ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 41

ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትመርሕ፧—ቀዳማይ ክፋል

ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትመርሕ፧—ቀዳማይ ክፋል

“ንስኻትኩም . . . ኣብ ልቢ እተጸሓፍኩም ደብዳበ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድ እዩ።”—2 ቈረ. 3:3

መዝሙር 78 ‘ቃል ኣምላኽ ንምሃር’

መላለዪ *

ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅላቶም፡ ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጥመቕ ከሎ ኻብ ምርኣይ ንላዕሊ ዜሐጕስ እንታይ ኣለዎም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 1 ርአ)

1. ኣብ 2 ቈረንቶስ 3:1-3 ዚርከብ ሓሳብ፡ ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ፍሉይ መሰል ከም ዝዀነ ዜረድኣና ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

ኣብ ጉባኤኻ ዘሎ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጥመቕ ከሎ እንታይ ይስምዓካ፧ እዚ ንልብኻ ኸም ዜሐጕሶ ኣየጠራጥርን እዩ! (ማቴ. 28:19) ነቲ ሓድሽ ወደ መዝሙር እተጽንዖ ንስኻ እንተ ዄንካ ኸኣ፡ ብሓጐስ ፍንጭሕ ኢኻ እትብል! (1 ተሰ. 2:19, 20) ሓደስቲ ጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ነቶም ዘጽንዕዎም ሰባት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ንብዘላ እታ ጉባኤ ኸም ‘ዚንእዱ ደብዳበታት’ እዮም።—2 ቈረንቶስ 3:1-3 ኣንብብ።

2. (ሀ) እንታይ ንእትብል ሕቶ ኢና ኽንሓስበላ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

2 ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ወወርሒ ብገምጋም 10,000,000 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ * ከም እተመርሐ ጸብጻብ ተዋሂቡ ኣሎ። ኣብቲ ዓመታት እቲ ኸኣ፡ ብገምጋም ኣብ ዓዓመት ልዕሊ 280,000 ሰባት ተጠሚቖም ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስን ይዀኑ ኣለዉ። እሞ ደኣ ኻብቶም ሚልዮናት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተወሰኽቲ ሰባት ምእንቲ ኺጥመቑ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ የሆዋ ንሰባት፡ ብትዕግስቲ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ግዜን ኣጋጣምን ክሳዕ ዝፈቐደ፡ ብቕልጡፍ ናብ ጥምቀት ኪበጽሑ ንምሕጋዝ ዚከኣለና ኽንገብር ንደሊ ኢና። ግዜ ይጽንቀቕ እዩ ዘሎ!—1 ቈረ. 7:29ሀ፣ 1 ጴጥ. 4:7

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ ምምራሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

3 ብቕልጡፍ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፡ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ጌርና ናብ ጥምቀት ከነዕብዮም ከም እንኽእል ንኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ሕቶ ቐሪቡለን ነይሩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን ከኣ፡ ካብ ምኩራት ፈለምትን ሚስዮናውያንን ሓለውቲ ወረዳን እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና። * (ምሳ. 11:14፣ 15:22) ዕዉት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር፡ መምህራን መጽሓፍ ቅዱስን ተምሃሮኦምን እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኵሉ ተምሃራይ ናብ ጥምቀት ብቐጻሊ ምእንቲ ኺዓቢ፡ ኪገብሮ ዚግባእ ሓሙሽተ ነገራት ክንርኢ ኢና።

ኣብ ሰሰሙን ኣጽንዕ

ብሓባር ኮፍ ኢልኩም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመያየጡ ትኽእሉ እንተ ዄንኩም ሕተቶ (ሕጡብ ጽሑፍ 4-6 ርአ)

4. ኣብ ኣፍ ደገ ብዛዕባ ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢና ኽንርዳእ ዘሎና፧

