ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 44

ንክርስትያናዊት ተስፋኻ ወትሩ ኣደልድላ

ንክርስትያናዊት ተስፋኻ ወትሩ ኣደልድላ

“ብየሆዋ ተስፋ ግበር።”—መዝ. 27:14

መዝሙር 144 ወትሩ ጠምት ናብቲ ዓስቢ!

መላለዪ a

1. የሆዋ እንታይ ተስፋ እዩ ሂቡና ዘሎ፧

 የሆዋ ንዘለኣለም ብህይወት ናይ ምንባር ዜደንቕ ተስፋ ሂቡና ኣሎ። ገሊኦም ዘይሞቱ መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ኣብ ሰማይ ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም። (1 ቈረ. 15:50, 53) መብዛሕትና ግና ኣብ ምድሪ ፍጹም ጥዕናን ሓጐስን ረኺብና ንዘለኣለም ክንነብር ኢና ተስፋ እንገብር። (ራእ. 21:3, 4) እቲ ኣማዕዲና እንጽበዮ ነገር ንዘለኣለም ኣብ ሰማይ ምንባር ይኹን ወይ ኣብ ምድሪ፡ ተስፋና ንዓና ኣዝያ ኽብርቲ እያ።

2. ተስፋና ኣብ ምንታይ እተመስረተት እያ፧ ስለምንታይከ ኢና ኸምኡ እንብል፧

2 እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ተስፋ” ተባሂላ ዘላ ቓል፡ “ጽቡቕ ከም ዚኸውን እተሕድሮ ትጽቢት” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ። እቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ተስፋ ኻብ የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ ውሑስ እዩ። (ሮሜ 15:13) እንታይ ኢሉ ቓል ከም ዝኣተወልና ንፈልጥ ኢና፣ ወትሩ ቓሉ ኸም ዚሕሉ እውን ንፈልጥ ኢና። (ዘሁ. 23:19) የሆዋ ነቲ ኸም ዚገብሮ ቓል ዝኣተወሉ ነገር ንምፍጻም ድሌትን ዓቕምን ከም ዘለዎ ንኣምን ኢና። ስለዚ፡ ተስፋና ኣብ ሕልሚ ወይ ኣብ ትምኒት እተመስረተት ዘይኰነትሲ፡ ኣብ መርትዖን ኣብ ጭቡጥ ሓቅን እተመስረተት እያ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧ (መዝሙር 27:14)

3 እቲ ሰማያዊ ኣቦና የፍቅረና እዩ፣ ክንኣምኖ እውን ይደልየና እዩ። (መዝሙር 27:14 ኣንብብ።) ኣብ የሆዋ ዘላትና ተስፋ ድልድልቲ እንተ ዀይና፡ ፈተናታት ክንጻወር፡ ንመጻኢ እውን ብትብዓትን ብሓጐስን ክንገጥመሉ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ተስፋና ብኸመይ ከም እተዕቍበና እስከ ንርአ። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ፈለማ ተስፋ ብኸመይ ከም መልህቕን ከም ቍራዕ ርእስን ከም ዝዀነት ክንርኢ ኢና። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ንተስፋና ብኸመይ ከም እነደልድላ ኽንምርምር ኢና።

ተስፋና ኸም መልህቕ እያ

4. ተስፋ ኸም መልህቕ ዝዀነት ብኸመይ እያ፧ (እብራውያን 6:19)

