ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 40

ናይ ሓቂ ንስሓ እንታይ እዩ፧

ናይ ሓቂ ንስሓ እንታይ እዩ፧

“ንሓጥኣን እየ ናብ ንስሓ ኽጽውዕ መጺአ።”—ሉቃ. 5:32

መዝሙር 36 ንልብና ንሓልዎ

መላለዪ *

1-2. ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ነገስታት እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧ እንታይ ሕቶታትከ ኢና ኽንምርምር፧

ጥንቲ ብዛዕባ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት እስከ ንርአ። እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ይገዝእ ነይሩ፣ እቲ ሓደ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ይሁዳ ይገዝእ ነይሩ። ኣብ በበይኑ ግዜ ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብዙሕ ዜመሳስሎም ግና ነይርዎም እዩ። ክልቲኦም ነገስታት ካብ የሆዋ ዓልዮም፡ ንህዝቡ እውን ኣበላሽዮም እዮም። ክልቲኦም ብኣምልኾ ጣኦትን ብቕትለትን ተሓተትቲ ዀይኖም እዮም። ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ግና ፍልልይ ነይሩ እዩ። እቲ ሓደ ኽሳዕ መወዳእታ ህይወቱ እኩይ መገዲ እዩ ስዒቡ፣ እቲ ሓደ ግና ተነሲሑን እቲ ዜስካሕክሕ ተግባሩ ይቕረ ተባሂሉሉን እዩ። እዚኣቶም መነመን እዮም፧

2 እቲ ሓደ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ምናሴ ንጉስ ይሁዳ እዩ። ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ዘሎ ፍልልይ፡ ብዛዕባ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር፡ ማለት ብዛዕባ ንስሓ ብዙሕ ኪምህረና ይኽእል እዩ። (ግብ. 17:30፣ ሮሜ 3:23) ንስሓ እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ንስሓ ኸነርኢ እንኽእል፧ ክንሓጥእ ከለና፡ የሆዋ ይቕረ ኺብለልና ስለ እንደሊ፡ ብዛዕባ እዚ ኽንፈልጥ ኣሎና። መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ንምርካብ፡ ህይወት እዞም ክልተ ነገስታት እዚኦም ክንምርምር፡ ካባታቶም እንታይ ከም እንምሃር ድማ ክንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ የሱስ ብዛዕባ ንስሓ እንታይ ከም ዝመሃረ ኽንርኢ ኢና።

ካብ ንጉስ ኣከኣብ እንታይ ንምሃር፧

3. ኣከኣብ እንታይ ዓይነት ንጉስ እዩ ነይሩ፧

3 ኣከኣብ ሻውዓይ ንጉስ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል እዩ ነይሩ። ንሱ ንኢዛቤል ጓል ንጉስ ሲዶን ተመርዓዋ፣ ሲዶን ብሰሜን እትርከብ ሃብታም ሃገር እያ ነይራ። ስለዚ፡ እቲ መውስቦ ናብ ምድሪ እስራኤል ሃብቲ ኣምጺኡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ እቶም ህዝቢ ምስ የሆዋ ዝነበሮም ርክብ ግና ብዝያዳ ጐዲእዎ እዩ። ኢዛቤል ኣምላኺት በዓል እያ ነይራ፣ ንኣከኣብ ከኣ ነቲ ምንዝርና ቤተ መቕደስን መስዋእቲ ሕጻናትን ዜጠቓልል ፍንፉን ሃይማኖታ ኼስፋሕፍሕ ትድርኾ ነይራ እያ። ኢዛቤል ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኵሎም ነብያት የሆዋ ኣብ ሓደጋ እዮም ነይሮም። ንብዙሓት ኣቕቲላ እያ። (1 ነገ. 18:13) ብዛዕባ ኣከኣብ እውን “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ፡ ካብ ኵሎም እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝኸፍአ ነበረ” ዚብል ኢና እነንብብ። (1 ነገ. 16:30) የሆዋ ንተግባራት ኣከኣብን ኢዛቤልን ይርእዮ ነይሩ እዩ። እንታይ ይገብሩ ኸም ዝነበሩ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብምሕረቱ ተደሪኹ ንህዝቡ ብኣጋኡ መገዶም ኪቕይሩ ንምጥንቃቕ ንነብዪ ኤልያስ ለኣኸሎም። ኣከኣብን ኢዛቤልን ግና ኣይሰምዑን።

