ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ዳግም ህነጽ

ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ዳግም ህነጽ

ኣብ ዓዓመት፡ ብዙሓት ክቡራት ኣባጊዕ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይምለሱ እዮም። ነፍሲ ወከፎም ኪምለሱ ኸለዉ ‘ኣብ ሰማይ ዚህሉ ሓጐስ’ እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ! (ሉቃ. 15:7, 10) ካብ ውገዳ እንተ ተመሊስካ፡ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ዳግም ብምቛምካ፡ የሆዋን የሱስን መላእኽትን ደስ ከም ዚብሎም ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ዳግም ክትሃንጽ ከለኻ ግና፡ ብድሆታት የጋጥመካ ይኸውን። ገሊኡ ኻብዚ ብድሆታት እንታይ እዩ፧ እንታይከ ኺሕግዘካ ይኽእል፧

እቲ ብድሆታት እንታይ እዩ፧

ብዙሓት ናብ ጉባኤ ምስ ተመልሱ፡ ምስ ኣሉታዊ ስምዒታት ይቃለሱ እዮም። ምናልባት ንስኻ እውን ንጉስ ዳዊት እንታይ ከም እተሰምዖ ይርድኣካ ይኸውን። ሓጢኣቱ ይቕረ ምስ ተባህለሉ እኳ ኸይተረፈ፡ “ስሕተተይ ውሒጡኒ” ኢሉ እዩ። (መዝ. 40:12፣ 65:3) ሓደ ሰብ ናብ የሆዋ ምስ ተመልሰ፡ ናይ በደለኛነት ወይ ናይ ሕፍረት ስምዒት ንዓመታት ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ንልዕሊ 20 ዓመት ተወጊዳ ዝነበረት ኢዛቤል፡ “የሆዋ ይቕረ ኺብለለይ ይኽእል ዚብል ሓሳብ ምቕባሉ ኣዝዩ ኣጸጊሙኒ ነይሩ” ትብል። * ተስፋ እንተ ቘሪጽካ፡ መሊስካ ብመንፈሳዊ መዳይ ክትደክም ትኽእል ኢኻ። (ምሳ. 24:10) ከምኡ ኸየጋጥመካ ተጠንቀቕ።

ገሊኦም ከኣ ምስ የሆዋ ዝነበሮም ርክብ ናብ ቀደሙ ምምላስ ከይስእኑ ይጭነቑ እዮም። ኣንትዋን ካብ ውገዳ ምስ ተመልሰ፡ “ቀደም ክርስትያን ከለኹ ዝገብሮ ዝነበርኩ ዅሉ ዝረሳዕክዎ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” ይብል። ብሰንኪ እዚ ስምዒት ከኣ፡ ገሊኦም ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ምሉእ ብምሉእ ምስታፍ የሰክፎም ይኸውን።

ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ሓደ ብህቦብላ ቤቱ ዝዓነወቶ ሰብ፡ ነታ ቤት ዳግም ንምህናጽ ዜድልዮ ግዜን ጻዕርን ኪሓስብ ከሎ ሕልናኡ ይዓርቦ ይኸውን። ብተመሳሳሊ፡ ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ብኸቢድ ሓጢኣት እንተ ተጐዲኡ፡ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣመና ብዙሕ ጻዕሪ ዜድልየካ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ሓገዝ ግና ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

የሆዋ፡ “ንዑ እሞ ኣብ መንጎና ነገር ነቕንዕ” ኢሉ ዓዲሙና ኣሎ። (ኢሳ. 1:18) ንስኻ ኸኣ ‘ነገር ንምቕናዕ’ ድሮ ብዙሕ ጻዕሪ ጌርካ ኣለኻ። ነቲ ጻዕሪ እቲ ብምግባርካ፡ የሆዋ የፍቅረካ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ንኽስታት ሰይጣን ሓያል ምላሽ ንምሃብ ዜኽእል መሰረት ንየሆዋ ሂብካዮ ኢኻ።—ምሳ. 27:11

ከምኡ ብምግባርካ፡ ንየሆዋ ቐሪብካዮ ኢኻ፣ ንሱ ድማ ከም ዚቐርበካ ቃል ኣትዩልካ ኣሎ። (ያእ. 4:8) ኰይኑ ግና፡ ናብ ጉባኤ ኻብ ምምላስ ንላዕሊ ኽትገብር ኣሎካ። ነታ ንኣቦኻን ንፈታዊኻን የሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ብቐጻሊ ኸተሐይል ኣሎካ። ከመይ ጌርካ ኸምኡ ትገብር፧

ዳግም ክትሃንጽ ከለኻ፡ ሚዛናዊ ሸቶታት ኣውጽእ

ሚዛናዊ ሸቶታት ከተውጽእ ፈትን። መንፈሳዊ መሰረትካ፡ ማለት ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋታትን ዝነበረካ ፍልጠት ከም ዘለዎ ጸኒሑ ይኸውን። ንመዋቕር ክርስትያናዊ ናብራኻ ግና ዳግም ክትሃንጾ ኣሎካ፣ እዚ ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ምሕባርን የጠቓልል። ነዚ ዚስዕብ ሸቶታት እስከ ርኣዮ።