4 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ እብራውያን ዝለኣኻ መልእኽቱ፡ ንተስፋ ምስ መልህቕ ኣመሳሲልዋ ኣሎ። (እብራውያን 6:19 ኣንብብ።) ጳውሎስ ብዙሕ ግዜ ብባሕሪ ይጐዓዝ ስለ ዝነበረ፡ መልህቕ ንመርከብ ብማዕበል ከይትውሰድ ከም ዚሕግዛ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ብመርከብ እናተጓዕዘ ኸሎ፡ ብርቱዕ ማዕበል ተላዕለ። ኣብቲ ማዕበል ከኣ፡ እታ መርከብ ምስ ሓደገኛ ኣኻውሕ ተጋጭያ ምእንቲ ኸይትስበር፡ እቶም ባሕረኛታት መልህቕ ኣውረዱ። (ግብ. 27:29, 39-41) ከምቲ መልህቕ ንመርከብ ዜጽንዓ፡ ከም ማዕበል ዝኣመሰለ እዋን ኪመጽእ ከሎ፡ ካብ የሆዋ ምእንቲ ኸይንውሰድ ተስፋና ኸተጽንዓና ትኽእል እያ። ህድኣት ዝሰፈኖ እዋን ይመጽእ ከም ዘሎ ስለ እንኣምን እውን፡ ጽንዕቲ ተስፋ እንተ ኣልያትና ነቲ ኸም ማዕበላት ዝኣመሰለ ፈተናታት ክንሰግሮ ትሕግዘና እያ። የሱስ መስጐጕቲ ኸም ዚወርደና ኣጠንቂቑ ምንባሩ ኽንርስዕ የብልናን። (ዮሃ. 15:20) ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ መጻኢ ዓስብና ምስትንታን፡ ኣብ ክርስትያናዊ ጕዕዞና ጸኒዕና ኽንቅጽል ይሕግዘና እዩ።

5. የሱስ ምስ ሞት ፊት ንፊት ኣብ እተጋጠመሉ እዋን ከመይ ገይሩ እዩ ኻብ ተስፋ ብርታዐ ዝረኸበ፧

5 የሱስ ስቓይ ዝመልኦ ሞት ከም ዚመውት እናፈለጠ ኽነሱ፡ ተስፋ ብኸመይ ከም ዘጽንዓቶ እስከ ንርአ። ኣብ መዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ የሱስ ዝነበሮ ህድኣት ጽቡቕ ገይሩ ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ዚርከብ ትንቢት ጠቒሱ ነይሩ እዩ፣ እቲ ዝጠቐሶ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ብተስፋ ኽሓድር እየ፣ ምኽንያቱ፡ ንዓይ ኣብ መቓብር ኣይትሓድገንን ኢኻ፣ እሙንካ ጥፍኣት ኪርኢ እውን ኣይትፈቅድን ኢኻ። . . . ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ብዓብዪ ሓጐስ ክትመልኣኒ ኢኻ።” (ግብ. 2:25-28፣ መዝ. 16:8-11) የሱስ ከም ዚመውት ይፈልጥ እኳ ነበረ፡ ኣምላኽ ከም ዜተንስኦን ምስ ኣቦኡ ኣብ ሰማይ ዳግም ከም ዚሓብርን ግና ጽኑዕ ተስፋ ነይርዎ እዩ።—እብ. 12:2, 3

6. ሓደ ሓው ብዛዕባ ተስፋ እንታይ እዩ ኢሉ፧

6 ክርስትያናዊት ተስፋና ንብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኪጻወሩ ሓጊዛቶም እያ። ለናርድ ቺን ዚብሃል ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝነበረ እሙን ሓው እስከ ከም ኣብነት ንውሰድ። ንሱ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ወተሃደር ምዃን ብምእባዩ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐነ። ንኽልተ ወርሒ ንበይኑ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ዓጸውዎ፡ ድሕሪኡ ድማ ከቢድ ዕዮ ኣዕየይዎ። እዚ ሓው እዚ ጸኒሑ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “እዚ ተመክሮታተይ፡ ተስፋ ንተጻዋርነት ክሳዕ ክንደይ ከም እትሕግዝ እዩ ኸስተውዕል ሓጊዙኒ። የሱስን ሃዋርያትን ነብያትን ዝሓደጉልና ኣብነት ኣሎና። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተተስፈወልና ኽቡር ተስፋታት እውን ኣሎና። እዚ ዅሉ ኸኣ ብዛዕባ መጻኢ ዓብዪ ተስፋ ይህበና፡ ክንጻወር እውን የጽንዓና እዩ።” ተስፋ ንለናርድ ከም መልህቕ እያ ዀይናትሉ፣ ንዓና እውን ከም መልህቕ ክትኰነልና ትኽእል እያ።

