ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 42

ኣብ ቅድሚ የሆዋ ‘ንጽህናኦም ዚሕልዉ ሕጉሳት እዮም’

ኣብ ቅድሚ የሆዋ ‘ንጽህናኦም ዚሕልዉ ሕጉሳት እዮም’

“ንጽህና ዚሕልዉ፡ ብሕጊ የሆዋ ኸኣ ዚመላለሱ፡ ሕጉሳት እዮም።”—መዝ. 119:1፡ እ.ጽ.።

መዝሙር 124 እሙናት ንኹን

መላለዪ a

ገለ ኻብቶም ብምኽንያት እቲ ንልዑላውነት የሆዋ ዘለዎም ተኣማንነት ተኣሲሮም ዝነበሩ ወይ ገና ተኣሲሮም ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን (ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ርአ)

1-2. (ሀ) ገሊኦም መንግስትታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ እንታይ ስጕምትታት እዮም ወሲዶም፧ ህዝቢ የሆዋ ግና ከመይ እዩ ዚስምዖም፧ (ለ) ከመይ ገይሩ እዩ መስጐጕቲ ሓጐስ ዜምጽእ፧ (ነታ ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ እውን ሓሳብ ሃበላ።)

 ሕጂ ዕዮና ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ኣብ ዚርከባ ኣብ ልዕሊ 30 ሃገራት ተቐዪዱ ወይ ተኣጊዱ ኣሎ። ኣብ ገሊአን እዘን ሃገራት፡ ሰበ ስልጣን ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ኣሲሮምዎም ኣለዉ። እንታይ እዮም በዲሎም፧ ብዓይኒ የሆዋ እንተ ርኢና፡ ዋላ ሓንቲ ኣይበደሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምንባብን ካብ ምጽናዕን፡ እምነቶም ንኻልኦት ካብ ምክፋል፡ ምስ ክርስትያናት ብጾቶም ከኣ ኣብ ኣኼባታት ካብ ምእካብ ሓሊፎም ዋላ ሓንቲ ኣይገበሩን። ብዘይካዚ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ወገን ምሓዝ ኣብዮም እዮም። እዞም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚኦም ብርቱዕ ተቓውሞ እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ንጽህናኦም b ሓልዮም እዮም፣ እቲ ንየሆዋ ዘለዎም ተወፋይነት ነቕ ከም ዘይብል ኣርእዮም እዮም። ከምኡ ብምግባሮም ከኣ ሕጉሳት እዮም!

2 ገሊኡ ስእልታት እዞም ተባዓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንርኢ ኸለና፡ ኣብ ገጾም ፍሽኽታ ኸም ዚንበብ ኣስተብሂልና ንኸውን። ንጽህናኦም ብምሕላዎም፡ የሆዋ ብኣታቶም ባህ ከም ዝበሎ ስለ ዚፈልጡ ሕጉሳት እዮም። (1 ዜና 29:17ሀ) የሱስ፡ “ምእንቲ ጽድቂ ዚስጐጉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም። . . . ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሓጐሱ፡ ባህ እውን ይበልኩም” ኢሉ እዩ።—ማቴ. 5:10-12

ንዓና ዚኸውን ኣብነት

ጴጥሮስን ዮሃንስን ነዞም ኣብዚ ግዜና ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም ንእምነቶም ዚጣበቑ ክርስትያናት ኣብነት ሓዲጎምሎም (ሕጡብ ጽሑፍ 3-4 ርአ)

3. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 4:19, 20 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሃዋርያት ነቲ ዘጋጠሞም መስጐጕቲ እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦም፧ ስለምንታይከ፧

