ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብ1919 ሓውና ራዘርፎርድ ኣብ ሰዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ ኣብ እተገብረ ኣኼባ እናመደረ

1919—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት

1919—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት

ብ1919 እቲ ንኣርባዕተ ዓመት ዝቐጸለ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ኣብቅዐ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1918 ኣብ መንጎ ሃገራት ዝነበረ ውግእ ደው በለ፣ ብ18 ጥሪ 1919 ከኣ ዋዕላ ሰላም ፓሪስ ጀመረ። ሓደ ኻብቲ እቲ ዋዕላ ዘፍረዮ ፍረ ድማ፡ እተን ኪዳን እተኣታተዋ መንግስትታት ምስ ጀርመን ዚገብራኦ ዝነበራ ውግእ ብወግዒ ደው ከም ዘበላ ዚገልጽ ውዕል ቨርሳይ እዩ ነይሩ። እቲ ውዕል ብ28 ሰነ 1919 እዩ ተፈሪሙ።

ሳላ እቲ ውዕል ከኣ እተኣሳሰራ መንግስትታት ዚብሃል ውድብ ቈመ። ዕላማ እቲ ውድብ ድማ፡ “ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ንምድፋዕን ዓለምለኻዊ ሰላምን ደሓንን ንምርካብን” እዩ ነይሩ። ብዙሓት ሃይማኖታት ህዝበ ክርስትያን ነቲ ውድብ ደጊፈናኦ እየን። ንኣብነት፡ ፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስትያን ክርስቶስ ኣብ ኣመሪካ ዚብሃል ማሕበር ነቲ ውድብ እቲ፡ “ፖለቲካዊ መግለጺ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ” ኢሉ ወደሶ። ብተወሳኺ ድማ፡ እዚ ቤት ምኽሪ እዚ ናብቲ ዋዕላ ሰላም ፓሪስ ልኡኻት ብምልኣኽ ደገፉ ኣርኣየ። ሓደ ኻብቶም ልኡኻት ከኣ፡ እቲ ዋዕላ “ኣብ ታሪኽ ዓለም መጀመርታ ሓድሽ መዋእል” ከም ዝዀነ ገለጸ።

ልክዕ እዩ፡ ሓድሽ መዋእል ይጅምር ነይሩ እዩ፣ ግናኸ፡ በቶም ኣብቲ ዋዕላ ሰላም እተሳተፉ ሰባት ኣይኰነን ጀሚሩ። ብ1919 የሆዋ ንህዝቡ ቕድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ኺሰብኩ ሓይሊ ምስ ሃቦም፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ሓድሽ መዋእል ተጀሚሩ እዩ። ፈለማ ግና፡ ኣብቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዓብዪ ለውጢ ኣድልዩ ነይሩ እዩ።

ኣጸጋሚ ውሳነ

ጆሴፍ ራዘርፎርድ

ብ4 ጥሪ 1919 ዓመታዊ ምርጫ ዳይረክተራት ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ ኺግበር መደብ ተታሒዙ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ መሪሕ ግደ ዝነበሮ ጆሴፍ ራዘርፎርድ ኣብ ኣትላንታ፡ ጆርጅያ፡ ሕ.መ.ኣ. ምስ ሸውዓተ ኻልኦት ኣሕዋት ተኣሲሩ ነበረ። እቲ ሕቶ ዀይኑ ዝነበረ እምበኣር፡ ‘እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም እተኣስሩ ኣሕዋት ዳግምዶ ይመረጹ ወይስ ይተክኡ፧’ ዚብል እዩ ነይሩ።

ኢቫንደር ካዎርድ

ሓውና ራዘርፎርድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ ብዛዕባ መጻኢ እታ ውድብ ይጭነቕ ነበረ። ገሊኦም ኣሕዋት ካልእ ፕረዚደንት እንተ ተመርጸ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ገይሮም ይሓስቡ ምህላዎም ኣይጠፍኦን። ስለዚ፡ ነቶም ኣኼበኛታት ኣብ ዝጸሓፈሎም ደብዳበ፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ድሕሪ ምልዓሉ ንኢቫንደር ካዎርድ ፕረዚደንት ኪገብርዎ ሓሳብ ኣቕረበሎም። ራዘርፎርድ ንካዎርድ “ህዱእ፡” “ለባም፡” “ንጐይታ እሙን” ኢሉ ገለጾ። ብዙሓት ኣሕዋት ግና ካልእ ፍታሕ ደልዮም ነበሩ፣ ነቲ ምርጫ ንሽዱሽተ ወርሒ ኼናውሕዎ ደልዮም ነበሩ። ነቶም እተኣስሩ ኣሕዋት ዚጣበቑሎም ዝነበሩ ሰብ ሞያ ሕጊ ድማ ምስዚ ተሰማምዑ። እቲ ምይይጥ እናቐጸለ ኪኸይድ ከሎ፡ ሓያል ስምዒታት ኪቀላቐል ጀመረ።

