ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 42

ንሓቂ ብጽኑዕ እምነት ሓዛ

ንሓቂ ብጽኑዕ እምነት ሓዛ

“ንዅሉ መርምርዎ፣ ነቲ ሰናይ ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ።”—1 ተሰ. 5:21

መዝሙር 142 ንተስፋና ኣጽኒዕና ንሓዛ

መላለዪ *

1. ብዙሓት ሰባት ዚደናገሩ ስለምንታይ እዮም፧

ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ነምልኾ ዚብላ ክርስትያን ተባሂለን ዚጽውዓ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሃይማኖታት ኣለዋ። ብዙሓት ሰባት ኪደናገሩ እምበኣር ሓቆም እዮም። ስለዚ፡ “ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኣላ ድያ፡ ወይስ ኵለን ሃይማኖታት ንኣምላኽ ባህ የብላኦ እየን” ኢሎም ይሓትቱ እዮም። እሞ ደኣ ሓቂ ንምህር ከም ዘለና፡ ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚስዕብዎ ኣምልኾ ድማ ብየሆዋ ቕቡል ምዃኑ ብጽኑዕ ንኣምነሉ ዲና፧ ከምዚ ዓይነት ጽኑዕ እምነት ብሓቂዶ ኺህልወና ይኽእል እዩ፧ ነቲ መርትዖ እስከ ንርአ።

2. ብመሰረት 1 ተሰሎንቄ 1:5፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓቂ ዝኣመነላ ስለምንታይ እዩ፧

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ሓቂ ጽኑዕ እምነት እዩ ነይርዎ። (1 ተሰሎንቄ 1:5 ኣንብብ።) እቲ እምነት እቲ ኣብ ስምዒት እተመርኰሰ ኣይነበረን። ጳውሎስ ትጉህ ተምሃራይ ቃል ኣምላኽ እዩ ነይሩ። “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ [ከም] እተጻሕፈ” ይኣምን ነይሩ እዩ። (2 ጢሞ. 3:16) እሞ ደኣ እቲ መጽናዕትታቱ እንታይ እዩ ሓቢርዎ፧ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ የሱስ እቲ እተተስፈወ መሲሕ ምዃኑ ዘይከሓድ መርትዖ ረኺቡ እዩ። ነዚ መርትዖ እዚ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም። እቶም ግቡዛት መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ ንኣምላኽ ንውክል እናበሉ፡ ብግብሮም ይኽሕድዎ እዮም ነይሮም። (ቲቶ. 1:16) ጳውሎስ ግና ካብ ቃል ኣምላኽ ገሊኡ ኽፋል ጥራይ መሪጹ ኣይኰነን ኣሚኑ። “ኵሉ ምኽሪ ኣምላኽ” ኪምህርን ኪትግብርን ድሉው እዩ ነይሩ።—ግብ. 20:27

3. ጽኑዕ እምነት ምእንቲ ኺህልወና፡ ንዅሉ ሕቶታትና መልሲ ኽንረክብ ኣሎና ድዩ፧ (“ ግብርታትን ሓሳባትን የሆዋ—‘ምጽብጻቡ ዘይከኣል ብዙሕ’” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

3 ገሊኦም ሰባት፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንዅሉ ሕቶታት፡ እንተላይ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተላዕለ ሕቶታት፡ መልሲ ኺህልዋ ኸም ዚግባእ ይኣምኑ እዮም። እዝስ ኪኸውን ዚኽእል ትጽቢት ድዩ፧ ንጳውሎስ እስከ ከም ኣብነት ንርአ። ንሱ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ “ንዅሉ መርምርዎ” ኢሉ ኣተባቢዕዎም እዩ፣ እንተዀነ ግና፡ ንሱ ዘይተረድኦ ብዙሕ ነገራት ከም ዘሎ ተኣሚኑ እዩ። (1 ተሰ. 5:21) “ብኸፊል ንፈልጥ” ኢሉ ድሕሪ ምጽሓፉ፡ “ብመስትያት ብረት ዘይንጹር ምስሊ ንርኢ ኣለና” ኢሉ እዩ። (1 ቈረ. 13:9, 12) ጳውሎስ ንዅሉ ኣይኰነን ኪርዳእ ኽኢሉ፣ ንሕና እውን ኵሉ ኽንርዳእ ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ጳውሎስ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ዕላማ የሆዋ ግንዛበ ነይርዎ እዩ። ሓቂ ኸም ዝሓዘ ዘእመኖ እኹል ፍልጠት ነይርዎ እዩ።

