ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደ ሕሙም ካብ ሕማሙ ኺፍወስ እንተ ዀይኑ፡ ንምልክታቱ ዜዐግስ ኣፋውስ ጥራይ ኪውሃቦ ዘይኰነስ፡ ጠንቂ እቲ ሕማሙ ኻብ መሰረቱ ኺፍታሕ ኣለዎ

እቲ ብድሆ

ነቲ ጸገማት ካብ ሱሩ ምፍታሑ

ነቲ ጸገማት ካብ ሱሩ ምፍታሑ

ወዲ ሰብ ነቲ ንሰላሙን ንውሕስነቱን ዚምንዝዕ፡ ንመጻኢኡ ድማ ዜስግእ ብዙሕ ጸገማት ኪፈትሖ ዚኽእልዶ ይመስለካ፧ ውጽኢታዊ ንምዃን፡ እቲ ፍታሕ ንምልክታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሱር እቲ ጸገማትና ዜሕዊ ኪኸውን ኣለዎ።

ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ንሓደ ቶም ዝስሙ ሰብ ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። እዚ ሰብ እዚ፡ ሓሚሙ ሞተ። ስለምንታይ እዩ ሞይቱ፧ ኣብታ ቶም ቅድሚ ሙማቱ ዝኸዳ ሆስፒታል ዜገልግል ሓኪም፡ “ናይ መጀመርታ ምልክታት ምስ ተራእየ፡ ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ኼናዲ ዝሓሰበ ዋላ ሓደ ኣይነበረን” ይብል። እቶም ኣቐዲሞም ንቶም ዝሓከምዎ ሓካይም፡ ንዅነታቱ ዜመሓይሸሉ ኣፋውስ ጥራይ እዮም ሂቦምዎ።

እሞኸ ሰባት ንዓለምና ኻብ ሕማማታ ንምፍዋስ ተመሳሳሊ መገዲ ድዮም ዚጥቀሙ ዘለዉ፧ ንኣብነት፡ መንግስትታት ምስ ገበናት ኣብ ዚገብርዎ ቓልሲ፡ ሕግታት የውጽኡ፡ ቪድዮታት ሓለዋ ይተኽሉ፡ ሓይልታት ፖሊስ እውን የደልድሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ እዚ ስጕምትታት እዚ ብእተወሰነ እኳ ውጽኢት ዜምጽእ እንተ ዀነ፡ ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ግና ኣይፈትሖን እዩ። ከመይሲ፡ ተግባር ንኣረኣእያን ንእምነትን ንትምኒትን እዩ ዜንጸባርቕ።

ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ኣብ እትርከብ ቍጠባኣ እተበላሸወት ሃገር ዚነብር ዳንኤል፡ “ቀደም ንቡር ህይወት ነይሩና። ዕጡቓት ከይዝርፉና ኣይንፈርህን ኢና ኔርና። ሕጂ ግና ሰላም ዝሰፈና ኸተማ ወይ ቍሸት የላን። ቍጠባና ምብልሻዉ፡ ሰባት ብሓቂ እንታይ ምዃኖም ኣርእዩና እዩ፡—ስሱዓትን ንህይወት ኰነ ንንብረት ካልኦት ኣኽብሮት ዘይብሎምን እዮም” ይብል።

ኤልያስ ኢልና እንጽውዖ ሰብ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዘሎ ግጭት ድሕሪ ምህዳሙ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ። ንሱ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ብዙሓት ደቂ ኸተማና ዝዀኑ ኣጕባዝ ኣብቲ ውግእ ኪሳተፉ እሞ ምስ ጀጋኑ ኺጽብጸቡ፡ ካብ ስድራ ቤቶም ኰነ ኻብ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ስርዓት መተባብዒ ተዋሂብዎም እዩ። ነቶም ኣንጻሮም እውን ተመሳሳሊ ነገር ተነጊርዎም እዩ። እዚ ዅሉ ኸኣ ኣብ ሰብኣውያን ገዛእቲ እምነት ምሕዳር ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ምዃኑ ኣርእዩኒ እዩ።”

ጥንቲ እተጻሕፈ ጥበብ ዝሓዘለ መጽሓፍ ከምዚ ይብል፦

  • “ዝንባለ ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ።”—ዘፍጥረት 8:21

  • “ልቢ ኻብ ኵሉ ጠላምን ቀባጽን እዩ። መንከ ኺፈልጦ ይኽእል፧”—ኤርምያስ 17:9

  • “ካብ ልቢ፡ ክፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ . . . ምንዝርና፡ ስርቂ፡ ምስክርነት ሓሶት፡ . . . ይወጽእ እዩ።”—ማቴዎስ 15:19

ወዲ ሰብ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጐዳኢ ባህርያት ፈውሲ ኺረኽበሉ ኣይከኣለን። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ እዚ ባህርያት እዚ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ፣ እቲ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ጸገማት እውን ነዚ ዜንጸባርቕ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ኣብዚ ግዜና ኣዝዩ ብዙሕ ሓበሬታ እናሃለወ ኽነሱ፡ ንሓድሕድና ድማ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ሓበሬታ ኽንለዋወጥ እናኸኣልና ኽነስና እዩ እዚ ጸገማት ዚገድድ ዘሎ። እሞ ደኣ ስለምንታይ ኢና ኣብ ዓለምና ሰላምን ውሕስነትን ከነረጋግጽ ዘይንኽእል፧ ልዕሊ ዓቕምና ዲና ኽንገብር ንፍትን ዘለና፧ እዝስ ዘይከኣል ድዩ፧

