ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ጸገም

ኣብ ሰላምናን ውሕስነትናን እተፈጥረ ስግኣት

ኣብ ሰላምናን ውሕስነትናን እተፈጥረ ስግኣት

“እዚ ወለዶ እዚ ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ተክኖሎጅያውን ስነ ፍልጠታውን ፊናንሳውን ሃብቲ ኣለዎ። . . . ኰይኑ ግና፡ ንዓለም ናብ ጥርዚ ምፍርራስ [ፖለቲካውን ቍጠባውን ኣከባብያውን] ስርዓታት ኣብጺሕዋ ዘሎ ናይ ፈለማ ወለዶ እዚ ኸይኰነ ኣይተርፍን እዩ።”​—ዘ ግሎባል ሪስክስ ሪፖርት 2018፡ ዎርልድ ኢኮኖሚክ ፎረም።

ብዙሓት ፈላጣት ሰባት ብዛዕባ መጻኢናን ብዛዕባ መጻኢ ምድርናን ተሻቒሎም ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧ ገለ ኻብቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ብድሆታት እስከ ንርአ።

  • ብኢንተርነት ዚፍጸም ገበን፦ ጋዜጣ ዘ ኣውስትራልያን፡ “ኢንተርነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓደገኛ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ” ድሕሪ ምባል፡ ንዓመጽቲ ቘልዑን ንደንደንትን ንኣጥቃዕትን ንፈገራግርን ምሹእ ሃዋህው ይፈጥር ከም ዘሎ ገሊጻ ኣላ። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ስርቂ መንነት፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ዓለም ብፍጥነት ዚዓቢ ዘሎ ገበናት እዩ። . . . ኢንተርነት ንሓደ ኻብቲ ዝኸፍአ ባህርያት ደቂ ሰብ፡ ማለት ንሕሰምን ንጭካነን፡ መገዲ ኸፊቱሉ ኣሎ” ትብል።

  • ፊናንሳዊ ዘይማዕርነት፦ ብመሰረት እቲ ኦክስፋም ኢንተርናሽናል ኣብ ቀረባ ግዜ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቶም ኣብ ዓለም ካብ ኵሉ ዝሃብተሙ ሸሞንተ ሰባት ምስቶም ዝደኸዩ ፍርቂ ህዝቢ ዓለም ማዕረ ሃብቲ ኣለዎም። ብዘይካዚ፡ ኦክስፋም፡ “እዚ እተበላሸወ ቝጠባና፡ ሃብቲ ኻብቶም መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ዚርከባኦም ዝደኸዩ ማሕበረሰባት እናመንዝዐ ናብቶም ሃብታማት ከም ዚእከብ ይገብር ኣሎ” ይብል። ገሊኦም ሰባት፡ እዚ እናዓበየ ዚኸይድ ዘሎ ዘይማዕርነት፡ ማሕበራዊ ዘይምርግጋእ ከየለዓዕል ይሰግኡ እዮም።

  • ግጭትን መስጐጕትን፦ ብ2018 ዝወጸ ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ “ሰባት ብዝለዓለ ደረጃ ኻብ ዓዶም ኪመዛበሉ ንርኢ ኣለና” ይብል። ልዕሊ 68 ሚልዮን ሰባት ካብ ዓዶም ኪወጹ ተገዲዶም ኣለዉ፣ መብዛሕትኦም ከኣ ብሰንኪ ግጭት ወይ መስጐጕቲ እዮም ዚወጹ። ብዘይካዚ፡ እቲ ጸብጻብ፡ “ኣብ ከክልተ ኻልኢት፡ ዳርጋ 1 ሰብ ብሓይሊ ኻብ ዓዱ ይመዛበል ኣሎ” ይብል።

  • ኣብ ኣከባቢ እተፈጥረ ስግኣት፦ ዘ ግሎባል ሪስክስ ሪፖርት 2018፡ “ብዙሓት ዘርኢ ህይወታውያን ብልዑል ፍጥነት ይጸንቱ ኣለዉ” ድሕሪ ምባል፡ “ብከላ ኣየርን ባሕርን ንጥዕና ሰባት እናወሰኸ ዚኸይድ ስግኣት ይፈጥር ኣሎ” ይብል። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ከኣ፡ ብዝሒ ሓሸራታት ኣመና ይንኪ ኣሎ። ሓሸራታት ንኣትክልቲ ስለ ዚጽግዩ ድማ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት “ኢኮሎጅያዊ ኣርማጌዶን” ወይ ስነ ኣከባብያዊ ህልቂት ከይፍጠር መጠንቀቕታ ይህቡ ኣለዉ። ኣብ ባሕሪ ዘሎ ኸርከስ መርጀን (ኮራል ሪፍ) እውን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ። ኣብ ዓለም ዘሎ ዳርጋ ፍርቂ ኸርከስ መርጀን ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት ሞይቱ እዩ።

እሞኸ ኣብ ዓለምና ሰላምን ውሕስነትን ብዝያዳ ምእንቲ ኺረጋገጽ ዜድሊ ለውጥታት ክንገብር ንኽእል ዲና፧ ገሊኦም ሰባት፡ ትምህርቲ ኣብቲ ፍታሕ እጃም ከም ዘለዎ ይስምዖም እዩ። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ እዩ ፍታሕ ዜምጽእ፧ እዘን ዚስዕባ ዓንቀጻት ነዚ ሕቶታት እዚ ምላሽ ኪህባሉ እየን።