ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 41

ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” እሙናት ኴንና ንመላለስ

ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” እሙናት ኴንና ንመላለስ

“ኣቱም እሙናቱ ዅልኹም፡ ንየሆዋ ኣፍቅርዎ! የሆዋ ንእሙናት የዕቍቦም።”—መዝ. 31:23

መዝሙር 129 ክንጻወር ኢና

መላለዪ *

1-2. (ሀ) ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣህዛብ እንታይ ኪእውጁ እዮም፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት እዩ ምላሽ ዜድልዮ፧

ኣህዛብ ነቲ ነዊሕ ትጽቢት እተገብረሉ ኣዋጅ “ሰላምን ደሓንን” ከም ዚእውጁ ጌርካ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ዓለም ሰላም ከም ዝሰፈና ገይሮም ይምክሑ ይዀኑ። ንጸገማት ዓለም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ከም ዘእተውዎ ይሓስቡ ይዀኑ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ስዒቡ ዚኸውን ነገር ጠሪሶም ኪቈጻጸርዎ ኣይኪኽእሉን እዮም! ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሽዑ ሃንደበታዊ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም፣ ከቶ እውን ኣይኬምልጡን እዮም።”—1 ተሰ. 5:3

2 እዚ ኸኣ ምላሽ ዜድልዮ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ኣገዳሲ ሕቶታት የበግስ እዩ፦ ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” እንታይ ኪኸውን እዩ፧ የሆዋ ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ክንገብር እዩ ዚጽበየና፧ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ እሙናት ኴንና ንምምልላስከ ሕጂ ኸመይ ጌርና ኢና ኽንዳሎ እንኽእል፧—ማቴ. 24:21

ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” እንታይ ኪኸውን እዩ፧

3. ብመሰረት ራእይ 17:5, 15-18፡ ኣምላኽ ን“ዓባይ ባቢሎን” ብኸመይ እዩ ዜጥፍኣ፧

3 ራእይ 17:5, 15-18 ኣንብብ። “ዓባይ ባቢሎን” ክትጠፍእ እያ! ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ፡ ኣህዛብ ነቲ ሽዑ ዜጋጥም ነገር ኪቈጻጸርዎ ኣይኪኽእሉን እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ “ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኺገብሩ፡ . . . ኣብ ልቦም” ኬእቱ እዩ። እቲ ሓሳብ እቲ እንታይ እዩ፧ ነታ ናይ ዓለም ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ እንተላይ ንህዝበ ክርስትያን * ምጥፋእ እዩ። ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኣብ ልቢ እቶም ኣብቲ “ቐይሕ ኣራዊት” ዘለዉ “ዓሰርተ ቐርኒ” ኼእቱ እዩ። እቶም ዓሰርተ ቐርኒ ኸኣ ንዅሎም እቶም ነቲ “ቐይሕ ኣራዊት፡”—ማለት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡—ዚድግፍዎ ፖለቲካውያን ሓይልታት የመልክቱ። (ራእ. 17:3, 11-13፣ 18:8) ፖለቲካውያን ሓይልታት ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ተገልበጥዋ፡ እዚ መጀመርታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ። ብሓቂ ድማ ኣብ ብዘላ ዓለም ዓብዪ ጥፍኣት ኬምጽእ እዩ።

4. (ሀ) ኣህዛብ ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት መጥቃዕቲ ንምፍናው እንታይ ምኽንያታት ኪጥቀሙ እዮም፧ (ለ) ኣባላት እተን ሃይማኖታት ዝነበሩ ሰባት እንታይ እዮም ዚገብሩ ዚዀኑ፧

4 ኣህዛብ ኣብ ዓባይ ባቢሎን መጥቃዕቲ ንምፍናው እንታይ ምኽንያታት ከም ዚጥቀሙ ኣይንፈልጥን ኢና። ሃይማኖታት ዓለም ንሰላም ዕንቅፋት ከም ዝዀናን ኣብ ፖለቲካ ወትሩ ጣልቃ ኸም ዚኣትዋን ይኸስሱ ይዀኑ። ወይ ድማ ሃይማኖታዊ ውድባት ብዙሕ ሃብትን ንብረትን ከም ዝደለባ ይዛረቡ ይዀኑ። (ራእ. 18:3, 7) እዚ መጥቃዕቲ እዚ ንዅሎም ኣባላት እተን ሃይማኖታት ከም ዘየጥፍእ ጌርና ኽንድምድም ንኽእል ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣህዛብ ንሃይማኖታዊ ውድባት እዮም ዜጥፍኡ ኪዀኑ ዘለዎም። እተን ውድባት እቲአን ምስ ጠፍኣ፡ እቶም ኣባላተን ዝነበሩ ሰባት፡ መራሕቲ ሃይማኖቶም ቃሎም ከም ዘዕበሩ ርእዮም ሽዑ ኻብ ሃይማኖቶም ይርሕቁ ይዀኑ።

