ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 41

ናይ ሓቂ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ናይ ሓቂ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

“ንየሆዋ ዚፈርሆ፡ ብመገድታቱ ድማ ዚመላለስ ዘበለ ሕጉስ እዩ።”—መዝ. 128:1

መዝሙር 110 “ሓጐስ የሆዋ”

መላለዪ a

1. ‘መንፈሳዊ ህርፋን’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ እዚኸ ምስ ሓጐስ ብኸመይ ይተኣሳሰር፧

 ናይ ሓቂ ሓጐስ ኪብሃል ከሎ፡ ንእተወሰነ እዋን ጸኒሑ፡ ኣብ እተወሰነ እዋን ዚጠፍእ ባህታ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ዚቕጽል ነገር እዩ። ብኸመይ፧ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም” ኢሉ ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 5:3) ሰባት ንፈጣሪኦም የሆዋ ኣምላኽ ናይ ምፍላጥን ናይ ምምላኽን ብርቱዕ ባህጊ ሓዲርዎም ከም እተፈጥሩ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እዚ ባህጊ እዚ ‘መንፈሳዊ ህርፋን’ ይብሃል። የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ እቶም ንዕኡ ዜምልኹ፡ ሕጉሳት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—1 ጢሞ. 1:11

“ምእንቲ ጽድቂ ዚስጐጉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም።”—ማቴ. 5:10 (ሕጡብ ጽሑፍ 2-3 ርአ) d

2-3. (ሀ) ብመሰረት የሱስ፡ መን እውን እዮም ሕጉሳት ኪዀኑ ዚኽእሉ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧ እዚ ኣድላዪ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

2 ኣብ ህይወትና ሕጉሳት ንምዃን ዋላ ሓንቲ ጸገም ዘይብልና ኽንከውን የድሊ ድዩ፧ ኣይፋልን። የሱስ ኣብቲ ስብከቱ፡ ሓደ ዜገርም ነገር ጠቒሱ እዩ። እቶም “ዚሓዝኑ፡” ማለት እቶም ብሓጢኣቶም ስለ እተደቝሱ ወይ ኣብ ህይወቶም ጭንቂ ስለ ዘጋጠሞም ዚሓዝኑ፡ ሕጉሳት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ገሊጹ እዩ። ብዛዕባ እቶም “ምእንቲ ጽድቂ ዚስጐጉ” ወይ ሰዓብቲ ክርስቶስ ብምዃኖም ‘ዚጽረፉ’ እውን ከምኡ እዩ ኢሉ። (ማቴ. 5:4, 10, 11) ኰይኑ ግና፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከመይ ጌርካ ኢኻ ብሓቂ ሕጉስ ክትከውን እትኽእል፧

3 የሱስ ናይ ሓቂ ሓጐስ ካብ ጸገም ኣልቦ ህይወት ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ ህርፋንና ኻብ ምርዋይን ናብ ኣምላኽ ካብ ምቕራብን ከም ዚርከብ እዩ ዚምህር ነይሩ። (ያእ. 4:8) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ናብ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዚመርሓና ሰለስተ መሰረታዊ ስጕምቲ ኽንርኢ ኢና።

መንፈሳዊ ምግቢ ተመገብ

4. ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብ ዚሕግዘና ቐዳማይ ስጕምቲ እንታይ እዩ፧ (መዝሙር 1:1-3)

4 ስጕምቲ 1፦ ናይ ሓቂ ሓጐስ ንምርካብ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ኽንምገብ ኣሎና። ሰባት ኰኑ እንስሳታት ብህይወት ንምንባር ስጋዊ ምግቢ የድልዮም እዩ። መንፈሳዊ ምግቢ ኽንምገብ እንኽእል ግና ሰባት ጥራይ ኢና። ብሓቂ እውን የድልየና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ የሱስ፡ “ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ዝበለ። (ማቴ. 4:4) ስለዚ፡ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ እውን እንተ ዀነ፡ ካብቲ ኽቡር ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ ምግቢ ኸይተመገብና ኽትሓልፍ ኣይንፍቀድ። እቲ ዘማሪ፡ ‘ብሕጊ የሆዋ ዚድሰት፡ ነቲ ሕጉ እውን መዓልትን ለይትን ዜንብቦ ሰብ ሕጉስ እዩ’ ኢሉ ትዕዝብቱ ገሊጹ ኣሎ።—መዝሙር 1:1-3 ኣንብብ።