4. ንኣከኣብ እንታይ ፍርዲ እዩ እተፈርዶ፧ ንሱኸ እንታይ ገበረ፧

4 ኣብ መወዳእታ፡ ትዕግስቲ የሆዋ ኣብቅዐ። ንኤልያስ ከኣ፡ ንኣከኣብን ንኢዛቤልን ፍርዶም ኪነግሮም ለኣኾ። ንሱ ድማ ብዘሎ ቤተ ሰቦም ከም ዚጸንት ሓበሮም። ኣከኣብ ነዚ ምስ ሰምዐ ሕማቕ ተሰምዖ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ እዚ ዕቡይ ሰብ፡ ‘ርእሱ ኣትሓተ።’—1 ነገ. 21:19-29

ንጉስ ኣከኣብ ንነብዪ ኣምላኽ ናብ ቤት ማእሰርቲ ብምድርባዩ፡ ብሓቂ ኸም ዘይተነስሐ ኣርኣየ (ሕጡብ ጽሑፍ 5-6 ርአ) *

5-6. ኣከኣብ ብሓቂ ኸም ዘይተነስሐ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

5 ኣከኣብ ኣብቲ እዋን እቲ ርእሱ እኳ እንተ ኣትሓተ፡ ድሕሪኡ ዝነበሮ ኣካይዳ ግና ብሓቂ ኸም ዘይተነስሐ እዩ ዜርኢ። ኣምልኾ በዓል ካብ መንግስቱ ኼርሕቕ ኣይፈተነን። ኣምልኾ የሆዋ እውን ኣየስፋሕፍሐን። በዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብኻልእ መገድታት እውን ከም ዘይተነስሐ ኣርእዩ እዩ።

6 ጸኒሑ ኣከኣብ ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ምስኡ ሓቢሩ ኣንጻር ሶርያውያን ኪዋጋእ ምስ ሓተቶ፡ ዮሳፋጥ ፈለማ ንነብዪ የሆዋ ኺሓትቱ ሓሳብ ሃቦ። ኣብ ፈለማ ኣከኣብ፡ “ገና ብእኡ ኣቢልና ንየሆዋ ኽንሓትቶ እንኽእል ሓደ ሰብኣይ እባ ኣሎ፣ ግናኸ፡ ብዛዕባይ ክፉእ ጥራይ እምበር፡ ጽቡቕ ኣይንበይን እዩ እሞ፡ እጸልኦ እየ” ብምባል ነቲ ሓሳብ ነጸጎ። ይኹን እምበር፡ ንነብዪ ሚካያ ሓተትዎ። ከምቲ እተገመተ ድማ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብዛዕባ ኣከኣብ ክፉእ ተዛረበ። ሽዑ፡ ኣከኣብ ብንስሓ ተደሪኹ ኻብ የሆዋ ይቕረታ ኣብ ክንዲ ዚደሊ፡ ነቲ ነብዪ ናብ ቤት ማእሰርቲ ደርበዮ። (1 ነገ. 22:7-9, 23, 27) እቲ ንጉስ ንነብዪ የሆዋ እኳ እንተ ኣሰሮ፡ ነቲ ትንቢት ከይፍጸም ግና ኪዓግቶ ኣይከኣለን። ስለዚ፡ ኣብቲ ዝሰዓበ ውግእ ተቐትለ።—1 ነገ. 22:34-38

