ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 40

መዝሙር 30 ኣቦይ፡ ኣምላኸይ፡ ፈታውየይ

የሆዋ “ልቦም ንእተሰብሩ የሕውዮም”

የሆዋ “ልቦም ንእተሰብሩ የሕውዮም”

“ልቦም ንእተሰብሩ የሕውዮም፣ ንኣቝሳሎም ከኣ ይዝንን።”መዝ. 147:3

ኣትኵሮ

የሆዋ ብዛዕባ እቶም ስምዒታዊ ቝስሊ ዘለዎም ሰባት ኣጸቢቑ ይግደስ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ብኸመይ ጓሂና ኸም ዜፍኵሰልናን ንኻልኦት ከነጸናንዕ ከም ዚሕግዘናን ክንርኢ ኢና።

1. የሆዋ ብዛዕባ ኣገልገልቱ እንታይ ይስምዖ፧

 የሆዋ ናብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቱ ኺጥምት ከሎ እንታይ እዩ ዚርኢ፧ ንሓጐስና ይኹን ንሓዘንና ይፈልጦ እዩ። (መዝ. 37:18) ስምዒታዊ ስቓይ እናተጻወርና ኸነገልግሎ ዚከኣለና ዘበለ ንገብር ከም ዘለና ኺርኢ ኸሎ፡ ኣዝዩ እዩ ዚሕጐስ! ካብኡ ሓሊፉ እውን፡ ኪሕግዘናን ኬጸናንዓናን ይህንጠ እዩ።

2. የሆዋ ልቦም ንእተሰብሩ ሰባት እንታይ እዩ ዚገብረሎም፧ ንሕናኸ ኻብ ሓልዮቱ ብኸመይ ንጥቀም፧

2 ኣብ መዝሙር 147:3፡ የሆዋ ነቶም ልቦም እተሰብሩ ‘ኣቝሳሎም ከም ዚዝንነሎም’ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ነቶም ብስምዒት እተጐድኡ ኸም ዚሓልየሎም እዩ ዜርእየና። እምበኣር፡ ካብ ሓልዮት የሆዋ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ይግባእ፧ ሓደ ምሳሌ እስከ ንርአ። ሓደ ሓኪም ንሓደ እተጐድአ ሰብ ምእንቲ ኺሓዊ ብእተፈላለየ መገዲ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ። እቲ እተጐድአ ሰብ ድማ ካብዚ ሓገዙ ምእንቲ ኺጥቀም፡ ነቲ እቲ ሓኪም ዝሃቦ መምርሒ ተጠንቂቑ ኺስዕቦ ኣለዎ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ነቶም ስምዒታዊ ስቓይ ዘለዎም ኣብ ቃሉ እንታይ ከም ዝበሎም ክንርኢ ኢና፣ ኣብ ርእሲኡ እውን ንሕና ነቲ ፍቕራዊ ምኽሩ ብኸመይ ክንትግብሮ ኸም እንኽእልን ክንምርምር ኢና።

የሆዋ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኽቡራት ምዃንና የረጋግጸልና

3. ገሊኦም ዋጋ ዘይብሎም ኰይኑ ዚስምዖም ስለምንታይ እዩ፧

3 ፍቕሪ ኣብ ዘይብላ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና፣ እቲ ዜሕዝን ከኣ ብዙሓት ሰባት ዋጋ ዘይብሎም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ሄለን a ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ፍቕሪ ኣብ ዘይብላ ስድራ ቤት እየ ዓብየ። ኣቦይ ዓመጸኛ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸይኣክል ከኣ ዘይንረብሕ ምዃንና ደጋጊሙ ይነግረና ነይሩ።” ምናልባት ንስኻ እውን ከም ሄለን ተገፊዕካ፡ ብተደጋጋሚ ተነቒፍካ ትኸውን፣ እዚ ድማ ዋጋ ዘይብልካ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ ገይሩ ይኸውን። በዚ ምኽንያት ከኣ ብሓቂ ዚሓልየልካ ኣካል ከም ዘሎ ንምእማን ይኸብደካ ይኸውን።

