ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 42

ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትመርሕ፧—ካልኣይ ክፋል

ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትመርሕ፧—ካልኣይ ክፋል

“ኣብ ርእስኻን ኣብቲ እትምህሮ ትምህርትን ኣተኵር።”—1 ጢሞ. 4:16

መዝሙር 77 ኣብ ጸልማት ዚበርህ ብርሃን

መላለዪ *

1. ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ፡ ህይወት ዜድሕን ዕዮ ምዃኑ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ፡ ህይወት ዜድሕን ዕዮ እዩ! ከምኡ ምዃኑ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20፡ “ኪዱ . . . እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ዚብል ትእዛዝ ሂቡ እዩ። እሞ ደኣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ጥምቀት እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ እዚ ስጕምቲ እዚ፡ ድሕነት ንምርካብ ኪማላእ ዘለዎ ብቕዓት እዩ። ሓደ ሕጹይ ጥምቀት፡ ድሕነት ኪርከብ ዚከኣል የሱስ መስዋእታዊ ሞት ብሙማቱን ድሕሪኡ ብምትንሳኡን ምዃኑ ኺኣምን ኣለዎ። ስለዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ “ጥምቀት ድማ ሕጂ የድሕነኩም ኣሎ፣ እዚ ኸኣ . . . ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ እዩ” ዝበሎም። (1 ጴጥ. 3:21) ስለዚ፡ ሓደ ሓድሽ ወደ መዝሙር ኪጥመቕ ከሎ፡ ኣብ መገዲ ድሕነት እዩ ዚኣቱ ዘሎ።

2. ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 4:1, 2 ዘሎ ሓሳብ፡ ከም መምህራን መጠን እንታይ ክንገብር እያ እትድርኸና፧

2 ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር፡ “ጥበብ ኣመሃህራ” ኸነማዕብል ኣሎና። (2 ጢሞቴዎስ 4:1, 2 ኣንብብ።) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሱስ “ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ምስ በለ፡ “ምሃርዎም” ኢሉ እውን ኣዚዙና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ፡ ኣብዚ ዕዮ እዚ “ጽናዕ” ድሕሪ ምባል፡ “እዚ እንተ ጌርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ” ኢሉ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ “ኣብቲ እትምህሮ ትምህርቲ . .  ኣተኵር” ዝበለ። (1 ጢሞ. 4:16) ምምሃር ምስ ምግባር ደቀ መዛሙርቲ ስለ ዚተሓሓዝ፡ እንምህሮ ትምህርቲ ብሉጽ ኪኸውን ንደሊ ኢና።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምምራሕ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

3 ንሚልዮናት ሰባት፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ንምህር ኣለና። ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ከም እተሓበረ ግና፡ ዝያዳ ሰባት ጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ክንፈልጥ ንደሊ ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኵሉ መምህር ንተምሃራዩ ናብ ጥምቀት ኪበጽሕ ዚሕግዘሉ ሓሙሽተ ተወሳኺ ነገራት ክንርኢ ኢና።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪምህር ፍቐደሉ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪምህር ምእንቲ ኽትፈቕደሉ፡ ንሓደ ምኩር መምህር ኣብዚ መዳይ እዚ ብኸመይ ክእለትካ ኸም እተመሓይሽ ኪሕግዘካ ሕተቶ (ሕጡብ ጽሑፍ 4-6 ርአ) *

4. ሓደ መምህር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሕ ከሎ ርእሱ ኺገትእ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

4 ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እንምህሮ ትምህርቲ ንፈትዎ ኢና። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ እንፈትዎ ነገር ዘረባ ነንውሕ ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፡ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ኣብ ዚምርሓሉ እዋን፡ እቲ ዚመርሕ ሰብ ብዙሕ ኪዛረብ የብሉን። እቲ መምህር ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪምህር ምእንቲ ኺፈቕደሉ፡ ርእሱ ኺገትእ ኣለዎ፣ ብዛዕባ ገሊኡ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ጕዳይ ዚፈልጦ ዅሉ ኻብ ምግላጽ እውን ኪቝጠብ ኣለዎ። * (ዮሃ. 16:12) ክትጥመቕ ከለኻ ዝነበረካ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስቲ ሕጂ ዘሎካ እሞ ኣነጻጽሮ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ጥራይ ኢኻ እትፈልጥ ኔርካ። (እብ. 6:1) ናብዚ ሎሚ እትፈልጦ ደረጃ ኽትበጽሕ ሓያሎ ዓመታት ወሲዱልካ እዩ። ስለዚ፡ ንሓደስቲ ተምሃሮ፡ ኵሉ እቲ እትፈልጦ ብሓንሳእ ኣይትደርጕሓሎም።