5-6. (ሀ) ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (ለ) ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

5 የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ህይወትና ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረኽበሉ እንኽእል ኣገዳሲ ሓበሬታ ሂቡና ኣሎ። ንህይወትና እንታይ ዕላማ ኸም ዘለዎ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ንዕኡ ብኸመይ ከም እንቐርቦን ሕድገት ሓጢኣት ብኸመይ ክንረክብ ከም እንኽእልን ንምሃር ኢና። ብዛዕባ እቲ ንመጻኢ ዘተስፈወና ዜደንቕ ተስፋ እውን ንምሃር ኢና። (ኤር. 29:11) እዚ ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት፡ ንልብና ብሓጐስ ይመልኦ እዩ!

6 ከም እንፈልጦ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመዓልታዊ ህይወትና ዚኸውን ብዙሕ ግብራዊ ምኽሪ ኣሎ። ነቲ ምኽሪ እቲ ኽንስዕብ ከለና፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብ ህይወት ብዜጋጥመካ ጸገማት ተስፋ ኽትቈርጽ ከለኻ፡ ግዜ ወሲድካ ቓል የሆዋ ኣንብብ፡ ብዛዕባኡ እውን ኣስተንትን። የሱስ፡ “ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ደኣ እዮም!” ኢሉ እዩ።—ሉቃ. 11:28

7. ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ብኸመይ ኢኻ ብዝበለጸ ኽትጥቀም እትኽእል፧

7 ቃል ኣምላኽ ከተንብብ ከለኻ፡ ነቲ እተንብቦ ግዜ ወሲድካ ኣስተማቕሮ። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ሓደ ሰብ እትፈትዎ ምግቢ ሰሪሑልካ ንበል። ኰይኑ ግና፡ ስለ እተሃወኽካ ወይ ኣእምሮኻ ብኻልእ ነገር ስለ እተዋጠረ፡ ነቲ ምግቢ ኸየስተማቐርካ ውሕጥ ውሕጥ ተብሎ። በሊዕካ ምስ ወዳእካ ግና፡ ክሳዕ ክንደይ ተሃዊኽካ ኸም ዝበላዕካ ተስተውዕል። ‘ብኻ ህድእ ኢለ በሊዐ። ነቲ ምግቢ በብዅላሶ እናኣኰማሳዕኩ መስተማቐርክዎ ነይረ’ ኢልካ ትምነ። እሞ ደኣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሃታሃታ ኻብ ምንባብካ እተላዕለ፡ ነቲ መልእኽቱ ዘየስተማቐርካሉ እዋንዶ ኣሎ፧ እምበኣር፡ ግዜ ወሲድካ ንንባብ ቃል ኣምላኽ ኣስተማቕሮ። ነቲ ዅነታት ብኣእምሮኻ ስኣሎ። እቲ ደሃይ እንታይ ከም ዚመስል ሕሰቦ። ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ እውን ኣስተንትን። እዚ ዅሉ ንሓጐስካ ኺውስኸሉ እዩ።

8. እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ግደኡ ዚፍጽም ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