4. ብመሰረት መዝሙር 34:18፡ የሆዋ እንታይ መረጋገጺ እዩ ዚህበና፧

4 ሰባት እኳ እንተ ገፍዑኻ፡ የሆዋ ግና ከም ዜፍቅረካን ከም ዜኽብረካን ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ንሱ፡ “ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ።” (መዝሙር 34:18 ኣንብብ።) ‘መንፈስካ እተደቝሰ’ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ የሆዋ ኣብ ልብኻ ጽቡቕ ነገር ርእዩ ብውልቂ ኸም ዝሰሓበካ ዘክር። (ዮሃ. 6:44) ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኽቡር ስለ ዝዀንካ፡ ንዓኻ ንምሕጋዝ ኵሉ ግዜ ድሉው እዩ።

5. ካብቲ የሱስ ነቶም ኣትሒትካ ዚርኣዩ ዝነበሩ ሰባት ዝገበረሎም ኣተሓሕዛ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

5 ኣብነት የሱስ ብምምርማር፡ ናይ የሆዋ ስምዒታት ኪርድኣና ይኽእል እዩ። ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ የሱስ ነቶም ብኻልኦት ኣትሒትካ ዚርኣዩ ዝነበሩ ኣስተብሂሉሎም፡ ብርሕራሐ እውን ሒዝዎም እዩ። (ማቴ. 9:9-12) ሓንቲ ብኸቢድ ሕማም እትሳቐ ዝነበረት ሰበይቲ ኽትሓዊ ተስፋ ብምግባር ክዳኑ ምስ ተንከየት፡ ኣጸናንዓን ስለቲ ዘርኣየቶ እምነት ነኣዳን። (ማር. 5:25-34) የሱስ ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ መሲልዎ እዩ። (ዮሃ. 14:9) ስለዚ፡ የሆዋ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየካን ንጽቡቕ ባህርያትካ ኸም ዜስተብህለሉን ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ፣ እወ፡ ንእምነትካ ዀነ ነታ ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ ኣይርስዖን እዩ።

6. ዋጋ ዘይብልካ ዀይኑ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

6 ዋጋ ዘይብልካ ዀይኑ ዚስምዓካ ስምዒት እንተ ቐጺሉ ወይ እንተ ደጊሱካኸ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡር ምዃንካ ዜረጋግጸልካ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብን ብዛዕባኡ ኣስተንትንን። b (መዝ. 94:19) ዘውጻእካዮ ሸቶ ኽትወቅዕ እንተ ዘይክኢልካ ወይ ማዕረ ኻልኦት ክትገብር እንተ ዘይክኢልካ፡ ርእስኻ ኣይትዀንን። የሆዋ ልዕሊ ዓቕምና ኽንገብር ኣይጽበየናን እዩ። (መዝ. 103:13, 14) ኣብ ሕሉፍ እንተ ተዓሚጽካ፡ በቲ እቲ ዓማጺ ዝገበሮ ነገር ርእስኻ ኣይትውቀስ፣ እቲ ጌጋ ናትካ ኣይኰነን። የሆዋ ንግዳያት ዘይኰነስ፡ ንገበርቲ ኽፉእ ከም ዚፈርዶም ዘክር። (1 ጴጥ. 3:12) ብቝልዕነታ ኸላ እተገፍዐት ሳንድራ ኸምዚ ትብል፦ “ንገዛእ ርእሰይ ከምቲ የሆዋ ገይሩ ዚርእየኒ ገይረ ንምርኣይ ዜኽእል ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምእንቲ ኽህልወኒ፡ ኵሉ ግዜ እልምኖ እየ።”

7. ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠመና ተመክሮታት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንጽቡቕ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 የሆዋ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ኪጥቀመልካ ይኽእል እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት መዓይይቱ ኽትከውን ኣጋጣሚ ብምሃብ ኣኽቢሩካ እዩ። (1 ቈረ. 3:9) ኣብ ህይወትካ ብዛዕባ ኻልኦት ክትሓልን ከመይ ከም ዚስምዖም ክትፈልጥን ዜኽእል ተመክሮ ኣጥሪኻ ኢኻ። ንምሕጋዞም ዝያዳ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሄለን፡ ሓገዝ ምስ ተዋህባ፡ ንሳ እውን ንኻልኦት ክትሕግዝ ክኢላ እያ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “የሆዋ ንዓይ ‘ንዘይትረብሕ ሰብ፡’ ፍቕሪ ኸም ዝረክብን ዋጋ ኸም ዘሎኒ ዀይኑ ኸም ዚስምዓንን ገይሩ እዩ።” ሄለን ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ተሓጒሳ ተገልግል ኣላ።

