1922—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት
“ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዓወት ዝሃበና ኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ!” (1 ቈረ. 15:57) እዘን ጥቕሲ ዓመት 1922 ኰይነን እተሓርያ ቓላት፡ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ስለቲ ተኣማንነቶም ዓስቢ ኸም ዚረኽቡ መረጋገጺ ዀናኦም። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ የሆዋ ነዞም ቀናኣት ሰበኽቲ ዓስቦም ሂብዎም እዩ። መጻሕፍቶም ምሕታምን ምጥራዝን፡ ከምኡ እውን ሓቅታት መንግስቲ ኣምላኽ ብረድዮ ምዝርጋሕ ምስ ጀመሩ ባሪኽዎም እዩ። ድሕሪኡ፡ ገና ኣብ 1922፡ የሆዋ ንህዝቡ ይባርኾም ከም ዘሎ ዳግም ንጹር ኰነ። ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ.፡ ታሪኻዊ ዓብዪ ኣኼባ ኺገብሩ ኸኣሉ። እቲ ዓብዪ ኣኼባ እቲ ኣብ ኣንፈት ውድብ የሆዋ ኽሳዕ እዚ ግዜና ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ።
“መሳጢ ሓሳብ”
ዕዮ ስብከት እናሰፍሐ ምስ ከደ፡ ጽሑፋትና ዘለዎ ተደላይነት እናወሰኸ ኸደ። ኣብ ብሩክሊን ቤት-ኤል ዚርከቡ ኣሕዋትና፡ መጽሔታት የፍርዩ ነይሮም እዮም። ተሪር ገበር ዘለዎ መጻሕፍቲ ግና ብናይ ንግዲ ትካላት እዮም ዜፍርይዎ ነይሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንኣዋርሕ ሕጽረት መጻሕፍቲ ምስ ኣጋጠመ እሞ ንዕዮ ስብከትና ዕንቅፋት ምስ ኰኖ፡ ሓውና ራዘርፎርድ ነቲ ኣካያዲ ፋብሪካ ዝነበረ ሮበርት ማርቲን፡ ባዕልና መጻሕፍቲ ኸነፍሪ ዚከኣል እንተ ዀይኑ ሕቶ ኣቕረበሉ።
ሓውና ማርቲን ከኣ ብዛዕባ እዚ፡ “እዚ መሳጢ ሓሳብ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ፊደላት ናይ ምልቃምን ናይ ምልባጥን ናይ ምሕታምን ናይ ምጥራዝን ምሉእ መስርሕ ክንከፍት ነይሩና” ኢሉ ተዘክሮኡ ገለጸ። ስለዚ፡ ኣሕዋት ኣብ ብሩክሊን፡ ኣብ 18 ኮንኮርድ ስትሪት ቦታ ተኻረዩ፣ ዜድሊ ናውቲ እውን ረኸቡ።
በዚ ምዕባለ እዚ ግና ኵሉ ኣይኰነን ተሓጒሱ። ፕረዚደንት እታ ንመብዛሕትኡ መጻሕፍትና እተፍሪ ዝነበረት ኩባንያ፡ ነቲ ሓድሽ ፋብሪካ ድሕሪ ምብጻሕ ከምዚ በለ፦ “ኣብዚ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዚስራዕ ትካል ሕትመት እኳ እንተ ኣሎኩም፡ ነዚ መሳርሒታት እዚ ብኸመይ ከም ዚዕየየሉ ዚፈልጥ ዋላ ሓደ ሰብ የብልኩምን። ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ እዚ ዅሉ ማሺናት ኪሰባበር እዩ።”
ሓውና ማርቲን ከኣ ነዚ ብዚምልከት፡ “ሽዑ እቲ ነገር ከምኡ ይመስል እኳ እንተ ነበረ፡ ንጐይታ ኣብ ግምት ዘእተወ ግና ኣይነበረን፣ ንሱ ድማ ወትሩ ምሳና እዩ” በለ። ሓቁ እዩ ነይሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ሓድሽ መጠረዚ መጻሕፍቲ ኣብ መዓልቲ 2,000 መጻሕፍቲ የፍሪ ነበረ።
ንኣሽሓት ብረድዮ ንምብጻሕ እተገብረ ዕዮ