7. ፈተናታት ንተስፋና ዜደልድላ ብኸመይ እዩ፧ (ሮሜ 5:3-5፣ ያእቆብ 1:12)

7 ፈተናታት ምስ ተጻወርና፡ ሓገዝን ስምረትን የሆዋ ኸኣ ምስ ረኸብና፡ ተስፋና ብዝያዳ እያ እትድልድል። (ሮሜ 5:3-5፣ ያእቆብ 1:12 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ፡ ካብቲ ንፈለማ ግዜ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እተቐበልናሉ እዋን ብዝያዳ ዝደልደለት ተስፋ ኸነጥሪ ንኽእል ኢና። ሰይጣን ብፈተናታት ክንስነፍ እዩ ዚደልየና። ብሓገዝ የሆዋ ግና ንዅሉ ፈተናታት ብዓወት ክንሰግሮ ንኽእል ኢና።

ተስፋና ኸም ቍራዕ ርእሲ እያ

8. ተስፋ ኸም ቍራዕ ርእሲ ዝዀነት ብኸመይ እያ፧ (1 ተሰሎንቄ 5:8)

8 መጽሓፍ ቅዱስ ንተስፋ ምስ ቍራዕ ርእሲ የመሳስላ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:8 ኣንብብ።) ሓደ ወተሃደር ንርእሱ ኻብቲ ኻብ ጸላኢ ዚውርወር መጥቃዕቲ ንምክልኻል፡ ቍራዕ ርእሲ ይገብር እዩ። ንሕና እውን ኣብ መንፈሳዊ ውግእ፡ ንኣእምሮና ኻብ መጥቃዕቲ ሰይጣን ክንከላኸለሉ ኣሎና። ሰይጣን ንኣተሓሳስባና ኼበላሹ ብዚኽእል ፈተናታትን ሓሳባትን ኪድብድበና ይፍትን እዩ። ከምቲ ቝራዕ ርእሲ ንርእሲ ወተሃደር ዚከላኸለሉ፡ ተስፋና እውን ንየሆዋ እሙናት ኴንና ምእንቲ ኽንመላለስ ንኣተሓሳስባና ይሕልዎ እዩ።

9. ተስፋ ዘይብሎም ሰባት እንታይ እዮም ዚዀኑ፧

9 ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብጥበብን ብምስትውዓልን ክንመላለስ ትሕግዘና እያ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ተስፋና እንተ ደኺማ፡ ስጋዊ ኣተሓሳስባ እውን ንኣእምሮና ኺቈጻጸሮ እንተ ፈቒድና፡ እቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዘሎና ሸቶ ኺሃስስ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ከም ዝዀኑ እሞ ንርአ። እቶም ሰባት እቲኦም፡ ኣብቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ወሳኒ ነገር፡ ማለት ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ዝነበሮም እምነት ኣጥፍኡ። (1 ቈረ. 15:12) ጳውሎስ ብዛዕባ ናይ መጻኢ ህይወት ተስፋ ዘይብሎም ሰባት፡ ንሎሚ ጥራይ ከም ዚነብሩ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ቈረ. 15:32) ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣብቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት እምነት ዘይብሎም ብዙሓት ሰባት ንሎሚ ጥራይ እዮም ዚነብሩ፡ ማለት ኣብቲ ሕጂ ኺረኽብዎ ዚኽእሉ ተድላ ጥራይ እዮም ዜተኵሩ። ንሕና ግና ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ዘተስፈወና ነገራት ንኣምኖ ኢና። ተስፋና ኸኣ ከም ምሳልያዊ ቝራዕ ርእሲ ብምዃን ንኣተሓሳስባና ተዕቍቦ፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኬበላሽወልና ኻብ ዚኽእል ሕማቕ ዓይነት ኣነባብራ እውን ትሕልወና እያ።—1 ቈረ. 15:33, 34

