ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ህቦብላ” ኣምላኽ እናቐረበ ኺመጽእ ከሎ፡ ሰባት ነቲ መጠንቀቕታ ኺሰምዑ ኣለዎም!

ፍርድታት ኣምላኽ—ኣምላኽሲ ዅሉ ሳዕዶ እኹል መጠንቀቕታ ይህብ እዩ፧

ፍርድታት ኣምላኽ—ኣምላኽሲ ዅሉ ሳዕዶ እኹል መጠንቀቕታ ይህብ እዩ፧

እቲ ብዛዕባ ዅነታት ኣየር ዚንበ ብዓል ሞያ ነቲ ብራዳር እተሳእለ ምስሊ መርመሮ። ብዙሓት ህዝቢ ናብ ዝሰፈሩሉ ኸባቢ ሓደገኛ ህቦብላ ኸም ዚመጽእ ረኣየ። ድሕንነት እቶም ሰባት ስለ ዘተሓሳሰቦ፡ ደኺመ ኸይበለ ብኣጋኡ ኼጠንቅቖም ጸዓረ።

ብተመሳሳሊ ድማ፡ የሆዋ ንነበርቲ ምድሪ ኻብቲ ኣብ ጸብጻብ ኵነታት ኣየር ብእተዓጻጸፈ ደረጃ ሓደገኛ ዝዀነ “ህቦብላ” የጠንቅቖም ኣሎ። ከመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ዚገብር ዘሎ፧ ሰባት ነቲ መጠንቀቕታ ሰሚዖም ስጕምቲ ኺወስዱ እኹል ግዜ ይህቦም ከም ዘሎ ርግጸኛታት እንኸውንከ ስለምንታይ ኢና፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ንምርካብ፡ የሆዋ ቕድሚ ሕጂ ዝሃቦ መጠንቀቕታታት እስከ ንርአ።

ኣምላኽ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታታት ዝሃበሉ ግዜያት

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣብቶም ኰነ ኢሎም ትእዛዛቱ ዝጠሓሱ ሰባት “ህቦብላታት” ወይ ፍርድታት ከም ዚመጽእ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። (ምሳ. 10:25፣ ኤር. 30:23) ኣብ ኵሉ እቲ ኣጋጣሚታት፡ ነቶም ብእኡ ዚጽለዉ ሰባት ነዊሕ ግዜ ኣቐዲሙ ነጊርዎም፡ ምስ ፍቓዱ ንምስምማዕ እንታይ ለውጥታት ኪገብሩ ኸም ዚግባእ እውን ሓቢርዎም ነይሩ እዩ። (2 ነገ. 17:12-15፣ ነህ. 9:29, 30) ለውጢ ንምትብባዕ ከኣ፡ በቶም እሙናት ኣገልገልቱ ገይሩ ፍርድታቱ ኣዊጁ፡ ብህጹጽ ለውጢ ኺግበር ከም ዜድሊ እውን ገሊጹ እዩ።—ኣሞ. 3:7

ኖህ ሓደ ኻብዞም እሙናት ኣገልገልቲ እዩ ነይሩ። ንሓያሎ ዓመታት፡ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ብዕሉጋትን ዓመጽትን ሰባት ብዛዕባ ምምጻእ ማይ ኣይሂ ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ዘፍ. 6:9-13, 17) ካብኡ ንምድሓን እንታይ ኪገብሩ ኸም ዜድልዮም እውን ነጊርዎም እዩ። ነዚ ብትግሃት ስለ ዝዓየዮ ድማ፡ “ሰባኽ ጽድቂ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ።—2 ጴጥ. 2:5

ኖህ ብዙሕ እኳ እንተ ጸዓረ፡ እቶም ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መልእኽቲ ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም። በዚ ኸምዚ፡ እምነት ከም ዘይብሎም ኣርእዮም እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ‘ማይ ኣይሂ መጺኡ ንዅላቶም ምስ ኰስተሮም’ ሞይቶም እዮም። (ማቴ. 24:39፣ እብ. 11:7) መወዳእታኦም ምስ ቀረበ፡ ‘ኣምላኽ ኣየጠንቀቐናን’ ኪብሉ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም።

ኣብ ካልእ ግዜያት፡ የሆዋ ነቲ “ህቦብላ” ፍርዱ ንምጅማር ሒደት ግዜ ምስ ተረፎ ንሰባት ኣጠንቂቕዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ሰባት እቲኦም ስጕምቲ ንምውሳድ እኹል ግዜ ኸም ዚህልዎም ገይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ዓሰርተ መዓት ቅድሚ ምምጻኡ፡ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታታት ሂቡ እዩ። ሓደ ኣብነት እንተ ወሲድና፡ ብዛዕባ እቲ ኣዕናዊ በረድ ዝነበረ ሻውዓይ መዓት፡ የሆዋ ብሙሴን ብኣሮንን ገይሩ ንፈርኦንን ንገላዉኡን ኣጠንቂቕዎም እዩ። እሞ ደኣ እቲ በረድ ንጽብሒቱ ስለ ዝዘነመ፡ ናብ መዕቀሊ ኺሃድሙ እኹል ግዜ ሂብዎምዶ፧ ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “እቲ ኻብ ገላዉ ፈርኦን ንቓል የሆዋ ዝፈርሀ ዘበለ፡ ገላዉኡን ማሉን ናብ ኣባይቲ ኣህደመ፣ እቲ ንቓል የሆዋ ናብ ልቡ ዘየእተወ ዘበለ ግና፡ ገላዉኡን ማሉን ኣብ መሮር ሓደገ።” (ዘጸ. 9:18-21) እቶም ቀልጢፎም ስጕምቲ ዝወሰዱ በቲ መዓት ብዙሕ ስለ ዘይተጐድኡ፡ የሆዋ እኹል መጠንቀቕታ ሂቡ ኽንብል ንኽእል ኢና።