5. (ሀ) ምስ 1 ተሰሎንቄ 2:13 ብምስምማዕ፡ ተምሃራይና ኻብ መጽናዕቱ እንታይ ኪርዳእ ኢና እንደልዮ፧ (ለ) ንሓደ ተምሃራይ ብዛዕባ እቲ ዚምሃሮ ዘሎ ምእንቲ ኺዛረብ ብኸመይ ከነተባብዖ ንኽእል፧

5 ንተምሃራይና፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ይምሃር ከም ዘሎ ኺፈልጥ ንደልዮ ኢና። (1 ተሰሎንቄ 2:13 ኣንብብ።) ከመይ ጌርና ኸምኡ ንገብር፧ ነቲ ተምሃራይ ብዛዕባ እቲ ዚምሃሮ ዘሎ ኺዛረብ ኣተባብዓዮ። ወትሩ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክንዲ እትገልጸሉ፡ ገሊኡ ጥቕስታት ኪገልጸልካ ሕተቶ። ቃል ኣምላኽ ንዕኡ ብብሕቲ ብኸመይ ከም ዚምልከቶ ኣርእዮ። ሓሳቡ ኺገልጽ ዜኽእሎ ሕቶታት ሕተቶ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ዜንብቦ ጥቕስታት እንታይ ከም ዚሓስብን ከመይ ከም ዚስምዖን ሕተቶ። (ሉቃ. 10:25-28) ንኣብነት፡ ከምዚ ኢልካ ሕተቶ፦ “እዛ ጥቕሲ እዚኣ ባህርያት የሆዋ ኽትርኢ ብኸመይ ሓጊዛትካ፧” “ካብዚ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧” “ብዛዕባ እቲ እተምሃርካዮ እንታይ ይስምዓካ፧” (ምሳ. 20:5) እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ፡ ብዝሒ ፍልጠቱ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዚፈልጦ ኽሳዕ ክንደይ ይፈትዎን ይትግብሮን እዩ።

6. ንሓደ ምኩር መምህር ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሊእና ምኻድ ጽቡቕ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

6 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለኻ፡ ምኩራት መምህራን ትማላእዶ፧ ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ ኣመራርሓኻን ብዛዕባ እቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ እትጥቀመሉ መገድን ትዕዝብቶም ኪገልጹልካ ኽትሓትቶም ትኽእል ኢኻ። ክእለት ኣመሃህራኻ ንምምሕያሽ፡ ትሑት ክትከውን ኣሎካ። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 18:24-26 ኣረኣኢ።) ድሕሪ እቲ መጽናዕቲ፡ እቲ ተምሃራይ ነቲ ሓቂ ይርድኦ እንተ ኣልዩ ነቲ ምኩር ኣስፋሒ ሕተቶ። ንሓደ ሰሙን ወይ ንእተወሰነ ሰሙናት ኣብ ዘይትህልወሉ እዋን ከኣ፡ ነቲ ኣስፋሒ እቲ ኺትክኣካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ መጽናዕቲ ስሩዕ ይኸውን፡ ነቲ ተምሃራይ እውን ኣገዳስነት እቲ መጽናዕቲ ኺጐልሓሉ ይኽእል። እቲ መጽናዕቲ “ናትካ” ኸም ዝዀነ ጌርካ፡ ከምኡ እውን ካልእ ኪመርሓሉ ኸም ዘይክእል ጌርካ ኣይትሕሰብ። ከመይሲ፡ እቲ ተምሃራይ ኣብ ሓቂ ቐጻሊ ዕቤት ምእንቲ ኺገብር፡ ንዕኡ ዚሕሾ ነገር ክትገብር ኢኻ እትደሊ።

ብውዕዉዕ መንፈስን እምነትካ ብዜርኢ መገድን ምሃር

ተምሃራይካ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚትግብሮ ምእንቲ ኸተረድኦ፡ ተመክሮ ናይ ሓቂ ኣብነታት ንገሮ (ሕጡብ ጽሑፍ 7-9 ርአ) *