10. ተስፋ ኻብ ናይ ሓሶት ሓሳባት ከተዕቍበና እትኽእል ብኸመይ እያ፧

10 እታ ብቝራዕ ርእሲ እተመሰለት ተስፋና ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ምጽዓር ዋጋ ዘይብሉ ኸም ዝዀነ ጌርና ኸይንሓስብ እውን ትሕልወና እያ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት፡ ‘ካብቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡ መሸም ኣይከውንን እየ። ብቕዓት የብለይን። ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ መለክዒታት ከማልኦ ኣይክእልን እየ’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ሓደ ኻብቶም ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ እዮብ ዝነበረ ኤሊፋዝ ዚብሃል ሰብ ንእዮብ ተመሳሳሊ ነገር ተዛሪብዎ ነይሩ እዩ። “መዋቲ ሰብ ንጹህ . . . ዚኸውንሲ መን እዩ፧” ኢልዎ ነይሩ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “እንሆ፡ ንሱ [ኣምላኽ] ንቕዱሳቱ ኣይኣምኖምን፡ ሰማያት እኳ ኣብ ኣዒንቱ ንጹህ ኣይኰነን” ኢሉ እዩ። (እዮ. 15:14, 15) ኣቤት ሓሶት! ምንጪ ናይዚ ኣተሓሳስባ እዚ መን ምዃኑ ኣይትረስዕ—ሰይጣን እዩ። ነዚ ሓሳባት እዚ ኣብ ልብኻ እንተ ኣሕዲርካዮ፡ ተስፋኻ ኸም እትቕህም ይፈልጥ እዩ። እምበኣር ነዚ ሓሶት እዚ ንየው በሎ፣ ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከኣ ኣተኵር። የሆዋ ንዘለኣለም ክትነብር ከም ዚደልየካ፡ ነቲ ሸቶታት እቲ ኽትወቅዕ እውን ከም ዚሕግዘካ ፈጺምካ ኣይትጠራጠር።—1 ጢሞ. 2:3, 4

ንተስፋኻ ወትሩ ኣደልድላ

11. ተስፋና ኽሳዕ እትፍጸም ብትዕግስቲ ኽንጽበ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

11 ንተስፋና ወትሩ ድልድልቲ ጌርና ምዕቃብ ቀሊል ኣይኰነን። ንኣምላኽ ክንጽበዮ ኸለና፡ ትዕግስትና ኺጽንቀቕ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ዘለኣለማዊ እዩ፣ ብዛዕባ ግዜ ዘለዎ ኣረኣእያ ድማ ካብ ናትና እተፈልየ እዩ። (2 ጴጥ. 3:8, 9) ዕላማኡ ብዝበለጸ መገዲ እዩ ዚፍጽም። ይኹን እምበር፡ ንሕና ኣብ እንጽበዮ ግዜ ስጕምቲ ኸይወስድ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ነቲ ኣምላኽ ዘተስፈወና ተስፋታት ኪፍጽሞ ብትዕግስቲ እናተጸበና ንተስፋና ወትሩ ምእንቲ ኸነደልድላ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧—ያእ. 5:7, 8

12. ብመሰረት እብራውያን 11:1, 6፡ ተስፋ ምስ እምነት እትተኣሳሰር ብኸመይ እያ፧

12 ናብ የሆዋ እንተ ለጊብና፡ ንተስፋና ድልድልቲ ጌርና ኽንዕቅባ ንኽእል ኢና። ስለምንታይሲ፡ ንሱ እዩ ንተስፋና ውሕስነት ዚህበና። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንተስፋ ምስ እምነት ኣጸቢቑ የተኣሳስራ እዩ። የሆዋ ኸም ዘሎን “ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን” ክንኣምን ኣሎና። (እብራውያን 11:1, 6 ኣንብብ።) የሆዋ ንዓና ብዝያዳ ናይ ሓቂ ብዝዀነልና መጠን፡ ነቲ ዘተስፈወና ኸም ዚፍጽሞ ዘሎና እምንቶ ይዓዝዝ እዩ። እምበኣር፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ እነዕምቘሉ ግብራዊ መገድታት ንርአ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንተስፋና ኸነደልድላ ኢና።