የሆዋ ይቕረታ ኸም ዝገበረልና ኽንኣምን ይደልየና

8. ኣብ ኢሳይያስ 1:18፡ እንታይ መረጋገጺ ኢና እንረክብ፧

8 ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ ብሰንኪ ሕሉፍ ተግባራቶም፡ ቅድሚ ጥምቀቶም ይኹን ድሕሪ ጥምቀቶም ብዝገበርዎ ነገር እምብዛ ይጥዓሱ እዮም። ግናኸ የሆዋ ዓሚቝ ፍቕሩ ምእንቲ ኺገልጸልና ኢሉ በጃ ኸም ዝኸፈለልና ኽንዝክር ግቡእ እዩ። ብርግጽ ድማ ነዚ ውህበት እዚ ኽንቅበሎ ንደሊ ኢና። የሆዋ ምስኡ ‘ነገር ምስ ኣቕናዕና፡’ c ድሕሪኡ ንሓጢኣትና ፈጺሙ ኣይጽብጽቦን እዩ። (ኢሳይያስ 1:18 ኣንብብ።) ስለ ዜፍቅረና፡ ንሕሉፍ ሓጢኣትና ኣይዝክሮን እዩ! ነቲ ዝገበርናዮ ጽቡቕ ነገር እውን ፈጺሙ ኣይርስዖን እዩ።—መዝ. 103:9, 12፣ እብ. 6:10

9. ኣብ ሕሉፍ ዘይኰነስ ኣብ ሎምን ኣብ መጻእን ምእንቲ ኸነተኵር ዚከኣለና ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9 ብዛዕባ ሕሉፍ ትጥዓስ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ህሉውን ኣብ መጻእን ከተተኵር ዚከኣለካ ግበር። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሃዋርያ ጳውሎስ እሞ ሕሰብ። ሓደ እዋን ንክርስትያናት ብጭካነ ይሰጕጎም ብምንባሩ ኣጣዒስዎ እዩ፣ ግናኸ የሆዋ ይቕረ ኸም ዝበለሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (1 ጢሞ. 1:12-15) እሞኸ ወግሐ ጸብሐ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕሉፍ ዝገበሮ ሓጢኣት ድዩ ዚሓስብ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ልክዕ ከምቲ ሰዓቢ ኣይሁድነት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዝረኸቦ ዓወታት ኪዝክሮ ዘይደሊ ዝነበረ፡ ነዚ እውን ኪዝክሮ ኣይደልን እዩ ነይሩ። (ፊል. 3:4-8, 13-15) ኣብ ክንዳኡስ፡ ጳውሎስ ብቕንኣት የገልግልን ናብ መጻኢ ይጥምትን ነበረ። ንስኻ እውን ከም ጳውሎስ፡ ሕሉፍ ነገር ክትቅይር ኣይትኽእልን ኢኻ። እንተዀነ ግና በቲ ሕጂ ዘሎካ ህሉው ኵነታትካ ንየሆዋ ኸተኽብሮን ናብቲ ኣተስፍዩካ ዘሎ ዜደንቕ መጻኢ ኽትጥምትን ትኽእል ኢኻ።

10. ሕሉፍ ተግባራትና ንኻልኦት እንተ ጐዲኡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

10 ንኻልኦት ዚጐድእ ነገር ጌርካ እንተ ኔርካ ሕጂ ኼጨንቐካ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ነቲ ጕድኣት ንምኽሓስ ዚከኣለካ ግበር፡ ናይ ሓቂ ይቕረታ ሕተት። (2 ቈረ. 7:11) ነቶም ብተግባራትካ እተጐድኡ ሰባት ምእንቲ ኺሕግዞም ንየሆዋ ለምኖ። ንሱ ድማ ንዓኻ ዀነ ነቶም ዝጐዳእካዮም ሰባት፡ ተጻዋርነት ምእንቲ ኸተማዕብሉን ሰላምኩም ምእንቲ ኺምለስን ኪሕግዘኩም ይኽእል እዩ።