ህዝቢ የሆዋ ኣብ ርእሲ እቲ ባዕሎም መጻሕፍቶም ንምሕታም ዚገብርዎ ዝነበሩ ዕዮ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብሓድሽ ሜላ ኺዝርግሑ ጀመሩ፣ እዚ ኸኣ ፈነወ ረድዮ እዩ ነይሩ። ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ 26 ለካቲት 1922፡ ሓውና ራዘርፎርድ ንፈለማ ግዜ ብረድዮ ተዛረበ። ኣብ ሎስ ኣንጀለስ፡ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዚርከብ መደበር ረድዮ ኬ.ኦ.ጂ.፡ “ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ሚልዮናት ፈጺሞም ኣይኪሞቱን እዮም” ዘርእስቱ መደረ ኣቕረበ።
ብግምት 25,000 ሰባት ነቲ ፕሮግራም ሰምዕዎ። ገለ ኻባታቶም ከኣ ነቲ ፈነወ ዘለዎም ሞሳ ዚገልጽ ደብዳበታት ለኣኹ። ሓንቲ ኻብተን ደብዳበታት፡ ኣብ ሳንታ ኣና፡ ካሊፎርንያ ዚቕመጥ ዊላርድ ኣሽፎርድ ዝለኣኻ እያ ነይራ። ንሱ ድማ ንሓውና ራዘርፎርድ ስለቲ “ባህ ዜብልን መሳጥን” ኣቀራርባኡ ነኣዶ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ካብቶም ኣብ ገዛና ዝነበርና፡ ሰለስተ ሓሚምና ብምንባርና፡ ዋላ እውን ኣብ ዚቕጽል ኣንጎሎ መጺእካ መደረ እንተ ተቕርብ፡ ብዘይካ በዚ ብኻልእ ክንሰምዓካ ኣይንኽእልን ኢና ኔርና” በሎ።
ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ሰሙናት፡ ተወሳኺ ፈነወ ተገብረ። ክሳዕ መወዳእታ እቲ ዓመት እቲ፡ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኸም ዝገመተቶ፡ “እንተ ወሓደ 300,000 ሰባት በቲ መስመር ኣልቦ [ረድዮ] እቲ መልእኽቲ በጽሖም።”
እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ በዚ ተተባቢዖም ካብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቤት-ኤል ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ስታተን ኣይላንድ ዚብሃል ቦታ መደበር ረድዮ ሰርሑ። እቲ ስዒቡ ዝነበረ ዓመታት፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብሰፊሑ ንምዝርጋሕ ነዚ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. ዚብሃል መደበር ተጠቕሙ።
“ADV”
ናይ 15 ሰነ 1922 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ሰዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ፡ ካብ 5 ኽሳዕ 13 መስከረም 1922 ሓፈሻዊ ኣኼባ ኸም ዚግበር ምልክታ ነገረት። እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ሰዳር ፖይንት ኪኸዱ ኸለዉ ተሃንጥዮም እዮም ነይሮም።
ሓውና ራዘርፎርድ ነቶም ተኣከብቲ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ኪብሎም ከሎ፡ “ጐይታ ነዚ ኣኼባ እዚ . . . ኸም ዚባርኾ፡ እዚ እውን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣብ ምድሪ ምስክርነት ከም ዚኸውን ምሉእ እምንቶ ኣሎኒ” በለ። እቶም ኣብቲ ኣኼባ መደረ ዘቕረቡ ተዛረብቲ ድማ፡ ንዕዮ ስብከት ብተደጋጋሚ ኣተባብዑ።
