ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስቲ ብድሆ ተቓሊሶም

ታሪኽ ሪካርዶን ኣንድሬስን

ታሪኽ ሪካርዶን ኣንድሬስን

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ፡ ህይወት ሰባት ንምምሕያሽ ዜኽእል ዜደንቕ ሓይሊ ኣለዎ። ካብቶም ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብነት ዚዀኑ፡ ሪካርዶን ኣንድሬስን ንዘሕለፍዎ ተመክሮ እስከ ንርአ።

ሪካርዶ፦ ገና ወዲ 15 ዓመት ከለኹ፡ ምስ ጕጅለ ዓዋሉ ተጸምቢረ። እቶም ሓደስቲ ኣዕሩኸይ ከኣ ኣባይ ብዙሕ ጽልዋ ነይርዎም። ስለዚ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሰርተ ዓመት ከሕልፍ ሸቶ ገይረ ነይረ! እዚ ዕሽነት ይመስል ይኸውን። ኣብ ገዛውትና ግና፡ እቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት ይድነቑን ይኽበሩን እዮም ነይሮም። ከማታቶም ድማ ክኸውን እደሊ ነይረ።

ኣብ ህይወት ዓዋሉ ዜጋጥም ኵሉ ነገር፡ እንተላይ ሓሽሽን ጾታዊ ርክብን ዓመጻን ጥዒመዮ እየ። ሓደ ምሸት፡ ምስ ካልኦት ተታዂስና። ሽዑ ዝቕተል መሲሉኒ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ሓንቲ ኸይኰንኩ ኣምሊጠ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ ህይወተይን ሸቶታተይን ብቑም ነገር ክሓስብ ጀሚረ፣ ክቕየር ከም ዝደሊ እውን ወሲነ። ከመይ ገይረ እየ ግና ዝቕየር፧ ካበይከ እየ ሓገዝ ዝረክብ፧

መብዛሕትኦም ኣዝማደይ ሕጉሳት ኣይነበሩን። ህይወቶም ብጸገማት እተመልአ እዩ ነይሩ። እንዳ ኣኮይ ግና እተፈልዩ እዮም ነይሮም። ጥዑያት ሰባት ምዃኖም እፈልጥ ነይረ እየ፣ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚመላለሱ እውን እፈልጥ ነይረ እየ። ሓደ መዓልቲ፡ ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ኻባታቶም ተማሂረ ነይረ እየ። ስለዚ፡ ድሕሪ እቲ ተዅሲ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ብስሙ ጠቒሰ ናብ የሆዋ ጸልየ፡ ኪሕግዘኒ እውን ለሚነዮ። ንጽብሒቱ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ማዕጾይ ምስ ኳሕኵሐ፡ ብሓቂ እዩ ደንጽዩኒ! ንሱ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ምሂሩኒ።

ነዊሕ ከይጸናሕኩ ዓብዪ ብድሆ ኣጋጢሙኒ። ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ ብዙሕ ሳዕ እናደወሉ፡ ምሳታቶም ግዜ ኸሕልፍ ይሓትቱኒ ነይሮም። ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣብየዮም። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክቕጽል ቈሪጸ እየ ነይረ፣ ከምኡ ምግባረይ ከኣ የሐጕሰኒ እዩ። ህይወተይ ብዙሕ ተመሓይሹ እዩ፣ ናይ ሓቂ ሓጐስ እውን ረኺበ እየ።

ከም ኣባል ጕጅለ ዓዋሉ ኣኽብሮት ክረክብ ኢለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሰርተ ዓመት ከሕልፍ ደልየ ምንባረይ፡ ንኣምላኽ ብጸሎት ክገልጸሉ ትዝ ይብለኒ እዩ። ከምቲ ኣነ እተሓገዝኩ ንኻልኦት ምእንቲ ኽሕግዝ ከኣ፡ እንተ ወሓደ ንዓሰርተ ዓመት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ኸገልግሎ ኺፈቕደለይ ለሚነዮ። ኣምላኽ ድማ ንጸሎተይ መሊሱለይ እዩ፣ ከመይሲ፡ ን17 ዓመት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ኣገልጊለ እየ! ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ጠሪሰ ኣይኣቶኹን።