11. ካብ ኣብነት ነብዪ ዮናስ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

11 ካብ ሕሉፍ ጌጋታትካ ተምሃር፡ የሆዋ ብዝደለዮ መገዲ ኺጥቀመልካ ኸኣ ፍቓደኛ ኹን። ንኣብነት፡ ንነብዪ ዮናስ እሞ ርአ። ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ናብ ነነዌ ኣብ ክንዲ ዚጕዓዝ፡ ናብ ኣንጻሩ ኣንፈት ሃደመ። የሆዋ ንዮናስ ገንሖ፡ ዮናስ እውን ካብ ጌጋኡ ተማህረ። (ዮና. 1:1-4, 15-17፣ 2:7-10) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብዮናስ ተስፋ ኣይቈረጸን። ናብ ነነዌ ኪኸይድ ካልኣይ ዕድል ሃቦ፡ ሽዑ ግና ዮናስ ብቕልጡፍ ተኣዘዘ። በቲ ሕሉፍ ጌጋኡ እተሰምዖ ጣዕሳ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ኻብ ምቕባል ኣይዓገቶን።—ዮና. 3:1-3

ነብዪ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ኸቢድ ፈተና ኣሕሊፉ ምስ ወጸ፡ የሆዋ ናብ ነነዌ ኪኸይድን መልእኽቱ ኺእውጅን ደጊሙ ኣዘዞ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)


የሆዋ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ የጸናንዓና

12. ሕማቕ ተዘክሮ ወይ ሓዘን ከነሕልፍ ከለና፡ የሆዋ ሰላም ዚህበና ብኸመይ እዩ፧ (ፊልጲ 4:6, 7)

12 ሕማቕ ተዘክሮ ወይ ሓዘን ከነሕልፍ ከለና፡ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ የጸናንዓና እዩ። ተመክሮ ሮንን ካሮልን እሞ ንርአ። እቲ ዜሕዝን፡ ወዶም ርእሰ ቕትለት ፈጸመ። ንሳቶም ብዛዕባ እቲ እተሰምዖም ኪገልጹ ኸለዉ ኸምዚ በሉ፦ “ቅድሚ ሕጂ እተፈላለየ ፈተናታት ኣሕሊፍና ኢና፡ እዚ ግና እቲ ዝኸበደ እዩ ነይሩ። ብዙሕ ግዜ፡ ለይቲ ድቃስ ኪኣብየና ኸሎ ንጽሊ ኔርና፡ እቲ ኣብ ፊልጲ 4:6, 7 ተገሊጹ ዘሎ ሰላም ድማ ናይ ሓቂ ጥዒምናዮ ኢና።” (ኣንብብ።) ልቢ ዚሰብር ፈተና ተሕልፍ እንተ ኣሊኻ፡ ደጋጊምካ ብጸሎት ናይ ልብኻ ናብ የሆዋ ኸተፍስስ ትኽእል ኢኻ። (መዝ. 86:3፣ 88:1) መንፈስ ቅዱሱ ኺህበካ ንየሆዋ ደጋጊምካ ለምኖ። ንሱ እውን ኪምልሰልካ እዩ።—ሉቃ. 11:9-13

13. ንየሆዋ ብተኣማንነት ምእንቲ ኸነገልግሎ መንፈስ ቅዱስ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ኤፌሶን 3:16)

13 ከቢድ ፈተና ስለ ዘጋጠመካ ሓይልኻ እተጸንቀቐ ዀይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ንየሆዋ ብተኣማንነት ምእንቲ ኸተገልግሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ኬበርትዓካ እዩ። (ኤፌሶን 3:16 ኣንብብ።) ተመክሮ ፍሎራ እትብሃል ሓብቲ ርአ። ንሳን ሰብኣያን ሚስዮናውያን እዮም ነይሮም። እንተዀነ ግና፡ ንሱ ስለ ዝጠለማ ተፋትሑ። ፍሎራ እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “[ሰብኣየይ] ስለ ዝጠለመኒ ኣዝየ እየ ጕህየ፡ ብዛዕባ ኻልእ ነገር ክሓስብ ኣይክእልን እየ ነይረ። ስለዚ፡ ጸኒዐ ምእንቲ ኽመላለስ፡ የሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ኺህበኒ ጸልየ። የሆዋ ኸኣ ካብ ጓህየይ ምእንቲ ኽጸናናዕን ነቲ ኺስገር ዘይከኣል ዚመስል ዝነበረ ምእንቲ ኽጻወርን ዜድልየኒ ዘበለ ዅሉ ሂቡኒ።” ፍሎራ ብርእሰ ተኣማንነት ደው ምእንቲ ኽትብል ኣምላኽ ከም ዝሓገዛ፡ ኣብ መጻኢ ፈተናታት ምስ ዜጋጥማ እውን ከም ዚሕብሕባ ተሰምዓ። ወሲኻ ድማ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ መዝሙር 119:32 ዘሎ ቓላት ኣባይ ተፈጺሙ እዩ፦ ‘ልበይ ስለ ዘግፋሕካ፡ ንመገዲ ትእዛዛትካ ተሃንጥየ ኽስዕባ እየ።’”