ሪቻርድ ባርበር

ድሕሪኡ፡ ሓደ ዜህድእ ነገር ኣጋጠመ፣ ጸኒሑ ሪቻርድ ባርበር ነቲ ሽዑ ዝዀነ ነገር፡ ‘ኣብ ዚናወጽ ማያት ዘይቲ ኸም ምፍሳስ’ ኢሉ ገሊጽዎ እዩ። ሓደ ኻብቶም ተኣከብቲ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፦ “ኣነ ጠበቓ ኣይኰንኩን፣ ንሕጋውነት ሓደ ዅነታት ብዚምልከት ግና፡ ብዛዕባ ሕጊ ተኣማንነት እፈልጥ እየ። ተኣማንነት፡ ኣምላኽ ዚደልዮ ነገር እዩ። ምርጫ ብምግባር ንሓውና ራዘርፎርድ ፕረዚደንት ጌርና ኻብ ምምራጽ ዝሓሸ እምንቶና እነርእየሉ መገዲ ኣይርኣየንን እዩ።”—መዝ. 18:25

ኣለክሳንደር ማክሚላን

ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብቶም እሱራት ዝነበረ ኣለክሳንደር ማክሚላን ከም ዘዘንተዎ፡ ንጽብሒቱ ሓውና ራዘርፎርድ ናብ ሸላኡ ዃሕኲሑ፡ “ኢድካ ኣስሊዅካ ኣውጽእ” በሎ። ሽዑ ሓውና ራዘርፎርድ ተሌግራም ሃቦ። ማክሚላን ከኣ ነቲ ሓጺር መልእኽቲ ምስ ረኣዮ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ብኡብኡ ተረድኦ። እቲ መልእኽቲ ኸምዚ ይብል ነበረ፦ “ራዘርፎርድ ዋይዝ ቫን ባርበር ኣንደርሰን ቡሊ ስፒል ዳይረክተራት ቀዳሞት ሰለስተ ሓለፍቲ ንዅላትኩም ፍቕርና።” እዚ ኸኣ ኵሎም እቶም ዳይረክተራት ከም እተመርጹ፡ ጆሴፍ ራዘርፎርድን ዊልያም ቫን ኣምበርግን ከኣ ሓላፍነቶም ሒዞም ከም ዝቐጸሉ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ሓውና ራዘርፎርድ ፕረዚደንት ኰይኑ ቐጸለ።

ተፈቲሖም!

እቶም ሸሞንተ ኣሕዋት ተኣሲሮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ እሙናት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም እሱራት ኪፍትሑ ዚጽውዕ ጥርዓን እናኣዞሩ ፊርማ ይእክቡ ነይሮም እዮም። እቶም ተባዓት ኣሕዋትን ኣሓትን ልዕሊ 700,000 ፊርማ ኣኪቦም ነይሮም እዮም። ብረቡዕ 26 መጋቢት 1919፡ እቲ ጥርዓን ከየእተውዎ ኸለዉ ግና፡ ሓውና ራዘርፎርድን ካልኦት ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋትን ተፈትሑ።

ሓውና ራዘርፎርድ ነቶም ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ዝበልዎ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ ኸምዚ በለ፦ “እዚ ዘሕለፍናዮ ተመክሮ ብዝያዳ ኣህላኺ ንዝዀነ ግዜያት ኬዳልወና ምዃኑ እኣምን እየ። . . . ቃልስኹም ንኣሕዋትኩም ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውጻእ ኣይኰነን። እዚ ቐንዲ ጕዳይ ኣይኰነን። . . . ቃልስኹም ንምስክርነት ሓቂ እዩ ነይሩ፣ እቶም እተቓለሱ ድማ ዜደንቕ በረኸት ረኺቦም ኣለዉ።”