3 ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዜጋጥሞም ዘሎ መስጐጕቲ ኻብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ሃዋርያት ብዛዕባ የሱስ ብምስባኾም ዝወረዶም መስጐጕቲ እተፈልየ ኣይኰነን። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ፈራዶ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንሃዋርያት፡ “ብስም የሱስ ንሓደ እኳ ኸይዛረቡ ወይ ከይምህሩ ኣዘዝዎም።” (ግብ. 4:18፣ 5:27, 28, 40) እሞ ደኣ ሽዑ እቶም ሃዋርያት እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 4:19, 20 ኣንብብ።) ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ኣካል ብዛዕባ ክርስቶስ ‘ንህዝቢ ኺሰብኩን ኣጸቢቖም ኪምስክሩን ከም ዝኣዘዞም’ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ግብ. 10:42) ስለዚ፡ እቶም ከም ኣፈኛታት ኰይኖም ዜገልግሉ ዝነበሩ ጴጥሮስን ዮሃንስን፡ ካብ ነቶም ፈራዶ፡ ንኣምላኽ ከም ዚእዘዙ ብትብዓት ገለጹ፣ ብዛዕባ የሱስ ምዝራብ ደው ከም ዘየብሉ እውን ሓበሩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ነቶም ሰበ ስልጣን፡ ‘ትእዛዝኩም ካብ ናይ ኣምላኽ ይበልጽ ክትብሉዶ ትደፍሩ፧’ ኢሎም እዮም ሓቲቶምዎም።

4. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 5:27-29 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ እቶም ሃዋርያት ንዅሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ሰናይ ኣብነት እዮም ሓዲጎም፧ ንሕናኸ ብኸመይ ክንመስሎም ንኽእል፧

4 እቶም ሃዋርያት፡ ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኪስዕብዎ ዚግባእ ሰናይ ኣብነት እዮም ሓዲጎም፣ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ” ኢሎም እዮም ወሲኖም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:27-29 ኣንብብ።) ንጽህናኦም ብምሕላዎም ምስ ተገርፉ፡ “ምእንቲ ስሙ [ስም የሱስ] ኺሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ [ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ] እናተሓጐሱ ኸዱ፡” ብኡብኡ እውን ስብከቶም ቀጸሉ!—ግብ. 5:40-42

5. እንታይ ሕቶታት ኢና መልሲ ኽንረኽበሉ ዘሎና፧

5 እቲ ሃዋርያት ዝሓደጉልና ኣብነት፡ እተወሰነ ሕቶታት የበግሰልና እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ኻብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኪእዘዙ ዝገበርዎ ውሳነ ምስቲ “ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ይገዝኣዮም” ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ ብኸመይ ይሰማማዕ፧ (ሮሜ 13:1) ኣብ ቅድሚ እቲ ቐንዲ ገዛኢና ዝዀነ ኣምላኽ ንጽህናና እናሓሎና፡ ከመይ ጌርና ኢና ኸምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ‘ንመንግስትታትን ንሰበ ስልጣንን ክንእዘዞም’ እንኽእል፧—ቲቶ. 3:1

‘ኣብ ልዕሌና ዘለዉ ሰበ ስልጣን’

6. (ሀ) እቲ ኣብ ሮሜ 13:1 እተጠቕሰ “ኣብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን” ዚብል ቃላት ንመን የመልክት፧ ንዓታቶምከ እንታይ ግዴታ እዩ ዘሎና፧ (ለ) ብዛዕባ ዅሎም ሰብኣውያን ገዛእቲ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

6 ሮሜ 13:1 ኣንብብ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ እተን “ኣብ ልዕሊኡ ዘለዉ ሰበ ስልጣን” ዚብላ ቓላት ነቶም ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ስልጣን ዘለዎምን ንኻልኦት ኪቈጻጸሩ ዚኽእሉን ሰብኣውያን ገዛእቲ እየን ዜመልክታ። ክርስትያናት ንዓለማውያን ሰበ ስልጣን ይግዝእዎም እዮም። እዞም ገዛእቲ፡ ስርዓት ከም ዚኽበር ይገብሩ፡ ሕጊ ኸም ዚሕሎ ይገብሩ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ንህዝቢ የሆዋ ይከላኸሉሎም እዮም። (ራእ. 12:16) ስለዚ፡ እቲ ንሳቶም ዚጠልብዎ ግብሪ፡ ቀረጽ፡ ፍርሃት፡ ኣኽብሮት ክንህቦም ትእዛዝ ተዋሂቡና ኣሎ። (ሮሜ 13:7) ይኹን እምበር፡ እዞም ዓለማውያን መንግስትታት፡ የሆዋ ስለ ዝፈቐደሎም ጥራይ እዩ ስልጣን ኪህልዎም ክኢሉ። የሱስ በቲ ሮማዊ ሹም ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ እተመርመረሉ እዋን፡ ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ንጹር ገይርዎ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጲላጦስ፡ ንየሱስ ኪፈትሖ ወይ ኪቐትሎ ስልጣን ከም ዘለዎ ምስ ተዛረበ፡ የሱስ፡ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሃበካስ፡ ኣባይ ስልጣን ኣይምሃለወካን ነይሩ” ኢሉ እዩ መሊሱሉ። (ዮሃ. 19:11) ከምቲ ንጲላጦስ ዝነበሮ ስልጣን ድሩት ዝነበረ፡ ንዅሎም እቶም ሎሚ ዘለዉ ሰብኣውያን ገዛእትን ፖለቲከኛታትን ዘለዎም ስልጣን እውን ድሩት እዩ።

