ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ብድሆ እትሰግሮ መንግስቲ

‘ሰላማ መወዳእታ ኣይኪህልዎን እዩ’

‘ሰላማ መወዳእታ ኣይኪህልዎን እዩ’

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ “ዓለምለኻዊ ዜግነት” ዚብል ሓሳብ የተባብዕ ኣሎ። ገለ ኻብቲ ሒዝዎ ዘሎ ሸቶታት ከኣ፡ ምትብባዕ ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ምሕላው ፕላነትናን የጠቓልል። ስለምንታይ እዩ ነዚ ሓሳብ እዚ ዜተባብዕ ዘሎ፧ ማሀር ናሰር ኣብ መጽሔት ዩ.ኤን. ክሮኒክል፡ “ለውጢ ክሊማን እተወደበ ገበንን ምውሳኽ ዘይማዕርነትን ዘይተፈትሐ ግጭታትን ምምዝባል ብዙሓት ሰባትን ዓለምለኻዊ ሽበራን ተላጋቢ ሕማማትን ካልእ ዜስግእ ነገራትን ብዶባት ኣይቅየዱን እዮም” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ።

ገሊኦም ካብዚ ሓሊፎም ዓለምለኻዊ መንግስቲ ኪቐውም ኣተባቢዖም እዮም። ገለ ኻባታቶም ድማ እቲ ኢጣልያዊ ፈላስፋን ገጣምን ብዓል ስልጣንን ዝዀነ ዳንተን (1265-1321) ሊቀ ፊዝክስ ዝዀነ ኣልበርት ኣንስታይንን (1879-1955) ኪጥቀሱ ይከኣሉ። ዳንተ፡ ብፖለቲካ ኣብ እተመቓቐለት ዓለም፡ ሰላም ነዊሕ ኪጸንሕ ከም ዘይክእል ይኣምን ነበረ። ቃላት የሱስ ብምጥቃስ እውን፡ “ንሓድሕዳ እተኸፋፈለት . . . መንግስቲ ትጠፍእ” በለ።—ሉቃስ 11:17

ኣልበርት ኣንስታይን ከኣ ደድሕሪ እቲ ኽልተ ኣቶማዊ ቦምብ እተተኰሰሉ ኻልኣይ ውግእ ዓለም፡ ናብ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅልዕቲ ደብዳበ ጸሓፈ። ኣብኣ ድማ፡ “ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንናይ ሓቂ ዓለምለኻዊ መንግስቲ መሰረት ብምንጻፍ፡ ንኣህጉራዊ ጸጥታ ዜድሊ ዅነታት ንምፍጣር ብልዑል ፍጥነት ስጕምቲ ኺወስድ ኣለዎ” በለ።

ኰይኑ ግና፡ እቶም ሓያል ዓለምለኻዊ መንግስቲ ዜቝሙ ፖለቲከኛታት ብብልሽውናን ብጕድለት ብቕዓትን ብጭቈናን ዘይውቀሱ ኪዀኑ ምኸኣሉዶ፡ ወይስ ከም ካልኦት ገዛእቲ ሕማቕ ባህርያት መማዕበሉ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ነቲ፡ “ስልጣን የበላሹ፡ ምሉእ ዘይጕዱል ስልጣን ከኣ ምሉእ ብምሉእ የበላሹ” ዚብል ብሪጣንያዊ ጽሓፍ ታሪኽ ዝዀነ ሎርድ ኣክቶን እተዛረቦ ቓላት እያ እተዘኻኽረና።

ይኹን እምበር፡ ደቂ ሰብ ናይ ሓቂ ሰላምን ስኒትን ኪረኽቡ እንተ ዀይኖም፡ ሓድነት ኪህሉ ኣለዎ። እቲ ሸቶ እቲ ግና ከመይ ጌርካ እዩ ኺውቃዕ ዚከኣል፧ ንምዃኑኸ ኪኸውን ዚኽእል ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘እወ’ ይብለና እዩ። ኪብጻሕ ይከኣል እዩ፡ ኪብጻሕ እውን እዩ። ብኸመይ፧ ብብልሹዋት ፖለቲከኛታት ብዝቘመ ዓለምለኻዊ መንግስቲ ኣይኰነን ዚብጻሕ። የግዳስ፡ ኣምላኽ ብዜቝማ መንግስቲ እዩ ዚብጻሕ። ብዘይካዚ ድማ፡ እታ መንግስቲ እቲኣ፡ ግዝኣት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ፍጥረቱ ኸተስፍን እያ። እታ መንግስቲ እቲኣ እንታይ እያ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ” ኢሉ ሰምዩዋ ኣሎ።—ሉቃስ 4:43