እቲ ምስ ኣሕዋትና እተተሓሓዘ ጕዳይ ቤት ፍርዲ፡ የሆዋ ነቲ ነገር ይመርሖ ምህላዉ ዚሕብር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብ14 ግንቦት 1919፡ ይግባይ ዝሰምዕ ቤት ፍርዲ ኸምዚ ኢሉ በየነ፦ “ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዘለዉ ተኸሰስቲ መሰሎም ዚጠልቦ . . . ፍትሓዊ መስርሕ ፍርዲ ኣይረኸቡን፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እቲ ብይን ተገልቢጡ ኣሎ።” እቶም ኣሕዋት ብኸቢድ ገበናት እዮም ተኸሲሶም ነይሮም፣ ምሕረት ጥራይ እንተ ዚግበረሎም ወይ መቕጻዕቶም ጥራይ እንተ ዚንከየሎም፡ እቲ ፍርዲ ኣብ መዝገቦም ምሰፈረ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ዝዀነ ተወሳኺ ኽሲ ኣይቀረበን። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ዳኛ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ራዘርፎርድ ንህዝቢ የሆዋ ወኪሉ ኣብ ቅድሚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኺማጐት ዜኽእሎ ብቕዓት ኣይሰኣነን፣ ምስ ተፈትሐ ድማ ብዙሕ ሳዕ ከምኡ እዩ ገይሩ።

ኪሰብኩ ዝቘረጹ

ሓውና ማክሚላን ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፦ “ኢድና ኣጣሚርና ኾፍ ኢልና ጐይታ ናብ ሰማይ ኪወስደና ኣይኰንናን ተጸቢና። ፍቓድ ጐይታ ብሓቂ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ገለ ኽንገብር ከም ዘሎና ተገንዚብና ኢና።”

እቶም ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዝነበሩ ኣሕዋት ግና ነቲ ንዓመታት ዚገብርዎ ዝነበሩ ዕዮ ኪቕጽልዎ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ብግዜ እቲ ማእሰርቲ፡ ኵሉ እቲ ንሕትመት ጽሑፋት ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ቐጸላ ጠፊኡ ነይሩ እዩ። እዚ ተስፋ ዜቝርጽ እዩ ነይሩ፣ ገሊኦም ኣሕዋት ከኣ ዕዮ ስብከት ኣብቂዑ እንተ ዀይኑ ይሓስቡ ነይሮም እዮም።

እሞ ደኣ በቲ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰብክዎ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግደስ ሰብ ነይሩ ድዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ሓውና ራዘርፎርድ ኣስተምህሮ ኺህብ ወሰነ። እቲ ዕድመ ድማ ንዅሉ ኽፉት ኰነ። ሓውና ማክሚላን ነቲ ዅነታት፡ “ዋላ ሓደ ናብቲ ኣኼባ እንተ ዘይመጽእ ነይሩ፡ ኣኺሉና ማለት እዩ ነይሩ” ኢሉ ገሊጽዎ እዩ።

ነቲ ብ1919 ሓውና ራዘርፎርድ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ፡ ካሊፎርንያ ዘቕረቦ “ኣብ ጭንቂ ንዘለዉ ደቂ ሰብ ዚኸውን ተስፋ” ዘርእስቱ ኣስተምህሮ ዚኸውን ኣብ ጋዜጣ ዝወጸ መወዓውዒ

ስለዚ፡ ሰንበት 4 ግንቦት 1919 ሓውና ራዘርፎርድ ኣመና ሓሚሙ ኸሎ፡ “ኣብ ጭንቂ ንዘለዉ ደቂ ሰብ ዚኸውን ተስፋ” ዘርእስቱ መደረ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ፡ ካሊፎርንያ ኣቕረበ። ኣስታት 3,500 ድማ ነቲ ኣስተምህሮ ሰምዕዎ፣ ቦታ ብምጽባቡ እውን ኣማእታት ሰባት ተመልሱ። ንጽብሒቱ ኣብ እተገብረ ኻልእ ኣኼባ 1,500 ተኣከቡ። እቶም ኣሕዋት ነቲ ዝደለይዎ ምላሽ ረኸቡ—ሰባት ተገዳስነት ነይርዎም እዩ!

