ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 42

የሆዋ እንታይ ኬዅነካ እዩ፧

የሆዋ እንታይ ኬዅነካ እዩ፧

“ንዓኻትኩም ድሌትን ንምግባር ዓቕምን ብምሃብ ዜበርትዓኩምሲ ኣምላኽ እዩ።”—ፊል. 2:13

መዝሙር 104 ኣምላኽ ዚህበና ውህበት መንፈስ ቅዱስ

መላለዪ *

1. የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ዝደለዮ ዘበለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ገለ ኻብቲ ዝዀኖ ነገራት፡ መምህር፡ መጸናንዒ፡ ወንጌላዊ ኽንጠቅስ ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 48:17፣ 2 ቈረ. 7:6፣ ገላ. 3:8) ኰይኑ ግና፡ ብሰባት ተጠቒሙ እውን ዕላማኡ ይፍጽም እዩ። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20፣ 2 ቈረ. 1:3, 4) ፍቓዱ ንምፍጻም ዜድሊ ዘበለ ዅሉ ምእንቲ ኽንከውን፡ ጥበብን ብርታዐን ኪህበና ይኽእል እዩ። ብዙሓት ምሁራት ከም ዚብልዎ፡ ትርጉም ስም የሆዋ ነዚ ዅሉ ሓቚፉ ኣሎ።

2. (ሀ) ስለምንታይ እዩ ሓድሓደ ግዜ የሆዋ ይጥቀመልና እንተ ኣልዩ ኽንጠራጠር እንኽእል፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

2 ኵላትና ንየሆዋ እንጠቅም ሰባት ክንከውን ንደሊ ኢና፣ ገሊኦም ግና የሆዋ ይጥቀመሎም ከም ዘሎ እኳ የጠራጥሮም እዩ። ስለምንታይ፧ ዕድሚኦም፡ ኵነታቶም፡ ወይ ክእለቶም ስለ ዚድርቶም እዩ ኸምኡ ዚስምዖም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ገሊኦም በቲ ኽሳዕ ሕጂ ዚገብርዎ ዕጉባት ብምዃኖም፡ ተወሳኺ ነገራት ኪገብሩ ኸም ዜድልዮም ኣይስምዖምን እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና፡ ዕላማኡ ንምፍጻም ብኸመይ ኬዕጥቐና ኸም ዚኽእል ክንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንደቂ ተባዕትዮ ዀነ ንደቂ ኣንስትዮ ኣገልገልቱ ብኸመይ ድሌትን ንምግባር ዓቕምን ከም ዝሃበ ዜርኢ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምር ኢና። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ የሆዋ ምእንቲ ኺጥቀመልና፡ ንሕና ኸመይ ጌርና ኸነፍቅደሉ ኸም እንኽእል ክንርኢ ኢና፧

የሆዋ ብኸመይ ከም ዜዕጥቐና

3. ብመሰረት እቲ ኣብ ፊልጲ 2:13 ዚርከብ ሓሳባት፡ የሆዋ ኸመይ ገይሩ እዩ ንምግባር ድሌት ዚህበና፧

3 ፊልጲ 2:13 ኣንብብ። * የሆዋ፡ ንምግባር ድሌት ኪህበና ይኽእል እዩ። ከመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ዚገብር፧ ምናልባት ኣብ ጉባኤ ሓደ ነገር ኪግበር ከም ዜድሊ ንፈልጥ ንኸውን። ወይ ከኣ ሽማግለታትና፡ ካብ ጉባኤና ወጻኢ ሓደ ነገር ኪግበር ከም ዜድሊ እትሕብር ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እተላእከት ደብዳበ የንብቡልና ይዀኑ። ከም ምላሹ ኸኣ፡ ‘እሞ ደኣ ኣነ ምእንቲ ኽሕግዝ፡ እንታይ ክገብር እኽእል፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ንሓትት ንኸውን። ወይ ድማ ሓደ ኸቢድ ዕዮ ኽንዓዪ ጻውዒት ምስ ቀረበልና፡ ንኽእሎ እንተ ዄንና ንሓስብ ንኸውን። ወይ ከኣ ካብ ቃል ኣምላኽ ምስ ኣንበብና፡ ‘ነዚ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብክዎ ሓሳብ ከመይ ገይረ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክዓይየሉ እኽእል፧’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። የሆዋ፡ ሓደ ነገር ክንገብር ኣይግድደናን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ገዛእ ርእስና ንምምርማር ፍቓደኛታት ከም ዝዀንና ምስ ረኣየ፡ ነቲ ዝሓሰብናሉ ነገር ንምትግባሩ ድሌት ኪህበና ይኽእል እዩ።