7. ኣከኣብ ድሕሪ ሙማቱ፡ የሆዋ ንዕኡ ብኸመይ እዩ ገሊጽዎ፧

7 ኣከኣብ ድሕሪ ሙማቱ፡ የሆዋ ነቲ ሰብ እቲ ብኸመይ ከም ዚርእዮ ገሊጹ ኣሎ። ንጉስ ዮሳፋጥ ናብ ዓዱ ብደሓን ምስ ተመልሰ፡ የሆዋ ንነብዪ የሁ ልኢኹ ምስ ኣከኣብ ኪዳን ብምትእትታዉ ገንሖ። እቲ ነብዪ የሆዋ ድማ፡ “ንእኩይዶ ትሕግዞ፡ ነቶም ንየሆዋ ዚጸልእዎዶኸ ትፈትዎም ኢኻ፧” በሎ። (2 ዜና 19:1, 2) ሕስብ እሞ ነብሎ፦ ንስሓ ኣከኣብ ናይ ሓቂ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ እቲ ነብዪ ንየሆዋ ኸም ዚጸልእ እኩይ ገይሩ ኣይምገለጾን ነይሩ። እምበኣር፡ ኣከኣብ እተወሰነ ጣዕሳ እኳ እንተ ተሰምዖ፡ ምሉእ ብምሉእ ግና ኣይተነስሐን።

8. ካብ ኣከኣብ ብዛዕባ ንስሓ እንታይ ንምሃር፧

8 ካብ ኣከኣብ እንታይ ንምሃር፧ ኣከኣብ ነቲ ኤልያስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ሰቡ ዚወርድ ጥፍኣት እተዛረቦ መልእኽቲ ምስ ሰምዐ፡ ኣብ ፈለማ ርእሱ ኣትሒቱ ነይሩ እዩ። እዚ ጽቡቕ ጅመራ እዩ። ድሕሪኡ ዝነበረ ተግባራቱ ግና ካብ ልቡ ኸም ዘይተነስሐ እዩ ኣርእዩ። ስለዚ፡ ንስሓ ንግዜኡ ሓዘንካ ኻብ ምግላጽ ንላዕሊ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። ናይ ሓቂ ንስሓ እንታይ ከም ዜጠቓልል ዜርኢ ኻልእ ኣብነት እስከ ንርአ።

ካብ ንጉስ ምናሴ እንታይ ንምሃር፧

9. ምናሴ እንታይ ዓይነት ንጉስ እዩ ነይሩ፧

9 ድሕሪ ኽልተ ዘመን ኣቢሉ፡ ምናሴ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ንሱ ኻብ ኣከኣብ ዝኸፍአ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ! ብዛዕባኡ፡ “ምእንቲ ኬዀርዮስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ብዙሕ ክፉእ ገበረ” ዚብል ነንብብ ኢና። (2 ዜና 33:1-9) ምናሴ ንኣረማውያን ኣማልኽቲ መሰውኢታት ኣቘመ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ድማ ንኣምልኾ ጾታ ዚውክል ኪኸውን ዚኽእል ዓንዲ ኣምልኾ ገበረ። ስሒርን ጥንቈላን ኣስማትን እውን ገበረ። ብዘይካዚ፡ “ኣዝዩ ብዙሕ ንጹህ ደም ኣፍሰሰ።” ሕሉፍ ሓሊፉ፡ “ንኣወዳቱ . . . ብሓዊ ኣሕለፎም፡” ማለት ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ሰውኦም።—2 ነገ. 21:6, 7, 10, 11, 16

10. የሆዋ ንምናሴ ብኸመይ እዩ ገሲጽዎ፧ እቲ ንጉስከ እንታይ እዩ ገይሩ፧

10 ምናሴ እውን ከም ኣከኣብ፡ ነቲ የሆዋ ብነብያቱ ዝሃቦ መጠንቀቕታታት ብንቕጽና ዕሽሽ በሎ። ኣብ መወዳእታ፡ “የሆዋ፡ ኣሕሉቕ ሰራዊት ንጉስ ኣሶር ኣንጻሮም [ኣንጻር ይሁዳ] ኣምጽአ፣ ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብዓንቃሪቦታት ሓዝዎ፡ ብኽልተ መቝሕ ነሓሲ ኣሲሮም ከኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።” ምናሴ ኣብ ዓዲ ጓና ተኣሲሩ ኸሎ፡ ብዕምቈት ኪሓስብ ክኢሉ ኪኸውን ኣለዎ። “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱ እውን ኣዝዩ ርእሱ ኣትሓተ።” በዚ ጥራይ እውን ኣየብቅዐን። “ንየሆዋ ኣምላኹ ሞገስ ለመኖ።” መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ፡ “ናብኡ ድማ ይጽሊ ነበረ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። እቲ እኩይ ሰብ እቲ ይልወጥ እዩ ነይሩ። ንየሆዋ ኸም “ኣምላኹ” ገይሩ ኺርእዮ ጀሚሩ ነይሩ እዩ፣ ብቐጻሊ ድማ ናብኡ ይጽሊ ነይሩ እዩ።—2 ዜና 33:10-13