7. ኣብ ምንታይ ኵነታት ኢና ንሰብኣውያን ገዛእቲ ዘይንግዝኦም፧ ንሳቶምከ እንታይ እዮም ኪፈልጡ ዘለዎም፧

7 ዓለማዊ ሕግታት ምስ ሕግታት ኣምላኽ ኣብ ዘይጋጨወሉ እዋን፡ ክርስትያናት ንሰብኣውያን መንግስትታት ይግዝኡ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ዝኸልከሎ ነገራት ክንገብር ኪሓትቱና ኸለዉ ወይ ኣምላኽ ዚእዝዘና ነገር ከይንገብር ኪኽልክሉና ኸለዉ፡ ኣይንእዘዞምን ኢና። ንኣብነት፡ ንመንእሰያት፡ ኣባላት ሰራዊት ሃገር ኪዀኑን ኪዋግኡን ይእዝዝዎም ይዀኑ። c ወይ ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስናን ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትናን ይእግድዎ ይዀኑ፣ ከይንሰብኽን ብሓባር ተኣኪብና ኸይነምልኽን እውን ይኽልክሉና ይዀኑ። ገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ መስጐጕቲ ብምውራድ፡ ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ኪጥቀሙሉ ኸለዉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተትቲ ይዀኑ እዮም። የሆዋ ይርእዮም እዩ ዘሎ!—መክ. 5:8

8. ኣብ መንጎ “ኣብ ልዕሊ” ኻልእ ስልጣን ምህላውን ኣብ መንጎ “ልዑል” ምዃንን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧ እዚ ዜገድስከ ስለምንታይ እዩ፧

8 እታ “ኣብ ልዕሊ” እትብል ቃል፡ “ካብ ካልእ ዝለዓለ፡ ዝዓበየ ደረጃ” ኸም ዘሎ ተመልክት። ኰይኑ ግና፡ “ካብ ኵሉ ዝለዓለ፡ ወይ ዝዓበየ” ማለት ኣይኰነትን። ነዚ እትገልጽ “ልዑል” እትብል ካልእ ቃል ኣላ። ሰብኣውያን መንግስትታት ‘ኣብ ልዕሌና ሰበ ስልጣን’ ከም ዝዀኑ ጌርካ እኳ እንተ ተገልጹ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ልዑል ዝዀነ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ ግና ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ “እቲ ልዑል” ተባሂሉ ብዙሕ ሳዕ ተጸዊዑ ኣሎ።—ዳን. 7:18, 22, 25, 27

“እቲ ልዑል”

9. ነብዪ ዳንኤል እንታይ እዩ ብራእይ ርእዩ፧

9 ነብዪ ዳንኤል፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስልጣናት ልዑል ምዃኑ ብንጹር ዚሕብር ራእያት ርእዩ እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ኣብ ሕሉፍ ንዝነበሩን ሕጂ ንዘለዉን ሓይልታት ዓለም ዜመልክቱ ኣርባዕተ ሓይልታት ዓለም እዩ ርእዩ። እቶም ሓይልታት ዓለም ከኣ፡ ባቢሎን፡ ሜዶንን ፋርስን፡ ግሪኽ፡ ሮሜን እቲ ኻብኡ ዝወጸ ሕጂ ዘሎ ኣንግሎ-ኣመሪካን እዮም። (ዳን. 7:1-3, 17) ድሕሪኡ ኸኣ፡ ዳንኤል ንየሆዋ ኣምላኽ ኣብ ሰማያዊ ዝፋኑ ተቐሚጡ ረኣዮ። (ዳን. 7:9, 10) እቲ እሙን ነብዪ ቐጺሉ ዝረኣዮ ነገር ነዞም ሎሚ ዘለዉ ገዛእቲ መጠንቀቕታ ኪዀኖም ኣለዎ።