4. ብኸመይ እዩ የሆዋ፡ ንምግባር ዓቕሚ ኺህበና ዚኽእል፧

4 የሆዋ፡ ንምግባር ዓቕሚ ኺህበና ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 40:29) ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ንተፈጥሮኣዊ ኽእለታትና ኺስሕሎ ይኽእል እዩ። (ዘጸ. 35:30-35) ብውድቡ ኣቢሉ ኸኣ፡ ሓደ ዕዮ ብኸመይ ከም እንዓዪ ይምህረና እዩ። ሓደ ዕዮ ብኸመይ ከም እትዓዪ ኣጸቢቕካ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ሓገዝ ኺውሃበካ ሕተት። ነቲ ለጋስ ሰማያዊ ኣቦና እውን “ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ምእንቲ ኺህበና፡ ከይተሰከፍና ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። (2 ቈረ. 4:7፣ ሉቃ. 11:13) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንደቂ ተባዕትዮን ንደቂ ኣንስትዮን ድሌትን ንምግባር ዓቕምን ብምሃብ ብኸመይ ከም ዘዕጠቖም ዚገልጽ ሓያሎ ኣብነታት ኣሎ። ነዚ ዛንታታት እዚ ኽንምርምር ከለና፡ የሆዋ ንዓኻ ብተመሳሳሊ መገዲ ብኸመይ ኪጥቀመልካ ኸም ዚኽእል ሕሰብ።

ደቂ ተባዕትዮ እንታይ ኪዀኑ ኸም ዝኸኣሉ

5. ካብቲ የሆዋ ንሙሴ፡ ንህዝቡ ሓራ ንምውጻእ እተጠቕመሉ መገድን ግዜን እንታይ ንምሃር፧

5 የሆዋ ንሙሴ፡ ንእስራኤላውያን መውጽእ ሓራ ኸም ዚዀነሎም ገይርዎ እዩ። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ንሙሴ መዓስ እዩ ተጠቒሙሉ፧ “ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን [ምስ] ተማህረ” እሞ እኹል ብቕዓት ከም ዘለዎ ዀይኑ ምስ ተሰምዖ ድዩ፧ (ግብ. 7:22-25) ኣይፋልን። የግዳስ፡ ትሑትን ልኡምን ሰብ ኪኸውን ምስ ቀረጾ እዩ ተጠቒሙሉ። (ግብ. 7:30, 34-36) የሆዋ ንሙሴ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ግብጺ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮ ፈርኦን ደው ኪብል ትብዓት ሂብዎ እዩ። (ዘጸ. 9:13-19) ካብቲ የሆዋ ንሙሴ እተጠቕመሉ መገድን እዋንን እንታይ ንምሃር፧ የሆዋ ነቶም ከም ናቱ ዓይነት ባህርያት ዜርእዩን ሓይሊ ንምርካብ ኣብኡ ዚውከሉን ሰባት እዩ ዚጥቀመሎም።—ፊል. 4:13