ንጉስ ምናሴ ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ብምውጋድ፡ ብሓቂ ኸም እተነስሐ ኣርኣየ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) *

11. ብመሰረት 2 ዜና መዋእል 33:15, 16፡ ምናሴ ብሓቂ ኸም እተነስሐ ብኸመይ ኣርእዩ፧

11 ድሕሪ ግዜ፡ የሆዋ ንጸሎት ምናሴ ምላሽ ሃቦ። ልቡ ኸም እተለወጠ ኣብ ጸሎቱ ረኣየ። ብልማኖኡ ተደሪኹ ድማ፡ ናብ ዝፋኑ መለሶ። ምናሴ በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒሙ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተነስሐ ኣርኣየ። ኣከኣብ ፈጺሙ ዘይገበሮ ነገር ገበረ። ኣካይዳኡ ቐየረ። ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣርሓቐ፣ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እውን ኣስፋሕፍሐ። (2 ዜና መዋእል 33:15, 16 ኣንብብ።) እዚ ብርግጽ ትብዓትን እምነትን ዚሓትት እዩ ነይሩ፣ ስለምንታይሲ፡ ንሓያሎ ዓመታት፡ ምናሴ ንቤተ ሰቡን ንልዑላኑን ንህዝቡን ሕማቕ ጽልዋ ይገብረሎም ነይሩ እዩ። ብዕድመ ምስ ደፍአ ግና፡ ነቲ ዝገበሮ ኽፉእ ኬዐሪ ፈተነ። ንኣብነት፡ ኣብ ወዲ ወዱ ዮስያስ ጽቡቕ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ንሱ እውን ኣዝዩ ቕኑዕ ንጉስ ኰይኑ እዩ።—2 ነገ. 22:1, 2

12. ካብ ምናሴ ብዛዕባ ንስሓ እንታይ ንምሃር፧

12 ካብ ምናሴ እንታይ ንምሃር፧ ንሱ ርእሱ ኣትሒቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተወሳኺ ነገራት እውን ገይሩ እዩ። ምሕረት ንምርካብ ብጸሎት ለሚኑ እዩ። መገዱ እውን ቀዪሩ እዩ። ነቲ ዝገበሮ ጕድኣት ንምዕራይ ዚከኣሎ ጽዒሩ እዩ፣ ንየሆዋ ደልይዎ እዩ፡ ካልኦት ከምኡ ኺገብሩ እውን ሓጊዙ እዩ። ምናሴ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ነቶም ዝኸፍአ ሓጢኣት ዝገበሩ እኳ ተስፋ ይህብ እዩ። የሆዋ ኣምላኽ “ሕያዋይን ንይቕረታ ድልውን” ምዃኑ ሓያል መርትዖ ይዀነና እዩ። (መዝ. 86:5) እቶም ብሓቂ ዚንስሑ፡ ይቕረታ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

13. ብዛዕባ ንስሓ ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንርዳእ ዜኽእለና ምሳሌ ሃብ።

13 ምናሴ ብዛዕባ ሓጢኣቱ ኻብ ምጕሃይ ንላዕሊ ገይሩ እዩ። እዚ ብዛዕባ ንስሓ ኣገዳሲ ትምህርቲ ይምህረና እዩ። ሓደ ምሳሌ እስከ ንርአ፦ ናብ እንዳ ምቁር ሕብስቲ ኼድካ፡ ኬክ ኪሸጡልካ ትሓትት። እቲ ኣሳሳዪ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ኬክ፡ እንቋቝሖ ይህበካ። እሞኸ በዝስ ምዓገብካዶ፧ ኣይትዓግብን ኢኻ! እቲ ኣሳሳዪ፡ ኬክ ብእንቋቝሖ ኸም ዚስራሕ እንተ ገሊጹልካኸ ለውጢ መምጽአዶ፧ ኣይመምጽአን! ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ንሓጥኣን ኪንስሑ እዩ ዚደልዮም። ሓደ ሓጥእ ብሓጢኣቱ እንተ ጕህዩ ጽቡቕ እዩ። እዚ ስምዒት እዚ ኣገዳሲ ኽፍሊ ንስሓ እዩ፣ ግናኸ፡ ምሉእ ንስሓ ኣይኰነን። እንታይ ተወሳኺ ደኣ እዩ ዜድሊ፧ የሱስ ካብ ዝመሰሎ ምሳሌ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና።

