃል ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ትጉህ ሽማግለ ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ንሱ ውፉይ ሰራሕተኛ ኸም ዝዀነ ገይሩ እዩ ገዛእ ርእሱ ዚገልጽ። ኣብታ ዚሰርሓላ ዝነበረ ኩባንያ ድማ ናይ ስራሕ ዕቤት ተዋህቦ፣ ኣብቲ ዓውዲ ስራሑ ኸኣ ሃገራዊ ተፈላጥነት ረኸበ። ዴቪድ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እዚ ዓስብታት እዚ ኸም መርትዖ በረኸት የሆዋ ገይረ እየ ርእየዮ” ይብል። ብሓቂ ግና ከምኡ ድዩ ነይሩ፧

8 ዴቪድ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ስራሑ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ዕርክነት ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድር ከም ዘሎ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ኪርኢ ጀመረ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ኣገልግሎትን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስራሕ ዘጋጠመኒ ጸገማት እሓስብ ነይረ። ብዙሕ ገንዘብ ይኽፈለኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ተወሳኺ ጸቕጢ ይስምዓኒ ነይሩ፣ ሓዳረይ እውን ጸገማት ኬጋጥሞ ጀሚሩ” ይብል።

9 ዴቪድ ነቲ ቐዳምነት ዚህቦ ነገር ደጊሙ ኺምርምሮ ኸም ዘለዎ ኣስተውዓለ። ብዛዕባኡ ድማ፡ “ኵነታተይ ከዐርዮ ጽኑዕ ውሳነ ገይረ እየ” ይብል። ኣብ ሰዓታት ስራሑ ምትዕርራይ ኪገብር ደለየ፣ ብዛዕባ እዚ ድማ ንኣስራሒኡ ነገሮ። እሞኸ እዚ እንታይ ኣፍረየሉ፧ ዴቪድ ብሰንኪ እዚ ስራሑ ሰኣነ! ድሕርዚኸ እንታይ ገበረ፧ “ንጽብሒቱ፡ ብቐጻሊ ሓጋዚ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ኣመልኪተ” ኢሉ ባዕሉ የዘንቱ። ዴቪድን ሰበይቱን ዜድልዮም ዘበለ ንምምእራር፡ ናይ ጽሬት ስራሕ ኪሰርሑ ጀመሩ። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ኸኣ ንሱ ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ፣ ሰበይቱ እውን ጸኒሓ ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ተጸምበረቶ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ብብዙሓት ዚንዓቕ ዓለማዊ ስራሕ ኪሰርሑ ወሰኑ፣ ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ዚሰርሕዎ ዓይነት ስራሕ ንዓታቶም ብዙሕ ኣይገደሶምን። ኣታዊኦም ምስቲ ናይ ቀደሞም ኪነጻጸር ከሎ ሓደ ዕስሪት እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ወወርሒ ወጻኢታቶም ንምሽፋን ዚኣክል ገንዘብ ኣይሰኣኑን። ንየሆዋ ቐዳምነት ኪህብዎ እዮም ዚደልዩ፣ ንሱ ነቶም ንመንግስቱ ዜቐድሙ ኸም ዚሓልየሎም ከኣ ኣብ ህይወቶም ርእዮም እዮም።—ማቴ. 6:31-33