5. የሆዋ ብዛዕባ እቲ ብርቱዕ ጸበባ እንታይ ቃል እዩ ኣትዩ ዘሎ፧ ስለምንታይከ፧

5 ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን ክንደይ ዝኣክል ንውሓት ግዜ ኸም ዚወስድ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ፣ ብተዛማዲ ሓጺር ግዜ ኸም ዚኸውን ግና ንፈልጥ ኢና። (ራእ. 18:10, 21) እቶም “ሕሩያት” ምእንቲ ኸይጠፍኡን ናይ ሓቂ ሃይማኖትን ምእንቲ ኸይትጠፍእን፡ የሆዋ ‘ነተን መዓልትታት እቲአን ኸም ዜሕጽረን’ ቃል ኣትዩ ኣሎ። (ማር. 13:19, 20) ኰይኑ ግና፡ ካብ መጀመርታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኽሳዕ ውግእ ኣርማጌዶን ኣብ ዘሎ ግዜ፡ የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ዚጽበየና፧

ንንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ብቐጻሊ ንደግፍ

6. ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘሎና ርክብ ምብታኽ ጥራይ እኹል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

6 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ኻብ ዓባይ ባቢሎን ኪፍለዩ ይደልዮም እዩ። ከምኡ ንምግባር ግና ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘሎና ርክብ ካብ ምብታኽ ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ንናይ ሓቂ ሃይማኖት፡ ማለት ንንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ኽንድግፍ ኣሎና። ከምኡ ኽንገብረሉ እንኽእል ኽልተ መገዲ እስከ ንርአ።

ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን እንተ ዀነ፡ ኣኼባና ኸቶ ኣይንሕደግ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ) *

7. (ሀ) ከመይ ጌርና ኢና ነቲ ቕኑዕ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ብጽኑዕ ክንድግፎ እንኽእል፧ (ለ) እብራውያን 10:24, 25 ምናዳ ሕጂ ኣኼባና ኽንሓድግ ከም ዘይብልና እተጕልሓልና ብኸመይ እያ፧

7 ቀዳማይ፡ ነቲ ቕኑዕ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ብጽኑዕ ክንድግፎ ኣሎና። መትከላትን ስርዓታትን ዓለም ክንቅበል ግቡእ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ንዝዀነ ዓይነት ምንዝርና፡ እንተላይ ነቲ ኣብ መንጎ ሕደ ጾታ ዚግበር መውስቦን ካልእ ግብረ ሶዶማዊ ተግባራትን ኣይንቕበሎን ኢና። (ማቴ. 19:4, 5፣ ሮሜ 1:26, 27) ካልኣይ፡ ምስ ክርስትያናት ብጾትና ሓቢርና ኣምልኾና ኽንቅጽል ኣሎና። ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ፡ ማለት ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ ብምስጢር ኣብ ብሕታዊ ኣባይቲ ኣምልኾና ኽንቅጽል ኣሎና። ዝመጸ እኳ እንተ መጸ፡ ንኣምልኾ ኻብ ምእካብ ኣይከነቋርጽን ኢና። እኳ ደኣስ ‘እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽንርኢ ኸለና፡ ነዚ ብዝያዳ ኽንገብሮ ኣሎና።’—እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።