ናይ ሓቂ ንስሓ ብኸመይ ይልለ፧

እቲ ፋሉል ወዲ ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ፡ ናብ ቤት ኣቦኡ ንምኻድ ነዊሕ ርሕቀት ተጓዕዘ (ሕጡብ ጽሑፍ 14-15 ኣንብብ) *

14. ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ፡ እቲ ፋሉል ወዲ ብኸመይ እዩ ናይ መጀመርታ ምልክት ንስሓ ኣርእዩ፧

14 የሱስ ብዛዕባ ሓደ ፋሉል ወዲ ኣብ ሉቃስ 15:11-32 ተመዝጊቡ ዚርከብ ልቢ ዚትንኪ ዛንታ ኣዘንትዩ ኣሎ። ኣብቲ ዛንታ፡ ሓደ ንእሽቶ ወዲ ኻብ ኣብኡ ዓለወ፡ ካብ ገዛ ወጸ፡ “ናብ ርሑቕ ሃገር” እውን ከደ። ኣብኡ ብርኽሰትን ብዝርጋንን ኪነብር ጀመረ። ሕማቕ ግዜ ምስ መጸ ግና፡ ብዙሕ ሓሰበ። ኣብ ቤት ኣቦኡ ዝሓሸ ናብራ ኸም ዝነበሮ ዘከረ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ “ናብ ልቡ . . . ተመልሰ።” ናብ ኣቦኡ ኸይዱ፡ ይቕረታኡ ኺልምን እውን ወሰነ። እቲ ወዲ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተደርበየ ምስትውዓሉ ኣገዳሲ ነገር እዩ። እዚ ግና እኹል ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። የግዳስ፡ ስጕምቲ ኺወስድ ነይርዎ!

15. እቲ ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳልያዊ ዛንታ እተጠቕሰ ጥፉእ ወዲ ንስሓኡ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

15 ድሕርዚ፡ እቲ ጥፉእ ወዲ በቲ ዝገበሮ ኻብ ልቡ ኸም እተነስሐ ኣርኣየ። ናብ ቤት ኣቦኡ ነዊሕ ርሕቀት ተጓዕዘ። ንኣቦኡ ኸኣ፡ “ኣብ ቅድሚ ሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢአ እየ። ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ” በሎ። (ሉቃ. 15:21) ካብ ልቡ ምንዛዙ፡ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ኬዐሪ ኸም ዚደሊ ዚሕብር እዩ። ብተግባሩ ንስምዒት ኣቦኡ ኸም ዝጐድአ እውን ኣስተውዒሉ እዩ። ሞገስ ኣቦኡ ንምርካብ ኣበርቲዑ ንምዕያይ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ፣ ከም ሓደ ኻብ ዕሱባቱ ዀይኑ ንምዕያይ እኳ ድሉው እዩ ነይሩ። (ሉቃ. 15:19) እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ልቢ ዚትንኪ ዛንታ ጥራይ ኣይኰነን። ሽማግለታት፡ ሓደ ክርስትያን ብጻይ ካብ ከቢድ ሓጢኣቱ እንተ ተነሲሑ ኺግምግሙ ኸለዉ፡ ኣብዚ ዛንታ ዘሎ ስርዓታት ኺሕግዞም ይኽእል እዩ።