8 የሱስ ምግብና ብግዜኡ ዚህበና “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ሸይሙ ኣሎ፣ ስለዚ ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ ጽቡቕ ንምገብ ኣለና። b (ማቴ. 24:45) እቲ እሙን ባርያ ኣብ ኵሉ እቲ ዜዳልዎ መንፈሳዊ ምግቢ፡ ብቐዳምነት ነቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቕዱሳት ጽሑፋት እዩ ዚጥቀም። (1 ተሰ. 2:13) ስለዚ፡ እቲ መንፈሳዊ ምግቢ እቲ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኽንፈልጥ ይሕግዘና። ስለዚ ድማ ኢና መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ኰነ ኣብ jw.org ዚወጽእ ዓንቀጻት እነንብብ። ንኣኼባታት መንጎ ሰሙንን መወዳእታ ሰሙንን እውን ንዳሎ ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣብ ወወርሒ ዚወጽእ ፈነወ JW ዚርከብ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ እውን ንርእዮ ኢና። እኹል መንፈሳዊ ምግቢ ንምገብ እንተ ዄንና፡ ነቲ ናብ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዚመርሕ ካልኣይ ስጕምቲ ኽንወስድ ይሕግዘና እዩ።

በቲ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ተመላለስ

9. ናብ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዚምርሕ ካልኣይ ስጕምቲ እንታይ እዩ፧

9 ስጕምቲ 2፦ ናይ ሓቂ ሓጐስ ንምርካብ፡ በቲ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ክንመላለስ ኣሎና። ሓደ ዘማሪ፡ “ንየሆዋ ዚፈርሆ፡ ብመገድታቱ ድማ ዚመላለስ ዘበለ ሕጉስ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (መዝ. 128:1) ፍርሃት የሆዋ ኺብሃል ከሎ፡ ንዕኡ ኻብ ዘሎና ዓብዪ ኣኽብሮት እተላዕለ ዜጕህዮ ዘበለ ኣይንገብርን ማለት እዩ። (ምሳ. 16:6) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ምስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዘውጽኦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መለክዒታት ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ንጽዕር። (2 ቈረ. 7:1) የሆዋ ዚፈትዎ እንተ ጌርና፡ ካብቲ ንሱ ዚጸልኦ እውን እንተ ርሒቕና ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና።—መዝ. 37:27፣ 97:10፣ ሮሜ 12:9

10. ብመሰረት ሮሜ 12:2፡ እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘሎና፧

10 ሮሜ 12:2 ኣንብብ። ሓደ ሰብ፡ የሆዋ ቕኑዕን ጌጋን ናይ ምውሳን ስልጣን ከም ዘለዎ ይፈልጥ ይኸውን። ኣብ ርእሲ እዚ ግና፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ መለክዒታት ኪቕበሎ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ፡ መንግስቲ ኣብ ጐደናታት ደረት ፍጥነት ኪውስን መሰል ከም ዘለዎ ይፈልጥ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ደረት ፍጥነት ኪቕበሎ ፍቓደኛ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ነቲ ደረት ፍጥነት ጥሒሱ ይዝውር። ንሕና እውን፡ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ምስዓብ ንህይወትና ብሉጽ ምዃኑ ብሓቂ ኸም እንኣምን ብኣካይዳና ኢና እነርኢ። (ምሳ. 12:28) ዳዊት ከምኡ እዩ ተሰሚዕዎ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ንየሆዋ፡ “መገዲ ህይወት ተፍልጠኒ። ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ ሓጐስ ኣሎ፣ ኣብ የማንካ ድማ ንዘለኣለም ደስታ ኣሎ” ኢሉ ተዛሪብዎ እዩ።—መዝ. 16:11

11-12. (ሀ) ክንርበሽ ወይ ክንጭነቕ ከለና፡ ካብ ምንታይ ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧ (ለ) ኣብ ፊልጲ 4:8 ዚርከብ ቃላት፡ መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

11 ክንርበሽ ወይ ክንጭነቕ ከለና፡ ካብ ጸገማትና ንምምላጥ ንሓሳባትና ዜስግል ነገር ክንገብር ንደሊ ንኸውን። እዚ ጌጋ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ የሆዋ ናብ ዚጸልኦ ነገር ከይንሰሓብ ግና ክንጥንቀቕ ኣሎና።—ኤፌ. 5:10-12, 15-17