10. ከመይ ጌርና ኢና ንልብና ኽንጥንቀቐሉ ዘሎና፧

10 ስጋዊ ጥሪትና ሒደት ይኹን ብዙሕ ብዘየገድስ፡ ንልብና ኽንጥንቀቐሉ ኣሎና። ብኸመይ፧ ከምኡ ንምግባር፡ ፍቕሪ ሃብቲ ኣይተማዕብል። ዓለማዊ ስራሕካ ኻብቲ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣገልግሎት ንላዕሊ ቐዳምነት ኪውሃቦ ኣይትፍቀድ። ከምኡ ይኸውን ከይህሉ ኸመይ ጌርካ ኽትፈልጥ ትኽእል፧ ነዚ ንምፍላጥ፡ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ገዛእ ርእስኻ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ፦ ‘ኣብ ኣኼባታት ወይ ኣብ ኣገልግሎት ክኸውን ከለኹ፡ ብዙሕ ሳዕ ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሐይ እሓስብ ድየ፧ ንመጻኢ እኹል ገንዘብ ብዛዕባ ምውህላል ብቐጻሊ እጭነቕ ድየ፧ ገንዘብን ስጋዊ ጥሪትን ኣብ ሓዳረይ ጸገም ይፈጥር ኣሎ ድዩ፧ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝያዳ ግዜ ኽረክብ ኢለ ብኻልኦት ዚንዓቕ ዓለማዊ ስራሕ ንምስራሕ ፍቓደኛ ምዀንኩዶ፧’ (1 ጢሞ. 6:9-12) ነዚ ሕቶታት እዚ ኽንሓስበሉ ኸለና፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ኣይንረስዕ፣ ነቶም ንዕኡ ውፉያት ዝዀኑ ድማ፡ “ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ” ኢሉ ቓል ከም ዝኣተወ ንዘክር። ስለዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን” ኢሉ ዝጸሓፈ።—እብ. 13:5, 6

መዘናግዒኻ ተጠንቂቕካ ምረጽ

11. መዘናግዒ ንሰብ እንታይ ኪገብሮ ይኽእል፧

11 የሆዋ ብህይወትና ኽንሕጐስ ይደልየና እዩ፣ መዘናግዒ ኸኣ ከምኡ ንምግባር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ፡ ቃል ኣምላኽ፡ “ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ብጻዕሩ ኻብ ምሕጓስን ዚሓይሽ ሓንቲ እኳ የብሉን” ይብል እዩ። (መክ. 2:24) ይኹን እምበር፡ ኣብ ዓለም ዚርከብ መብዛሕትኡ መዘናግዒ ኣባና ሕማቕ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት ሰባት ከም ዜንቈልቍል ኪገብር ይኽእል እዩ። ሰባት ነቲ ቓል ኣምላኽ ዚዅንኖ ነገር ኪቕበልዎ ወይ ሕሉፍ ሓሊፎም ኪፈትውዎ የተባብዕ እዩ።

መን እዩ ንመዘናግዒኻ ዜዳለዎ ዘሎ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-14 ርአ) *

12. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 10:21, 22፡ መዘናግዒና ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12 ንየሆዋ በይኑ ተወፋይነት ክንህቦ ንደሊ ኢና፣ ስለዚ፡ ካብ “መኣዲ የሆዋን” ካብ “መኣዲ ኣጋንንትን” ክንበልዕ ኣይንኽእልን ኢና። (1 ቈረንቶስ 10:21, 22 ኣንብብ።) ምስ ሓደ ሰብ ኣብ መኣዲ ምብላዕ፡ ምልክት ዕርክነት እዩ። ዓመጻ፡ መናፍስትነት፡ ምንዝርና፡ ወይ ካልእ ስጋዊ ትምኒታትን ኣረኣእያታትን ዜንጸባርቕ መዘናግዒ እንተ መሪጽና፡ ብኻልእ ኣበሃህላ ኻብቲ ብጸላእቲ ኣምላኽ እተዳለወ መኣዲ ኢና እንበልዕ ዘለና። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ገዛእ ርእስና ኣብ ልዕሊ ምጕዳእና፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ እውን ነበላሹ ኢና።

13-14. ብመሰረት ያእቆብ 1:14, 15፡ ንኣእምሮና ግጉይ ትምኒታት ከይንምግቦ ኽንጥቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

13 መዘናግዒ ኸም ምግቢ ዝዀነሉ ገለ መገድታት እስከ ንርአ። ክንበልዕ ከለና፡ ኣብ ኣፍና እነእትዎ ምግቢ ኽንሓሪ ንኽእል ኢና። ሓንሳእ ነቲ ምግቢ ምስ ወሓጥናዮ ግና፡ ብኡብኡ እተፈላለየ መስርሓት ይጅምር እሞ ኣብቲ ምግቢ ዘሎ መዓዛታት ኣብ መወዳእታኡ ኽፍሊ ሰብነትና ይኸውን። ጽቡቕ ምግቢ ንጥዕናና ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ፣ ሕማቕ ምግቢ ግና ንጥዕናና ኼበላሽዎ ይኽእል እዩ። ውጽኢቱ ብኡብኡ ዘይርአ እኳ እንተ ዀነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ግና ይግሃድ እዩ።

