ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

1921—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት

1921—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት

“እሞ ደኣ ነዛ ዓመት እዚኣ ኣብ ቅድሜና ዚርኣየና ዕዮ እንታይ እዩ፧” ናይ 1 ጥሪ 1921 ግምቢ ዘብዐኛ ነቶም ተሃንጥዮም ዝነበሩ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ እያ ኣቕሪባትሎም። ኣብ መልሳ ድማ፡ ኢሳይያስ 61:1, 2 ጠቒሳትሎም፣ እታ ጥቕሲ፡ ነቲ ኺሰብኩ እተዋህቦም መዝነት እተዘኻኽር ኰይና ኸምዚ ትብል፦ “ንዓቃላት ከበስሮም የሆዋ ስለ ዝቐብኣኒ፡ . . . ዓመት ጽቡቕ ፍቓድ የሆዋን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ [እየ]።”

ዘይፈርሁ ሰበኽቲ

ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መዝነቶም ንምፍጻም፡ ዘይፈርሁ ኪዀኑ ነይርዎም። ንዓቃላት ‘ኬበስሩ፡’ ከምኡ እውን ንእኩያት “መዓልቲ ሕነ” ኺእውጁ ነይርዎም እዩ።

ኣብ ካናዳ ዚነብር ሓውና ጆን ሆስኪን፡ ተቓውሞ እናኣጋጠሞ ብዘይ ፍርሂ እዩ ሰቢኹ። ኣብ ኣጋ መጀመርታ 1921፡ ምስ ሓደ ሜቶዲስት ኣገልጋሊ ተራኸበ። ሓውና ሆስኪን ከኣ፡ “ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ብሰላም ክንዛራረብ ንኽእል ኢና፣ ኣብ ገሊኡ እኳ እንተ ተፈላለና፡ ብሰላምን ብጽቡቕን ክንፈላለ ንኽእል ኢና” ኢሉ ዝርርቡ ጀመረ። ከምቲ ዝሓሰቦ ግና ኣይኰነን። ሓውና ሆስኪን ከምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ምስ ተዛራረብና፡ [እቲ ኣገልጋሊ] ነቲ ማዕጾኡ ገም ኣቢሉ ስለ ዝዓጸዎ፡ እቲ ቬትሮ ዚስበር መሲሉኒ ነይሩ።”

እቲ ኣገልጋሊ፡ “ናብ ኣረማውያን ኬድካ ንዓታቶም ዘይትዛረቦም፧” ኢሉ ጨደረሉ። ሓውና ሆስኪን ኣይመለሰሉን፣ ኪኸይድ ከሎ ግና፡ ‘ምስ ሓደ ኻባታቶም ዚዛረብ ዘለኹ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ’ ኢሉ ሓሰበ።

ንጽብሒቱ እቲ ኣገልጋሊ ኺሰብኽ ከሎ፡ መጥቃዕቱ ቐጸለ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እቲ፡ ሓውና ሆስኪን ኸምዚ ኢሉ ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ኣብታ ኸተማ ዝመጸ ዝኸፍአ መታለሊ ኸም ዝዀንኩ፡ ክርሸን እውን ከም ዝግባእ ብምግላጽ፡ ንመጓሰኡ ብዛዕባይ ኣጠንቂቕዎም።” ኰይኑ ግና፡ ሓውና ሆስኪን በዚ ኸይተዳህለ፡ ስብከቱ ቐጸለ፡ ጽቡቕ ኣሳልጦ እውን ረኸበ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ከም ሽዑ ኣብ ስብከት ጽቡቕ ግዜ ኣሕሊፈ ኣይፈልጥን እየ። ገሊኦም ሰባት፡ ‘ንስኻ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃንካ እፈልጥ እየ!’ ኢሎምኒ፡ ዝዀነ ነገር ከይጐድለኒ እውን ብኸመይ ኪሕግዙኒ ኸም ዚኽእሉ ሓቲቶምኒ እዮም።”

ናይ ብሕትን ናይ ስድራ ቤትን መጽናዕቲ

ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ዕቤት ኪገብሩ ንምሕጋዝ፡ ኣብታ ዘ ጎልደን ኤጅ * እትብሃል መጽሔት መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሕተሙ። እቲ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መንእሰያት” ዚብሃል መደብ፡ ወለዲ ምስ ደቆም ዜጽንዕዎ ሕቶታት ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ወለዲ “ነዚ ሕቶታት ንደቆም ኪሓትትዎም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ኺረኽቡ እውን ኪሕግዝዎም” ምትብባዕ ተዋህቦም። ገሊኡ ሕቶታት፡ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንደይ መጻሕፍቲ ኣሎ፧” ዝዓይነቱ ስለ ዝነበረ፡ መሰረታዊ ሓቅታት ዚምህር እዩ ነይሩ። ገሊኡ ግና፡ “ኵሉ ናይ ሓቂ ክርስትያን መስጐጕቲ ኺጽበዶ ኣለዎ፧” ዝዓይነቱ ስለ ዝነበረ፡ ንመንእሰያት ዘይፈርሁ ሰበኽቲ ኪዀኑ እዩ ዜተባብዕ ነይሩ።