12 ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊልጲ ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቱ፡ ክርስትያናት “ጽድቂ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ . . . ሕያውነት ዘበለ” ብቐጻሊ ኺሓስቡ ተማሕጺንዎም እዩ። (ፊልጲ 4:8 ኣንብብ።) ኣብዚ ጳውሎስ ፈልዩ ብዛዕባ መዘናግዒ ይጽሕፍ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ እቲ ዝጸሓፎ ግና ነቲ ኸም መሕለፍ ግዜ እንመርጾ ነገራት ኪጸልዎ ይግባእ። ነዚ እስከ ፈትኖ፦ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ደድሕሪ እታ ዘበለ እትብል ቃል፡ “ደርፍታት፡” “ፊልምታት፡” “ልቢ ወለዳት፡” ወይ “ጸወታታት ቪድዮ” ዚብል ቃላት እናኣእቶኻ ኣንብቦ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣየናይ ብኣረኣእያ ኣምላኽ ቅቡል ምዃኑ፡ ኣየናይ ከኣ ቅቡል ዘይምዃኑ ንምስትውዓል ኪሕግዘካ እዩ። ንህይወትና ምስቲ ልዑል መለክዒታት የሆዋ ኸነሰማምዖ ኢና እንደሊ። (መዝ. 119:1-3) ድሕሪኡ፡ ጽሩይ ሕልና ሒዝና ነቲ ናብ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዚምርሕ ዚቕጽል ስጕምቲ ኽንወስድ ንኽእል ኢና።—ግብ. 23:1

ንኣምልኾ የሆዋ ቐዳምነት ሃቦ

13. ናብ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዚመርሕ ሳልሳይ ስጕምቲ እንታይ እዩ፧ (ዮሃንስ 4:23, 24)

13 ስጕምቲ 3፦ ንኣምልኾ የሆዋ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ሃቦ። የሆዋ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ኣምልኾና ኣጸቢቑ ይግብኦ እዩ። (ራእ. 4:11፣ 14:6, 7) ስለዚ፡ ነቲ ንዕኡ እነቕርቦ ኣምልኾ ቐዳምነት ክንህቦ ኣሎና፣ በቲ ንሱ ዚቕበሎ መገዲ፡ ማለት “ብመንፈስን ብሓቅን” እውን ከነምልኾ ኣሎና። (ዮሃንስ 4:23, 24 ኣንብብ።) ኣምልኾና ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቅታት ዚሰማማዕ ምእንቲ ኪኸውን፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣምልኾና ኺመርሓና ንደሊ ኢና። ዕዮና ኣብ እተቐየደሉ ወይ ኣብ እተኣገደሉ ሃገራት ንነብር እኳ እንተ ዀንና፡ ንኣምልኾና ቐዳምነት ክንህቦ ኣሎና። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ልዕሊ 100 ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀኑ ጥራይ ተኣሲሮም ኣለዉ። c ይኹን እምበር፡ ንምጽላይ፡ ንምጽናዕ፡ ብዛዕባ ኣምላኽን መንግስቱን ከኣ ንኻልኦት ንምንጋር ተሓጒሶም ዚከኣሎም ይገብሩ ኣለዉ። ሰባት ኪጸርፉናን ኪሰጕጉናን ከለዉ፡ የሆዋ ምሳና ምዃኑን ዓስብና ኸም ዚህበናን ስለ እንፈልጥ፡ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ያእ. 1:12፣ 1 ጴጥ. 4:14

ናይ ሓቂ ኣብነት

14. ኣብ ታጂክስታን ንዚነብር መንእሰይ ሓው እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧ ስለምንታይከ፧