8. ኣብ መጻኢ መልእኽትና ብኸመይ እዩ ምልዋጡ ዘይተርፎ፧

8 ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ እቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ምልዋጡ ኣይተርፎን እዩ። ሕጂ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ንጽዕርን ኢና ዘለና። ኣብቲ ግዜ እቲ ግና፡ ካብ ሰማይ ከም ዚዘንም በረድ ዝኣመሰለ ኸቢድ መልእኽቲ ነብጽሕ ንኸውን። (ራእ. 16:21) ናይ ሰይጣን ዓለም ናብ ጥፍኣት ገጻ ኸም ዝቐረበት ንእውጅ ንኸውን። መልእኽትና እንታይ ከም ዚኸውንን ብኸመይ ከም እነብጽሖን ኣብ ግዜኡ ብልክዕ ክንፈልጦ ኢና። ነቲ ንኣማእታት ዓመታት ኣገልግሎትና ንምፍጻም እንጥቀመሉ ዝነበርና ሜላታት ዲና ኽንጥቀም፡ ወይስ ካልእ ሜላታት፧ ሽዑ ኽንርእዮ ኢና። ዝዀነ ዀይኑ፡ መልእኽቲ ፍርዲ የሆዋ ብትብዓት ናይ ምእዋጅ ፍሉይ መሰል ዚውሃበና እዩ ዚመስል።—ህዝ. 2:3-5

9. መልእኽትና ንኣህዛብ እንታይ ንምግባር ከም ዚልዓዓሉ እዩ ኸይገበሮም ዘይተርፍ፧ ግናኸ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

9 መልእኽትና ንኣህዛብ ሓንሳእን ንሓዋሩን ኣፍና ኺዓብሱና ኸም ዚልዓዓሉ ኸይገበሮም ኣይተርፍን እዩ። ከምቲ ሕጂ ኣብ ኣገልግሎትና ደገፍ ንምርካብ ናብ የሆዋ እንጽጋዕ፡ ሽዑ እውን ደገፉ ኼድልየና እዩ። ኣምላኽና ፍቓዱ ንምፍጻም ዜኽእል ብርታዐ ኸም ዚህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ሚክ. 3:8

ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ንዚፍኖ መጥቃዕቲ ድሉዋት ንኹን

10. ከምቲ ኣብ ሉቃስ 21:25-28 ብትንቢት ተነጊሩ ዘሎ፡ መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ኣብ እዋን ብርቱዕ ጸበባ ኸመይ ኪስምዖም እዩ፧

10 ሉቃስ 21:25-28 ኣንብብ። ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ሰባት፡ ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ቀዋሚ ኢሎም ዚሓስብዎ ዝነበሩ ነገራት ኪፈርስ ምስ ረኣዩ፡ ኪስምብዱ እዮም። ኣብቲ ዝኸፍአ ጸልማት ታሪኽ ወዲ ሰብ ምስ ኣተዉ፡ ንህይወቶም ስለ ዚፈርሁ፡ ብዙሕ ኪጭነቑ እዮም። (ጸፎ. 1:14, 15) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንህዝቢ የሆዋ እውን ህይወት ኣጸጋሚ ኸይኰኖም ኣይተርፍን እዩ። ካብ ዓለም ብዘይምዃንና ኸኣ፡ ገለ ጸገማት የጋጥመና ይኸውን። ገሊኡ መሰረታዊ ነገራት እውን ኣይንረክብን ንኸውን።

11. (ሀ) ኣብ መጻኢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚትኰረሎም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ስለምንታይ ኢና ንብርቱዕ ጸበባ ኽንፈርሆ ዘይብልና፧

11 እቶም ሃይማኖታቶም ኪጠፍኣ ዝረኣዩ ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሃይማኖቶም ሒዞም ኪቕጽሉ ብምርኣዮም ይሓርቁ ይዀኑ። እዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብን ኣብ ካልእን ዚፈጥሮ ያዕያዕታ መሸም ክንግምቶ ንኽእል ኢና። ሃይማኖትና ጥራይ ብምትራፋ፡ ኣህዛብን ገዛኢኦም ሰይጣንን ጽልኢ ኺሓድሮም እዩ። ነቲ ንዅሉ ሃይማኖት ካብ ገጽ ምድሪ ንምድምሳስ ዚገብርዎ ሸቶ ኣይኪወቕዑን እዮም። ስለዚ፡ ኣባና ኼተኵሩ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣህዛብ፡ ጎግ ብዓል ማጎግ * ኪዀኑ እዮም። ኣብ ህዝቢ የሆዋ ብዅሉ ሓይሎም ብርቱዕ መጥቃዕቲ ንምፍናው ብሓደ ኺሰምሩ እዮም። (ህዝ. 38:2, 14-16) እቲ ሽዑ ዚኸውን ዝርዝር ነገራት ብልክዕ ስለ ዘይንፈልጦ፡ ብዛዕባኡ ምሕሳብ የሻቕለና ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ሓደ ነገር ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና፦ ንብርቱዕ ጸበባ ኽንፈርሆ የብልናን። ህይወትና ንምድሓን፡ የሆዋ መምርሒ ኺህበና እዩ። (መዝ. 34:19) ሽዑ፡ ‘ድሕነትና ኸም ዝቐረበ’ ፈሊጥና፡ ‘ቅንዕ ክንብል፡ ርእስና እውን ከነልዕል’ ንኽእል ኢና። *

12. እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ነቲ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ነገር ብኸመይ እዩ ዜዳልወና ዘሎ፧

12 እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ እሙናት ኴንና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ኬዳልወና ጸኒሑ እዩ። (ማቴ. 24:45) ነዚ ኸኣ ብብዙሕ መገድታት ኪገብሮ ጸኒሑ እዩ፣ ሓደ ኣብነት ድማ ካብ 2016-2018 እተገብረ እዋናዊ ኣኼባታት ዞባ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። እቲ ኣኼባታት እቲ፡ መዓልቲ የሆዋ ኣብ እትቐርበሉ እዋን ዜድልየና ባህርያት ከነማዕብል ኣተባቢዑና እዩ። ነዚ ባህርያት እዚ ኣሕጽር ኣቢልና እስከ ንኸልሶ።

ተኣማንነትናን ተጻዋርነትናን ትብዓትናን ነደልድል

ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ንምድሓን፡ ሕጂ ተዳሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 13-16 ርአ) *

13. ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ብኸመይ ኢና ኸነደልድል እንኽእል፧ ስለምንታይከ ኢና ሕጂ ኸምኡ ኽንገብር ዘሎና፧

13 ተኣማንነት፦ ፍረ ነገር ኣኼባ ዞባ 2016፡ “ንየሆዋ እሙናት ኩኑ!” ዚብል እዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ እቲ ድማ፡ ምስ የሆዋ ጥቡቕ ብሕታዊ ርክብ እንተ ኣልዩና፡ ንዕኡ እሙናት ከም እንኸውን ተማሂርና ኢና። ብልባዊ ጸሎትን ብትግሃት ብዚግበር መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽን ኣቢልና ንየሆዋ ኽንቀርቦ ኸም እንኽእል መዘኻኸሪ ተዋሂቡና እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ኣመና ኸቢድ ዕንቅፋታት ንምስጋር ብርታዐ ኽንረክብ ኢና። ስርዓት ሰይጣን ናብ መወዳእታኡ እናቐረበ ምስ ከደ፡ ንኣምላኽን ንመንግስቱን ዘሎና ተኣማንነት ብዝያዳ ኺፍተን ንጽበ ኢና። ኣደዳ ላግጺ ምዃንና እውን ዘይተርፍ እዩ ዚመስል። (2 ጴጥ. 3:3, 4) ምናዳ ኣብ ገለልትነትና ዚቐርብ ፈተና እናሓየለ ምስ ከደ፡ እዚ መትከልና እዚ ጠንቂ ላግጺ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ እሙናት ኴንና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ሕጂ ተኣማንነትና ኸነደልድል ኣሎና።

14. (ሀ) ምስቶም ኣብ ምድሪ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ብዚተሓሓዝ እንታይ ለውጢ ኺህሉ እዩ፧ (ለ) ስለምንታይ ኢና ኣብቲ ግዜ እቲ እሙናት ክንከውን ዜድልየና፧

14 ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ምስቶም ኣብ ምድሪ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ብዚተሓሓዝ ለውጢ ኺህሉ እዩ። ኣብ ሓደ ግዜ፡ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዅሎም ቅቡኣት ኣብቲ ውግእ ኣርማጌዶን ንምስታፍ ናብ ሰማይ ኪእከቡ እዮም። (ማቴ. 24:31፣ ራእ. 2:26, 27) እዚ ኸኣ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ምድሪ ኣይህሉን ማለት እዩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ተወዲቦም ኪቕጽሉ እዮም። ካብ ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ኽኢላታት ኣሕዋት ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ኪህልዎም እዩ። ሽዑ፡ ነቶም ኣሕዋት እቲኦም ብምድጋፍን ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መምርሒ ብምስዓብን፡ ተኣማንነትና ኸነርኢ ኼድልየና እዩ። ድሕነትና ኣብኡ እዩ ዚምርኰስ።

