ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 41

ነቲ “ብምሕረት ሃብታም” ዝዀነ ኣምላኽ ኢና እነገልግል

ነቲ “ብምሕረት ሃብታም” ዝዀነ ኣምላኽ ኢና እነገልግል

“የሆዋ ንዅሉ ሕያዋይ እዩ፣ ምሕረቱ ድማ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ ይርአ።”—መዝ. 145:9

መዝሙር 44 ጸሎት ሓደ ትሑት

መላለዪ *

1. ብዛዕባ ሓደ መሓሪ ሰብ ክንሓስብ ከለና እንታይ እዩ ናብ ኣእምሮና ዚመጽእ፧

ብዛዕባ ሓደ መሓሪ ሰብ ክንሓስብ ከለና፡ ለዋህን በቝባቝን ርሕሩሕን ለጋስን ምዃኑ እዩ ናብ ኣእምሮና ዚመጽእ። ነቲ የሱስ ብዛዕባ ሕያዋይ ሳምራዊ ዘዘንተዎ ዛንታ ንዝክር ንኸውን። ኣብቲ ዛንታ፡ እቲ ኻብ ካልእ ህዝቢ ዝዀነ ሰብኣይ ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐ ኣይሁዳዊ፡ ‘ምሕረት ገበረሉ።’ እቲ ሳምራዊ ነቲ ዝቘሰለ ኣይሁዳዊ “ደንገጸሉ፡” ብፍቕሪ ድማ ተኸናኸኖ። (ሉቃ. 10:29-37) ኣብዚ ዛንታ እዚ፡ ጽብቕቲ ባህርይ ኣምላኽና ጐሊሓ ኣላ፣ ንሳ ድማ ምሕረት እያ። እዛ ባህርይ እዚኣ ሓንቲ ኻብ መዳያት ፍቕሪ ኣምላኽ እያ፣ ንሱ ኸኣ ኣብቲ ምሳና ዘለዎ ርክብ መዓልቲ መዓልቲ ምሕረት ይገብረልና እዩ።

2. ካልእ መዳይ ምሕረት እንታይ እዩ፧

2 ኰይኑ ግና፡ ካልእ መዳይ ምሕረት እውን ናብ ኣእምሮና ኺመጽእ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ መቕጻዕቲ ዚግባእ ክነሱ፡ ዘይምቕጻዕ የጠቓልል። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሆዋ ብርግጽ ምሕረት ይገብረልና እዩ። ሓደ ዘማሪ ኸም ዝበሎ፡ “ከም ሓጢኣትና ኣይገበረናን።” (መዝ. 103:10) ኣብ ካልእ ግዜያት ግና፡ የሆዋ ንሓደ በዳሊ ተሪር ተግሳጽ ይህቦ ይኸውን።

3. እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰለስተ ሕቶታት ክንርኢ ኢና፦ የሆዋ ምሕረት ዚገብር ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ መንጎ ተሪር ተግሳጽን ምሕረትን ምትእስሳር ኣሎዶ፧ ምሕረት ክንገብር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ቃል ኣምላኽ ነዚ ሕቶታት ብኸመይ ከም ዚምልሶ እስከ ንርአ።

የሆዋ ምሕረት ዚገብር ስለምንታይ እዩ፧

4. ስለምንታይ እዩ የሆዋ ምሕረት ዚገብር፧

4 የሆዋ ኺምሕር ይደሊ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ፡ ኣምላኽ “ብምሕረት ሃብታም” ምዃኑ ጽሒፉ ኣሎ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ነቶም ዘይፍጹማት ቅቡኣት ኣገልገልቱ ተስፋ ሰማያዊ ህይወት ብምሃብ ንዝገበሮ ተግባር እዩ ዜመልክት ነይሩ። (ኤፌ. 2:4-7) እቲ የሆዋ ዚገብሮ ምሕረት ግና ካብዚ ኣመና ይሰፍሕ እዩ። ዳዊት እቲ ዘማሪ፡ “የሆዋ ንዅሉ ሕያዋይ እዩ፣ ምሕረቱ ድማ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ ይርአ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መዝ. 145:9) የሆዋ ንህዝቡ ስለ ዜፍቅሮም፡ ምሕረት ንምግባር መሰረት ብዝረኸበ መጠን፡ ምሕረት ይገብር እዩ።

