ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ጸቕጢ እፎይታ ርኸብ

ጸቕጢ እንታይ እዩ፧

ጸቕጢ እንታይ እዩ፧

ጸቕጢ፡ ኵነታት ኪኸብድ ከሎ ሰብነትካ ዚህቦ ምላሽ እዩ። ሓንጐልካ ናብ ኵሉ ኽፋል ሰብነትካ ሆርሞናት ይሰድድ። እዚ ድማ ንህርመት ልብኻ ይውስኾ፡ ንጸቕጢ ደምካ ይጸልዎ፡ ንዓቕሚ ሰናቡእካ ይውስኾ ወይ ይንክዮ፡ ንጭዋዳታትካ እውን ይኣሳስሮ። እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ከይተረድኣካ ኸሎ፡ ሰብነትካ ንተግባር ይዳሎ። ብርቱዕ ጸቕጢ ዚፈጥር ኵነታት ምስ ሓለፈ፡ ሰብነትካ ኻብቲ ዝነበሮ ደረጃ ናብ ንቡር ይምለስ።

ጽቡቕን ሕማቕን ጸቕጢ

ጸቕጢ ንኸቢድ ወይ ንሓደገኛ ዅነታት ክትጻወር ዜኽእል ተፈጥሮኣዊ ምላሽ እዩ። ናይ ጸቕጢ ምላሽ ኣብ ሓንጐል እዩ ዚጅምር። ጠቓሚ ጸቕጢ ቕልጡፍ ስጕምቲ ኽትወስድ የኽእለካ እዩ። እተወሰነ መጠን ጸቕጢ ሸቶታትካ ኽትወቅዕ ወይ ክትነፍዕ ይሕግዘካ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መርመራ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቃለ መጠይቕ፡ ወይ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ቀጻሊ፡ ብርቱዕ፡ ወይ ሕዱር ጸቕጢ ግና ኪጐድኣካ ይኽእል እዩ። ሰብነትካ ብተደጋጋሚ ወይ ብቐጻሊ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ እንተ ዀይኑ፡ ኣካላውን ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ሽግር የጋጥመካ ይኸውን። ጠባይካ ይልወጥ ይኸውን፣ ንሰብ ዘሎካ ኣተሓሕዛ እውን ይቕየር ይኸውን። ብሰንኪ ሕዱር ጸቕጢ ንሰብነትካ ዚጐድእ ነገራት ምጥቃም ትጅምር ወይ ብኻልእ መገዲ ንጥዕናኻ ኽትጐድእ ትኽእል ትኸውን። ሕሉፍ ሓሊፍካ ጭንቀት ከተሕድር፡ ሓይልኻ ኸም እተጸንቀቐ ኪስምዓካ፡ ርእሰ ቕትለት ክትሓስብ ትኽእል ትኸውን።

ጸቕጢ ንዅሉ ሰብ ብሕደ መገዲ ጽልዋ ዘይገብር እኳ እንተ ዀነ፡ ንብዙሕ ሕማማት ግና ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። ዳርጋ ንዅሉ ኽፋል ሰብነት እውን ኪጸሉ ይኽእል እዩ።