4. ሓቂ ኸም ዝረኸብና እምነትና ኸነደልድል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ክርስትያናትከ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

4 ሓደ ኻብቲ ሓቂ ኸም ዝረኸብና እምነትና ኸነደልድለሉ እንኽእል መገዲ፡ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ኣምልኾ ምስቲ ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዘለዉ ብምንጽጻር እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት (1) ካብ ኣምልኾ ጣኦት ከም ዚርሕቁ፡ (2) ንስም የሆዋ ኸም ዜኽብርዎ፡ (3) ሓቂ ኸም ዚፈትዉ፡ (4) ንሓድሕዶም ኣጸቢቖም ከም ዚፋቐሩ ኽንርኢ ኢና።

ካብ ኣምልኾ ጣኦት ንርሕቕ ኢና

5. ንኣምላኽ ብግቡእ ብዛዕባ ምምላኽ፡ ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧ ነቲ ንሱ ዝመሃሮኸ ብኸመይ ክንትግብሮ ንኽእል፧

5 የሱስ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ በቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ ተደሪኹ፡ ንዕኡ በይኑ እዩ ኣምሊኽዎ። (ሉቃ. 4:8) ንደቀ መዛሙርቱ እውን ከምኡ ኺግብሩ እዩ ምሂርዎም። የሱስ ኰነ እቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ ኣምልኾኦም ምስልታት ኣይተጠቕሙን። ኣምላኽ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ሰብ ንኽብሪ የሆዋ ዚውክል ነገር ኪሓስብ እኳ ኣይክእልን እዩ። (ኢሳ. 46:5) ናይ ቅዱሳት ዚብሃሉ ምስልታት ምግባርን ናባታቶም ምጽላይን ግና ከመይ እዩ፧ የሆዋ ኻብተን ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብታ ኻልአይቲ ኸምዚ ኢሉ እዩ፦ “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ካብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ . . . ጽሩብ ምስልን ስእልን ዘበለ ንዓኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ።” (ዘጸ. 20:4, 5) እዚ ቓላት እዚ ነቶም ንኣምላኽ ባህ ኬብልዎ ዚደልዩ ንጹር እዩ።

6. ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ኣብነት ኣምልኾ እዮም ዚስዕቡ፧

6 ዓለማውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ንኣምላኽ በይኑ ተወፋይነት ይህቡ ኸም ዝነበሩ ይገልጹ እዮም። ንኣብነት፡ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ክርስትያን ቸርች ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ቦታታት ኣምልኾ ምስልታት ምግባር ዚብልዎ ሓሳብ “መሰምበዶም ነይሩ” ኢላ ገሊጻቶ ኣላ። ሎሚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝሓደግዎ ኣብነት እዮም ዚስዕቡ። ናብ ምስሊ “ቕዱሳት” ወይ መላእኽቲ ኣይንጽልን ኢና፣ ናብ የሱስ እኳ ኣይንጽልን ኢና። ንሃገራዊ ኣርማታት እውን ኣምልኾ ኣይንህብን ኢና። ዝመጸ እኳ እንተ መጸ፡ ነቲ የሱስ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ክንሕሉ ቘሪጽና ኢና።—ማቴ. 4:10

7. ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ካልኦት ሃይማኖታትን እንታይ ንጹር ፍልልያት ኣሎ፧

7 ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት ንምርኡያት መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ይስዕቡ እዮም። ነቶም ሰባት እቲኦም ዘለዎም ኣድንቖት ጥቓ ኣምልኾ እዩ ዚቐርብ። ንኣብያተ ክርስትያኖም ይመልእዎ፡ መጻሕፍቶም ብብዝሒ ይዕድጉሎም፡ ኪድግፍዎም ኢሎም እውን ብዙሕ ገንዘብ ይውፍዩሎም እዮም። ገሊኣቶም ንዅሉ እቲ መራሕቲ ሃይማኖቶም ዚብልዎ ይኣምንዎ እዮም። ንየሱስ ባዕሉ እንተ ዚረኽብዎ እኳ፡ ‘ካብዚ ንላዕሊ እሞ እንታይ ምገበሩ፧’ ከም እትብል እዮም ዚገብሩኻ። ብኣንጻሩ ግና፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ መራሕቲ ሃይማኖት የብሎምን። ነቶም ዚመርሑና ነኽብሮም እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ የሱስ፡ “ንስኻትኩምሲ ዅላትኩም ኣሕዋት ኢኹም” ኢሉ ዝመሃሮ ንጹር ትምህርቲ ንቕበል ኢና። (ማቴ. 23:8-10) መራሕቲ ሃይማኖት ይኹኑ ፖለቲካውያን ገዛእቲ ብዘየገድስ፡ ንሰባት ኣይነምልኽን ኢና። ንዕላማኦም ኣይንድግፍን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ገለልትነትና ንሕሉን ካብ ዓለም ንፍለን ኢና። ኣብዚ መዳያት እዚ፡ ካብቶም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ብዙሓት ጕጅለታት እተፈለና ኢና።—ዮሃ. 18:36