4 ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ኣፍ ደገ ሰባት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ኣለዉ። ከምኡ ምግባር ተገዳስነት ንምልዕዓል ጽቡቕ ጅመራ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ምይይጣት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ሓጺር ኪኸውን ይኽእል እዩ፡ ኣብ ሰሰሙን እውን ከይግበር ይኽእል እዩ። ገሊኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነቲ ተገዳስነት ንምዅስኳስ ኢሎም ቍጽሪ ተሌፎኖም ይወስዱ እሞ ኣብ መንጎ ምብጻሓት ደዊሎም ሓጺር ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ ይነግርዎም ወይ ተክስት ይልእኩሎም እዮም። እዚ ሓሓሊፍካ ዚግበር ምይይጣት ናብ ፍረ ዘለዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከይዓበየ ንኣዋርሕ ኪቕጽል ይኽእል እዩ። እቲ ተምሃራይ ቃል ኣምላኽ ንምጽናዕ ዚውፍዮ ግዜን ዚገብሮ ጻዕርን እዚ ጥራይ እንተ ዀይኑ ግና፡ ናብ ወፈያን ጥምቀትን ዕቤት ኪገብር ይኽእልዶ፧ ምናልባት ኣይክእልን ይኸውን።

5. ብመሰረት ሉቃስ 14:27-33፡ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ ነገር እዩ የሱስ ኣጕሊሑ ዘሎ፧

5 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሓደ ሰብ ወደ መዝሙር ኪኸውን ከሎ ዚኸፍሎ መስዋእቲ መሲሉ እዩ። ኣብቲ ምሳሌኡ ኸኣ፡ ግምቢ ኺሃንጽ ብዛዕባ ዚደሊ ሰብን ናብ ውግእ ኪኸይድ ብዛዕባ ዚደሊ ንጉስን ጠቒሱ ኣሎ። ብተወሳኺ እውን እቲ ዚሃንጽ ሰብ ንምውዳኡ ዚኣክል እንተ ኣልይዎ ‘ቕድም ተቐሚጡ ኸም ዚጽብጽብ፡’ እቲ ንጉስ ድማ ኪዕወት ዚኽእል እንተ ዀይኑ ‘ቕድም ተቐሚጡ ኸም ዚመክር’ ሓቢሩ ኣሎ። (ሉቃስ 14:27-33 ኣንብብ።) ብተመሳሳሊ ድማ፡ ወደ መዝሙር ኪኸውን ዚደሊ ሰብ፡ ንየሱስ ምስዓብ እንታይ ከም ዜጠቓልል ተጠንቂቑ ኺግምግም ኣለዎ። ስለዚ እምበኣር፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ተኽእሎ ዘለዎም ተምሃሮ፡ ኣብ ሰሰሙን ምእንቲ ኼጽንዑ ኸነተባብዖም ኣሎና። ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧

6. ዕቤት ዚገብር መጽናዕቲ ንምምራሕ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

6 ኣብ ፈለማ፡ ንውሓት እቲ ኣብ ኣፍ ደገ እትገብርዎ መጽናዕቲ ወስኸሉ። ንኣብነት፡ ክትበጽሖ በብዝኸድካ መጠን፡ ብዛዕባ ተወሳኺ ቕዱስ ጽሑፋዊ ነጥቢ ኸተመያይጦ ትኽእል ትኸውን። እቲ ብዓል ቤት ነቲ ዝነውሐ ምብጻሕ እናለመዶ ምስ ከደ፡ ብሓባር ኮፍ ኢልኩም ክትመያየጡ ትኽእሉ እንተ ዄንኩም ሕተቶ። እቲ ዚህበካ ምላሽ፡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ኣርዚኑ ኸም ዚርእዮ ኺሕብረካ እዩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ቅልጡፍ ዕቤት ምእንቲ ኺገብር፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ከተጽንዑ ትኽእሉ እንተ ዄንኩም ክትሓትቶ ትኽእል ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ምጽናዕ ጥራይ እኹል ኣይኰነን።

ንዅሉ እቲ እትገብርዎ መጽናዕቲ ተዳለወሉ

ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ፡ ብኸመይ ከም እትዳሎ እውን ንተምሃራይካ ኣርእዮ (ሕጡብ ጽሑፍ 7-9 ርአ)

7. ሓደ መምህር ንዅሉ እቲ ዚመርሖ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ገይሩ ብጽቡቕ ኪዳለወሉ ይኽእል፧