መብዛሕትኦም ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ፡ ንነዊሕ ግዜ ተፈሪድዎም ኣብ ማእሰርቲ እዮም ዘለዉ። ገሊኦም ከኣ ሞይቶም እዮም። ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ኣዝማደይ ብዙሕ እየ ኸመስግኖም ዝፈቱ። ካብ ካልኦት እተፈልዩ ንምዃንን ብመጽሓፍ ቅዱስ ንምምልላስን ፍቓደኛታት እዮም ነይሮም። ካብ ዝዀነ ይኹን ዕዋላ ንላዕሊ፡ ንዓታቶም እየ ኣኽቢረ ዝርእዮም። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ብሉጽ መገዲ ህይወት ስለ ዝመሃረኒ፡ ንኣምላኽ ከመስግኖ እደሊ እየ።

ኣንድሬስ፦ ሓሽሽን ዘረፋን ቅትለትን ምንዝርናን ልሙድ ኣብ ዝዀነሉ ኸባቢ እየ ተወሊደ ዓብየ። ኣቦይ ውሉፍ ኣልኮላዊ መስተን ኮከይንን እዩ ነይሩ። ንሱን ኣደይን ከኣ ወግሐ ጸብሐ ይቋየቑን ይብኣሱን ነይሮም እዮም።

ብንእስነተይ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኽሰትን ሓሽሽ ክወስድን ጀሚረ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ጽርግያ ኽሰርቕን ዝሰረቅክዎ ኽሸይጥን እየ ዝውዕል ነይረ። እናዓበኹ ምስ ከድኩ፡ ኣቦይ ምእንቲ ኽንቀራረብ ኢሉ፡ ሓሽሽን ካልእ ዘይሕጋዊ ነገራትን ከመይ ገይረ ሓቢአ ናብ ሃገርና ኸም ዘእቱን ከም ዝሸጦን ምሂሩኒ። ስለዚ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ብዙሕ ገንዘብ ክረክብ ክኢለ። ድሕሪኡ፡ ሓደ መዓልቲ፡ ፖሊስ ናብ ገዛይ መጹ። ኣብ ትሕቲ ቐይዲ እውን ኣእተዉኒ፣ ብፈተነ ቕትለት ተኸሲሰ ድማ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ክእሰር ተፈርደኒ።

ሓደ ንግሆ፡ እሱራት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዚግበር ምይይጥ ኪሳተፉ ብመጕልሒ ድምጺ ጻውዒት ቀረበ። ኣነ ድማ ናብኡ ክኸይድ ወሰንኩ። እቲ ዝሰማዕክዎ ነገር ከኣ ዚውሓጠልካ እዩ ነይሩ፣ ስለዚ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀሚረ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንዘለዎ ሓይሊ ኣቃጢኖም ኣይኰኑን ኣቕሪቦምለይ፣ የግዳስ፡ ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ኣርእዮምኒ።

ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ምናዳ ኸኣ ካብቶም በቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ዘይተሓጐሱ መተኣስርተይ ምፍርራህ ምስ ኣጋጠመኒ፡ ሓገዝ እንተ ዘይረኺበ፡ ዜድሊ ለውጢ ኽገብር ከም ዘይክእል ተረዲኡኒ። ስለዚ፡ ብርታዐን ጥበብን ንምርካብ ጸልየ፡ የሆዋ እውን ሓጊዙኒ። ድሕሪኡ፡ ንኻልኦት እሱራት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንጋር፡ ብምሳልያዊ መገዲ መጥቃዕቲ ኽፍኑ ኽኢለ እየ።

ዝፍትሓሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ ብዙሕ ፈሪሀ ብምንባረይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኽጸንሕ ደልየ ነይረ! ክወጽእ ከለኹ፡ ብዙሓት መተኣስርተይ ኣእዳዎም እናኣወዛወዙ ተሰናቢቶምኒ። ገሊኦም ከኣ ብለውሃት፡ ‘ደሓን ኩን መምህር’ ኢሎም ተፋንዮምኒ።

ካብ ኣምላኽ እንተ ዘይምሃር ነይረ፡ ህይወተይ እንታይ ኪኸውን ይኽእል ከም ዝነበረ ምሕሳቡ እኳ የፍርሃኒ እዩ። ኣምላኽ ንዓይ ምፍቃሩን ተስፋ ዘይብለይ ገይሩ ዘይምርኣዩን ብዙሕ እየ ዘመስግኖ። *

^ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ንምቕያር ብዛዕባ ዘለዎ ሓይሊ ዜርኢ ተወሳኺ ኣብነታት ኣብ jw.org ይርከብ። ኣብ ትሕቲ ቤተ መጻሕፍቲ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ዚብል ዓምዲ ድለ።