ንስም የሆዋ ነኽብሮ ኢና

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዛዕባ የሆዋ ንኻልኦት ምንጋር የሐብኖም (ሕጡብ ጽሑፍ 8-10 ርአ) *

8. የሆዋ ስሙ ኪኽበርን ኣጸቢቑ ኺፍለጥን ከም ዚደሊ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

8 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስ “ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ” ኢሉ ጸልየ። የሆዋ ኸኣ ንስሙ ኸም ዜኽብሮ ብምግላጽ፡ ካብ ሰማይ ነጐዳ ብዚመስል ድምጺ ነቲ ጸሎቱ መለሰሉ። (ዮሃ. 12:28) የሱስ ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ ንስም ኣቦኡ ኣኽቢርዎ እዩ። (ዮሃ. 17:26) ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንስም ኣምላኽ ተሓቢኖም ኪጥቀሙሉን ንኻልኦት ኬፍልጡን ክንጽበ ንኽእል ኢና።

9. እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንስም ኣምላኽ ከም ዜኽብሩ ብኸመይ ኣርእዮም፧

9 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ድሕሪ ምምስራታ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ የሆዋ “ኻብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ” ኢሉ ቘላሕታ ገይሩሎም እዩ። (ግብ. 15:14) እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ተሓቢኖም ንስም ኣምላኽ ይጥቀሙሉን ንኻልኦት የፍልጡን ነይሮም እዮም። ነቲ መለኮታዊ ስም ብቐዳምነት ኣብ ኣገልግሎቶምን ኣብ ጽሑፋቶምን ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም። * ንስም ኣምላኽ ዚዀኑ ህዝቢ ምዃኖም ኣርእዮም እዮም።—ግብ. 2:14, 21

10. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስም የሆዋ ዚዀኑ ህዝቢ ምዃኖም ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

10 እሞ ደኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስም የሆዋ ዚዀኑ ህዝቢ ድዮም፧ መርትዖታት እስከ ንርአ። ሎሚ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣምላኽ ብሕታዊ ስም ከም ዘለዎ ንምሕባእ ብዙሕ ይጽዕሩ እዮም። ካብ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ሓኺኾምዎ፡ ኣብ ገሊኡ መዳያት ከኣ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎታት እቲ ስም እቲ ኣብ ጥቕሚ ኸይውዕል ኣጊዶም እዮም። * ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ንስም የሆዋ ዚግብኦ ኽብሪ ይህብዎ ኸም ዘለዉ እሞ መን ኪኽሕድ ይኽእል፧ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ካብ ዝዀነ ሃይማኖት ንላዕሊ ብሰፊሕ ነፍልጥ ኣለና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ምስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ስምና ተሰማሚዕና ንምንባር ዚከኣለና ንገብር ኣለና። (ኢሳ. 43:10-12) ልዕሊ 240 ሚልዮን ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ሓቲምና ኢና፣ እዚ ትርጉም እዚ ኸኣ ንስም የሆዋ ኣብቲ ኻልኦት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓኸኽዎ ቦታታት መሊሱ ኣእትይዎ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ንስም የሆዋ ዜፋልጥ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ ነዳሉ ኣለና!