6. ካብቲ የሆዋ ንባርዚላይ፡ ንንጉስ ዳዊት ንምሕጋዝ እተጠቕመሉ መገዲ እንታይ ንምሃር፧

6 ድሕሪ ሓይሎ ዘመናት፡ የሆዋ ንባርዚላይ፡ ንንጉስ ዳዊት ንምሕጋዝ ተጠቒሙሉ እዩ። ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝብን ካብ ወዱ ኣቤሴሎም ኪሃድሙ ኸለዉ፡ ‘ጠምዮምን ደኺሞምን ጸሚኦምን’ ነበሩ። እቲ ሽዑ ሸምጊሉ ዝነበረ ባርዚላይ ከኣ፡ ከም ካልኦት ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ንዳዊትን ንሰቡን ሓገዞም። ባርዚላይ ብዕድመ ደፊኡ ብምንባሩ፡ ንየሆዋ ኺጠቅም ከም ዘይክእል ገይሩ ኣይደምደመን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ዝነበሮ ጥሪት ንእተሸገሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ ብልግሲ ተጠቒሙሉ እዩ። (2 ሳሙ. 17:27-29) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ዕድመና ብዘየገድስ፡ የሆዋ ነቶም ኣብ ከባቢና ዀነ ኣብ ካልእ ዓዲ ዚነብሩ መሰረታዊ ነገር እተሸገሩ ክርስትያናት ብጾትና ንምሕጋዝ ኪጥቀመልና ይኽእል እዩ። (ምሳ. 3:27, 28፣ 19:17) ብቐጥታ ኽንሕግዞም እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ረድኤት ኣብ ዜድልየሉ ግዜን ቦታን ዚኸውን ገንዘብ ምእንቲ ኺህሉ፡ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ኸነበርክት ንኽእል ኢና።—2 ቈረ. 8:14, 15፣ 9:11

7. የሆዋ ንስምኦን ብኸመይ እዩ ተጠቒሙሉ፧ ነዚ ምፍላጥናኸ ብኸመይ እዩ ኼተባብዓና ዚኽእል፧

7 የሆዋ ንሓደ ኣብ የሩሳሌም ዚነብር ዝነበረ ስምኦን ዝስሙ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ፡ ነቲ መሲሕ ከይረኣዮ ኸም ዘይመውት ነጊርዎ ነበረ። ስምኦን ንሓያሎ ዓመታት ንመሲሕ ይጽበዮ ብምንባሩ፡ እዚ ኣምላኽ ዝኣተወሉ ቓል እዚ ብዙሕ ኣተባቢዕዎ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ዓስቢ እምነቱን ተጻዋርነቱን ረኸበ። ሓደ መዓልቲ፡ “ብመንፈስ ተመሪሑ” ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ኣብኡ ድማ ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ረኣዮ፣ የሆዋ ኸኣ ንስምኦን፡ ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ዚኸውን ሕጻን ትንቢት ኪንበ ተጠቕመሉ። (ሉቃ. 2:25-35) ስምኦን ብህይወት ጸኒሑ ነቲ የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዝፈጸሞ ነገራት ንምርኣይ ዝነበሮ ዕድል ኣመና ጸቢብ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ዝረኸቦ ፍሉይ መሰል ግና ኣማስዩሉ እዩ። ገና ኸኣ ብሕጂ በረኸት ኪረክብ እዩ! ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ እቲ እሙን ሰብኣይ እቲ፡ ግዝኣት የሱስ ንዅሎም ዓሌታት ምድሪ በረኸት ከም ዜምጽእ ኪርኢ እዩ። (ዘፍ. 22:18) ንሕና እውን ነቲ የሆዋ ኣብ ኣገልግሎቱ ዚህበና ዝዀነ ፍሉይ መሰል ከነማስወሉ ኣሎና።