14 ብተመሳሳሊ ኸኣ፡ መዘናግዒ ኣብ እንመርጸሉ እዋን፡ ናብ ኣእምሮና ንእነእትዎ ነገር ክንቈጻጸሮ ንኽእል ኢና። ድሕሪኡ ግና፡ እቲ መዘናግዒ ኣብ ውሽጢ ኣትዩ ስራሑ ምስ ሰርሐ፡ ንኣእምሮናን ንልብናን ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። ጽቡቕ መዘናግዒ ንመንፈስና ኼሐድሶ ይኽእል እዩ፣ ሕማቕ መዘናግዒ ግና ኪጐድኣና ይኽእል እዩ። (ያእቆብ 1:14, 15 ኣንብብ።) ሕማቕ መዘናግዒ ዜሕድሮ ጽልዋ ብኡብኡ ኣይግሃድን ይኸውን፣ ውዒሉ ሓዲሩ ግና ብግሁድ ይርአ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ዜጠንቅቕ፦ “ኣይትታለሉ፦ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ። እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእሲ፡ ካብ ስጋኡ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ።” (ገላ. 6:7, 8) እምበኣር፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዚጸልኦ መዘናግዒ ኸነርሕቖ ኣሎና።—መዝ. 97:10

15. የሆዋ እንታይ ባህ ዜብል ህያብ እዩ ኣዳልዩልና ዘሎ፧

15 ብዙሓት ህዝቢ የሆዋ ነቲ ብኢንተርነት ዚፍኖ ጥዑይ መደባት ዘለዎ ፈነወ JW ዚብሃል መደበር ተለቪዥንና ይፈትውዎ እዮም። መርሊን ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ፈነወ JW ብዝያዳ ኣወንታዊት ክኸውን ሓጊዙኒ እዩ፣ ነቲ ትሕዝቶኡ ኸኣ ክጥንቀቐሉ ኣየድልየንን እዩ። ጽምዋ ኺስምዓኒ ወይ ተስፋ ክቘርጽ ከለኹ፡ ዜተባብዕ መደረ ወይ መደብ ኣምልኾ ንግሆ እርኢ እየ። እዚ ኸኣ ናብ የሆዋን ናብ ውድቡን ብዝያዳ የቕርበኒ እዩ። መሰናድዎ ፈነወ JW ንህይወተይ ምሉእ ብምሉእ ቀይርዎ እዩ።” ንስኻኸ ኻብ ህያብ የሆዋ ትጥቀምዶ ኣለኻ፧ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ወወርሒ ዚወጽእ ሓድሽ መደብ፡ ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ኽትሰምዖ እትኽእል ብዙሕ መደባት ኣውድዮን ቪድዮን ሃናጺ መዝሙራትን ኣለዎ።

16-17. ነቲ ንመዘናግዒ እነሕልፎ ንውሓት ግዜ ተጠንቂቕና ኽንቈጻጸሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧

16 ነቲ እንጥቀመሉ ዓይነት መዘናግዒ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብኡ እነሕልፎ ንውሓት ግዜ እውን ተጠንቂቕና ኽንቈጻጸሮ ኣሎና። ከምኡ እንተ ዘይጌርና፡ ካብቲ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል እነሕልፎ ግዜ ንላዕሊ ኣብ ምዝንጋዕ ከነሕልፍ ኢና። ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ መዘናግዒ ዜሕልፍዎ ንውሓት ግዜ ምቍጽጻሩ ይኸብዶም እዩ። ኣቢጋይል ዝስማ ጓል 18 ዓመት ሓብቲ፡ “መዓልቲ ኽሰርሕ ድሕሪ ምውዓለይ፡ ቲቪ ምርኣይ የዛንየኒ እዩ። እንተ ዘይተጠንቂቐ ግና፡ ነዊሕ ሰዓታት ኣብ ቅድሚ ቲቪ ኸሕልፍ እኽእል እየ” ትብል። ሳሙኤል ዝስሙ መንእሰይ ሓው ከኣ፡ “ኣብ ኢንተርነት ብዙሕ ሓጸርቲ ቪድዮታት እርኢ እየ። ሓንቲ ጥራይ ኢለ እጅምር እሞ፡ ከይተፈለጠኒ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሰዓት በሪሩ ይኸይድ” ይብል።