10. ብመሰረት ዳንኤል 7:13, 14, 27፡ ንመን እዩ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺገዝኡ ግዝኣት ዝሃቦም፧ እዚኸ ብዛዕባኡ እንታይ እዩ ዜረጋግጸልና፧

10 ዳንኤል 7:13, 14, 27 ኣንብብ። ኣምላኽ ንዅሉ ግዝኣት ካብ ሰብኣውያን መንግስትታት ወሲዱ ብዝያዳ ንዚግብኦምን ብዝያዳ ሓያላት ንዝዀኑን ካልኦት ሃቦም። ንመን እዩ ሂብዎም፧ ነቲ “ወዲ ሰብ ዚመስል” እተባህለ የሱስ ክርስቶስን ነቶም “ናይቲ ልዑል ቅዱሳት” እተባህሉ 144,000ን “ንዘለኣለመ ኣለም” ኪገዝኡ እዩ ሂብዎም። (ዳን. 7:18) ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ንምውሳድ ስልጣን ዘለዎ የሆዋ በይኑ ስለ ዝዀነ፡ ብንጹር ንሱ “እቲ ልዑል” እዩ።

11. እንታይ ዳንኤል ዝጸሓፎ ኻልእ ነገር እዩ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ልዑል ምዃኑ ዜርኢ፧

11 እቲ ዳንኤል ብራእይ ዝረኣዮ ነገር ምስቲ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ነገር ይሰማማዕ እዩ። ዳንኤል፡ “ኣምላኽ ሰማይ . . . ነገስታት የልግስ፡ ነገስታት እውን የቕውም” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ገዛኢ ምዃኑ፡ ንዝደለዮ ድማ ከም ዚህባ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ዳን. 2:19-21፣ 4:17) እሞ ደኣ የሆዋ ንገዛእቲ ዘልገሰሉ ወይ ዘቘመሉ ኣጋጣሚታት ነይሩዶ፧ እሂናይ ደኣ!

የሆዋ ነታ መንግስቲ ኻብ ቤልሻጽር ወሲዱ ንሜዶናውያንን ንፋርሳውያንን ሃባ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. ኣብ ሕሉፍ ግዜያት፡ የሆዋ ንነገስታት ካብ ዝፋናቶም ከም ዘልገሰ ዜርኢ ኣብነት ሃብ። (ስእሊ ርአ።)

12 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ‘ሰበ ስልጣን’ ልዑል ምዃኑ ብንጹር ኣርእዩ እዩ። ሰለስተ ኣብነታት እስከ ንርአ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ንህዝቢ የሆዋ ባሮት ገበሮም፣ ኪሓድጎም ብተደጋጋሚ ንዝቐረበሉ ሕቶ እውን ምቕባል ኣበየ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ናጻ ኣውጽኦም፡ ንፈርኦን እውን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣጥሓሎ። (ዘጸ. 14:26-28፣ መዝ. 136:15) ኣብ ካልእ ግዜ ድማ፡ ቤልሻጽር ንጉስ ባቢሎን ድግስ ገበረ፣ ኣብኡ ኸኣ ‘ነቲ ጐይታ ሰማያት ርእሱ ልዕል ኣበለሉ፡’ ኣብ ክንዲ ንየሆዋ ድማ ‘ንኣማልኽቲ ብሩርን ወርቅን ወደሰ።’ (ዳን. 5:22, 23) ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ነቲ ዕቡይ ሰብኣይ ኣዋረዶ። “በታ ለይቲ እቲኣ” ቤልሻጽር ተቐትለ፣ መንግስቱ እውን ንሜዶናውያንን ንፋርሳውያንን ተዋህበት። (ዳን. 5:28, 30, 31) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ ንጉስ ሄሮድስ ኣግሪጳ ቐዳማይ ንሃዋርያ ያእቆብ ኣቕተሎ፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ፡ ኪቐትሎ እውን ሓሊኑ ነበረ። የሆዋ ግና ንሄሮድስ ሓሳቡ ኸይገብር ዓገቶ። “መልኣኽ የሆዋ” ኸኣ ንሄሮድስ “ወቕዖ፡” ንሱ እውን ሞተ።—ግብ. 12:1-5, 21-23