ቅድሚ እቲ ዓስራይ መዓት እውን እንተ ዀነ፡ ንፈርኦንን ንገላዉኡን መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዕሽነት ተደሪኾም ነቲ መጠንቀቕታ ኣይተቐበልዎን። (ዘጸ. 4:22, 23) ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ በዅራት ኣወዳቶም ሞይቶም እዮም። እዚ ኣዝዩ ዜሕዝን እዩ ነይሩ! (ዘጸ. 11:4-10፣ 12:29) ነቲ መጠንቀቕታ ብኣጋኡ ኺሰምዑ ይኽእሉ ነይሮም ድዮም፧ እወ! ሙሴ ብኡብኡ ንእስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ ዓስራይ መዓት ኣጠንቂቕዎምን ንስድራ ቤቶም ብኸመይ ከም ዜድሕኑ መምርሒ ሂብዎምን እዩ። (ዘጸ. 12:21-28) እሞ ደኣ ንመጠንቀቕታኡ ሰሚዖም ስጕምቲ ዝወሰዱ ኽንደይ ሰባት እዮም ነይሮም፧ ብመሰረት ሓደ ግምት፡ ሰለስተ ሚልዮን ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀኑ ህዝቢ ኻብ ፍርዲ ኣምላኽ ድሒኖምን ካብ ግብጺ ወጺኦምን እዮም፣ ምስቶም እስራኤላውያን ድማ ግብጻውያን ዚርከብዎም “ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ” ነይሮም እዮም።—ዘጸ. 12:38፣ እ.ጽ.።

እዚ ኣብነታት እዚ ኸም ዚሕብሮ፡ የሆዋ ንሰባት፡ መጠንቀቕታታቱ ሰሚዖም ስጕምቲ ምእንቲ ኺወስዱ ዅሉ ሳዕ እኹል ኣጋጣሚ ይህቦም እዩ። (ዘዳ. 32:4) ካብ ምንታይ ተላዒሉ እዩ ኣምላኽ ከምኡ ዚገብር፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሆዋ፡ “ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ . . . ዘይደሊ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (2 ጴጥ. 3:9) እወ፡ ኣምላኽ ንሰባት ይሓልየሎም እዩ። ፍርዱ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ተነሲሖም ዜድሊ ለውጢ ኺገብሩ ይደልዮም እዩ።—ኢሳ. 48:17, 18፣ ሮሜ 2:4

ሎሚ ሰባት ንመጠንቀቕታ ኣምላኽ ሰሚዖም ስጕምቲ ኺወስዱ ኣለዎም

ሎሚ እውን ኵሎም ሰባት ነቲ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚእወጅ ዘሎ ህጹጽ ምሕጽንታ ሰሚዖም ስጕምቲ ኺወስዱ ኣለዎም። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ኣብ “ብርቱዕ ጸበባ” ኸም ዚጠፍእ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:21) ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ፍርዲ ኸኣ፡ እቲ ግዜ እናቐረበ ኺመጽእ ከሎ ሰዓብቱ እንታይ ከም ዚርእዩን እንታይ ከም ዜጋጥሞምን ብዝርዝር ዚገልጽ ትንቢት ተነብዩ ነይሩ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነዚ ሎሚ ኪኸውን እንርእዮ ዘለና ዓበይቲ ዓለምለኻዊ ፍጻመታት ዘርዚርዎ እዩ።—ማቴ. 24:3-12፣ ሉቃ. 21:10-13

የሆዋ ኸኣ ምስቲ ትንቢት እቲ ብምስምማዕ፡ ሕጂ ዅሉ ሰብ ተገዛኢ እቲ ፍቕሪ ዝሰፈኖ ግዝኣቱ ኪኸውን ይምሕጸን ኣሎ። እዙዛት ሰባት ሕጂ ዝሓሸ ህይወት፡ ኣብ መጻኢ ኸኣ ኣብታ ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም በረኸት ኪረኽቡ ይደሊ እዩ። (2 ጴጥ. 3:13) ኣብቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት እምነት ምእንቲ ኸነሕድር ከኣ፡ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ሂቡ ኣሎ። እቲ መልእኽቲ ድማ፡ እቲ የሱስ “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” ኢሉ እተዛረበሉ “ብስራት መንግስቲ” እዩ። (ማቴ. 24:14) ኣምላኽ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቱ፡ ነዚ “ምስክር” ወይ ነዚ መለኮታዊ መልእኽቲ ኣብ ኣስታት 240 ሃገራት ከም ዚሰብኩ ገይሩ ኣሎ። የሆዋ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ነቲ መጠንቀቕታ ሰሚዖም ካብቲ “ህቦብላ” ወይ ካብቲ ቕኑዕ ፍርዱ ኼምልጡ ይደልዮም እዩ።—ጸፎ. 1:14, 15፣ 2:2, 3

እምበኣር፡ እቲ ኣገዳሲ ሕቶ፡ የሆዋ ንሰባት መጠንቀቕታታቱ ኺሰምዑ እኹል ግዜ ይህቦም እንተ ዀይኑ ኣይኰነን። ኵሉ ሳዕ ከምኡ ኸም ዚገብር ብመርትዖ ተራእዩ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ ዚልዓል፦ ሰባት ብኣጋኡ መጠንቀቕታ ኣምላኽ ሰሚዖም ስጕምቲ ኺወስዱ ድዮም፧ እምበኣር፡ ንሕና ኸም ልኡኻት ኣምላኽ መጠን ብእተኻእለና ዘበለ ንብዙሓት ሰባት ካብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ምእንቲ ኺድሕኑ ብቐጻሊ ንሓግዞም።