8. ከመይ ገይሩ እዩ የሆዋ ንዓና ኸምቲ ንበርናባስ እተጠቕመሉ ገይሩ ኺጥቀመልና ዚኽእል፧

8 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ሓደ ዮሴፍ ዝስሙ ለጋስ ሰብኣይ፡ የሆዋ ምእንቲ ኺጥቀመሉ ገዛእ ርእሱ ኣቕረበ። (ግብ. 4:36, 37) ዮሴፍ ንሰባት ናይ ምጽንናዕ ብሉጽ ክእለት ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ፣ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሃዋርያት ንዕኡ በርናባስ፡ ማለት “ወዲ ምጽንናዕ” ኢሎም ሰመይዎ። ንኣብነት፡ እቲ ሰጓጒ ጉባኤታት ዝነበረ ሳውል ኣማኒ ምስ ኰነ፡ ብዙሓት ኣሕዋት ንምቕራቡ ፈርሁ። እቲ ለዋህ ዝነበረ በርናባስ ግና ንሳውል ረድኦ፣ ሳውል ከኣ ስለቲ ለውሃቱ ብዙሕ ኣመስጊኑ ኪኸውን ኣለዎ። (ግብ. 9:21, 26-28) ድሕሪ ግዜ፡ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሽማግለታት፡ እቶም ኣብ ርሑቕ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ዚርከቡ ኣሕዋት መተባብዒ ኸም ዜድልዮም ተገንዘቡ። እሞኸ ንመን እዮም ሰዲዶም፧ ንበርናባስ! ጽቡቕ ድማ እዮም ሓርዮም። ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ እቲ በርናባስ ዝገበሮ ነገር፡ “ካብ ልቦም ቈሪጾም ብጐይታ ጸኒዖም ኪነብሩ . . . ኣተባብዖም” ዚብል ነንብብ ኢና። (ግብ. 11:22-24) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና፡ ንክርስትያናት ብጾትና “ወዲ ምጽንናዕ” ንምዃን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሰቦም ንዝሞትዎም ከነጸናንዕ ኪጥቀመልና ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ፡ ንሓደ ዝሓመመ ወይ ንሓደ እተጨነቐ ክርስትያን ብምብጻሕ ወይ ተሌፎን ብምድዋል ጥዑም ቃላት ከነካፍሎ ይድርኸና ይኸውን። እሞኸ ንየሆዋ ኸምቲ ንበርናባስ እተጠቕመሉ ገይሩ ኺጥቀመልካስ ክትፈቕደሉ ዲኻ፧—1 ተሰ. 5:14

9. የሆዋ ንሓደ ቫሲሊ ዝስሙ ሓው ንፉዕ መንፈሳዊ ጓሳ ኪኸውን ካብ ዝሓገዘሉ መገዲ እንታይ ንምሃር፧

9 የሆዋ ንሓደ ቫሲሊ ዝስሙ ሓው፡ ንፉዕ መንፈሳዊ ጓሳ ኪኸውን ሓጊዝዎ እዩ። ቫሲሊ ኣብ 26 ዓመት ዕድሚኡ ሽማግለ ዀይኑ ኼገልግል ምስ ተሸመ፡ ንኣባላት ጉባኤኡ፡ ብሕልፊ ድማ ነቶም ጸገማት ዝነበሮም ብመንፈሳዊ መዳይ ንምሕጋዝ ብቕዓት ከም ዘይብሉ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ ፈሪሁ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ካብ ምኩራት ሽማግለታትን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ እተማህሮ ትምህርትን ጠቓሚ ስልጠና ረኸበ። ምምሕያሽ ምእንቲ ኺገብር እውን ብዙሕ ጸዓረ። ንኣብነት፡ ንኣሽቱ ሸቶታት ኣውጽአ። ነዚ ሸቶታት በብሓደ ኺወቕዖ ምስ ጀመረ ኸኣ፡ በብቝሩብ ንፍርሁ ኼሰንፎ ኸኣለ። ሕጂ ድማ ከምዚ ይብል፦ “እቲ ሽዑ ዜፍርሃኒ ዝነበረ ነገር፡ ሕጂ ብዙሕ የሐጕሰኒ እዩ። ኣብ ጉባኤና ንዘሎ ሓደ ሓው ወይ ሓንቲ ሓብቲ ንምጽንናዕ ጽብቕቲ ጥቕሲ ኽረክብ የሆዋ ኺሕግዘኒ ኸሎ፡ ብዙሕ ዕግበት ይስምዓኒ እዩ።” ኣቱም ኣሕዋት፡ ንስኻትኩም እውን የሆዋ ምእንቲ ኺጥቀመልኩም ከም ቫሲሊ ገዛእ ርእስኹም እንተ ኣቕሪብኩም፡ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዚውሃበኩም ዝዓበየ ሓላፍነታት ንምስካም ዜኽእል ክእለት ኪህበኩም እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ኪዀና ኸም ዝኸኣላ