16. ሽማግለታት፡ ሓደ ሰብ ብሓቂ እንተ ተነሲሑ ምፍላጥ ዜጸግሞም ስለምንታይ እዩ፧

16 ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ ሰብ ብሓቂ እንተ ተነሲሑ ምግምጋም ንሽማግለታት ቀሊል ነገር ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ሽማግለታት ልቢ ኼንብቡ ኣይክእሉን እዮም፣ ሓዎም ብዛዕባ ሓጢኣቱ ዝነበሮ ኣረኣእያ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝቐየረ ንምግምጋም ኣብ ደጋዊ መርትዖ እዮም ዚምርኰሱ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ሓደ ሰብ ኣመና ነውራም ሓጢኣት ካብ ምግባሩ እተላዕለ፡ እቶም ሽማግለታት ብሓቂ ኸም እተነስሐ ኺኣምኑ ኣይክእሉን ይዀኑ።

17. (ሀ) መግለጺ ጓሂ ንናይ ሓቂ ንስሓ እኹል ከም ዘይከውን ዜርኢ ኣብነት እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ 2 ቈረንቶስ 7:11 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ብሓቂ ዚንሳሕ ሰብ እንታይ ኪገብር እዩ ትጽቢት ዚግበረሉ፧

17 ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ሓደ ሓው ንብዙሕ ዓመታት ይዝሙ። ሓገዝ ኣብ ክንዲ ዚደሊ፡ ነቲ ምንዝርናኡ ኻብ ሰበይቱን ፈተውቱን ሽማግለታትን ይሓብኦ። ኣብ መወዳእታ ይቃላዕ። መርትዖ ምስ ቀረበሉ፡ ተግባሩ ይእመን፡ ኣመና ዝጐሃየ እውን ይመስል። እዝስ እኹል ድዩ፧ ነቲ ጕዳይ ዚሕዙ ሽማግለታት፡ ካብ ጓሂ ንላዕሊ ኺርእዩ የድልዮም እዩ። ከመይሲ፡ ንእተወሰነ ህሞት ሕማቕ ውሳነ ስለ ዝገበረ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዓመታት እዩ ብእኩይ መገዲ ኺመላለስ ጸኒሑ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣባሲ ባዕሉ ኣይኰነን ተናዚዙ፣ የግዳስ ተቓሊዑ እዩ። ስለዚ፡ እቶም ሽማግለታት ኣብ ኣተሓሳስባን ስምዒትን ኣካይዳን እቲ ኣባሲ ናይ ሓቂ ለውጥታት ኪርእዩ ኣለዎም። (2 ቈረንቶስ 7:11 ኣንብብ።) ነቲ ሰብ እቲ ድማ ዜድሊ ለውጥታት ንምግባር፡ ብዙሕ ግዜ የድልዮ ይኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ከምዚ ዓይነት ሰብ ንእተወሰነ እዋን ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይውገድ እዩ።—1 ቈረ. 5:11-13፣ 6:9, 10

18. ሓደ ውጉድ ብኸመይ እዩ ናይ ሓቂ ንስሓ ኼርኢ ዚኽእል፧ እዚኸ እንታይ ፍረ ይህልዎ፧

18 ሓደ እተወገደ ሰብ ብሓቂ ኸም እተነስሐ ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲሩ ይመጽእ፡ ነቲ ጽቡቕ ልማድ ጸሎትን መጽናዕትን ኪህልዎ ብሽማግለታት ዚውሃቦ ምኽሪ ኸኣ ይስዕብ እዩ። ናብቲ ኣበሳኡ ኻብ ዝመርሖ ዅነታት ንምርሓቕ እውን ይጽዕር እዩ። ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ንምዕራይ እንተ ጽዒሩ፡ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ኸም ዚብሎ፡ ሽማግለታት እውን ናብ ጉባኤ ኸም ዚመልስዎ ርግጸኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሽማግለታት ንሓደ ኣባሲ ኼዛራርቡ ኸለዉ፡ ነፍሲ ወከፍ ጕዳይ ፍሉይ ምዃኑ ይዝክሩ፡ ብጭካነ ኸይፈርዱ እውን ይጥንቀቑ እዮም።

19. ናይ ሓቂ ንስሓ እንታይ የጠቓልል፧ (ህዝቅኤል 33:14-16)