5. የሱስ ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ ብኸመይ ፈሊጡ፧

5 የሆዋ ምሕረት ከም ዚፈቱ፡ ካብ ዝዀነ ንላዕሊ የሱስ ይፈልጥ እዩ። ኣብቲ ኣሽሓት ዓመታት ዝወሰደ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ኣቦን ወድን ብሓባር ኣብ ሰማይ ነይሮም እዮም። (ምሳ. 8:30, 31) የሱስ ድማ፡ ኣቦኡ ንሓጥኣን ሰባት ብኸመይ ከም ዝመሓሮም ብዙሕ ሳዕ ርእዩ እዩ። (መዝ. 78:37-42) ስለዚ፡ ኣብ ትምህርቱ፡ ብዙሕ ሳዕ ነታ ተፈታዊት ባህርይ ኣቦኡ ኣጕሊሕዋ እዩ።

እቲ ኣቦ ነቲ ፋሉል ወዱ ኣየዋረዶን፣ የግዳስ፡ ሓንጐፋይ ኢሉ እዩ ተቐቢልዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ) *

6. የሱስ ብዛዕባ ምሕረት ኣቦኡ እንታይ ስእሊ እዩ ስኢሉልና፧

6 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ምሕረት ከም ዚፈቱ ንምሕባር፡ የሱስ ብምሳሌ እቲ ጥፉእ ወዲ ገይሩ ጽቡቕ ስእሊ ስኢሉልና እዩ። ኣብቲ ዛንታ፡ እቲ ወዲ ኻብ ቤት ኣቦኡ ምስ ከደ፡ “ነቲ ጥሪቱ ብዝርጋን ዘረዎ።” (ሉቃ. 15:13) ጸኒሑ፡ ካብቲ ብዕሉግ ኣነባብራኡ ተነስሐ፡ ርእሱ ኣትሓተ፡ ናብ ቤት ኣቦኡ እውን ተመልሰ። እሞ ደኣ ኣቦኡ ብኸመይ ተቐቢልዎ፧ እቲ ጐበዝ ነዚ ንምፍላጥ ነዊሕ ኣይጸንሐን። የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣዘንትዩ ኣሎ፦ “ኣቦኡ ድማ፡ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፣ ጐይዩ ኸኣ፡ ሓኒቑ ሰዓሞ።” እቲ ኣቦ ንወዱ ኣየዋረዶን። የግዳስ፡ ብምሕረት ይቕረታ ገበረሉ፣ ናብ ቤተ ሰቡ እውን ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐበሎ። እቲ ጥፉእ ወዲ ኸቢድ በደል እዩ በዲሉ ነይሩ፣ ኣቦኡ ግና ብመሰረት እቲ ንስሓኡ ይቕረ በለሉ። እቲ ኣብቲ ምሳሌ ዘሎ መሓሪ ኣቦ ንየሆዋ እዩ ዜመልክት። የሱስ በዚ ልቢ ዚትንኪ መገዲ ኣቢሉ፡ ኣቦኡ ነቶም ካብ ልቢ ዚንስሑ ሓጥኣን ይቕረ ኸም ዚብሎም ገሊጹልና ኣሎ።—ሉቃ. 15:17-24

7. ጥበብ የሆዋ ምስ ምሕረቱ ብኸመይ ትተኣሳሰር፧

7 የሆዋ ብምኽንያት እታ መወዳድርቲ ዘይብላ ጥበቡ፡ ምሕረት ይገብር። ጥበብ የሆዋ፡ ስምዒት ኣልቦ ብልሓት ኣይኰነትን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ . . . ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት” እያ። (ያእ. 3:17) የሆዋ ኸም ፈቃር ወላዲ ብምዃኑ፡ ምሕረቱ ንደቁ ኸም ዚጠቕሞም ይፈልጥ እዩ። (መዝ. 103:13፣ ኢሳ. 49:15) ሰባት ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀኑ፡ ጥበብ ኣምላኽ ግና ተስፋ ትህቦም እያ። እታ ደረት ኣልቦ ጥበቡ፡ ምሕረት ንምግባር መሰረት ብዝረኣየ መጠን ኪምሕር ትድርኾ እያ። ብዘይካዚ፡ ምሕረት የሆዋ ፍጹም ሚዛና ዝሓለወት እያ። ንሱ ጥበበኛ ስለ ዝዀነ፡ ምሕረቱ ናብ ሸለልትነት ጠሪሳ ኣይትሰግርን እያ።