ዘይከኣል ዲና ንፍትን ዘለና፧

ብገለ ተኣምር ነቲ ጐዳኢ ባህርያት ደቂ ሰብ እንተ ነሕውዮ እውን፡ ዓለምና ንዅሉ ሰብ ሰላምን ውሕስነትን ዘለዋ ኽንገብራ ኣይምኸኣለናን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ዓቕምና ድሩት እዩ።

እቲ ሓቂ እዚ እዩ፦ “ሰብ . . . ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን።” (ኤርምያስ 10:23) እወ፡ ገዛእ ርእስና ኸነመሓድር ኣይተፈጠርናን። ከምቲ ሰብ ኣብ ትሕቲ ማይ ወይ ኣብ ህዋ ኺነብር ዘይተፈጥረ፡ ንሰብ ኪገዝእ እውን ኣይተፈጥረን።

ከምቲ ሰብ ኣብ ትሕቲ ማይ ወይ ኣብ ህዋ ኺነብር ዘይተፈጥረ፡ ንሰብ ኪገዝእ እውን ኣይተፈጥረን

ነዚ እሞ ሕሰበሉ፦ ሰባት ብሓፈሻ ኸመይ ኪነብሩ ኸም ዘለዎም ወይ እንታይ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኪስዕቡ ኸም ዘለዎም ብመዛኑኦም ኪንገሮም ይደልዩ ድዮም፧ ብዛዕባ ኸም ምንጻል ጥንሲ፡ መቕጻዕቲ ሞት፡ ወይ ንቘልዑ ዚውሃብ ተግሳጽ ዝኣመሰለ ነገራት እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ከም ዘለዎ ብኻልኦት ኪንገሮም ይደልዩ ድዮም፧ እዚ ነገራት እዚ ገለ ኻብቲ ኣብ ሰባት ፍልልይ ዚፈጥር ጕዳያት እዩ። ስለዚ፡ ንምቕባሉ ቐሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ግና ሓቂ እዩ። ንሰብ ንምግዛእ ዜኽእለና ኽእለት ኰነ ስነ ምግባራዊ ስልጣን የብልናን። እሞ ደኣ ኻበይ ኢና ሓገዝ ክንረክብ እንኽእል፧

ካብ ፈጣሪና ኢና ሓገዝ ክንረክብ እንኽእል። ከመይሲ፡ ንሱ እዩ ፈጢሩና! ከምቲ ገሊኦም ‘ረሲዑና’ ኢሎም ዝሓስብዎ ኸኣ ኣይረስዓናን። እኳ ደኣስ፡ ብዛዕባና ዘለዎ ሓልዮት ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበቡ ተገሊጹ ኣሎ። ነቲ ፍሉይ መጽሓፍ እቲ እንተ ተረዲእናዮ፡ ንገዛእ ርእስና እውን ብዝሓሸ ኽንርድኦ ኢና። ታሪኽ ወዲ ሰብ ብዜሕዝን ፍጻመታት እተመልኣሉ ምኽንያት እውን ኪርድኣና ይኽእል እዩ። ሓደ ጀርመናዊ ፈላስፋ፡ “ህዝብታትን መንግስትታትን ካብ ታሪኽ ፈጺሞም ተማሂሮም ኣይፈልጡን እዮም፡ ወይ እውን ነቲ ኻብኡ ዝመጸ ስርዓታት ሰሪሖምሉ ኣይፈልጡን እዮም” ኢሉ ዝጸሓፈሉ ምኽንያት እውን ከነስተውዕል ንኽእል ኢና።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ይሕልወና

ሓደ ግዜ፡ ሓደ ጥበበኛ ሰብ፡ “ጥበብ ብዅሎም ደቃ እዩ ጽድቃ ዚረጋገጽ” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 7:35) ሓደ ኻብቲ ጥበባዊ ምኽሪ እቲ ኸኣ፡ ኣብ ኢሳይያስ 2:22 ዚርከብ ኰይኑ፡ “ምእንቲ ርእስኹምሲ . . . [ብሰብ] ምእማን ሕደግዎ” ይብል። እዚ ጥዑይ ምኽሪ እዚ፡ ካብ ናይ ሓሶት ተስፋታትን ካብ ዘይከውን ትጽቢታትን ይሕልወና እዩ። ብዓመጻ ኣብ ዝመልአት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እትርከብ ከተማ ዚነብር ከነት፡ “ፖለቲከኛታት በብተራ እናመጹ ዅነታት ከም ዜመሓይሹ ቓል ይኣትዉ እዮም፣ ግናኸ፡ ኬመሓይሹ ኣይክእሉን እዮም። ፍሽለቶም ድማ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጥበብ እዩ ብቐጻሊ ዜዘኻኽረና” ይብል።

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዳንኤል እውን፡ “መዓልቲ መዓልቲ፡ ሰባት ብጽቡቕ ኬመሓድሩ ኸም ዘይክእሉ ዜእምን ነገር እረክብ እየ። . . . ኣብ ሕሳብ ባንክ ወይ ኣብ ክፍሊት ጡረታ ምትእምማን እውን፡ ጡረታ ምስ ወጻእካ ጽቡቕ ህይወት ከም ዚህልወካ ውሕስነት ኣይከውንን እዩ። በዚ መዳይ እዚ ሰባት ብዙሕ ኪበሳጨዉ ርእየ እየ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘይከውን ትጽቢታት ጥራይ ኣይኰነን ዚሕልወና። ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ተስፋ እውን ይህበና እዩ።