ንየሆዋ ብዙሕ ሳዕ ተዛረቦ። ኣቦኻ፡ ዘየቋርጽ ስምዒት በደለኛነት ናብኡ ኸይትጽሊ ዕንቅፋት ኪዀነካ ኸም ዚኽእል ይርድኦ እዩ። (ሮሜ 8:26) ኰይኑ ግና፡ ‘ብጸሎት ጽናዕ፡’ ንየሆዋ እውን ዕርክነቱ ኽሳዕ ክንደይ ከም እትደሊ ንገሮ። (ሮሜ 12:12) ኣንድሬ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ብርቱዕ በደለኛነትን ሕፍረትን ይስምዓኒ ነይሩ። በብዝጸለኹ መጠን ግና፡ እዚ ስምዒተይ ይፈዅሰኒ ነይሩ። ዝያዳ ናይ ኣእምሮ ሰላም ተሰሚዑኒ።” እንታይ ኢልካ ኸም እትጽሊ እንተ ዘይፈሊጥካ፡ ንጉስ ዳዊት ምስ ተነስሐ ዝጸለዮ ኣብ መዝሙር 51ን 65ን እተመዝገበ ቓላት ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ኣጽንዕ። እዚ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዕንግለካ እዩ፣ ነታ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ እውን ኬዕብያ እዩ። (መዝ. 19:7-11) ፌሊፔ፡ “ብቐደሙ እውን ደኺመ ንየሆዋ ዘጕሃኽዎ፡ መንፈሳዊ ልማድ ስለ ዘይነበረኒ እዩ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ጌጋይ ክደግም ኣይደለኹን፣ ስለዚ፡ ንብሕታዊ መጽናዕቲ ኸም ዕቝባይ ክገብሮ ወሲነ” ይብል። ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ንብሕታዊ መጽናዕትኻ ዚኸውን ርእሰ ነገራት እንተ ደሊኻ፡ ካብ ሓደ ብሱል ፈታዊኻ ስለምንታይ ሓገዝ ዘይትሓትት፧

ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘሎካ ዕርክነት ዳግም ህነጽ። ገሊኦም ናብ ጉባኤ ዚምለሱ ክርስትያናት፡ ካልኦት ብኣሉታዊ ኸይርእይዎም ይስከፉ እዮም። ንኣብነት፡ ላሪሳ ኸምዚ ትብል፦ “ኣዝየ እየ ዝሓፍር ነይረ። ነታ ጉባኤ ዝኸዳዕክዋ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። እዚ ስምዒት እዚ ንነዊሕ ግዜ ምሳይ ጸኒሑ እዩ።” ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ሽማግለታትን ካልኦት ብሱላት ክርስትያናትን ንመንፈሳውነትካ ዳግም ንምህናጽ ተሃንጥዮም ከም ዚሕግዙኻ ኣይትጠራጠር። (“ ሽማግለታት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ናብ ጉባኤ ስለ እተመለስካ ደስ እዩ ዚብሎም፣ ክትዕወት እውን ይደልዩኻ እዮም።—ምሳ. 17:17

እሞ ደኣ እንታይ እዩ ኣብ ጉባኤኻ ምስ ዘለዉ ዜቀራርበካ፧ ኣብቲ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ዚገብርዎ ንጥፈታት ተሳተፍ፣ ማለት ኣብ ኣኼባታት ተኣከብ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እውን ብስሩዕ ተሳተፍ። እዚ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ፊሊክስ ከምዚ ይብል፦ “እታ ጉባኤ፡ ኣነ ኽምለስ ተሃንጥያ እያ ኽትጽበ ጸኒሓ። ኣኽቢሮም ከም ዝረኣዩኒ እዩ ተሰሚዑኒ። ዳግም ክፍሊ እቲ ስድራ ክኸውንን ይቕረ ኸም እተባህለለይ ኪስምዓንን ንቕድሚት ክስጕምን ሓጊዞምኒ እዮም።”—“ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ኣይትተሓለል!

ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ዳግም ንምህናጽ ክትቃለስ ከለኻ፡ ሰይጣን ንዓኻ ኼዳኽመካ ኢሉ ተወሳኺ “ህቦብላ” ኺሰድደልካ እዩ። (ሉቃ. 4:13) እምበኣር፡ ሕጂ ንመንፈሳዊት ቤትካ ብምድልዳል፡ ተዳሎ።

የሆዋ ብዛዕባ ኣባጊዑ፡ “ዝጠፍአት ከናዲ፡ እተባረረት ክመልስ፡ ዝቘሰለት ክዝንን፡ ዝደኸመት ድማ ከበርትዕ እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩ እዩ። (ህዝ. 34:16) ክሳዕ ሕጂ ኸኣ፡ መንፈሳዊ ዕንቅፋት ንዘጋጠሞም ብዙሓት ሰባት ሓጊዙ እዩ። ምስኡ ብቐጻሊ ድልዱል ርክብ ምእንቲ ኽትሃንጽ፡ ኪሕግዘካ ኸም ዚደሊ ርግጸኛ ኹን።

^ ሕ.ጽ. 4 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።