8. ሓድሓደ ግዜ እንታይ ስጕምቲ እዩ ኺውሰድ ዜድሊ፧ ስለምንታይከ፧

8 ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ደይ መደይ ኢሉ መገዲ ሓጢኣት ስዒቡ ንበል። ሽዑ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ምስ ከምዚ ዝበለ ሰብ “ደጊም ከይትጽምበሩ” ኢሉ ጽሒፉልና ኣሎ። (1 ቈረ. 5:11) ዘይንሳሕ ኣባሲ ኻብ ጉባኤ ይውገድ እዩ። ንእሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን ንምሕላው፡ መገድታት የሆዋ ቕዱስ ምዃኑ እውን ንምንጽብራቕ፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ኣድላዪ እዩ። ገሊኦም ግና ንውገዳ ኸም መግለጺ ምሕረት ኣምላኽ ገይሮም ምርኣይ የጸግሞም እዩ። ግናኸ፡ ልክዕ ድዮም፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

ተሪር ተግሳጽሲ መግለጺ ምሕረት ኪኸውን ይኽእልዶ፧

ሓንቲ በጊዕ ምስ ሓመመት ካብ ካልኦት ትፍለ ትኸውን፣ ግናኸ፡ ካብ ሓልዮት ጓሳኣ ትጥቀም እያ (ሕጡብ ጽሑፍ 9-11 ርአ)

9-10. ብመሰረት እብራውያን 12:5, 6፡ ውገዳ መግለጺ ምሕረት እዩ ኺብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

9 ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ብዛዕባ እንፈልጦን እንፈትዎን ሰብ፡ “ድሕሪ ደጊም ናይ የሆዋ ምስክር ኣይኰነን” ዚብል ምልክታ እንተ ሰሚዕና፡ ብዙሕ ንጕሂ ኢና። ኪውገድ እንተ ነይርዎ ንሓስብ ኢና። ውገዳ ብሓቂዶ መግለጺ ምሕረት እዩ፧ እወ እዩ። ተግሳጽ ንዚግብኦ ሰብ ዘይምግሳጽ፡ ጥበብ፡ ምሕረት፡ ወይ ፍቕሪ ኣይኰነን። (ምሳ. 13:24) እሞ ደኣ ውገዳ ንሓደ ዘይንሳሕ ሓጥእ መገዱ ኪቕይር ይሕግዞ ድዩ፧ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ዝወደቑ ብዙሓት ሰባት፡ እቲ ሽማግለታት ዚወስድዎ ተሪር ስጕምቲ ናብ ልቦም ኪምለሱን መገዶም ኪቕይሩን ናብ ሕቝፊ የሆዋ ኺምለሱን የንቅሖም እዩ።—እብራውያን 12:5, 6 ኣንብብ።

10 ሓደ ምሳሌ እስከ ንርአ። ሓደ ጓሳ ሓንቲ ኻብ ኣባጊዑ ኸም ዝሓመመት የስተብህል። ነቲ ሕማም እቲ ንምሕዋይ፡ ነታ ዝሓመመት በጊዕ ካብተን ዝተረፋ መጓሰ ኺፈልያ ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ኣባጊዕ ብተፈጥሮአን ምስ ብጾተን ኪዀና ይደልያ እየን። ካብ መጓሰአን ኪፍለያ ኣይደልያን እየን፡ እንተ ተፈልየን ከኣ ይርበሻ እየን። እንተዀነ ግና፡ እቲ ጓሳ ነዚ ሕክምና እዚ ብምምራጹ ጨካን ወይ ሕሱም ኰይኑ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ነታ ዝሓመመት በጊዕ ምስተን ካልኦት ክትሕወስ እንተ ፈቒዱ፡ እቲ ሕማም ከም ዚላባዕ ይፈልጥ እዩ። ነታ ዝሓመመት ንበይና ብምፍላይ፡ ንዅለን እተን መጓሰ እዩ ኻብ ጕድኣት ዚሕልወን ዘሎ።—ምስ ዘሌዋውያን 13:3, 4 ኣረኣኢ።