7 መምህር ስለ ዝዀንካ፡ ንዅሉ እቲ እትመርሖ መጽናዕቲ ጽቡቕ ጌርካ ኽትዳለወሉ ኣሎካ። ኣብ መጀመርታ፡ ነቲ ዚጽናዕ ጽሑፍ ከተንብቦ፡ ነቲ ጥቕስታት እውን ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። እቲ ቐንዲ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮኻ ንጹር ኪዀነልካ ኣለዎ። ንኣርእስቲ እቲ ትምህርቲ፡ ነቲ ንኡስ ኣርእስትታት፡ ነቲ ሕቶታት፡ ነቲ “ኣንብብ” ዚብል ጥቕስታት፡ ነቲ ስእልታት፡ ከምኡ ድማ ምስቲ ርእሰ ነገር ንእተተሓሓዘ ቪድዮታት ክትሓስበሉ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ንተምሃራይካ ኣብ ኣእምሮኻ ሒዝካ፡ ነቲ ሓበሬታ እቲ ኸመይ ጌርካ ብቐሊልን ብንጹርን ከም እተቕርበሉ ኸተስተንትን ትኽእል ኢኻ፣ በዚ ኸምዚ፡ እቲ ተምሃራይ ብቐሊሉ ኺርድኦን ኪትግብሮን ይኽእል እዩ።—ነህ. 8:8፣ ምሳ. 15:28ሀ

8. ኣብ ቈሎሴ 1:9, 10 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ምእንቲ ተምሃሮና ብዛዕባ ምጽላይ እንታይ ይምህረና፧

8 ክትዳሎ ኸለኻ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ተምሃራይን ብዛዕባ እቲ ዜድልዮ ነገራትን ናብ የሆዋ ጸሊ። ንየሆዋ ኸኣ ንልቢ እቲ ተምሃራይ ብዚትንኪ መገዲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምህር ምእንቲ ኺሕግዘካ ለምኖ። (ቈሎሴ 1:9, 10 ኣንብብ።) እቲ ተምሃራይ ንምርዳኡ ወይ ንምቕባሉ ኪኸብዶ ዚኽእል ነገር ክትግምት ፈትን። ሸቶኻ ናብ ጥምቀት ኪበጽሕ ምሕጋዝ ምዃኑ ኣይትረስዕ።

9. ሓደ መምህር ንተምሃራዩ ኸመይ ገይሩ እዩ ንመጽናዕቲ ኼዳልዎ ዚኽእል፧ ግለጽ።

9 እቲ ተምሃራይ ብስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ነቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩሉ ነገር ኬማስወሉን ብዝያዳ ኺምሃር ድሌት ኪሓድሮን ኢና እንደሊ። (ማቴ. 5:3, 6) እቲ ተምሃራይ ካብቲ መጽናዕቲ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺጥቀም፡ ኣብቲ ዚምሃሮ ኼተኵር ኣለዎ። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ንዅሉ መጽናዕቲ ተዳልዩ ኺመጽእ፡ ማለት ነቲ ትምህርቲ ኣንቢብዎን ብኸመይ ከም ዚትግብሮ ሓሲቡሉን ኪመጽእ ኣገዳሲ ምዃኑ ግለጸሉ። እሞ ደኣ እቲ መምህር ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧ ነቲ ተምሃራይ ከመይ ገይሩ ኸም ዚዳሎ እናኣርኣኻ፡ ሓደ ትምህርቲ ምስኡ ብሓባር ተዳሎ። * ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ከመይ ገይሩ ቐጥታዊ መልሲ ኺረክብ ከም ዚኽእል ግለጸሉ፣ ነቲ መልሲ ንምርካብ ዚሕግዞ ቐንዲ ቓላት ወይ ሓረጋት ከመይ ገይሩ ኸም ዜስምረሉ እውን ኣርእዮ። ድሕሪኡ፡ ነቲ መልሲ ብናቱ ቓላት ኪዛረብ ሕተቶ። ከምኡ ኺገብር ከሎ፡ ነቲ ትምህርቲ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተረድኦ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ንተምሃራይካ ኸተተባብዖ ዘሎካ ተወሳኺ ነገር እውን ኣሎ።