17 ነቲ ኣብ መዘናግዒ እተሕልፎ ንውሓት ግዜ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧ ፈለማ፡ ኣብኡ ኽንደይ ዚኣክል ግዜ ተሕልፍ ከም ዘለኻ ፍለጥ። ከምኡ ንምግባር፡ ንምንታይ ኣብ ሓደ ሰሙን ዘሕለፍካዮ ግዜ ዘይትምዝግቦ፧ ተለቪዥን ኣብ ምርኣይን ኢንተርነት ኣብ ምጕርጓርን ኣብ ሞባይልካ ጸወታታት ኣብ ምጽዋትን ዘሕለፍካዮ ግዜ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ጽሓፎ። እምብዛ ብዙሕ ግዜ ተሕልፍ ከም ዘለኻ እንተ ተሰሚዑካ፡ መደብ ከተውጽእ ፈትን። መጀመርታ ነቲ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ግዜ መድብ፡ ድሕሪኡ ንመዘናግዒ ዚኸውን ግዜ መድብ። ቀጺልካ፡ ነቲ መደብካ ንምስዓብ የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዘካ ለምኖ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንብሕታዊ መጽናዕቲ፡ ንኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ንኣኼባታት ጉባኤ፡ ከምኡ ድማ ብዕዮ ስብከትን ትምህርትን ኣቢልካ ንየሆዋ ንእተቕርቦ ኣገልግሎት ዚኸውን ግዜን ጕልበትን ኪህልወካ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መዘናግዒ እተሕልፎ ግዜ እውን ሕማቕ ኣይኪስምዓካን እዩ።

ወትሩ ንየሆዋ በይኑ ውፉይ ኩን

18-19. ንየሆዋ በይኑ ውፉያት ምዃንና ኸመይ ጌርና ኸነርኢ ንኽእል፧

18 ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ መወዳእታ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለምን ብዛዕባ ምምጻእ ሓዳስ ዓለምን ድሕሪ ምጽሓፉ፡ “ፍቑራተየ፡ ነዚ ትጽበዩ ኻብ ኣለኹም፡ ብዘይ ርስሓትን ብዘይ ኣበርን ኴንኩም ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ” ኢሉ እዩ። (2 ጴጥ. 3:14) ነቲ ምኽሪ እቲ እንተ ሓሊናዮን ብስነ ምግባራዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ንጹሃት ንምዃን ዚከኣለና እንተ ጽዒርናን፡ ንየሆዋ በይኑ ውፉያት ከም ዝዀንና ነርኢ ኢና።

19 ሰይጣንን ስርዓቱን ንቐዳምነታትና ኬቐይሩና ኢሎም ወትሩ ህርድግ ይብሉ እዮም። (ሉቃ. 4:13) እንተዀነ ግና፡ ዜጋጥመና ፈተናታት ብዘየገድስ፡ ዋላ ሓደ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ንየሆዋ እተመደበ ቦታ ኺወስዶ ኣይንፈቅድን ኢና። ንየሆዋ ነቲ ንሱ በይኑ ዚግብኦ ነገር ኽንህቦ ቘሪጽና ኣለና፣ እወ፡ ንዕኡ በይኑ ተወፋይነት ክንህቦ ኢና!

መዝሙር 30 ኣቦይ፡ ኣምላኸይ፡ ፈታውየይ

^ ሕ.ጽ. 5 ንየሆዋ ንምግልጋል ውፉያት ኢና። ግናኸ፡ ንዕኡ በይኑ ዲና ውፉያት፧ መልስና በቲ እንገብሮ ውሳነ እዩ ዚርአ። ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነት ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኽንልክዕ ዚሕግዘና ኽልተ መዳይ ህይወትና እስከ ንርአ።

^ ሕ.ጽ. 53 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ረሳሕ ክሽነ ብምድላዉ እተበከለ ምግቢ ኽንበልዕ ኣይንደልን ኢና። እሞ ደኣ ስለምንታይ ኢና ብዓመጻ፡ ብመናፍስትነት፡ ወይ ብምንዝርና እተበከለ መዘናግዒ ኽንርኢ እንደሊ፧