14. መንፈስ ኣምላኽ ኣባና ኺዓዪ እንፈቕደሉ ብኸመይ ኢና፧

14 መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበካ ምስ ጸለኻ፡ ምስ ልማኖኻ ተሰማሚዕካ ኽትመላለስ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻ ኸም ዚዓዪ ዚገብር ንጥፈታት ኣዘውትር። እዚ ኸኣ ኣብ ኣኼባታት ምእካብን ንኻልኦት ምምስካርን የጠቓልል። ብተወሳኺ፡ ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ብምንባብ ንኣእምሮኻ ብሓሳባት ኣምላኽ ምልኣዮ። (ፊል. 4:8, 9) መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ነቶም ፈተናታት ዘሕለፉ ሰባት ኣተኵረሎም፡ ምእንቲ ኺጻወሩ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም እውን ኣስተንትን። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሳንድራ፡ ብተኸታታሊ ኸቢድ ፈተናታት እያ ኣሕሊፋ። ከምዚ ኸኣ ትብል፦ “ታሪኽ ዮሴፍ ናይ ሓቂ እዩ ኣተባቢዑኒ። ዮሴፍ እቲ ዝወረዶ ፈተናታትን ዘይፍትሓዊ ነገራትን ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ኬዳኽሞ ኣይፈቐደን።”—ዘፍ. 39:21-23

የሆዋ ብክርስትያናት ብጾት ኣቢሉ የጸናንዓና

15. ካብ መን ኢና ምጽንናዕ ክንረክብ እንኽእል፧ ንሳቶምከ ብኸመይ እዮም ኪሕግዙና ዚኽእሉ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

15 ኣብ እዋን መከራ፡ ክርስትያናት ብጾትና “ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ” ይዀኑና እዮም። (ቈሎ. 4:11) ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ህያው መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ እዮም። ብርሕራሐ ብምስማዕ ወይ እውን ኣብ ጐድንና ብምዃን የጸናንዑና እዮም። ዜተባብዕ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡልና ወይ ምሳና ዀይኖም ኪጽልዩ ይኽእሉ እዮም። d (ሮሜ 15:4) ሓድሓደ እዋን ሓደ ሓው ወይ ሓንቲ ሓብቲ የሆዋ ዚሓስበሉ መገዲ ኼዘኻኽሩና ይኽእሉ እዮም፡ እዚ ድማ ሚዛንና ኽንሕሉ ይሕግዘና። ክርስትያናት ብጾትና፡ ኣብ እዋን ጭንቂ ኺዕንግሉና ወይ ካልእ ግብራዊ ሓገዝ ኪገብሩልና ይኽእሉ እዮም።

እሙናትን ብሱላትን ክርስትያናት ብጾት፡ ምንጪ ምጽንናዕን ደገፍን ኪዀኑና ይኽእሉ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)


16. ደገፍ ንምርካብ እንታይ ክንገብር የድልየና፧

16 ሓድሓደ ግዜ፡ ሓገዝ ንምርካብ ክንሓትት የድልየና ይኸውን። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስለ ዜፍቅሩና፡ ኪሕግዙና ይደልዩ እዮም። (ምሳ. 17:17) ይኹን እምበር፡ እንታይ ከም ዚስምዓና ወይ እንታይ ከም እንደሊ ኣይፈልጡን ይዀኑ። (ምሳ. 14:10) ስለዚ፡ ስምዒታዊ ስቓይ እንተ ኣልዩካ፡ ንብሱላት ክርስትያናት ስምዒትካ ግለጸሎም። እንታይ ኸም ዜድልየካ ንገሮም። ንሓደ ወይ ንኽልተ እትቐርቦም ሽማግለታት ምስጢርካ ኸተካፍሎም ትኽእል ኢኻ። ገሊአን ኣሓትና፡ ምስ ብሱላት ኣሓት ምዝራብ ዜጸናንዕ ኰይኑ ረኺበናኦ እየን።