19 ክሳዕ ሕጂ ኸም እተምሃርናዮ፡ ናይ ሓቂ ንስሓ ብሓጢኣትና ኸም ዝጐሃና ኻብ ምግላጽ ንላዕሊ የጠቓልል እዩ። ኣእምሮናን ልብናን ብሓቂ ኽንቅይርን ኣወንታዊ ስጕምቲ ኽንወስድን ኣሎና። እዚ ድማ ነቲ ግጉይ ኣካይዳ ሓዲግና ብመገድታት የሆዋ ምምልላስ የጠቓልል። (ህዝቅኤል 33:14-16 ኣንብብ።) ሓደ ሓጥእ ብቐዳምነት ኬተሓሳስቦ ዘለዎ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ምዕራይ እዩ ኪኸውን ዚግባእ።

ንሓጥኣን ናብ ንስሓ ምጽዋዕ

20-21. ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ንዝወደቐ ሰብ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧

20 የሱስ፡ “ንሓጥኣን እየ ናብ ንስሓ ኽጽውዕ መጺአ” ብምባል፡ ሓደ ኣገዳሲ መዳይ ኣገልግሎቱ ገሊጹ ኣሎ። (ሉቃ. 5:32) ንሕና እውን ከምኡ ዓይነት ባህጊ ኺህልወና ኣለዎ። ሓደ ናይ ቀረባ ዓርክና ኸቢድ ሓጢኣት ገይሩ እሞ ንበል። እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

21 ንዓርክና ሓጢኣቱ ኽንሓብኣሉ እንተ ፈቲንና፡ ንጐድኦ ጥራይ ኢና ዘለና። ንነገሩ፡ የሆዋ ነቲ ሓጢኣት ስለ ዚርእዮ፡ እዚ ጻዕሪ እዚ ምፍሻሉ ኣይተርፎን እዩ። (ምሳ. 5:21, 22፣ 28:13) የግዳስ፡ ንዓርክኻ ንምሕጋዝ፡ ሽማግለታት ኪሕግዝዎ ኸም ዚደልዩ ኸተዘኻኽሮ ትኽእል ኢኻ። ሓጢኣቱ ንሽማግለታት ምንዛዝ እንተ ኣብዩ፡ ንሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ነገር ሓብሮም፣ በዚ ኸምዚ ብሓቂ ኽትሕግዞ ኸም እትደሊ ተርኢ። ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ!

22. ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

22 ሓደ ሓጥእ ንነዊሕ ግዜ ኣመና ኽፉእ ሓጢኣት ብምግባሩ፡ ሽማግለታት ኪውግድዎ እንተ ወሲኖምከ፧ እዝስ ብዘይ ምሕረት ከም ዝሓዝዎ ድዩ ዜርኢ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ የሆዋ ንሓጥኣን ብምሕረት ዚግስጸሉ መገድን ብኸመይ ኣብነቱ ኸም እንስዕብን ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 103 ውህበት ሰባት ዝዀኑ ጓሶት

^ ሕ.ጽ. 5 ናይ ሓቂ ንስሓ፡ በቲ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ከም ዝጐሃና ኻብ ምግላጽ ንላዕሊ የጠቓልል። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ናይ ሓቂ ንስሓ እንታይ ምዃኑ ኽንርዳእ ትሕግዝና። ካብ ንጉስ ኣከኣብን ካብ ንጉስ ምናሴን ካብቲ ኣብ ምሳሌ የሱስ እተጠቕሰ ፋሉል ወድን እንረኽቦ ትምህርቲ ድማ ሒዛ ኣላ። ሽማግለታት፡ ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ ክርስትያን ብጻይ ብሓቂ እንተ ተነሲሑ ኺግምግሙ ኸለዉ፡ እንታይ ረቛሒታት ኣብ ግምት ከእትዉ ኸም ዘለዎም እውን ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 60 መግለጺ ስእሊ፦ ንጉስ ኣከኣብ ንሓለውቱ፡ ንነብዪ ሚካያ ኺኣስርዎ ብቝጥዓ ይእዝዞም።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ ንጉስ ምናሴ ንገላውኡ፡ ነቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዘቘሞ ምስልታት ኬጥፍእዎ ይእዝዞም።

^ ሕ.ጽ. 64 መግለጺ ስእሊ፦ እቲ ጥፉእ ወዲ ድሕሪ ነዊሕ ጕዕዞ ደኺሙ ኽነሱ፡ ቤት ኣቦኡ ብማዕዶ ምስ ረኣየ እፎይ ይብል።