15. ከመይ ጌርና ኢና ተጻዋርነትና ኸነደልድል እንኽእል፧ ሕጂ ኸምኡ ኽንገብር ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

15 ተጻዋርነት፦ ፍረ ነገር ኣኼባ ዞባ 2017፡ “ኣይትተሓለሉ!” ዚብል እዩ ነይሩ። እዚ ኣኼባ እዚ፡ ፈተናታት ንምጽዋር ዘሎና ዓቕሚ ኸነደልድል ሓጊዙና እዩ። ተጻዋርነትና፡ እዋን ራህዋ ኣብ ምርካብ ከም ዘይምርኰስ ተማሂርና ኢና። የግዳስ፡ ኣብ የሆዋ እምንቶ ብምግባር፡ ተጻዋርነትና ኸነደልድል ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:12) የሱስ፡ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና ኪድሕን እዩ” ኸም ዝበለ ኸቶ ኣይንረስዕ። (ማቴ. 24:13) እዚ ኸኣ ዘጋጠመ እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ እሙናት ክንከውን ከም ዘሎና ዜጕልሕ እዩ። ሕጂ ዚመጸና ዘበለ ፈተና እንተ ተጻዊርና፡ ቅድሚ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ደልዲልና ኽንጸንሕ ኢና።

16. ትብዓትና ኣብ ምንታይ እዩ ዚምርኰስ፧ ሕጂኸ ንትብዓትና ብኸመይ ኢና ኸነደልድሎ እንኽእል፧

16 ትብዓት፦ ፍረ ነገር ኣኼባ ዞባ 2018፡ “ትብዑ!” ዚብል እዩ ነይሩ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ፡ ትብዓትና ኣብ ብሕታዊ ኽእለትና ኸም ዘይምርኰስ መዘኻኸሪ ተዋሂቡና እዩ። ናይ ሓቂ ትብዓት ከም ተጻዋርነት፡ ኣብቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ እዩ ዚምርኰስ። እሞ ደኣ ኣብኡ ዘሎና ትውክልቲ ኸመይ ጌርና ኢና ኸነሐየል እንኽእል፧ መዓልቲ መዓልቲ ቓሉ ብምንባብን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንህዝቡ ዘድሓነሉ መገድታት ብምስትንታንን ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል። (መዝ. 68:20፣ 2 ጴጥ. 2:9) ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኣህዛብ ኣብ ልዕሌና መጥቃዕቲ ምስ ፈነዉ፡ ተባዓት ክንከውንን ኣብ የሆዋ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኽንውከልን ኣሎና። (መዝ. 112:7, 8፣ እብ. 13:6) ሕጂ ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልና፡ ጎግ ኣብ ዜጥቅዓሉ እዋን ዜድሊ ትብዓት ኪህልወና እዩ። *

ናብ ድሕነትና ንጠምት

የሱስን ሰማያዊ ሰራዊቱን ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ንጸላእቲ ኣምላኽ ኪድምስስዎም እዮም! (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. ኣብ ኣርማጌዶን ዜፍርህ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

17 ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጽ ተገሊጹ ዘሎ፡ መብዛሕትና ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ኢና ተወሊድና ዓቢና። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ኽንሰግሮ ተስፋ ንገብር ኢና። ውግእ ኣርማጌዶን ንመደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ዜፍርህ የብልናን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ውግእ እቲ፡ ውግእ ኣምላኽ እዩ ኪኸውን። (ምሳ. 1:33፣ ህዝ. 38:18-20፣ ዘካ. 14:3) የሆዋ ትእዛዝ ምስ ሃበ፡ የሱስ ክርስቶስ ንሰራዊቱ መሪሑ ኺዋጋእ እዩ። ኣብ ጐድኑ ኸኣ ትንሳኤ ዝረኸቡ ቕቡኣትን ኣእላፋት መላእኽትን ኪስለፉ እዮም። ብሓባር ኰይኖም ድማ ምስ ሰይጣንን ምስ ኣጋንንቱን ምስ ሓይልታት ምድርን ኪዋግኡ እዮም።—ዳን. 12:1፣ ራእ. 6:2፣ 17:14

18. (ሀ) የሆዋ እንታይ ውሕስነት እዩ ኣትዩልና ዘሎ፧ (ለ) ኣብ ራእይ 7:9, 13-17 ዘሎ ሓሳባት ብዛዕባ መጻኢ እምንቶ ኸነሕድር ዜኽእለና ብኸመይ እዩ፧