10. ኣቢጋይል እንታይ እያ ገይራ፧ ካብኣኸ እንታይ ንምሃር፧

10 ዳዊትን እቶም ንዕኡ እሙናት ዝነበሩ ሰቡን ብንጉስ ሳኦል ኣብ ዚህደኑሉ እዋን፡ ሓገዝ የድልዮም ነበረ። እቶም ካብ ዳዊት እተላእኩ ሰቡ ድማ ንሓደ ናባል ዚብሃል ሃብታም እስራኤላዊ፡ ኣብ ኢዱ እተረኽበ ዘበለ ኺህቦም ለመንዎ። ኣብ በረኻ ንመጓሰ ናባል ዕቝባ ዀይኖምወን ስለ ዝነበሩ፡ ከይተሰከፉ እዮም ሓቲቶምዎ። ናባል ግና ስሱዕ ብምንባሩ፡ ጥራይ ኢዶም ሰደዶም። ዳዊት በዚ ስለ ዝነደረ፡ ንናባልን ኣብ ቤቱ ንዚርከቡ ዅሎም ደቂ ተባዕትዮን ኪዅስትሮም ወሰነ። (1 ሳሙ. 25:3-13, 22) ኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ግና፡ መልክዐኛን ኣስተውዓሊትን ነበረት። ተቢዓ ኣብ እግሪ ዳዊት ተደፊኣ ድማ፡ ሕነ ብምፍዳይ ኣብ ዕዳ ደም ከይኣቱ ለመነቶ። ነቲ ነገር ኣብ ኢድ የሆዋ ኺሓድጎ እውን ብሜላ መኸረቶ። እቲ ኣቢጋይል ብትሕትና እተዛረበቶ ቓላትን ብምስትውዓል ዝወሰደቶ ስጕምትን ንልቢ ዳዊት ተንከዮ። ካብ የሆዋ ኸም እተላእከት ድማ ኣስተውዓለ። (1 ሳሙ. 25:23-28, 32-34) ኣቢጋይል ንየሆዋ ጠቓሚት ከም እትኸውን ዚገብራ ባህርያት ኣማዕቢላ ነይራ እያ። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ሜለኛታትን ኣስተውዓልትን ዝዀና ክርስትያን ኣሓት ንስድራ ቤተንን ኣብ ጉባኤ ንዘለዋ ኻልኦት ስድራ ቤታትን ንምህናጽ የሆዋ ኺጥቀመለን ይኽእል እዩ።—ምሳ. 24:3፣ ቲቶ. 2:3-5

11. ኣዋልድ ሻሉም እንታይ እየን ገይረን፧ ሎሚኸ መን እየን ኣብነተን ዚስዕባ ዘለዋ፧

11 ድሕርዚ፡ ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት፡ ኣዋልድ ሻሉም ኣብቲ ንመካበብያ የሩሳሌም ኣብ ምጽጋን እተገብረ ዕዮ እጃመን ኣበርኪተን እየን። (ነህ. 2:20፣ 3:12) ኣቦአን ሻሉም ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ኣጸጋምን ሓደገኛን ዕዮ ንምዕያይ ግና ፍቓደኛታት ኰይነን እየን። (ነህ. 4:15-18) ካብቶም ኣብቲ ዕዮ “ንምስታፍ ርእሶም ኣየትሓቱን” እተባህለሎም ምርኡያት ተቆዓውያን ኣዝየን እተፈልያ እየን ነይረን። (ነህ. 3:5) እቲ ዕዮ ብ52 መዓልቲ ምስ ተፈጸመ፡ ኣዋልድ ሻሉም ከመይ ከም እተሰምዐን እሞ ንገምቶ! (ነህ. 6:15) ኣብዚ ግዜና እውን፡ ፍቓደኛታት ዝዀና ኣሓት ኣብ ፍሉይ ዓይነት ኣገልግሎት፡ ማለት ንየሆዋ እተወፈየ ህንጻታት ኣብ ምህናጽን ኣብ ምጽጋንን ተሓጒሰን ይሳተፋ እየን። ክእለተንን ውዕዉዕ መንፈሰንን ተኣማንነተንን ከኣ ነቲ ዕዮ ዕዉት ኪኸውን ኣበርክቶ ይገብር እዩ።