መዓልቲ መዓልቲ ምስ የሆዋ ኺዛራረብ ምሃሮ

ንተምሃራይካ ምስ የሆዋ ብኸመይ ከም ዚዛራረብ ምሃሮ (ሕጡብ ጽሑፍ 10-11 ርአ)

10. መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ሰብ ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ ምእንቲ ኺጥቀም እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

10 እቲ ተምሃራይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መምህሩ ዚገብሮ ሰሙናዊ መጽናዕቲ፡ መዓልቲ መዓልቲ ባዕሉ ኻብ ዚገብሮ ነገር እውን ኪጥቀም ይኽእል እዩ። እወ፡ ምስ የሆዋ ኺዛራረብ ኣለዎ። ብኸመይ፧ ንየሆዋ ኺሰምዖን ኪዛረቦን ኣለዎ። መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ፡ ንኣምላኽ ኪሰምዖ ይኽእል እዩ። (እያ. 1:8፣ መዝ. 1:1-3) ነቲ ኣብ jw.org ዚርከብ “መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ” ከመይ ገይሩ ኺጥቀመሉ ኸም ዚኽእል ኣርእዮ። * ብተወሳኺ፡ ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ ምእንቲ ኺጥቀም፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ዚምህሮ ትምህርትን ነቲ ዚምሃሮ ዘሎ ኣብ ህይወቱ ዚትግብረሉ መገድን ኬስተንትነሉ ኣተባብዓዮ።—ግብ. 17:11፣ ያእ. 1:25

11. ሓደ ተምሃራይ ከመይ ገይሩ እዩ ብግቡእ ምጽላይ ዚምሃር፧ ብዙሕ ሳዕ ናብ የሆዋ ኺጽሊ ዘለዎኸ ስለምንታይ እዩ፧

11 መዓልቲ መዓልቲ ብምጽላይ፡ ንየሆዋ ኺዛረቦ ኣተባብዓዮ። ኣብ መጀመርታን ኣብ መወዳእታን መጽናዕቲ ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ኣቕርብ፣ ምስቲ ተምሃራይካን ምእንታኡን ጸሊ። ጸሎትካ ኺሰምዕ ከሎ፡ ካብ ልቡ ኸመይ ኢሉ ኺጽሊ ኸም ዘለዎ፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ብኸመይ ልባዊ ጸሎት ከም ዜቕርብ ኪምሃር እዩ። (ማቴ. 6:9፣ ዮሃ. 15:16) ተምሃራይካ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዜንብብን (ንየሆዋ ምስ ዚሰምዖ) ምስ ዚጽልን (ንየሆዋ ምስ ዚዛረቦ)፡ እዚ ንኣምላኽ ብዝያዳ ኪቐርቦ ብኸመይ ከም ዜኽእሎ እሞ ሕሰቦ! (ያእ. 4:8) ተምሃራይካ ነዚ ልማዳት እዚ እንተ ኣማዕቢሉ፡ ናብ ወፈያን ጥምቀትን ዚመርሖ ኻልእ ነገር እውን ኬጥሪ እዩ።

ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ኬማዕብል ሓግዞ

12. ሓደ መምህር ንተምሃራዩ፡ ምስ የሆዋ ርክብ ኬማዕብል ዚሕግዞ ብኸመይ እዩ፧

12 ሓደ ተምሃራይ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምሃሮ ነገር፡ ንኣእምሮኡ ዚውሓጠሉ ኪኸውን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንልቡ ዚትንክዮ ኪኸውን እውን ኣለዎ። ስለምንታይ፧ እቲ ንትምኒታትናን ንስምዒታትናን ዜጠቓልል ልብና ንተግባር የለዓዕለና እዩ። የሱስ ንኣእምሮ ሰባት ዚውሓጠሎም ሓሳብ ይጥቀም ነይሩ እዩ። ሰባት ዝሰዓብዎ ግና፡ ንልቦም የለዓዕሎ ስለ ዝነበረ እዩ። (ሉቃ. 24:15, 27, 32) የሆዋ ንተምሃራይካ ጋህዲ ምእንቲ ኪዀነሉ፡ እቲ ተምሃራይ ምስኡ ርክብ ኬማዕብል፡ ከም ኣቦኡን ኣምላኹን ዓርኩን ገይሩ እውን ኪርእዮ ኣለዎ። (መዝ. 25:4, 5) ስለዚ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለኻ፡ ንባህርያት ኣምላኽ ህያው ግበረሉ። (ዘጸ. 34:5, 6፣ 1 ጴጥ. 5:6, 7) ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ርእሰ ነገር ክትመያየጡ ኸለኹም፡ የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ኣተኵረሉ። ነቲ ጽቡቕ ባህርያት የሆዋ፡ ማለት ንፍቕሩን ንለውሃቱን ንርሕራሐኡን ኬማስወሉ ሓግዞ። የሱስ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ . . . ኣፍቅሮ” እትብል ትእዛዝ፡ “ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ” ኢልዋ እዩ። (ማቴ. 22:37, 38) እምበኣር፡ ኣብ ልቢ ተምሃራይካ፡ ንኣምላኽ ዓሚቝ ፍቕሪ ኸም ዜሕድር ክትገብር ጽዓር።

13. ንተምሃራይካ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ብኸመይ ክትምህሮ ኸም እትኽእል ኣብነት ሃብ።

13 ምስ ተምሃራይካ ኽትዛራረቡ ኸለኹም፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣብ ውሽጥኻ ዚስምዓካ ግለጸሉ። እዚ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ብብሕቱ ርክብ ኬማዕብል ከም ዜድልዮ ኼስተውዕል ይሕግዞ እዩ። (መዝ. 73:28) ንኣብነት፡ ኣብቲ ዚጽናዕ ጽሑፍ ወይ ኣብ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ፡ ማለት ብዛዕባ ፍቕሩ፡ ጥበቡ፡ ፍትሑ፡ ወይ ሓይሉ ንልብኻ ዝተንከዮ ነገር ኣሎዶ፧ ነዚ ንተምሃራይካ ግለጸሉ፣ ሓደ ኻብቲ ንሰማያዊ ኣቦና እተፍቅረሉ ብዙሕ ምኽንያታት፡ እዚ ምዃኑ ኣፍልጦ። ይኹን እምበር፡ ኵሉ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ኪገብሮ ዘለዎ ተወሳኺ ነገር ኣሎ።

ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺእከብ ኣተባብዓዮ

ንተምሃራይካ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ ኣተባብዓዮ! (ሕጡብ ጽሑፍ 14-15 ርአ)

14. እብራውያን 10:24, 25 ብዛዕባ እቲ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት ኪገብሩ ዚሕግዞም ኣኼባታት ጉባኤ እንታይ ትነግረና፧

14 ኵላትና ንተምሃሮና ናብ ጥምቀት ኪዓብዩ ንደልዮም ኢና። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ኺገብሩ እንሕግዘሉ መገዲ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺእከቡ ብምትብባዕ እዩ። ምኩራት መምህራን፡ ኣብ ኣኼባታት ዚእከቡ ተምሃሮ ቅልጡፍ ዕቤት ከም ዚገብሩ ይገልጹ እዮም። (መዝ. 111:1) ገሊኦም መምህራን ንተምሃሮኦም፡ ፍርቂ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ መጽናዕቲ፡ ፍርቁ ኸኣ ካብቲ ኣኼባታት ከም ዚረኽብዎ ይገልጹሎም እዮም። እምበኣር፡ ምስ ተምሃራይካ እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ እሞ፡ ናብ ኣኼባታትና እንተ መጺኡ ዚረኽቦ ጥቕምታት ግለጸሉ። ነታ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኸኣ ኣርእዮ። * ንሰሙናዊ ኣኼባ ኽፍሊ ህይወቱ ኺገብሮ ድማ ሓግዞ።

15. ንተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ ንምትብባዕ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