18 የሆዋ፡ “ኵሉ እቲ ኣንጻርኪ እተሰርሐ ኣጽዋር ኣይኪጠቅምን እዩ” ብምባል ውሕስነት ኣትዩልና ኣሎ። (ኢሳ. 54:17) እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ዝዀኑ ‘ብዙሓት ህዝቢ ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ ብህይወት ኺወጹ እዮም!’ ድሕሪኡ ድማ፡ ንየሆዋ ኼገልግልዎ እዮም። (ራእይ 7:9, 13-17 ኣንብብ።) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ እምንቶ ኸነሕድር ዜኽእለና ነገር ይነግረና እዩ! ‘የሆዋ ንእሙናት ከም ዜዕቍቦም’ ንፈልጥ ኢና። (መዝ. 31:23) ኵሎም እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ዚውድስዎን፡ እቲ ቕዱስ ስሙ ኻብ ጸርፊ ናጻ ኪኸውን ከሎ ምርኣይ ደስ ይብሎም እዩ።—ህዝ. 38:23

19. ኣብ ቀረባ ግዜ እንታይ ዜደንቕ ነገር እዩ ዚጽበየና ዘሎ፧

19 ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:2-5 ዘሎ ሓሳባት ነቶም ኻብ ጽልዋ ሰይጣን ናጻ ኣብ ዝዀነት ሓዳስ ዓለም ዚነብሩ ሰባት እንተ ትገልጾም ከመይ ከም እትኸውን እሞ ሕስብ ነብሎ። (“ ሽዑ ዚህሉ ባህርያት ሰባት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ሓውና ጆርጅ * ጋንገስ ነቲ ግዜ እቲ ኸምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ኵሉ ሰብ ሓው ወይ ሓብቲ ምስ ኰነ እንታይ ዓይነት ዓለም ኰን እያ ኽትከውን! ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ሓድሽ ስርዓት ናይ ምንባር ፍሉይ መሰል ኪህልወካ እዩ። የሆዋ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ፡ ብህይወት ክትነብር ኢኻ። ንዘለኣለም ክንነብር ኢና።” እዝስ ዜደንቕ ተስፋ ደይኰነን፧

መዝሙር 122 ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ!

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ ቀረባ ግዜ “ብርቱዕ ጸበባ” ኸም ዚኸውን ንፈልጥ ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ ንሕና እንታይ ክንከውን ኢና፧ የሆዋኸ ሽዑ እንታይ ክንገብር እዩ ዚጽበየና፧ እሙናት ኴንና ንምምልላስከ፡ ሕጂ እንታይ ባህርያት ከነማዕብል ኣሎና፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 3 መግለጺ ቓላት፦ ህዝበ ክርስትያን በተን ክርስትያን ኢና ዚብላ ሃይማኖታት ዝቘመት እኳ እንተ ዀነት፡ የሆዋ ብስርዓታቱ ኺምለኽ ከም ዚግብኦ ግና ኣይትምህርን እያ።

^ ሕ.ጽ. 11 መግለጺ ቓላት፦ ጎግ ብዓል ማጎግ (ወይ ጎግ ዚብል ኣሕጽሮት) ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ንጹህ ኣምልኾ ኺቃለሱ ንዚሰምሩ ኣህዛብ የመልክት።

^ ሕ.ጽ. 11 እግረ ጽሑፍ፦ ብዛዕባ እቲ ናብ ውግእ ኣርማጌዶን ዚመርሕ ፍጻመታት ዝሰፍሐ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 21 እታ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ! ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ። ብዛዕባ መጥቃዕቲ ጎግ ብዓል ማጎግን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ንህዝቡ ንምክልኻል ዚገብሮ ነገራትን ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 1718ን እታ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ! ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 16 “ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ!” ዚብል ፍረ ነገር ኣኼባ ዞባ 2019፡ ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ ዕቝባ የሆዋ ውሕስነት ከም እንረክብ የእምነና።—1 ቈረ. 13:8

^ ሕ.ጽ. 19 ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 1994 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ግብሩ ይስዕቦ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 65 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዱር ብትብዓት ኣኼባ ጉባኤ ይገብሩ።

^ ሕ.ጽ. 67 መግለጺ ስእሊ፦ እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ዝዀኑ ብዙሓት ህዝቢ ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ ተሓጒሶም ብህይወት ኪወጹ እዮም!