መከራ ዚወርደናን እንኣርግን እንመውትን ስለምንታይ ኢና፧
ፈጣሪና ኸም ውሉዳቱ ስለ ዚርእየና፡ መከራ ኺወርደና ኣይደልን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ሎሚ ብዙሕ መከራ ኣሎ። እዚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ቀዳሞት ወለድና መከራ ኣምጺኦምልና
“ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ . . . ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ።”—ሮሜ 5:12።
ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ወለድና፡ ማለት ንኣዳምን ንሄዋንን፡ ፍጹም ኣእምሮን ፍጹም ሰብነትን ሂቡ እዩ ፈጢርዎም። ኣብ ምድሪ፡ ገነት ኤደን እትብሃል ውቅብቲ መንበሪ ሃቦም። ብዘይካ ኻብ ሓንቲ ኦም፡ ኣብታ ገነት ካብ ዝነበረ ዅሉ ኣእዋም ኪበልዑ ኸም ዚኽእሉ ኸኣ ነገሮም። ኰይኑ ግና፡ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ፍረ እታ ኦም በልዑ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ሓጥኡ። (ዘፍጥረት 2:15-17፣ 3:1-19) ኣምላኽ ነቶም ሰብ ሓዳር ብሰንኪ ዘይተኣዛዝነቶም ካብ ገነት ምስ ሰጐጎም፡ ህይወት መራር ኰነቶም። ነቶም ድሕሪ ግዜ ዝወለድዎም ውሉዳት እውን ህይወት ከቢድ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኵሎም ኣሪጎም ሞቱ። (ዘፍጥረት 3:23፣ 5:5) ንሕና እውን መበቆልና ኻብታ ቐዳመይቲ ስድራ ቤት ስለ ዝዀነ፡ ንሓምምን ንኣርግን ንመውትን ኢና።
እኩያት መናፍስቲ ንመከራና የብዝሕዎ
“ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።”—1 ዮሃንስ 5:19።
እቲ “እኩይ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ሰይጣን እዩ። ንሱ ኻብ ኣምላኽ ዝዓለወ፡ ብዓይኒ ዘይርአ መንፈሳዊ ፍጡር እዩ። (ዮሃንስ 8:44፣ ራእይ 12:9) ድሕሪ ግዜ ኻልኦት መንፈሳውያን ፍጡራት ንሰይጣን ሓበርዎ፣ ንሳቶም ከኣ ኣጋንንቲ ይብሃሉ። እዞም እኩያት መናፍስቲ፡ ብሓይሎም ተጠቒሞም ንሰባት የታልልዎምን ካብ ፈጣሪ የርሕቕዎምን እዮም። ንብዙሓት ሰባት ድማ ሕማቕ ኪገብሩ ጽልዋ የሕድሩሎም እዮም። (መዝሙር 106:35-38፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:1) ሰይጣንን ኣጋንንትን፡ ስቓይን መከራን የውርዱልና እዮም፣ በዚ ኸኣ ባህ ይብሎም እዩ።
ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ርእስና መከራ ነምጽእ
“ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ።”—ገላትያ 6:7።
ኵላትና፡ ብሰንኪ እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ሰይጣን ኣብ ዓለም ብሰንኪ ዜሕድሮ ጽልዋን ብእተፈላለየ መገዲ መከራ ይወርደና እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ሰባት ኣብ ገዛእ ርእሶም መከራ የምጽኡ እዮም። ብኸመይ፧ ሰባት ሕማቕ ነገራት ምስ ዚገብሩ ወይ ናይ ዕሽነት ውሳነታት ምስ ዚውስኑ፡ መብዛሕትኡ እዋን ሕማቕ እዮም ዚዓጽዱ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ሰባት ጽቡቕ ነገር ምስ ዚገብሩ፡ ጽቡቕ ነገር እዮም ዚዓጽዱ። ንኣብነት፡ ሓደ ሓቀኛን ህርኩትን ንስድራ ቤቱ ዜፍቅርን ሰብኣይ ወይ ኣቦ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ይዓጽድ እዩ፣ ስድራ ቤቱ ኸኣ ሕጕስቲ ትኸውን እያ። ብኣንጻሩ ግና፡ ሓደ ዚጣላዕ፡ ብዙሕ ዚሰቲ፡ ወይ ሃካይ ሰብኣይ ንሱን ስድራ ቤቱን ይደኽዩ እዮም። ስለዚ እምበኣር፡ ንፈጣሪና ምስማዕና ጥበባዊ እዩ። ከመይሲ፡ ንሱ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ክንዓጽድን “ብዙሕ ሰላም” ኪህልወናን ይደሊ እዩ።—መዝሙር 119:165።
“ኣብተን ዳሕሮት” መዓልትታት ኢና ዘለና
“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት . . . ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ . . . ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ . . . ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ . . . ኪዀኑ እዮም።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5።
ሎሚ፡ ባህርያት ሓያሎ ሰባት ልክዕ ከምቲ ኣብ ትንቢት እተገልጸ እዩ። እዚ ባህርያቶም ከኣ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና ዜረጋግጽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ውግእ፡ ጥሜት፡ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ሕማም ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት ከም ዝዀነ ይገልጽ እዩ። (ማቴዎስ 24:3, 7, 8፣ ሉቃስ 21:10, 11) እዚ ነገራት እዚ ኸኣ፡ ብዙሕ መከራን ሞትን የስዕብ ኣሎ።