ጸሎትን ምስትንታንን ንተስፋና ወትሩ የደልድላ (ሕጡብ ጽሑፍ 13-15 ርአ) b

13. ከመይ ጌርና ኢና ንኣምላኽ ክንቀርቦ እንኽእል፧

13 ናብ የሆዋ ጸሊ፡ ቃሉ እውን ኣንብብ። ንየሆዋ ኽንርእዮ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ክንቀርቦ ግና ንኽእል ኢና። ከም ዚሰምዓና ተኣማሚንና፡ ብጸሎት ክንዛረቦ ንኽእል ኢና። (ኤር. 29:11, 12) ቃሉ ብምንባብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ብምስትንታንን ከኣ ክንሰምዖ ንኽእል ኢና። የሆዋ ነቶም ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝነበሩ እሙናት ብኸመይ ከም ዝሓለየሎም ከነንብብ ከለና፡ ተስፋና ብዝያዳ እያ እትድልድል። “ብተጻዋርነትናን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡” ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ዅሉ፡ “ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ።”—ሮሜ 15:4

14. ነቲ የሆዋ ንኻልኦት ዝገበረሎም ነገራት ከነስተንትነሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

14 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ቓሉ ዝሓለወሉ ኣጋጣሚታት ኣስተንትን። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ንኣብርሃምን ንሳራን እንታይ ከም ዝገበረሎም እሞ ሕሰብ። ንሳቶም ውሉድ ዚወልዱሉ ዕድመ ሓሊፍዎም እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ውሉድ ከም ዚወልዱ ኣምላኽ ኣተስፈዎም። (ዘፍ. 18:10) እሞ ደኣ ኣብርሃም እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ምእንቲ ኪኸውን . . . ኣሚኑ” ይብለና። (ሮሜ 4:18) ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ኸሎ፡ ተስፋ ዘይብሉ ዚመስል እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ነቲ ዘተስፈዎ ኸም ዚፍጽም ግና ኣብርሃም ኣሚኑ እዩ። እዚ እሙን ሰብኣይ እዚ በዚ ኣይሓፈረን። (ሮሜ 4:19-21) ከምዚ ዝኣመሰለ ዛንታታት፡ የሆዋ ነቲ ብናትና ኣረኣእያ ዘይከውን ዚመስል ዘተስፈወና ነገራት ወትሩ ኸም ዚፍጽሞ ኽንኣምን ከም እንኽእል ይምህረና።

15. ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝገበረልና ነገራት ክንሓስብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

15 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገራት ሕሰብ። ካብቲ ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ኣተስፍዩና ነይሩስ ዝፈጸሞ ነገራት ንስኻ ብብሕቲ ብኸመይ ከም እተጠቐምካ ሕሰብ። ንኣብነት፡ የሱስ፡ ኣቦኡ ንህይወት ዜድልየካ ነገራት ከም ዚህበካ ቓል ኣትዩልካ እዩ። (ማቴ. 6:32, 33) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ንየሆዋ እንተ ለሚንካዮ፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚህበካ መረጋገጺ ሂቡካ እዩ። (ሉቃ. 11:13) የሆዋ ቓሉ ሓልዩ እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ኣብ ህይወትካ ቓሉ ዝሓለወሉ ኻልእ ኣጋጣሚታት ትዝክር ትኸውን። ንኣብነት፡ ይቕረ ኸም ዚብለልካን ከም ዜጸናንዓካን ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ዚምግበካን ቃል ኣትዩ እዩ። (ማቴ. 6:14፣ 24:45፣ 2 ቈረ. 1:3) ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ ዝገበረልካ ነገራት እንተ ኣስተንቲንካ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዚገብረልካ ነገራት ዘሎካ ተስፋ ኺድልድል እዩ።