ንሓቂ ንፈትዋ ኢና

11. ቀዳሞት ክርስትያናት ንሓቂ ዘላቶም ፍቕሪ ብኸመይ ኣርእዮም፧

11 የሱስ ንሓቂ ይፈትዋ ነይሩ እዩ፣ ማለት ነታ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽን እትገልጽ ሓቂ ይፈትዋ ነይሩ እዩ። ምስታ ሓቂ ተሰማሚዑ ተመላሊሱ እዩ፣ ንኻልኦት እውን ሓቂ ኣፍሊጥዎም እዩ። (ዮሃ. 18:37) ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ እውን ንሓቂ ኣጸቢቖም ይፈትውዋ ነይሮም እዮም። (ዮሃ. 4:23, 24) ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትና “መገዲ ሓቂ” ኢሉ ጸዊዕዋ ኣሎ። (2 ጴጥ. 2:2) ቀዳሞት ክርስትያናት ንሓቂ ሓያል ፍቕሪ ስለ ዝነበረቶም፡ ምስ ሓቂ ዚጻረር ሃይማኖታዊ ሓሳባትን ባህልታትን ብሕታዊ ርእይቶታትን ይነጽጉ ነይሮም እዮም። (ቈሎ. 2:8) ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ኵሉ እምነታቶምን ኣነባብራኦምን ኣብ ቃል የሆዋ ብምስራት፡ ‘በታ ሓቂ ንምምልላስ’ ይጽዕሩ እዮም።—3 ዮሃ. 3, 4

12. እቶም ዚመርሑና ርድኢትና ኺንጽር ከም ዘለዎ ምስ ተገንዘቡ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧ ስለምንታይከ እዮም ስጕምቲ ዚወስዱ፧

12 ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓቂ ፍጹም ወይ ምሉእ ፍልጠት ከም ዘለዎም ኣይኣምኑን እዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ሰረተ እምነታዊ ጕዳያትን ኣብ ውድባዊ ኣሰራርሓን ጌጋታት ገይሮም እዮም። እዚ ኼሰምብደና የብሉን። ልክዕ ፍልጠት በብግዜኡ እናወሰኸ ኸም ዚኸይድ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት የነጽር እዩ። (ቈሎ. 1:9, 10) የሆዋ ንሓቂ በብቝሩብ እዩ ዚገልጸልና፣ ብርሃን ሓቂ እናበርሃልና ኪኸይድ ድማ ብትዕግስቲ ኽንጽበ ኣሎና። (ምሳ. 4:18) እቶም ዚመርሑና ብዛዕባ ሓደ ሓቂ ዘሎና ርድኢት ኪንጽር ከም ዜድልዮ ምስ ተገንዘቡ፡ ዜድሊ ለውጥታት ካብ ምግባር ድሕር ኣይብሉን እዮም። ብዙሓት ሃይማኖታት ህዝበ ክርስትያን ንምእመናነን ኬሐጕሳ ወይ ናብ ዓለም ኪቐርባ ኢለን እየን ለውጥታት ዚገብራ፣ ኣብ ውድብ የሆዋ ዚግበር ለውጥታት ግና ናብ ኣምላኽን ናብቲ የሱስ ዝሰረቶ ኣምልኾን እዩ ብዝያዳ ዜቕርበና። (ያእ. 4:4) እቲ እንገብሮ ምትዕርራያት ካብ ዘመናዊ ኣንፈት ወይ ካብ ህቡብ ኣተሓሳስባ ዝነቐለ ዘይኰነስ፡ ካብ ዝነጸረ ርድኢት ቅዱሳት ጽሑፋት ዝነቐለ እዩ። ንሓቂ ንፈትዋ ኢና!—1 ተሰ. 2:3, 4

ንሓድሕድና ኣጸቢቕና ንፋቐር ኢና

13. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዜርእይዋ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ባህርይ እንታይ እያ፧ ሎሚ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እትርአኸ ብኸመይ እያ፧

13 ካብቲ ንቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚገልጻ ብዙሕ ባህርያት፡ ፍቕሪ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ኣለዋ። የሱስ፡ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 13:34, 35) ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብደረጃ ዓለምለኸ ፍቕራዊ ሓድነት ኣለዎም። ካብ ካልኦት ውድባት እተፈለና ኢና፣ ሃገራውን ዓሌታውን ማሕበራዊ ደረጃታትን ዚሰግር ስጡም ሕውነት ኣሎና። ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታትናን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትናን መርትዖ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ንርኢ ኢና። እቲ መርትዖ እቲ ኸኣ፡ ኣምልኾና ብየሆዋ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ብዝያዳ የእምነና እዩ።

14. ብመሰረት ቈሎሴ 3:12-14፡ ንሓድሕድና ኣጸቢቕና ኸም እንፋቐር ከነርእየሉ እንኽእል ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