7. ሓደ ተምሃራይ ነቲ ዚምሃሮ ኺፈትዎ ዚሕግዞ እንታይ እዩ፧

7 ተምሃራይካ ነቲ ውዕዉዕ መንፈስካ ኺርኢ፡ ነቲ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትኣምነሉ እውን ኪሰምዕ የድልዮ እዩ። (1 ተሰ. 1:5) ነዚ እንተ ተዓዚቡ፡ ነቲ ዚምሃሮ ነገር ኪፈትዎ ይኽእል እዩ። ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ መዳይ፡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምንባር ንዓኻ ብኸመይ ከም ዝሓገዘካ ንገሮ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዕኡ እውን ዚጠቕሞ ግብራዊ መምርሒ ኸም ዘሎ ኼስተውዕል እዩ።

8. ንተምሃራይካ ንምሕጋዝ እንታይ ተወሳኺ ነገር ክትገብር ትኽእል፧ ስለምንታይከ ኢኻ ኸምኡ እትገብር፧

8 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እትገብሩሉ እዋን፡ ንተምሃራይካ ምስቲ ናቱ ዚመሳሰል ጸገማት ብዛዕባ ዝሰገሩ ሰባት ዚገልጽ ናይ ሓቂ ኣብነታት ህይወት ንገሮ። ብተወሳኺ፡ ንተምሃራይካ ኺጠቕሞ ዚኽእል ተመክሮ ዘሕለፈ ኣስፋሒ ናብቲ መጽናዕቲ ኽትማላእ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ኣብ jw.org፡ ኣብ ትሕቲ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር * ዚብሃል ዓምዲ፡ ልቢ ዚትንኪ ተመክሮታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ዓንቀጻትን ቪድዮታትን እዚ፡ ንተምሃራይካ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወቱ ምትግባር ክሳዕ ክንደይ ጥበብ ምዃኑ የርእዮ እዩ።

9. ንተምሃራይካ፡ ነቲ ዚምሃሮ ዘሎ ንቤተ ሰቡን ንፈተውቱን ኪነግር ብኸመይ ከተተባብዖ ትኽእል፧

9 እቲ ተምሃራይ ምርዑው እንተ ዀይኑ፡ መጻምድቱ እውን ተጽንዕ ድያ፧ እንተ ዘይኰይና፡ ኣብ መጽናዕቲ ኽትጽምበረኩም ዓድማ። ንተምሃራይካ፡ እቲ ዚምሃሮ ዘሎ ንቤተ ሰቡን ንፈተውቱን ኪነግር ኣተባብዓዮ። (ዮሃ. 1:40-45) ብኸመይ፧ ከምዚ ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ፦ “ነዚ ሓቂ እዚ ንቤተ ሰብካ ብኸመይ ምገለጽካሎም፧” ወይ “ነዚ ነገር እዚ ንዓርክኻ ንምርዳእ እንታይ ጥቕሲ ምተጠቐምካ፧” በዚ ኸምዚ፡ ንተምሃራይካ መምህር ኪኸውን ከተሰልጥኖ ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ብቑዕ ምስ ኰነ፡ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዀይኑ ኣብ ኣገልግሎት ኪሳተፍ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ንተምሃራይካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ዚፈቱ ሰብ ዚፈልጥ እንተ ዀይኑ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ዚፈልጥ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ሰብ እቲ ርኸቦ እሞ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ዓድሞ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚምራሕ፧ * ዘርእስታ ቪድዮ ኸኣ ኣርእዮ።

ንተምሃራይካ ኣብ ጉባኤ ኣዕሩኽ ኪረክብ ኣተባብዓዮ

ንተምሃሮኻ ኣብ ጉባኤ ኣዕሩኽ ኪገብሩ ኣተባብዓዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 10-11 ርአ) *

10. ኣብ 1 ተሰሎንቄ 2:7, 8 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ሓደ መምህር ኣብነት ጳውሎስ ኪስዕብ ዚኽእል፧