11. (ሀ) ብኸመይ እዩ ሓደ ውጉድ ምስ ዝሓመመት በጊዕ ኪመሳሰል ዚኽእል፧ (ለ) ንውጉዳት እንታይ መሰናድዎታትን ሓገዝን እዩ ዘለዎም፧

11 ሓደ ክርስትያን ምስ ዚውገድ፡ ከምታ ዝሓመመት በጊዕ ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ብመንፈሳዊ መዳይ ሓሚሙ እዩ ዘሎ። (ያእ. 5:14) መንፈሳዊ ሕማም ከኣ ከም ገሊኡ ዓይነት ኣካላዊ ሕማም ተላባዒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ገሊኡ መዳያት ብመንፈሳዊ መዳይ ንዝሓመመ ሰብ ካብ ጉባኤ ምፍላይ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ተግሳጽ እዚ የሆዋ ነቶም እሙናት ኣባላት መጓሰኡ ዘለዎ ፍቕሪ ዜርኢ እዩ፣ ነቲ ኣባሲ ልቡ ብምትንካይ እውን ናብ ንስሓ ይመርሖ ይኸውን። እቲ ኣባሲ ተወጊዱ ኸሎ፡ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ፡ ኣብኡ እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ኪምገብን ኪህነጽን ይኽእል እዩ። ብብሕቱ ዚጥቀመሉ ጽሑፋት ኪወስድን ፈነወ JW ኪርእን እውን ይኽእል እዩ። ሽማግለታት ከኣ ምምሕያሹ እናተዓዘቡ፡ ተመሊሱ ናይ የሆዋ ምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ መንፈሳዊ ጥዕና ኺረክብ ዚሕግዝ ብሕታዊ ምኽርን መምርሕን ሓሓሊፎም ኪህብዎ ይኽእሉ እዮም። *

12. ሽማግለታት ንዘይንሳሕ ሓጥእ ፍቕርን ምሕረትን ንምርኣይ እንታይ እዮም ኪገብሩሉ ዚኽእሉ፧

12 ዘይንስሑ ሓጥኣን ጥራይ ከም ዚውገዱ ኽንርስዕ የብልናን። ሽማግለታት እዚ ጕዳይ እዚ ረዚን ምዃኑ፡ ኣፍኲሶም እውን ኪርእይዎ ኸም ዘይብሎም ይፈልጡ እዮም። የሆዋ “ብልክዕ” ከም ዚግስጽ ይፈልጡ እዮም። (ኤር. 30:11) ንኣሕዋቶም የፍቅርዎም እዮም፣ መንፈሳዊ ጕድኣት ኬብጽሕ ዚኽእል ዝዀነ ነገር እውን ኪገብሩ ኣይደልዩን እዮም። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ንእተወሰነ እዋን ንኣባሲ ኻብ ጉባኤ ምውጋድ፡ መገዲ ፍቕርን ምሕረትን እዩ።

13. ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ ሓደ ክርስትያን ኪውገድ ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

13 ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ ሓደ ዘይንሳሕ ሓጥእ ብዚተሓሓዝ እንታይ ከም ዝገበረ እስከ ንርአ። ኣብ ቈረንቶስ ዚነብር ሓደ ክርስትያን፡ ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ብምንዝርና ይነብር ነበረ። እዚ ኣዝዩ ዜፈንፍን እዩ! ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሆዋ ንጥንታውያን እስራኤላውያን፡ “ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዚድቅስ ሰብኣይ፡ ንኣቦኡ ንሕፍረት ኣቃሊዕዎ እዩ እሞ፡ ክልቲኦም ብርግጽ ይቀተሉ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 20:11) ጳውሎስ ነቲ ሰብኣይ ሞት ኪፈርዶ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ንሰብ ቈረንቶስ ኪውግድዎ መምርሒ ሂብዎም እዩ። እቲ ሰብኣይ ዚፍጽሞ ዝነበረ ምንዝርና ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ኻልኦት ጸልይዎም ነይሩ እዩ፣ ገሊኦም ከኣ በቲ ጽዩፍ ተግባሩ ኣይሓፍሩን እዮም ነይሮም።—1 ቈረ. 5:1, 2, 13