14 ኵነታትና ብዘየገድስ፡ ነዚ ኽንርእዮ ዝጸናሕና ሰለስተ ስጕምቲ እንተ ወሲድና፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ከም እንረክብ፡ ኣብ ናይ ሓቂ ተመክሮታት ተራእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ታጂክስታን ዚነብር 19 ዓመት ዝዕድሚኡ ጆቪዶን ቦቦጆኖቭ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ምስ ኣበየ ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ብ4 ጥቅምቲ 2019፡ ካብ ገዛኡ ተወስደ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐነ፡ ከም ገበነኛ ጌርካ እውን ተታሕዘ። እዚ ዘይፍትሓዊ ተግባር እዚ፡ ኣህጉራዊ ቘላሕታ ረኸበ። ወተሃደራዊ ማሕላ ኺምሕልን ዩኒፎርም ኪኽደንን ጸቕጢ ኺገብሩሉ ኢሎም እውን ወቕዕዎ። ድሕርዚ፡ ከም ገበነኛ ተፈርዶ፣ ኣብ ናይ ሸቕሊ ደምበ እውን ተዳጐነ። ፕረዚደንት እታ ሃገር ብምሕረት ክሳዕ ዚፈትሖ ድማ፡ ኣብኡ ጸንሐ። ጆቪዶን እዚ ዅሉ መከራ እናኣጋጠሞ ኽነሱ ንጽህናኡ ኣየበላሸወን፡ ሓጐሱ እውን ኣየጥፍአን። ብኸመይ እዩ ኸምኡ ኺገብር ክኢሉ፧ ወትሩ መንፈሳዊ ህርፋን ስለ ዝነበሮ እዩ ኸምኡ ኺገብር ክኢሉ።

ጆቪዶን መንፈሳዊ ምግቢ ተመገበ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ መለክዒታት ተመላለሰ፡ ንኣምልኾ የሆዋ ድማ ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ሃቦ (ሕጡብ ጽሑፍ 15-17 ርአ)

15. ጆቪዶን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብኸመይ እዩ መንፈሳዊ ምግቢ ዚምገብ ነይሩ፧

15 ጆቪዶን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ዋላ እኳ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ካልእ ጽሑፋትና እንተ ዘይነበሮ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ግና ይምገብ ነበረ። ከመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ኺገብር ክኢሉ፧ ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ስጋዊ ምግቢ የብጽሑሉ ነይሮም፣ ኣብቲ ኣስቤዛ ዚልእኩሉ ሳንጣታት ከኣ ጥቕሲ ዕለት ይጽሕፉሉ ነይሮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ኼንብብን ብዛዕባኡ ኼስተንትንን ከኣለ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ፡ ነቶም ገና ኸምቲ ናቱ ዓይነት ከቢድ ፈተና ዘየሕለፉ ክርስትያናት እዚ ዚስዕብ ምኽሪ እዩ ሂቡ፦ “ነዚ ዘሎኩም ናጽነት፡ ቃል ኣምላኽን ጽሑፋትናን ብምንባብ፡ ብዛዕባ የሆዋ ዘሎኩም ፍልጠት ንምዕማቝ ምሉእ ብምሉእ ክትጥቀሙሉ ኣሎኩም።”