10 መምህራን ብዛዕባ ተምሃሮኦም ናይ ሓቂ ብሕታዊ ተገዳስነት ኬሕድሩ ኣለዎም። ስለዚ፡ ናይ መጻኢ መንፈሳውያን ኣሕዋትካ ወይ ኣሓትካ ኸም ዚዀኑ ጌርካ ርኣዮም። (1 ተሰሎንቄ 2:7, 8 ኣንብብ።) ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣዕሩኾም ምሕዳግ፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ከኣ ዜድሊ ለውጥታት ምግባር ቀሊል ኣይኰነን። ኣብ ጉባኤ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ምእንቲ ኺረኽቡ ኽንሕግዞም ኣሎና። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እትገብሩሉ እዋን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት እውን ንተምሃራይካ ዓርኪ ኹኖ። ተሌፎን ምድዋል፡ ተክስት ምልኣኽ፡ ወይ ኣብ መንጎ እቲ መጽናዕቲ እትገብሩሉ መዓልትታት ክትበጽሖ ምኻድ፡ ብዛዕባኡ ብሓቂ ኸም እትግደስ የርኢ እዩ።

11. ተምሃሮና ኣብ ጉባኤ እንታይ ኪረኽቡ ኢና እንደልዮም፧ ስለምንታይከ፧

11 “ቈልዓ ንምዕባይ፡ ምሉእ ቍሸት የድሊ” ዚብል ብሂል ኣፍሪቃ ኣሎ። ንሕና ኸኣ፡ “ወደ መዝሙር ንምግባር፡ ምሉእ ጉባኤ የድሊ” ኽንብል ንኽእል ኢና። ስለዚ ድማ እዮም ዕዉታት መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ንተምሃሮኦም፡ ኣብ ጉባኤኦም ምስ ዘለዉ ጽቡቕ ጽልዋ ዜሕድሩሎም ሰባት ዜላልይዎም። ድሕርዚ፡ እቶም ተምሃሮ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ኪቀራረቡ ይኽእሉ እዮም፣ በዚ ኸምዚ እውን መንፈሳውን ስምዒታውን ደገፍ ይረኽቡ። ነፍሲ ወከፍ ተምሃራይ ኣብታ ጉባኤ ቦታ ኸም ዘለዎን ክፍሊ እቲ መንፈሳዊ ስድራ ቤት ከም ዝዀነን ኪስምዖ ንደሊ ኢና። ናብቲ ፍቕሪ ዝዓሰሎ ክርስትያናዊ ሕውነትና ኺስሓብ ንደልዮ ኢና። ከምኡ እንተ ገይሩ፡ ምስቶም ንየሆዋ ኼፍቅር ዘይሕግዝዎ ሰባት ዝነበሮ ቕርርብ ኪበትኽ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 13:20) እቶም ናይ ቀደም ፈተውቱ እንተ ኣግሊሎምዎ፡ ኣብ ውድብ የሆዋ ናይ ሓቂ ፈተውቲ ኸም ዚረክብ ይፈልጥ እዩ።—ማር. 10:29, 30፣ 1 ጴጥ. 4:4

ወፈያን ጥምቀትን ሸቶኡ ኺገብሮ ኣጕልሓሉ

ሓደ ቕኑዕ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ በብቝሩብ ናብ ሸቶኡ፡ ማለት ናብ ጥምቀት ኪበጽሕ ይኽእል እዩ! (ሕጡብ ጽሑፍ 12-13 ርአ)

12. ብዛዕባ ክርስትያናዊ ወፈያን ጥምቀትን ንተምሃራይና ኽንዛረቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12 ብዛዕባ ክርስትያናዊ ወፈያን ጥምቀትን ብግሁድ ተዛረቦ። ስለምንታይሲ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ ሸቶ፡ እቲ ሰብ ጥሙቕ ወደ መዝሙር ኪኸውን ንምሕጋዝ እዩ። ካብቲ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ዝጀመርናሉ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ፡ ምናዳ ኸኣ እቲ ተምሃራይ ኣብ ኣኼባ ኺእከብ ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ዕላማ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ምስክሩ ዀይኑ ኼገልግሎ ምዃኑ ኺርድኦ ኣለዎ።

13. ሓደ ተምሃራይ ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ እንታይ ስጕምትታት ኪስጕም ኣለዎ፧