12. ከመይ ገይሩ እዩ የሆዋ ኸምቲ ንጣቢታ እተጠቕመላ ገይሩ ዚጥቀመልና፧

12 የሆዋ ንጣቢታ፡ ‘ሰናይ ግብሪ ኽትገብርን ምጽዋት ክትምጽውትን’ ደረኻ፣ ምናዳ ኸኣ ንመበለታት ትልውሃለን ነበረት። (ግብ. 9:36) ኣዝያ ለጋስን ለዋህን ስለ ዝነበረት ድማ፡ ምስ ሞተት ብዙሓት ሓዘናላ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ምስ ኣተንስኣ ግና፡ ተሓጐሳ። (ግብ. 9:39-41) ካብ ጣቢታ እንታይ ንምሃር፧ ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ፡ ደቂ ተባዕትዮ ንኹን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኵላትና ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብግብሪ ኽንድግፎም ንኽእል ኢና።—እብ. 13:16

13. የሆዋ ንሓንቲ ሩት ዝስማ ሓናኽ ሓብቲ ብኸመይ እዩ ተጠቒሙላ፧ ንሳኸ ኣብ መደምደምታ እንታይ እያ ዝበለት፧

13 ሓንቲ ሩት ዝስማ ሓናኽ ሓብቲ ሚስዮናዊት ክትከውን ትደሊ ነበረት። ብንእስነታ ኣብቲ ኣብ በቤት እናኸድካ ዚግበር ኣገልግሎት ክትሳተፍ ከላ፡ ብቕልጡፍ ካብ ሓደ ቤት ናብ ካልእ እናኸደት ትራክትታት ትዕድል ነበረት። ብዛዕባኡ ኸኣ፡ “እዚ ዕዮ እዚ ናይ ሓቂ ኢዩ ባህ ዝብለኒ ነይሩ” ዚብል ሓሳብ ሂባ ኣላ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ በቤት እናኸድካ ምዝርራብን ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋርን ይኸብዳ ነበረ። ሓናኽ እኳ እንተ ነበረት፡ ጓል 18 ዓመት ምስ ኰነት ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ጀመረት። ብ1946፡ ኣብ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ ተማህረት፣ ድሕሪኡ ኸኣ፡ ኣብ ሃዋይን ኣብ ጃፓንን ኣገልገለት። የሆዋ ድማ ኣብተን ሃገራት እቲአን ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ ኣጸቢቑ ተጠቕመላ። ሩት ኣብ ኣገልግሎት ዳርጋ ን80 ዓመት ድሕሪ ምስታፋ፡ ኣብ መደምደምታ ኸምዚ በለት፦ “የሆዋ ዘበራትዕ ደገፍ ኰይኑኒ ኢዩ። ዝነበረኒ ሕንኪ ንኽዋጽኣሉ ሓጊዙኒ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ዝገበረ ሰብ፡ ዋላ እውን ከምዚ ኸማይ ኣዝዩ ሓናኽ እንተዀነ፡ የሆዋ ክሕግዞ ከም ዝኽእል ኣሚነ ኢየ።”

የሆዋ ኺጥቀመልካ ፍቐደሉ

14. የሆዋ ኺጥቀመልና እንተ ደሊና፡ ብመሰረት ቈሎሴ 1:29 እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

