ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥንታውያን እስራኤላውያን ይዋግኡ ኻብ ነበሩ፡ ንሕናኸ ስለምንታይ ዘይንዋጋእ፧

ጥንታውያን እስራኤላውያን ይዋግኡ ኻብ ነበሩ፡ ንሕናኸ ስለምንታይ ዘይንዋጋእ፧

“ዋላ ሓደ ኻባኻትኩም ምስ ፈረንሳ ወይ ዓዲ እንግሊዝ ምውጋእ እንተ ኣብዩ፡ ኵላትኩም ክትሞቱ ኢኹም!” ሓደ መኰንን ናዚ እዩ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ኢሉ ዝጨደረሎም። ክሳዕ ኣፍንጫኦም እተዓጥቁ ወተሃደራት ናዚ ኣብቲ ጥቓኦም እኳ እንተ ነበሩ፡ ዋላ ሓደ ኻብቶም ኣሕዋት በዚ ኣይተሰነፈን። ከመይ ዝበለ ትብዓት ዝመልኦ መትከል ኰን እዮም ኣርእዮም! እዚ ኣብነት እዚ፡ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎና ኣረኣእያ ዜጕልሕ እዩ። ኣብዚ ናይዚ ዓለም ውግኣት ኣይንሳተፍን ኢና። ዋላ እውን ከም ዚቐትሉና እንተ ኣጕባዕብዑልና፡ ኣብ ግጭታት ዓለም ወገን ኣይንሕዝን ኢና።

እንተዀነ ግና፡ ኵሎም እቶም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ኣይኰኑን ምስዚ ኣረኣእያ እዚ ዚሰማምዑ። ብዙሓት ሰባት፡ ሓደ ክርስትያናት ንሃገሩ ኺከላኸለላ ኸም ዘለዎ ይኣምኑ እዮም። ‘ጥንታውያን እስራኤላውያን ህዝቢ ኣምላኽ እዮም ነይሮም። ውግእ ከኣ ይዋግኡ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ከምኡ ኸይገብሩ እንታይ ይዓግቶም፧’ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧ ጥንታውያን እስራኤላውያን ዝነበሮም ኵነታት፡ ካብቲ ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዎም ኵነታት ኣጸቢቑ ኸም ዚፍለ ኽትገልጸሎም ትኽእል ኢኻ። ሓሙሽተ ኻብዚ ፍልልያት እዚ እስከ ንርአ።

1. ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ሓደ ህዝቢ እዮም ነይሮም

ኣብ ሕሉፍ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ሓደ ህዝቢ፡ ማለት ኣብ ህዝቢ እስራኤል እዩ ኣኪብዎም ነይሩ። ንእስራኤላውያን ከኣ፡ “ካብ ኵሎም ህዝብታት . . . ፍሉይ ጥሪተይ” ኢሉ እዩ ዚጽውዖም ነይሩ። (ዘጸ. 19:5) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኪከላኸሉላ ዘለዎም ሃገር ሂብዎም ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ምስ ካልኦት ኣህዛብ ኪዋግኡ ኺእዝዞም ከሎ፡ ምስ ከማታቶም ዝኣመሰሉ ኣምለኽቲ ኣይኰኑን ዚዋግኡ ነይሮም፣ ንኸማታቶም ኣምለኽቲ እውን ኣይኰኑን ዚቐትሉ ነይሮም። a

ሎሚ፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን” እተኣከቡ እዮም። (ራእ. 7:9) ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ውግእ እንተ ዚሳተፉ ነይሮም፡ ንሓድሕዶም ምተዋግኡ፡ ንሓድሕዶም እውን ምተቓታተሉ።

2. የሆዋ ንእስራኤላውያን ኪዋግኡ ይእዝዞም ነይሩ እዩ

ኣብ ሕሉፍ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን መዓስን ስለምንታይን ኪዋግኡ ኸም ዘለዎም ይውስነሎም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን፡ ፍርዱ ኣብ ልዕሊ ከነኣናውያን ኪፍጽሙ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። ስለምንታይሲ፡ ከነኣናውያን ኣብ ኣምልኾ ኣጋንንትን ዜፈንፍን ምንዝርናን መስዋእቲ ሕጻናትን ብምስታፍ ዕሉላት እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ነዚ እኩይ ጽልዋ እዚ ኻብታ ንዓታቶም ዘተስፈዋ ምድሪ ኼርሕቑ ኣዘዞም። (ዘሌ. 18:24, 25) ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ሰፈሩ ኸኣ፡ ሓድሓደ ግዜ ንገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ምስ ጨቈንቲ ጸላእቶም ኪዋግኡ ይፈቕደሎም ነይሩ እዩ። (2 ሳሙ. 5:17-25) ይኹን እምበር፡ ባዕላቶም ንውግእ ምውፋር ኪውስኑ ፈቒዱሎም ኣይፈልጥን እዩ። ከምኡ ምስ ዚገብሩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሕማቕ ሳዕቤን እዮም ዚዓጽዱ ነይሮም።—ዘሁ. 14:41-45፣ 2 ዜና 35:20-24