13 ሓደ ቕኑዕ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ በብቝሩብ ናብ ሸቶኡ፡ ማለት ናብ ጥምቀት ኪበጽሕ ይኽእል እዩ! ፈለማ፡ እቲ ተምሃራይ ንየሆዋ ይፈልጦ፡ ይፈትዎ፡ ከምኡ እውን ይኣምኖ። (ዮሃ. 3:16፣ 17:3) ድሕሪኡ፡ ምስ የሆዋ ርክብ ይምስርት፡ ምስ ውድቡ ኸኣ ኪቀራረብ ይጅምር። (እብ. 10:24, 25፣ ያእ. 4:8) ቀጺሉ፡ ሕማቕ ተግባራት ይሓድግ፡ ካብ ሓጢኣቱ እውን ይንሳሕ። (ግብ. 3:19) ማዕረ ማዕሪኡ፡ ብእምነቱ ተደሪኹ ሓቂ ንሰባት ይነግር። (2 ቈረ. 4:13) ድሕርዚ፡ ርእሱ ንየሆዋ ይውፊ፡ ወፈያኡ ድማ ብጥምቀት የርኢ። (1 ጴጥ. 3:21፣ 4:2) በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኵላትና ብዙሕ ንሕጐስ ኢና! እቲ ተምሃራይ ናብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ዜኽእሎ ሓደ ስጕሚ ብዝሰጐመ መጠን፡ ብብዝሒ ልባዊ ናእዳ ሃቦ፡ ኣብቲ ቕኑዕ ኣንፈት ግስጋሰኡ ኪቕጽል እውን ኣተባብዓዮ።

በብግዜኡ ዕቤት እቲ ተምሃራይ ገምግም

14. ሓደ መምህር፡ ዕቤት ተምሃራዩ ብኸመይ ኪግምግም ይኽእል፧

14 ንተምሃራይ ናብ ወፈያን ጥምቀትን ንምዕባይ ክንሕግዞ ኸለና፡ ትዕግስቲ ኽንገብር ኣሎና። ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ኬገልግል ድሌት እንተ ኣልይዎ ኽንፈልጥ ኣሎና። እቲ ተምሃራይ ንትእዛዛት የሱስ ኪሕሉ ይጽዕር ከም ዘሎ ምልክት ርኢኻዶ፧ ወይስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ጥራይ እዩ ኺረክብ ዚደሊ ዘሎ፧

15. ሓደ መምህር ኣብ ተምሃራዩ እንታይ ምልክት ዕቤት እዩ ኺርኢ ዘለዎ፧

15 ተምሃራይካ ንዚገብሮ ዕቤት ኣዘውቲርካ ገምግም። ንኣብነት፡ ብዛዕባ የሆዋ ዘለዎ ስምዒት ይገልጽ ድዩ፧ ናብ የሆዋ ይጽሊ ድዩ፧ (መዝ. 116:1, 2) መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ይፈቱ ድዩ፧ (መዝ. 119:97) ኣብ ኣኼባታት ብስሩዕ ይእከብ ድዩ፧ (መዝ. 22:22) ኣብ ኣነባብራኡ ዜድሊ ለውጢ ገይሩ ድዩ፧ (መዝ. 119:112) ነቲ ዚምሃሮ ዘሎ ንቤተ ሰቡ ወይ ንፈተውቱ ኺነግር ጀሚሩ ድዩ፧ (መዝ. 9:1) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ይደሊ ድዩ፧ (መዝ. 40:8) እቲ ተምሃራይ ኣብ ሓዲኡ ኻብዚ መዳያት እዚ ዕቤት ይገብር እንተ ዘየልዩ፡ ስለምንታይ ከም ዘይከኣለ ብሜላ ኽትፈልጥ ፈትን፡ ድሕሪኡ ድማ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብለውሃትን ብግሁድን ኣመያይጦ። *

16. እንታይ ነጥብታት እዩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪቋረጽ ከም ዘለዎ ኺሕብር ዚኽእል፧

