ትፈልጥዶ፧
ሙዚቃ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ ነይሩ፧
ሙዚቃ ቐንዲ ኽፋል ባህሊ ጥንታዊት እስራኤል እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብመሳርሒ ሙዚቃ ዚጽወት ሙዚቃን ብድምጺ ዚጽወት ሙዚቃን ብዙሕ ግዜ ይጠቅስ እዩ። ዳርጋ 10 ሚእታዊት ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዝሙራት ወይ ዜማ ዘለዎ ልቕሶ እዩ፣ ብቐዳምነት ዚጥቀስ ኣብነታት፡ መጽሓፍ መዝሙርን መጽሓፍ መሃልየ መሃልይን መጽሓፍ ድጕዓን እዩ። ሙዚክ ኢን ቢብሊካል ላይፍ ዚብሃል መጽሓፍ ከም ዝገለጾ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እስራኤላውያን ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋል ህይወቶም ሙዚቃ ዜዘውትሩ ዝነበሩ ማሕበረ ሰብ ምዃኖም እዩ ዜርእየና።”
ሙዚቃ ኣብ መዓልታዊ ህይወት። እስራኤላውያን ስምዒቶም ንምግላጽ ሙዚቃ ይጻወቱ ነይሮም እዮም። (ኢሳ. 30:29) ንጉስ ኣብ ዚነግሰሉ እዋን፡ ኣብ እዋን በዓላት፡ ኣብ ውግእ ኣብ ዚዕወቱሉ እዋን፡ ኣንስቲ ብሓጐስ እናደረፋን እናሳዕስዓን ከበሮ ይወቕዓ ነይረን እየን። (መሳ. 11:34፣ 1 ሳሙ. 18:6, 7፣ 1 ነገ. 1:39, 40) ኣብ እዋን ሓዘን እውን እስራኤላውያን ዓው ኢሎም ስምዒት ዚትንኪ ድጕዓ ይድጕዑ ወይ የልቅሱ ነይሮም እዮም። (2 ዜና 35:25) ማክሊንቶክን ስትሮንግን ዘዳለውዎ ሳይክሎፔድያ ኸም ዝሓበሮ፡ “እብራውያን ሙዚቃ ብምዝውታር ዚፍለጡ ህዝቢ እዮም ነይሮም።”
ሙዚቃ ኣብ ቤተ መንግስቲ። ነገስታት እስራኤል ብሙዚቃ ይሕጐሱ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ንጉስ ሳኦል ንዳዊት፡ መሰንቆ ምእንቲ ኺወቕዓሉ ኢሉ ናብ ቤተ መንግስቱ ኣምጽኦ። (1 ሳሙ. 16:18, 23) ዳዊት ንባዕሉ ንጉስ ምስ ኰነ ኸኣ፡ መሳርሒታት ሙዚቃ መሃዘ፡ ባህ ዜብል መዝሙራት ኣወሃሃደ፡ ከምኡ እውን ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ሙዚቃ ዚጻወቱ ጕጅለ ሙዚቃ ወደበ። (2 ዜና 7:6፣ ኣሞ. 6:5) ንጉስ ሰሎሞን እውን ኣብ ቤተ መንግስቱ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ደረፍቲ ነበርዎ።—መክ. 2:8።
ሙዚቃ ኣብ ኣምልኾ። ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ግና፡ እስራኤላውያን ንሙዚቃ ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ይጥቀሙሉ ምንባሮም እዩ። ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ፡ 4,000 ሰብኡት ብመሳርሒ ሙዚቃ ንየሆዋ ይውድስዎ ነበሩ። (1 ዜና 23:5) ጸናጽል ሸሓንን በገናን መሰንቆን መለኸትን ይጻወቱ ነበሩ። (2 ዜና 5:12) እንተዀነ ግና፡ እዞም ክኢላታት እዚኦም ጥራይ ኣይኰኑን ንየሆዋ ብሙዚቃ ዜምልኽዎ ዝነበሩ። ብዙሓት እስራኤላውያን፡ ዓመታዊ በዓላት ንምብዓል ናብ የሩሳሌም ኪጓዓዙ ኸለዉ መዝሙር ምድያብ ይዝምሩ ነበሩ። (መዝ. 120–134) ብተወሳኺ፡ ጽሑፋት ኣይሁድ ከም ዚሕብሮ እስራኤላውያን ኣብ እዋን ድራር ፋስጋ መዝሙራት ሃለል a ይዝምሩ ነበሩ።
ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ሙዚቃ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ኣገዳሲ ቦታ ኣለዎ። (ያእ. 5:13) ኣብ ኣምልኾና፡ ንየሆዋ ብመዝሙር ንውድሶ ኢና። (ኤፌ. 5:19) ሙዚቃ ምስ ክርስትያናት ብጾትና የሕብረና እዩ። (ቈሎ. 3:16) መከራ ኸነሕልፍ ከለና ኸኣ የበርትዓና እዩ። (ግብ. 16:25) ሙዚቃ ንየሆዋ ዘሎና እምነትን ፍቕርን እንገልጸሉ ባህ ዜብል መገዲ እዩ።
a ኣይሁድ ነተን ንየሆዋ ንምውዳስ ዚዝመራ ዝነበራ ኻብ መዝሙር 113 ክሳብ 118፡ መዝሙራት ሃለል ኢሎም ሰምዮምወን ነበሩ።