ሎሚ፡ የሆዋ ንሰባት፡ ንሓድሕዶም ኪዋግኡ ፍቓድ ኣይሃቦምን። ኣህዛብ ምእንቲ ሰብኣዊ ረብሓታት ኢሎም ደኣ እምበር፡ ምእንቲ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኢሎም ኣይኰኑን ዚዋግኡ። ብሰንኪ ዶብ፡ ቍጠባ፡ ፖለቲካ፡ ወይ ስነ ሓሳብ ኪዋግኡ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ እቶም ንኣምልኾኦም ንምክልኻል ወይ ንጸላእቲ ኣምላኽ ንምቕታል፡ ብስም ኣምላኽ ኢና እንዋጋእ ዚብሉ ደኣኸ፧ የሆዋ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ኼዕቍቦም፡ ንጸላእቱ እውን ኣብ ናይ መጻኢ ውግእ፡ ማለት ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ኬጥፍኦም እዩ። (ራእ. 16:14, 16) ኣብቲ ውግእ እቲ፡ ሰራዊት ኣምላኽ ብሰብኣውያን ኣምለኽቱ ዘይኰነስ፡ ምሉእ ብምሉእ ብሰማያውያን ሓይልታት እዩ ዚቐውም።—ራእ. 19:11-15

3. እስራኤላውያን ነቶም እምነት ዘርኣዩ ይንሕፍዎም ነይሮም እዮም

ኣብቲ ምስ ያሪኮ እተገብረ ውግእ የሆዋ፡ ረሃብን ቤተ ሰባን ተናሒፎም እዮም፣ እሞ ደኣ ሎሚ ኣብ ዚግበር ውግእሲ እቶም እሙናት ዘበሉዶ ይንሓፉ እዮም፧

ኣብ ሕሉፍ፡ ሰራዊት እስራኤል መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ ምሕረት የርእይዎም ነይሮም እዮም። ነቶም የሆዋ ኪቕተሉ ዝፈረዶም ጥራይ እዮም ዚቐትሉ ነይሮም። ኣብዚ መዳይ እዚ ኽልተ ኣብነት እስከ ንርአ። የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ንያሪኮ ኼጥፍእዋ እኳ እንተ ኣዘዞም፡ ረሃብ እምነት ስለ ዘርኣየት ግና ንዓኣን ንስድራ ቤታን ንሒፎምዋ እዮም። (እያ. 2:9-16፣ 6:16, 17) ብዘይካዚ፡ ጊብዖናውያን ጥዑይ ፍርሃት ኣምላኽ ስለ ዘርኣዩ፡ ብዘላ እታ ጊብዖን እትብሃል ከተማኦም ተናሒፋ እያ።—እያ. 9:3-9, 17-19

ሎሚ፡ ኣህዛብ ኪዋግኡ ኸለዉ፡ ነቶም እምነት ዜርእዩ ኣይንሕፍዎምን እዮም። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዚግበር ውግእ፡ ንጹሃት ሲቭል ይቕተሉ እዮም።

4. እስራኤላውያን ነቲ ኣምላኽ ዝሓገገሎም ሕግታት ውግእ ኪስዕቡ ነይርዎም

ኣብ ሕሉፍ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ተዋጋእቲ ብመሰረት መምርሒኡ እዩ ኺዋግኡ ዚጽበዮም ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ነታ ዚዋግእዋ ኸተማ “ጻውዒት ሰላም” ኬቕርቡላ ይሓትቶም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 20:10) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ተዋጋእቲ ብኣካላዊ ዀነ ብስነ ምግባራዊ መዳይ ንጽህና ሰፈሮም ኪሕልዉ ይጽበዮም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 23:9-14) ሰራዊት እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ መብዛሕትኡ ግዜ ነተን ዝማረኽወን ኣንስቲ ይዕምጹ እኳ እንተ ነበሩ፡ የሆዋ ግና ንእስራኤላውያን ከምኡ ኸይገብሩ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ንሓንቲ እተማረኸት ሰበይቲ ኻብቲ እተማረኸትሉ ሓደ ወርሒ ኽሳዕ ዚመልእ ሰበይቶም ገይሮም ኪወስድዋ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም።—ዘዳ. 21:10-13

ሎሚ፡ ብዙሓት ሃገራት ንውግእ ስርዓት ዜትሕዝ ኣህጉራዊ ስምምዓት ከቲመን እየን። እዚ ንሲቭል ንምዕቋብ ተሓሲቡ እኳ እንተ ተገብረ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግና እቲ ሕግታት ይጠሓስ እዩ።