14. ጳውሎስ ነቲ ኣብ ቈረንቶስ እተወገደ ሰብኣይ ምሕረት ዝገበረሉ ብኸመይ እዩ፧ (2 ቈረንቶስ 2:5-8, 11)

14 ጳውሎስ ጸኒሑ ብዛዕባ እቲ እተገብረ ናይ ሓቂ ለውጥታት ፈለጠ። እቲ ሓጥእ ብሓቂ እዩ ተነሲሑ! እቲ ሰብኣይ ነታ ጉባኤ እኳ እንተ ኣሕፈራ፡ ጳውሎስ ነቶም ሽማግለታት፡ ‘እምብዛ ኸየኽብዱሉ’ ምዒድዎም እዩ። “ብለውሃት ይቕረ በሉሉን ኣጸናንዕዎን” ኢሉ መምርሒ ሂብዎም እዩ። ከምኡ ዚገብሩሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ ድማ፡ “ብብዝሒ ጓሂ ምእንቲ ኸይወሓጥ” ኢልዎም እዩ። ጳውሎስ ነቲ እተነስሐ ሰብኣይ ደንጊጹሉ እዩ። ብጓሂ ተደቚሱ ይቕረታ ንምርካብ ተስፋ ኪቘርጽ ኣይደለዮን።—2 ቈረንቶስ 2:5-8, 11 ኣንብብ።

15. ሽማግለታት ኣብ መንጎ ጽኑዓት ምዃንን ምሕረትን ዘሎ ሚዛን ብኸመይ ኪሕልዉ ይኽእሉ፧

15 ሽማግለታት ኣብነት የሆዋ ብምስዓብ፡ ምሕረት ይፈትዉ እዮም። ኬድሊ ኸሎ ጽኑዓት ይዀኑ፡ ንምሕረት መሰረት ዚኸውን ምስ ዚህሉ ግና ብእተኻእለ መጠን ምሕረት ይገብሩ እዮም። እንተ ዘይኰይኑ፡ ምሕረት ዘይኰነስ፡ ሸለልትነት እዩ ዚኸውን። ምሕረት ኪገብሩ ዘለዎም ግና፡ ሽማግለታት ጥራይ ድዮም፧

ምሕረት ክንገብር ንዅላትና ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

16. ብመሰረት ምሳሌ 21:13፡ የሆዋ ነቶም ምሕረት ዘይገብሩ እንታይ እዩ ዚገብሮም፧

16 ኵሎም ክርስትያናት ከም የሆዋ መሓርቲ ኪዀኑ ይደልዩ እዮም። ስለምንታይ፧ ሓደ ምኽንያት፡ የሆዋ ነቶም ዘይምሕሩ ስለ ዘይሰምዖም እዩ። (ምሳሌ 21:13 ኣንብብ።) ዋላ ሓዴና፡ የሆዋ ንጸሎትና ምስማዕ ኪኣቢ ኣይንደልን ኢና፣ ስለዚ፡ ጨካናት ከይንኸውን ንጥንቀቕ ኢና። ንሓደ ዚሳቐ ዘሎ ክርስትያን ብጻይና ጸማም እዝኒ ኣብ ክንዲ እንህቦ፡ “ኣውያት ትሑት” ንምስማዕ ወትሩ ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። ብተመሳሳሊ፡ ነቲ፡ “ምሕረት ዘይገብርሲ፡ ብዘይ ምሕረት እዩ ዚፍረድ” ዚብል ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ምኽሪ ኣብ ልብና ነሕድሮ ኢና። (ያእ. 2:13) ክሳዕ ክንደይ ምሕረት ከም ዜድልየና እንተ ዘኪርና፡ ምሕረት ንምግባር ንድረኽ ኢና። ምናዳ ሓደ ዚንሳሕ ኣባሲ ናብ ጉባኤ ኺምለስ ከሎ፡ ምሕረት ክንገብረሉ ንደሊ ኢና።