ዓርቢ 8 መስከረም፡ ኣስታት 8,000 ዚዀኑ ነቲ ሓውና ራዘርፎርድ ዚህቦ መደረ ተሃንጥዮም ዚጽበዩ ተኣከብቲ ነቲ ኣዳራሽ መልእዎ። ትርጉም እቲ ኣብ መዐደሚኦም እተሓትመ “ADV” ዚብል ቃላት ኪገልጸሎም እዮም ተስፋ ገይሮም ነይሮም። ኮፍ ኪብሉ ኸለዉ፡ ገለ ኻባታቶም ነቲ ኣብ መድረኽ ተጠቕሊሉ ዝነበረ ዓብዪ ዓለባ ኣስተብሂሎምሉ ኪዀኑ ኣለዎም። ሓደ ኻባታቶም ኣርተር ክላውስ እዩ ነይሩ። ንሱ ኻብ
ተልሳ፡ ኦክላሆማ፡ ሕ.መ.ኣ. እዩ ናብቲ ኣኼባ እቲ መጺኡ፣ ኣብቲ ኣኼባ ድማ ጽቡቕ ኪሰምዓሉ ዚኽእል ቦታ ረኺቡ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መጕልሒ ድምጺ ስለ ዘይነበረ፡ እዚ ቐሊል ኣይነበረን።“ንዅለን ቃላቱ ተጠንቂቕና ኢና እንሰምዐን ኔርና”
ሓውና ራዘርፎርድ መደረኡ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ ነቲ መደረ ዚርብሽ ኵነታት ምእንቲ ኸይፍጠር፡ ደንጕዩ ዝመጸ ሰብ ናብቲ ኣዳራሽ ኪኣቱ ኸም ዘይፍቀደሉ፡ እቲ ኣቦ መንበር ምልክታ ነገረ። ሰዓት 9:30 ቅ.ቀ.፡ ሓውና ራዘርፎርድ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 4:17 ዚርከብ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ” ዚብል ቃላት የሱስ ብምጥቃስ መደረኡ ጀመረ። ሰባት ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ብኸመይ ከም ዚሰምዑ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “የሱስ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ነቲ እኽሊ ኸም ዚእክቦ፡ ማለት ነቶም ሓቀኛታትን እሙናትን ናብኡ ኸም ዚእክቦም ገሊጹ ነይሩ እዩ” በለ።
እቲ ኣብ ቀንዲ ኣዳራሽ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሓውና ክላውስ፡ “ንዅለን ቃላቱ ተጠንቂቕና ኢና እንሰምዐን ኔርና” ኢሉ ተዘክሮኡ ይገልጽ። ኰይኑ ግና፡ ብሃንደበት ሓመመ፡ ካብቲ ኣዳራሽ እውን ኪወጽእ ነበሮ። ዳግም ኪኣቱ ኸም ዘይፍቀደሉ ስለ ዝፈለጠ ኸኣ ከይፈተወ ወጸ።
ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ኪሕሾ ጀመረ። ናብቲ ኣዳራሽ ኪምለስ ምስ ጀመረ ኸኣ ድሙቕ ጣቕዒት ሰምዐ። እዚ ድማ ብርቱዕ ህንጥዮት ፈጠረሉ! ነቲ ዝተረፈ ኽፋል እቲ ዜደንቕ መደረ ምእንቲ ኺሰምዕ፡ ናብ ናሕሲ እኳ ኺሓኵር ወሰነ። እቲ ሽዑ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ዝነበረ ሓውና ክላውስ ናብቲ ናሕሲ ሓዀረ። እቲ ቆንቆር ዚብሃል ከም መስኰት ዝኣመሰለ ኽፋል እቲ ናሕሲ ኽፉት ነበረ፣ ናብኡ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ ጽቡቕ ኪሰምዕ ከኣለ።
ኣብኡ ግና ኣርተር በይኑ ኣይነበረን። ገለ ኻብ ኣዕሩኹ ኣብቲ ናሕሲ ጸንሕዎ። ፍራንክ ጆንሰን ዚብሃል ሓደ ኻባታቶም ጐይዩ ናብኡ ቐሪቡ፡ “በሊሕ ሰንጢ ኣሎካዶ፧” ኢሉ ሓተቶ።
ኣርተር ድማ፡ “እወ” ኢሉ መለሰሉ።
ሽዑ ፍራንክ፡ “ንስኻ መልሲ ጸሎትና ኢኻ። ነዚ ዓብዪ እተጠቕለለ ዓለባ ትርእዮዶ ኣለኻ፧ ምስዚ መሳምር እዩ ተኣሲሩ a ተጠንቂቕካ ስምዓዮ። ‘ኣውጁ፡ ኣውጁ’ ምስ በለ፡ ነዚ ኣርባዕተ ገመዳት ብተኮ” በሎ።