13. የሆዋ ንዝሰመሩ ገዛእቲ ኸም ዝሰዓረ ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

13 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ስሙራት ገዛእቲ ልዑል ምዃኑ እውን ኣርእዩ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ንእስራኤላውያን ተዋጊኡሎም፡ ኪዳን ንዝገበሩ 31 ነገስታት ከነኣን ኬጥፍኡ ኣኽኢልዎም፡ ንመብዛሕትኡ ኽፋል ምድሪ ተስፋ ኺቈጻጸሩ እውን ሓጊዝዎም እዩ። (እያ. 11:4-6, 20፣ 12:1, 7, 24) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ነቶም ምስ እስራኤል እተዋግኡ ንጉስ ቤን-ሃዳድን 32 ገዛእቲ ሶርያን ደምሲስዎም እዩ።—1 ነገ. 20:1, 26-29

14-15. (ሀ) ንጉስ ነቡካድነጻርን ንጉስ ዳርዮስን ብዛዕባ ልዑላውነት የሆዋ እንታይ እዮም ኢሎም፧ (ለ) ሓደ ዘማሪ ብዛዕባ የሆዋን ህዝቡን እንታይ እዩ ኢሉ፧

14 የሆዋ ንሱ እቲ ልዑል ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣርእዩ እዩ። ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንየሆዋ ውዳሰ ኸም ዚግባእ ብትሕትና ኣብ ክንዲ ዚእመን፡ ብዛዕባ ‘ክብሪ ግርማኡን ብርታዐኡን ሓይሉን’ ምስ ተመክሐ፡ የሆዋ ብጽላለ ወቕዖ። ነቡካድነጻር ካብ ጽላለኡ ምስ ሓወየ ‘ነቲ ልዑል ወደሶ፡’ “ግዝኣቱ [ግዝኣት የሆዋ] ዘለኣለማዊ ግዝኣት” ምዃኑ እውን ተኣመነ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ኪዓግቶ. . . ዚኽእል እውን የልቦን” በለ። (ዳን. 4:30, 33-35) ዳንኤል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎ ንጽህና ምስ ተፈተነ እሞ ንሱ ኻብ ጕድጓድ ኣናብስ ምስ ኣድሓኖ፡ ንጉስ ዳርዮስ፡ “ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዳንኤል ብፍርሂ ራዕራዕ ኪብሉ ትእዛዝ አውጽእ ኣለኹ። ንሱስ ንዘለኣለም ዚነብር ህያው ኣምላኽ እዩ። መንግስቱ ኸቶ ኣይትጠፍእን እያ፣ ልዑላውነቱ እውን ዘለኣለማዊ እዩ” በለ።—ዳን. 6:7-10, 19-22, 26, 27፡ እ.ጽ።

15 ሓደ ዘማሪ፡ “የሆዋ ንተንኰል ኣህዛብ ኣፍሺልዎ፣ ንውጥናት ህዝብታት ኣተዓናቒፍዎ” ኢሉ ትዕዝብቱ ገሊጹ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “የሆዋ ዝኣምላኹ፡ ርስቱ ገይሩ ድማ ዝሓረዮ ህዝቢ ሕጉስ እዩ” ኢሉ ሓሳቡ ገሊጹ ኣሎ። (መዝ. 33:10, 12) እዝስ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎና ንጽህና ኽንሕሉ ዚድርኸና ጽቡቕ ምኽንያት ደይኰነን፧

ናይ መወዳእታ ውግእ

ስሙራት ኣህዛብ ምስቶም ሰማያውያን ሓይልታት የሆዋ ኣይኪዳረጉን እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 16-17 ርአ)

16. ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” እንታይ ከም ዚኸውን ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ ስለምንታይከ፧ (ስእሊ ርአ።)

16 የሆዋ ኣብ ሕሉፍ እንታይ ከም ዝገበረ ኣንቢብና ኢና። ኣብ ቀረባ ግዜ ደኣ እንታይ ኢና እንጽበ፧ የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኻብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ኸም ዜድሕኖም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ማቴ. 24:21፣ ዳን. 12:1) እቶም ጎግ ብዓል ማጎግ ተባሂሎም ዚፍለጡ ስሙራት ኣህዛብ ኣብ ልዕሊ እቶም ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ኣገልገልቱ ዓለምለኻዊ መጥቃዕቲ ምስ ፈነዉ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኼድሕኖም እዩ። እቶም ስሙራት ኣህዛብ ንዅለን እተን 193 ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዜጠቓልሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ምስቲ ልዑልን ምስ ሰማያዊ ሓይልታቱን ዚዳረጉ ኣይኪዀኑን እዮም! የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ቓል ኣትዩ ኣሎ፦ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ብዙሓት ኣህዛብ ድማ ብርግጽ ክዓብን ክቕደስን ክፍለጥን እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።”—ህዝ. 38:14-16, 23፣ መዝ. 46:10