15 ተምሃራይካ ኣብ ኣኼባ ተኣኪቡ ዘይፈልጥ ወይ ብስሩዕ ዘይእከብ እንተ ዀይኑ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባ እተምሃርካዮ ነገር ብውዕዉዕ መንፈስ ንገሮ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ካብቲ ናብ ኣኼባ ኺመጽእ እተቕርበሉ ዕድመ ንላዕሊ ንድሌቱ ኸተለዓዕሎ ኢኻ። ኣብ ኣኼባ ዚጽናዕ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ሃቦ። ኣብ ዚቕጽል ኣኼባ እንታይ ከም እንምሃር ኣርእዮ፣ ኣየናይ ክፋል ብዝያዳ ኼገድሶ ኸም ዚኽእል እውን ሕተቶ። እቲ ኣብ ናይ መጀመርታ ኣኼባኡ ዚርእዮ ነገር፡ ካብቲ ኣብ ዝዀነ ኻልእ ሃይማኖታዊ ኣኼባ ዚርእዮ ነገር ኣጸቢቑ ይበልጽ እዩ። (1 ቈረ. 14:24, 25) ኣብኡ ኸኣ ሰናይ ኣብነት ኪዀንዎን ናብ ጥምቀት ንምዕባይ ኪሕግዝዎን ዚኽእሉ ሰባት ኪረክብ እዩ።

16. ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ እንታይ የድሊ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽከ እንታይ ኢና ኽንምሃር፧

16 እሞ ደኣ ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ንመርሕ፧ ንነፍሲ ወከፍ ተምሃራይ ኣብ ሰሰሙን ኬጽንዕን ንዅሉ መጽናዕቱ ተዳልዩ ኺመጽእን ብምትብባዕ፡ ንመጽናዕቱ ኣርዚኑ ኺርእዮ ኽንሕግዞ ንኽእል ኢና። መዓልቲ መዓልቲ ምስ የሆዋ ኺዛራረብን ምስኡ ናይ ብሕቲ ርክብ ኬማዕብልን እውን ከነተባብዖ ንደሊ ኢና። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺእከብ እውን ከነለዓዕሎ ንደሊ ኢና። (“ ተምሃሮ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ኪገብርዎ ዜድሊ ነገራት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ይኹን እምበር፡ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ንተምሃሮኦም ናብ ጥምቀት ኪበጽሑ ዚሕግዙሉ ሓሙሽተ ተወሳኺ ነገራት ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 76 የሐጕሰካዶ፧

^ ሕ.ጽ. 5 ንሰብ ምምሃር ኪብሃል ከሎ፡ ሓሳቡ፡ ስምዒቱ፡ ወይ ተግባሩ ብሓድሽ መገዲ ኪገብሮ ምሕጋዝ ማለት እዩ። ናይ 2020 ጥቕሲ ዓመት፡ ማለት ማቴዎስ 28:19 ከኣ፡ ንሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሓሎምን ጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ኪዀኑ ክንምህሮምን ከም ዘሎና ተዘኻኽረና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን፡ ኣብዚ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዎ ዕዮ ኸመይ ጌርና ኸም እነመሓይሽ ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 2 መግለጺ ቓላት፦ ንሰብ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ብስሩዕ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ትገብር እንተ ኣሊኻ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢኻ እትመርሕ ዘለኻ። ነቲ መጽናዕቲ ብኸመይ ከም ዚግበር መርኣያ ድሕሪ ምቕራብካ ኽልተ ሳዕ እንተ መሪሕካ እሞ ዚቕጽል እንተ መሲሉካ፡ ጸብጻብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትህብ ትኽእል ኢኻ።

^ ሕ.ጽ. 3 እዚ ዓንቀጻት እዚ ኣብቲ ኻብ ሓምለ 2004 ክሳዕ ግንቦት 2005 ሕታማት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸ፡ “ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ” ዘርእስቱ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ዚርከብ ሓሳባት እውን የጠቓልል።

^ ሕ.ጽ. 9 ነታ ኣርባዕተ ደቒቕ ዝንውሓታ ተምሃሮና ኺዳለዉ ንምሃሮም ዘርእስታ ቪድዮ ርአ። ኣብ JW Library®፡ ኣብ ሚድያ > ኣኼባታትናን ኣገልግሎትናን > ክእለትካ ኣመሓይሽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 10 ኣብ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > ናውቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 14 ኣብ JW Library®ኣብ ሚድያ > ኣኼባታትናን ኣገልግሎትናን > ናውቲ ኣገልግሎት ርአ።