16. ጆቪዶን ንሓሳባቱ ኣብ ምንታይ ከም ዜተኵር እዩ ዚገብሮ ነይሩ፧

16 እዚ ሓውና በቲ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት እዩ ተመላሊሱ። ኣብ ግጉይ ትምኒታት ኣብ ክንዲ ዜተኵር፡ ኣብ ሕማቕ ተግባራት ድማ ኣብ ክንዲ ዚሳተፍ፡ ኣብ የሆዋን ኣብቲ የሆዋ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ነገራትን እዩ ኣተኲሩ። በቲ ፍጥረት ኣምላኽ ዘለዎ ጽባቐ እውን የስተንክር ነይሩ እዩ። ንግሆ ንግሆ ደሃይ ጩቝጩቝታን መዝሙርን ኣዕዋፍ እናሰምዐ እዩ ዚበራበር ነይሩ። ምሸት ምሸት ከኣ ንወርሕን ንኸዋኽብትን ቀው ኢሉ እዩ ዚጥምት ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “እዚ ኻብ የሆዋ እተዋህበና ውህበታት የሐጕሰንን የተባብዓንን ነይሩ እዩ” ይብል። ስለቲ የሆዋ ዝገበረልና መንፈሳውን ስጋውን መሰናድዎታት ነመስግን እንተ ዄንና፡ ሕጉስ ልቢ እዩ ዚህልወና። እቲ ሓጐስ እቲ ድማ ነቲ ንምጽዋር ዘሎና ኽእለት የሐይሎ እዩ።

17. እዚ ኣብ 1 ጴጥሮስ 1:6, 7 ዘሎ ቓላት፡ ከም ናይ ጆቪዶን ዓይነት ፈተና ኣብ ዜሕልፍ ሰብ ብኸመይ ኪውዕል ይኽእል፧

17 ብዘይካዚ፡ ጆቪዶን ንኣምልኾ የሆዋ ቐዳምነት ሂቡ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘለዎ ንጽህና ምሕላው፡ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የሱስ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ፡ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣገልግሎ” ኢሉ እዩ። (ሉቃ. 4:8) ኣዘዝቲ ሰራዊትን ወተሃደራትን ንጆቪዶን፡ ሃይማኖቱ ኸም ዚሓድግ ኪገብርዎ ደልዮም ነይሮም እዮም። ንሱ ግና፡ ኵሉ ሳዕ መዓልትን ለይትን ብጽኑዕ ይጽሊ ነበረ። ምእንቲ ኸይሕለልን ኣብ እምነቱ ምእንቲ ኸይለማለምን ድማ ንየሆዋ ይልምኖ ነበረ። ብዙሕ ግፍዒ ወሪድዎ ኽነሱ፡ ኣብ እምነቱ ፈጺሙ ኣይተለማለመን። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ቅድሚ እቲ ማእሰርቱን መውቃዕቱን ዘይነበሮ ፍቱን እምነት ስለ ዘጥረየ፡ ዝያዳ ሓጐስ እዩ ረኺቡ።—1 ጴጥሮስ 1:6, 7 ኣንብብ።

18. ከመይ ጌርና ኢና ሓጐስና ኽንዕቅብ እንኽእል፧

18 ናይ ሓቂ ሓጐስ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ከም ዜድልየና የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ነዚ ናብ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዚመርሕ ሰለስተ ስጕምቲ እንተ ስዒብካ፡ ጸገማት እናኣጓነፈካ ኽነሱ ሓጐስካ ኽትዕቅብ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ንስኻ እውን፡ “የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ ሕጉስ እዩ!” ክትብል ኢኻ።—መዝ. 144:15

መዝሙር 89 ክትባረኽ ተኣዘዝ

a ብዙሓት ሰባት ናይ ሓቂ ሓጐስ ምርካብ የጸግሞም እዩ። ከመይሲ፡ ካብ ተድላ፡ ሃብቲ፡ ዝና፡ ወይ ስልጣን እዮም ናይ ሓቂ ሓጐስ ኪረኽቡ ዚጽዕሩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግና፡ ሰባት ብኸመይ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብ ዜኽእለና ሰለስተ ስጕምትታት ክንምርምር ኢና።

b ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 2014 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “‘ምግቢ በብግዜኡ’ ትረክብዶ ኣሎኻ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

c ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ jw.org፡ “Imprisoned for Their Faith” ኢልካ ድለ።

d መግለጺ ስእሊ፦ ኣብዚ ተዋስኦ፡ ንሓደ ሓው ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእትዮም ናብ ቤት ፍርዲ ኺወስድዎ ከለዉ፡ ክርስትያናት ብጾቱ ደገፎም ይህብዎ።