እቶም ኣሕዋት ቀጺሎም ዝገበርዎ ነገር ከኣ ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሳዕ ሎሚ ዚዓይይዎ ዕዮ ስብከት ጽልዋ ገይሩ እዩ።

ንናይ መጻኢ ዕቤት እተዳለዉ

ናይ 1 ነሓሰ 1919 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ መጀመርታ መስከረም ኣብ ሰዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኸም ዚግበር ምልክታ ነገረት። ክላረንስ ቢቲ ዚብሃል ካብ ሚዙሪ ዝዀነ መንእሰይ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵላትና ኽንከይድ ከም ዘሎና እዩ ተሰሚዑና” ኢሉ ተዘክሮኡ ገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ኣኼባ እቲ ልዕሊ 6,000 ኣሕዋትን ኣሓትን ተኣከቡ፣ እዚ ድማ ካብቲ ትጽቢት እተገብረሉ ኣጸቢቑ ዚዛይድ እዩ ነይሩ። ልዕሊ 200 ሰባት ኣብቲ ኣብ ቀረባ ዚርከብ ቀላይ ኤሪ ምጥማቖም ከኣ፡ ተወሳኺ ሓጐስ እዩ ነይሩ።

ገበር እታ 1 ጥቅምቲ 1919 ዝዕለታ ቐዳመይቲ ሕታም ዘ ጎልደን ኤጅ

ብ5 መስከረም 1919፡ ማለት ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ እቲ ኣኼባ፡ ሓውና ራዘርፎርድ፡ “ንመዓይይቲ ዚኸውን መደረ” ኣብ ዘርእስቱ መደረኡ፡ ዘ ጎልደን ኤጅ * ዘርእስታ ሓዳስ መጽሔት ከም እትወጽእ ምልክታ ነገረ። “ኣገዳሲ ዜና ኸተቕርብ፡ እዚ ዓበይቲ ፍጻመታት ስለምንታይ ይኸውን ከም ዘሎ እውን ቅዱስ ጽሕፋዊ መግለጺ ኽትህብ” ምዃና እውን ተገልጸ።

ኵሎም እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ በዛ ሓዳስ ጽሕፍቲ እዚኣ ገይሮም ብትብዓት ኪሰብኩ መተባብዒ ተዋህቦም። እቲ ዕዮ ብኸመይ ኪውደብ ከም ዘለዎ እትገልጽ ደብዳበ ኸምዚ በለት፦ “ነፍሲ ወከፍ ውፉይ [ጥሙቕ]፡ ምግልጋል ዓብዪ መሰል ምዃኑ ይዘክር፣ ሕጂ ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ኸኣ ኣብዚ ንዓለም ዚውሃብ ዓብዪ ምስክርነት እጃም ይሃልዎ።” ነዚ ጻውዒት እዚ እተዋህበ ምላሽ ዜደንቕ እዩ ነይሩ! እቶም ብቕንኣት ዜገልግሉ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ልዕሊ 50,000 ኰንትራት እታ ሓዳስ መጽሔት ኣእትዮም እዮም።

ኣሕዋት ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ኣብ ጥቓ ሓንቲ መጽሔት ዘ ጎልደን ኤጅ ዝጸዓነት ማኪና

ክሳዕ መወዳእታ 1919፡ ህዝቢ የሆዋ ተወዲቦምን ሓዪሎምን ነይሮም እዮም። ምስ ዳሕሮት መዓልትታት ዚተሓሓዝ እተፈላለየ ኣገዳሲ ትንቢታት እውን ተፈጺሙ ነይሩ እዩ። እቲ ኣብ ሚልክያስ 3:1-4 ብትንቢት ተገሊጹ ዘሎ ህዝቢ ኣምላኽ ዚፍተኑሉን ዚዅልዑሉን መስርሕ ተዛዚሙ ነይሩ እዩ። ህዝቢ የሆዋ ድማ ካብቲ ምሳልያዊ ምርኮ “ዓባይ ባቢሎን” ሓራ ወጺኦም ነይሮም እዮም፣ የሱስ ድማ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ሸይሙ ነይሩ እዩ። * (ራእ. 18:2, 4፣ ማቴ. 24:45) ድሕሪኡ፡ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ዝደልዮም ዕዮ ኺዓይዩ ድሉዋት ኰይኖም ነይሮም እዮም።

^ ሕ.ጽ. 22 ዘ ጎልደን ኤጅ፡ ብ1937 ኮንሶሌሽን፡ ብ1946 ንቕሑ! ዚብል ስም ተዋሂብዋ እዩ።