14 ኣብ ምሉእ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ብብዙሕ መገድታት ተጠቒሙሎም እዩ። ንዓኻኸ እንታይ ኬዅነካ እዩ፧ ብቐንዱ ኣብቲ ኽትጽዕር ዘሎካ ፍቓደኛነት እዩ ዚምርኰስ። (ቈሎሴ 1:29 ኣንብብ።) ገዛእ ርእስኻ እንተ ኣቕሪብካ፡ የሆዋ ንዓኻ፡ ቀናእ ወንጌላዊ፡ ንፉዕ መምህር፡ ክኢላ መጸናንዒ፡ ወሓለ ሰራሕተኛ፡ ዚድግፍ ዓርኪ፡ ወይ ፍቓዱ ንምፍጻም ክትኰኖ ዜድሊ ዘበለ ዅሉ ኬዅነካ ይኽእል እዩ።

15. ከምቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 4:12, 15 ተገሊጹ ዘሎ፡ ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ኣሕዋት ንየሆዋ እንታይ እዮም ኪልምንዎ ዘለዎም፧

15 ኣቱም ናብ ዕድመ ብጽሕና እትቀራረቡ ዘለኹም መንእሰያትከ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧ ፉሕፉሕ ዚብል ጕልበት ዘለዎም መንእሰያት፡ ኣገልገልቲ ጉባኤ ብምዃን ተወሳኺ ሓላፍነት ኪስከሙ ይድለ ኣሎ። ኣብ ሓያሎ ጉባኤታት፡ ብዝሒ ሽማግለታት ካብ ብዝሒ ኣገልገልቲ ጉባኤ ይዛይድ እዩ። ገሊኦም መንእሰያት ኣሕዋት ኣብ ጉባኤ ተወሳኺ ሓላፍነታት ንምስካም ድሌት ኬማዕብሉ ደዀን ይኽእሉ ይዀኑ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ገሊኦም ኣሕዋት፡ “ስሩዕ ኣስፋሒ ዀይነ ምግልጋል ጥራይ የሐጕሰኒ እዩ” ይብሉ እዮም። ንዓኻ ኸምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ከም ኣገልጋሊ ጉባኤ መጠን ብቕዓት ንምጥራይ ድሌት ምእንቲ ኺሓድረካን ነቲ ንዕኡ ብፍቕሪ እተቕርቦ ኣገልግሎት ንምፍጻም ዓቕሚ ምእንቲ ኺህልወካን ንየሆዋ ለምኖ። (መክ. 12:1) ሓገዝካ የድልየና እዩ!—1 ጢሞቴዎስ 4:12, 15 ኣንብብ።

16. ንየሆዋ እንታይ ኢና ኽንልምኖ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

16 የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም ዝደለዮ ዘበለ ኬዅነካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ዕዮኡ ንምዕያይ ድሌት ኬሕድረልካ ለምኖ፣ ድሕሪኡ ድማ፡ ዜድልየካ ዓቕሚ ኺህበካ ለምኖ። ንእሽቶ ኹን ወይ ዓብዪ፡ ግዜኻን ጕልበትካን ጥሪትካን ሕጂ ንየሆዋ ንምኽባር ተጠቐመሉ። (መክ. 9:10) ስለ ዝፈራህካ ወይ ዘይትበቅዕ ኰይኑ ስለ እተሰምዓካ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚከኣለካ ዅሉ ንምግባር ዘሎካ ኽቡር ኣጋጣሚ ኼምልጠካ ኣይተፍቅድ። ነቲ ፈቃር ኣቦና ዚግብኦ ኽብሪ ብንእሽቶ እኳ ኽንህቦ ምኽኣልና ብሓቂ ፍሉይ መሰል እዩ!

መዝሙር 127 ከመይ ዝበልኩ እየ ክኸውን ዚግብኣኒ!

^ ሕ.ጽ. 5 እቲ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣገልግሎት ድሩት ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ በዚ ኸምዚኸ ንየሆዋ ኸም ዘይትጠቅም ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ ወይ ከኣ ንየሆዋ ንምግልጋል ተወሳኺ ኽትገብር ዘይትኽእል ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ብእተፈላለየ መገድታት ድሌትን ንምግባር ዓቕምን ከም ዚህበካ ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 3 ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እኳ እንተ ጸሓፋ፡ እቲ ቓላቱ ግና ብመሰረቱ ንዅሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ይዓዪ እዩ።