ዘሎ። ነቲ ዳኛስለዚ፡ ኣርተር ነታ ሰንጢ ኣብ ኢዱ ሒዙ ምስቶም ካልኦት ነቲ ምልክት ተጸበየ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ሓውና ራዘርፎርድ ናብ መደምደምታ እቲ መደረኡ በጽሐ። ብቕንኣት ተመሊኡ ብምንባሩ ኸኣ ነዚ ዚስዕብ ክፋል መደረኡ ዓው ኢሉ ተዛሪብዎ ኪኸውን ኣለዎ፦ “እሙናትን ሓቀኛታትን መሰኻኽር ጐይታ ኹኑ። ኵሉ ኣሰር ናይ ባቢሎን ክሳዕ ዚጠፍእ፡ ኣብቲ ቓልሲ ንቕድሚት ገጽኩም ገስግሱ። ነቲ መልእኽቲ ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ኣውጅዎ። የሆዋ፡ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ንጉስ ነገስታትን ጐይታ ጐይተትን ከም ዝዀነ፡ ዓለም ክትፈልጥ ኣለዋ። እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ካብ ኵለን መዓልትታት ጸብለል ዝበለት መዓልቲ እያ። ርኣዩ፡ እቲ ንጉስ ይገዝእ ኣሎ! ንስኻትኩም ድማ ብዛዕባኡ እትነግሩ ልኡኻት ኢኹም። ሃየ እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ንጉስን መንግስቱን ኣውጁ፡ ኣውጁ፡ ኣውጁ!”
ሽዑ፡ ኣርተርን እቶም ካልኦት ኣሕዋትን ነቲ ገመዳት በተኽዎ። እቲ ዓለባ ኸኣ ወለል ኢሉ ተዘርግሐ። ኣብቲ ዓለባ ድማ ምስቲ “ADV” ዚብል ፊደላት ዚሰማማዕ፡ “ብዛዕባ እቲ ንጉስን እታ መንግስትን ኣውጁ” ዚብል ጭርሖ ተጻሒፉ ነበረ።
ኣገዳሲ ዕዮ
እቲ ኣብ ሰዳር ፖይንት እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ንኣሕዋት ኣብቲ ኣገዳሲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኬተኵሩ ሓጊዝዎም እዩ። እቶም ናይ ፍታው መንፈስ ዘለዎም ከኣ ብታሕጓስ ኣብኡ ተሳቲፎም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ኦክላሆማ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚነብር ኮልፖርተር (ሕጂ ፈላሚ ተባሂሉ ዚፍለጥ)፡ “እቲ እነገልግለሉ ኣውራጃ፡ ከሰል ዚዕደነሉ ዞባ እዩ። ኣብኡ ድማ ከርፋሕ ድኽነት እዩ ዘሎ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ሰባት ነቲ ኣብ መጽሔት ጎልደን ኤጅ ዚርከብ መልእኽቲ ምስ ሰምዕዎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንብዓት እዩ ዚስዕሮም” ኢሉ ገለጸ። ኣብ መደምደምታ ድማ፡ “ንዓታቶም ከተጸናንዕ ምኽኣል፡ ዓብዪ በረኸት እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።
እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ኣብ ሉቃስ 10:2 ዚርከብ፡ “እቲ እኽልስ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም” ዚብል ቃላት የሱስ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እታ ዓመት ከተብቅዕ ከላ፡ ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብስፍሓት ንምእዋጅ ቈሪጾም እዮም ነይሮም።
a ሓውና ራዘርፎርድ ኣብ ሚዙሪ፡ ሕ.መ.ኣ. ዳኛ ዀይኑ ዓይዩ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ ሓድሓደ ግዜ “ዳኛ” ኢሎም ይጽውዕዎ ነይሮም እዮም።