16 ምስ ሓደ ሰብ መጽናዕቲ ኽትቅጽል ዚግባእ እንተ ዀይኑ በብግዜኡ ገምግም። ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘እቲ ተምሃራይ ንመጽናዕቲ ኸይተዳለወ ይመጽእ ድዩ፧ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ንምእካብ ተገዳስነት ዘይብሉ ድዩ፧ ሕማቕ ኣመላት ኣለዎ ድዩ፧ ክሳዕ ሕጂ ኣባል ናይ ሓሶት ሃይማኖት ድዩ፧’ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ‘እወ’ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ መጽናዕቲ ምቕጻል፡ ንሓደ ኺጥልቂ ዘይደሊ ሰብ ምሕምባስ ከም ምምሃር እዩ! እቲ ተምሃራይ ነቲ ዚምሃሮ ዘሎ ብሓቂ ዘየማስወሉ እንተ ዀይኑ እሞ ኪቕየር ፍቓደኛ እንተ ዘይኰይኑ፡ ስለምንታይ እሞ ኢኻ ምስኡ መጽናዕቲ እትቕጽል፧

17. ብመሰረት 1 ጢሞቴዎስ 4:16፡ ኵሎም መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧

17 ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ዘሎና ሓላፍነት ኣርዚንና ኢና እንርእዮ፣ ንተምሃሮና ኸኣ ናብ ጥምቀት ኪበጽሑ ኢና እንደልዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪምህር ነፍቅደሉ ኢና፣ ብውዕዉዕ መንፈስን እምነትና ብዜርኢ መገድን እውን ንምህር ኢና። ንተምሃራይና ኸኣ ኣብ ጉባኤ ኣዕሩኽ ኪረክብ ነተባብዖ ኢና። ወፈያን ጥምቀትን ሸቶኡ ኺገብሮ እውን ነጕልሓሉ ኢና፣ ብዘይካዚ ድማ፡ በብግዜኡ ንዕቤት እቲ ተምሃራይ ንግምግሞ ኢና። (“ መምህራን ንተምሃሮኦም ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ኪገብርዎ ዜድሊ ነገራት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ኣብዚ ህይወት ናይ ምድሓን ዕዮ ኽንሳተፍ ብምኽኣልና ንሕጐስ ኢና። እምበኣር፡ ናብ ጥምቀት ዕቤት ዚገብር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ዚከኣለና ኽንገብር ንቝረጽ!

መዝሙር 79 ኪጸንዑ ኣሰልጥኖም

^ ሕ.ጽ. 5 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ንሰባት፡ የሆዋ ዚደልዮ ሓሳብን ስምዒትን ተግባርን ኪፈልጡ ናይ ምሕጋዝ ፍሉይ መሰል ኣሎና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ክእለት ኣመሃህራና ብኸመይ ከም እነመሓይሽ ተወሳኺ ሓበሬታ ትህብ።

^ ሕ.ጽ. 4 ኣብ ናይ መስከረም 2016 ሕታም ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ዝወጸት፡ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለኻ ኸተወግዶ ዘሎካ ጌጋታት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 8 ኣብ ብዛዕባና > ተመክሮታት ርአ።

^ ሕ.ጽ. 9 ኣብ JW Library®፡ ኣብ ሚድያ > ኣኼባታትናን ኣገልግሎትናን > ናውቲ ኣገልግሎት ርአ።

^ ሕ.ጽ. 15 ኣብ ናይ መጋቢት 2020 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጻ፡ “ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ሞሳን ናብ ጥምቀት ይመርሕ” ዘርእስታ ዓንቀጽን “ክትጥመቕ ተዳሊኻ ዲኻ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽን ርአ።

^ ሕ.ጽ. 77 መግለጺ ስእሊ፦ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተዛዘመ፡ እታ ምክርቲ ሓብቲ ነታ ዝመርሐት ሓብቲ፡ ኣብ መጽናዕቲ ብዙሕ ክትዛረብ ከም ዘይብላ ተረድኣ።

^ ሕ.ጽ. 79 መግለጺ ስእሊ፦ መጽናዕቲ ኺገብራ ኸለዋ፡ እታ ተምሃሪት ከመይ ገይራ ዝሓሸት ሰበይቲ ኸም እትኸውን ትምሃር። ደሓር ከኣ ነቲ እተማህረቶ ንሰብኣያ ትነግሮ።

^ ሕ.ጽ. 81 መግለጺ ስእሊ፦ እታ ተምሃሪት ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሓንቲ ሓብቲ ትራኸብ፣ ንሳ ኸኣ ነታ ተምሃሪትን ንሰብኣያን ናብ ቤታ ትዕድሞም።