5. ኣምላኽ ንህዝቡ ይዋግኣሎም ነይሩ እዩ

ኣምላኽ ከምቲ ንእስራኤላውያን ኣብ ያሪኮ እተዋግኣሎም ገይሩስ ሎሚ ንዝዀነ ህዝቢ ይዋግኣሉ ድዩ፧

ኣብ ሕሉፍ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ይዋግኣሎም ነይሩ እዩ፣ መብዛሕትኡ እዋን እውን ብተኣምራዊ መገዲ ዓወት ይህቦም ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ የሆዋ ንእስራኤላውያን ንኸተማ ያሪኮ ንምስዓር ብኸመይ ሓጊዝዎም፧ እስራኤላውያን በቲ ኻብ የሆዋ እተዋህቦም መምርሒ “ዓብዪ ጭድርታ ውግእ ምስ ጨደሩ፡ እቲ መካበብያ ናብ ታሕቲ ወደቐ፣” በዚ ኸምዚ ድማ ነታ ኸተማ ብቐሊሉ ኺሕዝዋ ኸኣሉ። (እያ. 6:20) ኣብቲ ምስ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ውግእከ ብኸመይ እዮም ተዓዊቶም፧ “የሆዋ ዓበይቲ ኣእማን በረድ ካብ ሰማይ ኣውደቐሎም እሞ፡ ሞቱ። ካብቶም ብሰይፊ እስራኤላውያን ዝሞቱስ፡ እቶም ብበረድ ዝሞቱ በዝሑ።”—እያ. 10:6-11

ሎሚ፡ የሆዋ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ዋላ ሓደ ህዝቢ ኣይዋግኣሉን እዩ። እታ የሱስ ዝንጉሳ መንግስቱ፡ “ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን።” (ዮሃ. 18:36) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ሰይጣን እዩ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሰብኣውያን መንግስትታት ስልጣን ዘለዎ። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዚግበር ዘሎ ዜስካሕክሕ ውግእ ነቲ እኩይ መንፈሱ እዩ ዜንጸባርቕ።—ሉቃ. 4:5, 6፣ 1 ዮሃ. 5:19

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ገበርቲ ሰላም እዮም

ከምዚ ዝረኣናዮ፡ ኵነታትና ምስቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዅነታት ኣጸቢቑ ይፈላለ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብምኽንያት እዚ ዅነታት ጥራይ ኣይኰነን ዘይንዋጋእ። ካልእ ምኽንያታት እውን ኣሎና። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ እቶም ብእኡ ዚምሃሩ ኣሽምባይዶ ኣብ ውግእ ኪሳተፉስ፡ ‘ደጊም ውግእ ከም ዘይምሃሩ’ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 2:2-4) ብተወሳኺ እውን፡ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” ኢልዎም ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ ኣብ ግጭታት ዓለም ወገን ኣይሕዙን እዮም።—ዮሃ. 15:19

ብዘይካዚ፡ ክርስቶስ ንሰዓብቱ፡ ካብዚ ንላዕሊ ኺገብሩ ተማሕጺንዎም እዩ። ናብ ቅሬታን ቝጥዓን ውግእን ዚምርሕ ኣረኣእያታት ኬወግዱ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴ. 5:21, 22) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ “ገበርቲ ሰላም” ኪዀኑን ንጸላእቶም ኬፍቅሩን ኣዚዝዎም እዩ።—ማቴ. 5:9, 44

እሞ ደኣ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከመይ ኢና፧ መሸም ናብ ውግእ ክንኣቱ ድሌት የብልናን። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ጉባኤና ግጭት ወይ ክፍፍል ኪፈጥር ዚኽእል ኣሰር ጽልኢ ኣብ ልብና ኣሎዶ፧ እምበኣር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ካብ ውሽጥና ነወግድ።—ያእ. 4:1, 11

ኣብ ናይ ኣህዛብ ግጭታት ኣብ ክንዲ ምስታፍ፡ ኣብ መንጎ ሓድሕድና ሰላምን ፍቕርን ኢና ኸም ዚሰፍን ክንገብር እንጽዕር። (ዮሃ. 13:34, 35) እምበኣር፡ ነታ የሆዋ ንዅሉ ውግእ ንዘለኣለም ዜወግደላ መዓልቲ እናተጸበና፡ ገለልትነትና ንሓሉ።—መዝ. 46:9

a ሓድሓደ ግዜ፡ ነገዳት እስራኤል ንሓድሕዶም ይዋግኡ ነይሮም እዮም። እዚ ውሽጣዊ ውግኣት ግና ንየሆዋ ባህ ኣየብሎን እዩ ነይሩ። (1 ነገ. 12:24) ሓሓሊፉ ግና፡ ገሊኦም ነገዳት ካብኡ ብምዕላዎም ወይ ከቢድ ሓጢኣት ብምግባሮም፡ ነዚ ግጭታት እዚ ሰሚርዎ ነይሩ እዩ።—መሳ. 20:3-35፣ 2 ዜና 13:3-18፣ 25:14-22፣ 28:1-8