17. መተባብዒ ኻብ ምርካብ ኪዓግተና ዚኽእል ዕንቅፋታት እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ኽንሰግሮ እንኽእል፧

17 በይንኻ ናይ ምዃን ዝንባለ ኣወግድ። ብሰንኪ ሕማቕ ስምዒታትካ ምስ ካልኦት ክትራኸብ ኣይትደልን ትኸውን። ሓድሓደ እዋን ድማ ኣሕዋትን ኣሓትን ብጌጋ ይርድኡኻ ወይ ብቓላቶም ይጐድኡኻ ይዀኑ። (ያእ. 3:2) እዚ ዕንቅፋታት እዚ ግና ዜድልየካ መተባብዒ ኻብ ምርካብ ኪዓግተካ ኣይተፍቅደሉ። ንኣብነት፡ ጌቪን ዚብሃል ሽማግለ፡ “ምስ ክርስትያናት ብጾት ክራኸብ ኣይደልን እየ ነይረ” ይብል። እንተዀነ ግና፡ ነዚ ስምዒቱ ዕድል ኣይሃቦን፡ ምስ ካልኦት ብምርኻብ ተጠቒሙ እዩ። ኤሚ እተባህለት ሓብቲ ኸኣ፡ “ብሰንኪ ሕሉፍ ተመክሮ ንሰብ ምእማን ይኸብደኒ እዩ። ግናኸ፡ ኣብነት የሆዋ ብምስዓብ ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን ከፍቅርን ክኣምንን እምሃር ኣለኹ። እዚ ንየሆዋ ኸም ዜሐጕሶ ርግጸኛ እየ፡ ንዓይ እውን የሐጕሰኒ እዩ” ትብል።

በቲ የሆዋ ኻብ ስቓይና ኸም ዜሕውየና ዘተስፈዎ ተስፋታት ንጸናናዕ

18. ኣብ መጻኢ እንታይ ኪኸውን ኢና እንጽበ፧ ሕጂኸ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

18 የሆዋ ኻብ ኣካላዊ ይኹን ስምዒታዊ ስቓይና ምሉእ ብምሉእ ኬሕውየና ምዃኑ ስለ እንፈልጥ፡ ብዛዕባ መጻኢ ምሉእ ምትእምማን እዩ ዘሎና። (ራእ. 21:3, 4) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ተዘክሮ እቲ ጕድኣትና፡ “ኣብ ልቢ . . . ኣይኪመጽእን እዩ።” (ኢሳ. 65:17) የሆዋ፡ ሎሚ እውን ‘ንኣቝሳልና ኸም ዚዝንን’ ተማሂርና ኢና። ነቲ የሆዋ ምጽንናዕን ዕረፍትን ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ ዘዳለዎ መሰናድዎታት ምሉእ ብምሉእ ተጠቐመሉ። ‘የሆዋ ኸም ዚሓልየልካ’ ኸኣ ፈጺምካ ኣይትጠራጠር።—1 ጴጥ. 5:7

መዝሙር 7 የሆዋ እዩ ሓይልና

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b የሆዋ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየካ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

c ምስ የሆዋ ‘ነገር ንምቕናዕ፡’ ሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና ብምልማንን ባህርያትና ብምልዋጥን ናይ ሓቂ ኸም እተነሳሕና ኸነርኢ ኣሎና። ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምና ድማ፡ ካብ ሽማግለታት ጉባኤ ሓገዝ ክንሓትት ይግባእ።—ያእ. 5:14, 15

d ንኣብነት፡ ኣብታ ንክርስትያናዊ ህይወት ዚኸውን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘርእስታ ጽሕፍቲ፡ ኣብ ትሕቲ “ጭንቀት”ን “መጸናንዒ”ን ዚብል ኣርእስትታት ተዘርዚሩ ዘሎ ጥቕስታት ርአ።