17. ንጉስ ዳዊት ካብ ልቢ ምሕረት ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧

17 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ኣብነታት፡ ምሕረት ክንገብርን ጨካናት ከይንኸውንን ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ንጉስ ዳዊት እስከ ንሕሰብ። ብዙሕ ግዜ ኻብ ልቡ ምሕረት ይገብር ነይሩ እዩ። ሳኦል ኪቐትሎ እኳ እንተ ደለየ፡ ዳዊት ነቲ ኣምላኽ ዝቐብኦ ንጉስ ምሕረት ገይሩሉ እዩ፣ ሕነ ኺፈዲ እውን ከቶ ኣይፈተነን።—1 ሳሙ. 24:9-12, 18, 19

18-19. ዳዊት ምሕረት ከም ዝጐደሎ ዘርኣየሉ ኽልተ ኣጋጣሚታት እንታይ እዩ፧

18 ዳዊት ግና ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን መሓሪ ነይሩ። ንኣብነት፡ እቲ ሕሱም ናባል ሕማቕ ዘረባ ምስ ተዛረበ፡ ንዳዊትን ንሰቡን እውን ዚብላዕ ምሃብ ምስ ኣበዮም፡ ብቝጥዓ ተደሪኹ ነቲ ሰብኣይን ኣብ ቤቱ ዚርከቡ ዅሎም ደቂ ተባዕትዮን ኪቐትሎም ተላዒሉ ነይሩ እዩ። ሳላ እታ ዓቃል ዝነበረት ኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ዝወሰደቶ ቕልጡፍ ስጕምቲ ግና፡ ካብ ዕዳ ደም ተሰቲሩ እዩ።—1 ሳሙ. 25:9-22, 32-35

19 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ነብዪ ናታን ንዳዊት፡ ንሓደ ድኻ ብጻዩ ዚፈትዋ በጊዑ ብዛዕባ ዘሕደገ ሃብታም ነገሮ። ዳዊት በዚ ኣዝዩ ተቘጢዑ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ እቲ እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ኪመውት ይግብኦ!” በለ። (2 ሳሙ. 12:1-6) ዳዊት ንሕጊ ሙሴ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። በጊዕ ዝሰረቐ ሰብ ኣርባዕተ ዕጽፊ ኪኽሕስ እዩ ትጽቢት ዚግበረሉ ነይሩ። (ዘጸ. 22:1) ሞት ግና ኣመና ኸቢድ ፍርዲ እዩ ነይሩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ናታን ንዳዊት ብዛዕባ እቲ ዝገደደ ገበኑ ኼረድኦ ኢሉ እዩ ምሳሌ ዚጥቀም ነይሩ። የሆዋ ድማ ንዳዊት፡ ማዕረ እቲ ዳዊት ነቲ በጊዕ ዝሰረቐ ሰብ ዝፈረዶ ፍርዲ ዘይኰነስ፡ ብዓይኒ ምሕረት እዩ ፈሪድዎ!—2 ሳሙ. 12:7-13