ብተስፋ ተሓጐስ

16. ተስፋ ኽብርቲ ውህበት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

16 ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ኽቡር ውህበት እዩ። ነቲ ዜደንቕ መጻኢ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ፡ ከም ዚፍጸም እውን ርግጸኛታት ኢና። ተስፋና ኸም መልህቕ እያ፣ ፈተናታት ክንጻወር፡ መስጐጕቲ ኽንጽመም፡ ዋላ እውን ምስ ሞት ፊት ንፊት ክንጋጠም ተጽንዓና እያ። ተስፋና ኸም ቍራዕ ርእሲ እያ፣ ንጌጋ ነጺግና፡ ናብ ቅኑዕ ምእንቲ ኽንለግብ ንኣተሓሳስባና ትሕልዎ እያ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ተስፋና፡ ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ተቕርበና፡ ዕምቈት እቲ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ እውን ተርእየና እያ። ንተስፋና ብርህትን ሓያልን ጌርና እንተ ዓቂብናያ፡ ብዙሕ ንጥቀም ኢና።

17. ብተስፋ እንሕጐስ ስለምንታይ ኢና፧

17 ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ “ብተስፋ ተሓጐሱ” ኢሉ ኣተባቢዕዎም እዩ። (ሮሜ 12:12) ጳውሎስ ብተኣማንነት እንተ ተመላሊሱ ኣብ ሰማይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚረክብ ርግጸኛ ስለ ዝነበረ፡ ኪሕጐስ ይኽእል ነይሩ እዩ። የሆዋ ነቲ ዘተስፈወና ተስፋታት ከም ዚፍጽሞ ርግጸኛታት ስለ ዝዀንና፡ ንሕና እውን ብተስፋና ኽንሕጐስ ንኽእል ኢና። ከምቲ ሓደ ዘማሪ ዝጸሓፎ፡ “ተስፋኡ . . . ኣብ የሆዋ ኣምላኹ ዝገበረ፡ ሕጉስ እዩ፣ ንሱስ . . . ወትሩ እሙን ዝዀነ” ኣምላኽ እዩ።—መዝ. 146:5, 6

መዝሙር 139 ንሓዳስ ዓለም ብኣእምሮኻ ስኣላ

a የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ዜደንቕ ተስፋ ሂቡና ኣሎ። እታ ተስፋ እቲኣ ኸኣ ንህይወትና ተብርሆ፡ ስግር እዚ ሕጂ ዘሎ ፈተናታትና ኽንርኢ እውን ትሕግዘና እያ። ዜጋጥመና ጸገማት ብዘየገድስ፡ እሙናት ኴንና ኽንመላለስ ሓይሊ ትህበና እያ። ንኣተሓሳስባና ኼበላሹ ኻብ ዚኽእል ሓሳባት እውን ተዕቍበና እያ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸም እንርእዮ፡ እዚ ዅሉ ነጥብታት እዚ ንክርስትያናዊት ተስፋና ወትሩ ኸነደልድላ ዚድርኽ ጽቡቕ ምኽንያት ይዀነና እዩ።

b መግለጺ ስእሊ፦ ከምቲ ቝራዕ ርእሲ ንርእሲ ወተሃደር ዚከላኸለሉ፡ መልህቕ እውን ንመርከብ ዜጽንዓ፡ ተስፋና ኸኣ ንሓሳባትና ትሕልዎ፡ ኣብ እዋን ፈተናታት እውን ተጽንዓና። ሓንቲ ሓብቲ ርግጸኛ ዀይና ናብ የሆዋ ትጽሊ። ሓደ ሓው ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ቃሉ ዝሓለወሉ መገድታት የስተንትን። ካልእ ሓው ከኣ ብኸመይ ከም እተባረኸ ይሓስብ።