ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምኽሪ መጽናዕቲ

ምኽሪ መጽናዕቲ

ማዕረ ማዕረ እቲ ኣብ ርድኢትና ዚግበር ምትዕርራይ ብኸመይ ንስጕም፧

ኣብቲ የሆዋ በብደረጃኡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ርድኢት ዜነጽረሉ እዋን እንነብር ምዃንና ብሓቂ ዓብዪ መሰል እዩ። (ዳን. 12:4) ይኹን እምበር፡ ማዕረ ማዕረ እቲ ኣብ ርድኢት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቅታት ዘሎና ምትዕርራይ ምስጓም ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ነዚ ምትዕርራያት እዚ ኣብ ምንታይ ክንረኽቦ ንኽእል፧

• ኣብ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር በብርእሰ ነገር እተሰርዐ ሕጽር ዝበለ ዝርዝር እቲ ምትዕርራይ ይርከብ እዩ። “ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ኣብ ትሕቲ ዚብል ርእሰ ነገር፡ “ርእይቶን እምነትን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣቲኻ፡ “ዝነጸረ ትምህርትታት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ርአ።

እሞ ደኣ ገለ ኻብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ ምትዕርራይ ሓሪኻ ኣብቲ ሕጂ ዘሎና ርድኢትን ኣብቲ ነቲ ለውጢ ዘለዓዓለ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያትን ስለምንታይ ኣብ ብሕታዊ መጽናዕትኻ ምርምር ዘይትገብር፧