ንጉስ ዳዊት ነቲ ናታን ዝጠቐሶ ሃብታም ምሕረት ኣይገበረሉን (ሕጡብ ጽሑፍ 19-20 ርአ) *

20. ካብ ዳዊት እንታይ ንምሃር፧

20 ዳዊት ምስ ተቘጥዐ፡ ንናባልን ንሰቡን ሞት ከም ዚግብኦም ገይሩ ኸም ዝፈረዶም ነስተብህል። ደሓር ከኣ፡ ዳዊት ነቲ ናታን ኣብ ምሳሌኡ ዝጠቐሶ ሰብ ንሞት እዩ ፈሪድዎ። ኣብዚ ኻልኣይ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ርሕሩሕ ሰብ ከምዚ ዝበለ ኸቢድ ፍርዲ ዚፈርድ ስለምንታይ ምዃኑ ንሓስብ ንኸውን። ነቲ ሽዑ ዝዀነ ነገራት እሞ ንሕሰብ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዳዊት ሕልናኡ ይወቕሶ ነይሩ እዩ። ብጭካነ ናይ ምፍራድ መንፈስ፡ ምልክት መንፈሳዊ ጥዕና ኣይኰነን። እኳ ደኣስ፡ ብኣንጻሩ እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ከይፍረደኩም፡ ደጊም ኣይትፍረዱ፣ ብእትፈርድዎ ፍርድስ ኪፍረደኩም. . . እዩ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ማቴ. 7:1, 2) ስለዚ፡ ጨካናት ከይንኸውን ንጠንቀቕ፡ ከም ኣምላኽና ኸኣ ‘ብምሕረት ሃብታማት’ ክንከውን ንጽዓር።

21-22. ምሕረት ክንገብረሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

21 ምሕረት ስምዒት ጥራይ ኣይኰነትን። ምሕረት፡ “ርሕራሐ ብግብሪ” ተባሂላ ተገሊጻ ኣላ። ኵላትና እምበኣር፡ ኣብ ስድራ ቤትናን ኣብ ጉባኤናን ኣብ ማሕበረ ሰብናን ሓገዝ ንዜድልዮም ሰባት ከነናዲ ንኽእል ኢና። ምሕረት እንገብረሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎና። ንኣብነት፡ መጸናንዒ ዜድልዮ ሰብ ኣሎዶ፧ ምግቢ ብምሃብ ወይ ሓልዮትና ብግብሪ ብምርኣይ፡ ክንሕግዞ ንኽእልዶ፧ ካብ ውገዳ እተመልሰ ሰብ ኬጸናንዕዎን ኪሃንጽዎን ዚኽእሉ ኣዕሩኽ የድልይዎ ደዀን ይዀኑ፧ ንሰባት ዜጸናንዕ መልእኽቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንነግሮምዶ ንኽእል፧ ከምዚ ምግባር፡ ሓደ ኻብቲ ንዅሎም እንረኽቦም ሰባት ምሕረት እንገብረሉ ብሉጽ መገዲ እዩ።—እዮ. 29:12, 13፣ ሮሜ 10:14, 15፣ ያእ. 1:27

22 ነስተብህል እንተ ዄንና፡ ምሕረት እንገብረሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ይርኣየና እዩ። ምሕረት ክንገብር ከለና ኸኣ፡ እቲ “ብምሕረት ሃብታም” ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና ብዙሕ እዩ ደስ ዚብሎ!

መዝሙር 43 ጸሎት ምስጋና

^ ሕ.ጽ. 5 ምሕረት ሓንቲ ኻብተን ተፈተውቲ ባህርያት የሆዋ እያ፣ ነዛ ባህርይ እዚኣ ድማ ነፍሲ ወከፍና ኸነማዕብላ ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ስለምንታይ ምሕረት ከም ዚገብር፡ ኣብ ተግሳጹ ምሕረት ኣሎ እንብለሉ ምኽንያት እንታይ ከም ዝዀነ፡ ነዛ ጽብቕቲ ባህርይ እዚኣ ድማ ብኸመይ ከም እነርእያ ኽንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 11 ካብ ውገዳ ዚምለሱ ሰባት ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ብኸመይ ከም ዜዐርዩ፡ ሽማግለታት እውን ብኸመይ ከም ዚሕግዝዎም ንምፍላጥ፡ ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዘላ “ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ዳግም ህነጽ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 60 መግለጺ ስእሊ፦ እቲ ኣቦ ኣብ ናሕሲ ቤቱ ዀይኑ እቲ ፋሉል ወዱ ናብ ቤቱ ኺምለስ ምስ ረኣየ፡ ኪሓቝፎ ይጐዪ።

^ ሕ.ጽ. 64 መግለጺ ስእሊ፦ ንጉስ ዳዊት ብስምዒት በደለኛነት ተዋሒጡ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ናታን ኣብ ምሳሌኡ ዝጠቐሶ ሃብታም ሰብኣይ ሞት ከም ዚግብኦ ይፈርዶ።