17. ኣብ መጻኢ ነገስታት ምድሪ እንታይ ከም ዚዀኑን እቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጽህናኦም ዚሕልዉ እንታይ ከም ዚዀኑን እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ ዘሎ፧

17 ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ጎግ፡ እቲ ኣብ ኣርማጌዶን ዚግበር ናይ መወዳእታ ውግእ የሆዋ ኺውላዕ እዩ። የሆዋ ድማ ን“ነገስታት ብዘላ ዓለም” ኬጥፍኦም እዩ። (ራእ. 16:14, 16፣ 19:19-21) ሽዑ፡ “ቅኑዓት ጥራይ እዮም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ፣ ንጽህናኦም ዚሕልዉ ኸኣ እዮም ኣብኣ ዚተርፉ።”—ምሳ. 2:21፡ እ.ጽ.።

ንጽህናና ኽንሕሉ ኣሎና

18. ብዙሓት ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ንምግባር እዮም ፍቓደኛታት ኰይኖም፧ ስለምንታይከ፧ (ዳንኤል 3:28)

18 ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኰነ ሕጂ፡ ብዙሓት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንየሆዋ ስለ ዜፍቅርዎን ከም ልዑላዊ ገዛኢኦም ገይሮም ስለ እተቐበልዎን ናጽነቶም ኰነ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም እዮም። እዞም ንጽህናኦም ዝሓለዉ ክርስትያናት ከምቲ እቶም ሰለስተ እብራውያን ዝነበሮም ዓይነት ቈራጽነት እዩ ዘለዎም። እቶም ሰለስተ እብራውያን ነቲ ልዑል እሙናት ብምዃኖም ካብ ጕሁር እቶን ሓዊ ድሒኖም እዮም።—ዳንኤል 3:28 ኣንብብ።

19. የሆዋ ንህዝቡ ብመሰረት እንታይ እዩ ዚፈርዶም፧ እሞ ደኣ ሕጂ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

19 ዳዊት እቲ ዘማሪ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጽህና ምሕላው ብዛዕባ ዘለዎ ኣገዳስነት ኪገልጽ ከሎ፡ “የሆዋ ንህዝብታት ኪፈርዶም እዩ። ኦ የሆዋ፡ ከም ጽድቀይን ከም ንጽህናይን ፍረደኒ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መዝ. 7:8) ብዘይካዚ እውን፡ “ንጽህናን ቅንዕናን ይሓልዋኒ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መዝ. 25:21) እምበኣር፡ ብሉጽ ህይወት ዚብሃል፡ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ፡ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ከየጕደልና ንዕኡ እሙናት ኴንና ምምልላስ እዩ! ከምኡ እንተ ጌርና፡ ከምቲ “ንጽህና ዚሕልዉ፡ ብሕጊ የሆዋ ኸኣ ዚመላለሱ፡ ሕጉሳት እዮም” ኢሉ ዝጸሓፈ ዘማሪ ኺስምዓና ይኽእል እዩ።—መዝ. 119:1፡ እ.ጽ.።

መዝሙር 122 ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ!

a መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ ልዕሊኦም ዘለዉ ሰበ ስልጣን፡ ማለት ንሰበ ስልጣን መንግስትታት እዛ ዓለም ኪእዘዙ ይምዕዶም እዩ። ገሊኦም መንግስትታት ግና ንየሆዋን ንኣገልገልቱን ብቕሉዕ ይቃወምዎም እዮም። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ንሰብኣውያን ገዛእቲ ኽንእዘዞምን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎና ንጽህና ኽንሕሉን እንኽእል፧

b መግለጺ ቓላት፦ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጽህና ምሕላው ኪብሃል ከሎ፡ ዋላ እውን ኣብ ትሕቲ ፈተና እንተ ዀንና፡ ኣብቲ ንዕኡን ንልዑላውነቱን ዘሎና ተኣማንነት ከቶ ኣይንለማለምን ማለት እዩ።