እቲ “ምዕቡል መጽናዕቲ ኣብ መለኮታዊ መደብ መዋእል” ዚብሃል መደብ ከኣ፡ ንብሱላት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቀዳመይቲ ጥራዝ እታ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ እትብሃል መጽሓፍ እተመርኰሰ ዜመራምር ሕቶታት የቕርብ ነበረ። ኣሽሓት ኣንበብቲ ኻብዚ መደባት እዚ ተጠቒሞም እዮም፣ ናይ 21 ታሕሳስ 1921 ሕታም ዘ ጎልደን ኤጅ ግና፡ ክልቲኡ እዚ መደባት ከም ዜቋርጽ ሓበረት። ስለምንታይ እዩ ሃንደበታዊ ለውጢ ተገይሩ፧

ሓዳስ መጽሓፍ!

ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ ዘርእስታ መጽሓፍ

መደብ ንባብ ዝሓዘ ዕልባት

ሕቶታት ዝሓዘ ካርድታት

እቶም ነቲ ዕዮ ዚመርሑ ኣሕዋት፡ ሓደስቲ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ሓቅታት ብስርዓት ኪምሃሩ ኸም ዜድልዮም ተገንዘቡ። ነዚ ዕላማ ንምውቃዕ ከኣ፡ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ሕዳር 1921 ወጸት። እቶም ነታ መጽሓፍ እተቐበሉ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት፡ ባዕሎም ዚገብርዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚጅምሩ ነይሮም። እዚ መጽናዕቲ እዚ፡ “ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምሃብ ኪባርኾም ዘለዎ መደብ” ኬስተውዕሉ ዚሕግዝ እዩ ነይሩ። እሞኸ እዚ መጽናዕቲ እዚ ብኸመይ እዩ ዚዓዪ ነይሩ፧

ሓደ ሰብ ቅዳሕ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ምስ ዚቕበል፡ ኣብ ንእሽቶ ካርድ እተሓትመ መደብ ንባብ እውን ይውሃቦ ነይሩ። ኣብ እትቕጽል ሰሙን ከኣ፡ ኣብቲ ንባብ እተመርኰሰ ሕቶታት ዝሓዘት ካርድ ይውሃቦ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ እታ ካርድ ድማ፡ ናይ ዚቕጽል ሰሙን መደብ ንባብ ይርከብ።

እቲ ተምሃራይ ን12 ሰሙን፡ ብጉባኤ ኣቢሉ ኣብ ሰሰሙን ዚልኣኸሉ ሓዳስ ካርድ ትውሃቦ ነይራ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ካርድታት በቶም ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ብዕድመ ዝደፍኡ ወይ ዓቕሞም ድሩት ዝዀኑ ሰባት ጌርካ እዩ ዚልኣኽ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሚልቪል፡ ፐንስልቨንያ፡ ሕ.መ.ኣ. እትነብር ኣና ጋርድነር ከምዚ ኣላ ተዘክሮኣ ገሊጻ ኣላ፦ “ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ ምስ ወጸት፡ ነታ ስንክልና ዝነበራ ሓብተይ ቴል፡ ነቲ ሕቶታት ዝሓዘ ሰሙናዊ ካርድ ናይ ምስዳድ ተወሳኺ ስራሕ እዩ ዀይኑላ።” እቲ ትምህርቲ ምስ ተወድአ፡ እቲ ተምሃራይ ኣብ ትምህርቱ ቐጻሊ ዕቤት ምእንቲ ኺገብር፡ ብሕታዊ ምብጻሕ ይግበረሉ ነይሩ እዩ።

ቴል ጋርድነር ኣብ ብሽክለታ ስንኩላን

ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ዕዮ

ኣብ መወዳእታ እታ ዓመት፡ ሓውና ጆሴፍ ራዘርፎርድ ናብ ኵለን ጉባኤታት ደብዳበ ለኣኸ። ኣብኣ ድማ፡ “ኣብዛ ዓመት እዚኣ እተዋህበ ምስክርነት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብዚ እዋን ቀውዒ ኻብ ዝዀነት ዓመት ንላዕሊ ዝሰፍሐን ብዝያዳ ውጽኢታውን እዩ ነይሩ” በለ። ናብ ቅድሚት ብምትኳር ከኣ፡ “ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ኣሎ። ኣብዚ እተባረኸ ኣገልግሎት ኪጽምበሩና ንኻልኦት ኣተባብዑ” በለ። ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ምኽሪ ስዒቦም እዮም። ዓመተ 1922፡ ሓለፍ ብዝበለ መገዲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይ ፍርሂ ዘፍለጡላ ዓመት እያ ነይራ።

^ ሕ.ጽ. 9 ዘ ጎልደን ኤጅ፡ ብ1937 ኮንሶሌሽን፡ ብ1946 ንቕሑ! ዚብል ስም ተዋሂብዋ እዩ።