14 ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ንሓድሕድኩም ሓያል ፍቕሪ ትሃሉኹም” ኢሉ ይምሕጸነና እዩ። (1 ጴጥ. 4:8) ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዓይነት ፍቕሪ እነርእየሉ መገዲ፡ ንሓድሕድና ይቕረ ብምብህሃልን ብምትዕግጋስን እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ዅሎም፡ እንተላይ ነቶም ቅር ዘበሉና ለጋሳትን ሕያዎትን ንምዃን ኣጋጣሚታት ነናዲ ኢና። (ቈሎሴ 3:12-14 ኣንብብ።) እዛ ፍቕሪ እዚኣ ብሓቂ ቐንዲ መለለዪት ናይ ሓቂ ክርስትያናት እያ።

“ሓንቲ እምነት”

15. ኣብ ምንታይ መዳያት ኢና ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝሰርዕዎ ኣብነት ኣምልኾ እንስዕብ፧

15 ብኻልእ መገድታት እውን፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝሓደገቶ ኣብነት ኣምልኾ ኢና እንስዕብ። ንኣብነት፡ እቲ ንሓለውቲ ወረዳን ንሽማግለታትን ንኣገልገልቲ ጉባኤን ዜጠቓልል ውድባዊ መዋቕርና፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ሃዋርያት ዝሰረትዎ ስርዓት እዩ ዜንጸባርቕ። (ፊል. 1:1፣ ቲቶ. 1:5) ብዛዕባ ጾታዊ ርክብን መውስቦን ዘሎና ኣረኣእያ፡ ብዛዕባ ቕድስና ደም ዘሎና ኣኽብሮት፡ ከምኡ እውን ንጉባኤ ኻብ ዘይንስሑ ኣበስቲ ንምሕላው ዘሎና ድሌት፡ ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተሰርዐ ኣብነት እተመስረተ እዩ።—ግብ. 15:28, 29፣ 1 ቈረ. 5:11-13፣ 6:9, 10፣ እብ. 13:4

16. ካብቲ ኣብ ኤፌሶን 4:4-6 ዚርከብ ቃላት እንታይ ንፈልጥ፧

16 የሱስ፡ ብዙሓት ‘ደቀ መዛሙርቱ ኢና’ ኸም ዚብሉ፡ ናይ ሓቂ ግና ከም ዘይኰኑ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 7:21-23) ቅዱሳት ጽሑፋት እውን ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ብዙሓት “ንኣምላኽ ተወፋይነት ዘለዎም [ከም] ዚመስሉ” ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1, 5) ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ዚቕበላ “ሓንቲ እምነት” ከም ዘላ ብግልጺ ይሕብረና እዩ።—ኤፌሶን 4:4-6 ኣንብብ።

17. ሎሚ ንየሱስ ዚስዕቡን በታ ሓንቲ ናይ ሓቂ እምነት ዚመላለሱን ዘለዉ መን እዮም፧

17 ሎሚ በታ ሓንቲ እምነት ዚመላለሱ ዘለዉ መን እዮም፧ ክሳዕ ሕጂ መርትዖታት መርሚርና ኢና። የሱስ ዝመሃሮን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እተመላለሱሉን ኣምልኾ ርኢና ኢና። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓደ መልሲ ጥራይ እዩ ኺህሉ ዚኽእል፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም። ሓደ ኻብ ህዝቢ የሆዋ ምዃን፡ ብዛዕባ የሆዋን ዕላማኡን እውን ሓቂ ምፍላጥሲ ኸመይ ዝበለ ኽብሪ ዀን እዩ! እምበኣር፡ ካብ ሕጂ ንደሓር እውን ንሓቂ ብጽኑዕ እምነት ንሓዛ!

መዝሙር 3 ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽንርኢ፡ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ከም ዝሰዓብዎ ድማ ክንምርምር ኢና። ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብነት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይስዕቡ ኸም ዘለዉ እውን መርትዖ ኸነቕርብ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 10 ንኣብነት፡ ብ2008 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16፡ ስም ኣምላኽ ኣብ ናይ ካቶሊክ ቅዳሰ፡ መዝሙር፡ ወይ ጸሎት፡ “ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ኰነ ኺድመጽ የብሉን” ዚብል መምርሒ ሂቦም እዮም።

^ ሕ.ጽ. 63 መግለጺ ስእሊ፦ ሰባት ብቛንቋኦም ስም የሆዋ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኼንብቡ፡ ውድብ የሆዋ ብልዕሊ 200 ቋንቋ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣውጺኣ ኣላ።