“መንግስትኻ ትምጻእ”

የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ኣብነት ዚኸውን ጸሎቱ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ . . . ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሉ ኺጽሊ ኸሎ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዚሓስብ ነይሩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) እወ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ፍቓድ እቶም ህርፋን ስልጣን ዘለዎም ስሱዓት ሰባት ዘይኰነስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እያ ኣብ ምድሪ እትፍጽም።

መንግስቲ ኣምላኽ፡ “መንግስተ ሰማያት” ተባሂላ እውን ትጽዋዕ እያ። (ማቴዎስ 5:3) ስለምንታይ፧ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትገዝእ እኳ እንተ ዀነት፡ ካብ ምድሪ ዘይኰነስ፡ ካብ ሰማይ እያ እትገዝእ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ። እታ ዓለምለኻዊት መንግስቲ እቲኣ፡ ንዋታዊ ወይ ፊናንሳዊ ደገፍ ኣይኬድልያን እዩ። እዝስ ነቶም ምድራዊ ተገዛእታ ኸመይ ዝበለ እፎይታ ዀን እዩ ኪኸውን!

መንግስቲ ኣምላኽ ብንጉስ እትመሓደር መንግስቲ እያ። ንጉሳ ድማ የሱስ ክርስቶስ እዩ፣ ነቲ ስልጣን ከኣ ኣምላኽ እዩ ሂብዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ከምዚ ይብል፦

  • “መንግስቲ ኸኣ ኣብ መንኵቡ ኪኸውን እዩ። . . . ንዕቤት ግዝኣቱን ንሰላሙን መወዳእታ ኣይኪህልዎን እዩ።”—ኢሳይያስ 9:6, 7፡ እግረ ጽሑፍ።

  • “ኵሎም ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ፡ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንዕኡ ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ።”—ዳንኤል 7:14

  • “መንግስቲ ዓለም ናይ ጐይታና [ኣምላኽን] ናይቲ ክርስቶሱን ኰይና እያ።”—ራእይ 11:15

ከምቲ የሱስ ኣብቲ ኣብነት ዚኸውን ጸሎቱ ዝጠቐሶ፡ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ኽትፍጽም እያ። ምድርና ኻብ ሕማማታ ምእንቲ ኽትፍወስን ብበብዓይነቱ ህያዋን ምእንቲ ኽትምላእን፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኵሎም ደቂ ሰብ ንምድሪ ኸመይ ገይሮም ከም ዚከናኸንዋ ኺምሃሩ እዮም።

ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንተገዛእታ ኽትምህሮም እያ። ኵሎም ሰባት ብሕደ ደረጃ ኺምሃሩ እዮም። ኣብ መንጎኦም ባእሲ ወይ ፍልልይ ኣይኪህሉን እዩ። ኢሳይያስ 11:9፡ “ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብርግጽ ብፍልጠት የሆዋ ኽትመልእ እያ እሞ፡ . . . ኣይኪጐድኡን ወይ ኣይኬጥፍኡን እዮም” ትብል።

ሽዑ፡ ነበርቲ ምድሪ ኸምቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኪዀኑ ዚደልዮም፡ ማለት ሰላም ዚፈትዉ ዜጋታት ሓንቲ ዓለም ኪዀኑ እዮም። መዝሙር 37:11፡ “ብብዝሒ ሰላም . . . ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ” ትብል። እናሓደረ ድማ፡ ከም “ገበን፡” “ብከላ፡” “ድኽነት፡” “ውግእ” ዝኣመሰለ ቓላት ኺጠፍእ እዩ። እዚ ግና መዓስ እዩ ዚኸውን፧ እወ፡ መዓስ እያ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ኽትገዝኣ እትጅምር፧ ከመይ ገይራ እያ ኸምኡ እትገብር፧ ንስኻኸ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኻብቲ ግዝኣታ እትጥቀም፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።