ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

Georgette Douwma/Stone via Getty Images

ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ከተምልጥ ድያ፧

ውቅያኖስ

ውቅያኖስ

ውቅያኖሳት ንመብዛሕትኡ እቲ እንበልዖ ምግቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓያሎ ኻብቲ ንመድሃኒት ዜድሊ ነገራት ይልግስ እዩ። ልዕሊ ፍርቂ ኻብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኦክስጅን ካብ ውቅያኖሳት እዩ ዚፈሪ። ብዘይካዚ፡ ውቅያኖሳት ነቲ ንጥፈታት ደቂ ሰብ ዘህለኾ ካርቦን ይመጺ። ብተወሳኺ እውን፡ ኵነታት ኣየር ከም ዚመጣጠን ይገብር እዩ።

ንውቅያኖስ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ዘሎ ዅነታት

ለውጢ ዅነታት ኣየር ንከርከስ መርጀንን ንድርዓውያን ዓሳታትን ንኻልኦት ማያውያን ፍጥረታትን ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ኣሎ። ስነ ፍልጠተኛታት ዳርጋ ዅሉ እቲ ንልዕሊ ርብዒ እቶም ኣብ ባሕሪ ዘለዉ ህያዋን ዜናብር መርጀን፡ ኣብ ዚቕጽል 30 ዓመት ኪመውት ከም ዚኽእል ይንበዩ።

ልዕሊ 90 ሚእታዊት ኣዕዋፍ ባሕሪ ፕላስቲክ ከም ዝበልዓ፡ ኣብ ውቅያኖስ ዚርከብ ፕላስቲክ ድማ ኣብ ዓዓመት ሚልዮናት እንስሳታት ባሕሪ ኸም ዚቐትል ክኢላታት ይግምቱ።

ብ2022፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ፡ “ንውቅያኖሳት ክንክን ኣይገበርናሉን፣ ስለዚ፡ ሎሚ ‘ህጹጽ ኵነታት ውቅያኖስ’ ኢለ ኽጽውዖ ኣብ ዝኽእል ኵነታት ኢና ዘለና” በለ።

ፕላነትና—ንሓዋሩ ንምንባር እተነድፈት

ደቂ ሰብ ንውቅያኖሳት እምብዛ እንተ ዘይበኪሎምዎ፡ ውቅያኖሳት ኰነ ኣብኡ ዘሎ ህይወት ገዛእ ርእሱ ኸም ዜጻርን ጥዕናኡ ኸም ዚሕሉን ኰይኑ እዩ ተነዲፉ። ሪጀነሬሽን፦ ኤንዲንግ ዘ ክላይመት ክራይስስ ኢን ዋን ጀነሬሽን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ገሊኡ ኽፋል ባሕሪ ኻብቲ ኢንዱስትሪ ዜስዕቦ ህስያ ሓለዋ እንተ ተገይሩሉ፡ “እቲ ውቅያኖሳት ገዛእ ርእሱ ንምሕዳስ ዘለዎ ኽእለት ብዘይ ዓጋቲ እዩ ዚዓዪ” ትብል። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ፦

  • ፋይቶፕላንክተን ዚብሃሉ ደቀቕቲ ተህዋስያን ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ምውሳኽ ዓለምለኻዊ ሙቐት ተባሂሉ ዚእመነሉ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ይምገቡን ይኽዝኑን እዮም። እዞም ፋይቶፕላንክተን ጥራይ ዳርጋ ማዕረ እቲ ዅሉ ኣእዋምን ሳዕርን ኣትክልትን ምድሪ ብድምር ዚኽዝኖ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ይኽዝኑ።

  • ደቀቕቲ ተህዋስያን ነቲ ኻብ ዓሳታት ዚውጽእ ጐሓፍ ይምገብዎ፣ ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ውቅያኖሳት ምተበከለ። ድሕርዚ፡ ደቀቕቲ ተህዋስያን ንኻልኦት ማያውያን ፍጥረታት ምግቢ ይዀኑ። ብመሰረት እቲ ትካል ስሚዝሶኒያን ብዛዕባ ውቅያኖስ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እዚ እተጠቕሰ ምትሕብባር እዚ “ንውቅያኖስ ጽሬቱ ይሕልወሉ።”

  • ኣብ ውቅያኖስ ዚርከቡ ሓያሎ ፍጥረታት በቲ ናይ ምሕቃቕ መስርሖም ኣቢሎም ነቲ ንመርጀንን ንድርዓውያን ዓሳታትን ንኻልኦት ፍጥረታትን ዚጐድእ ኣሲዳዊ ማያት ናብ ዘይጐድእ ማይ ይልውጥዎ።

እንታይ ይግበር ኣሎ፧

ደጋጊምካ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ሳንጣታትን መስተዪ ማይን ምጥቃም፡ ነቲ ናብ ውቅያኖሳት ዚጕሓፍ ፕላስቲክ ኣብ ምንካይ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል

ጐሓፍ ናብ ውቅያኖስ እንተ ዘይተደርብዩ፡ ውቅያኖሳት ጽሬቱ ይሕሎ እዩ። ስለዚ፡ ብፕላስቲክ እተሰርሐ ነገራት ሓንሳእ ተጠቒምና ኣብ ክንዲ እንጕሕፍ፡ ሳንጣታትን ኣቕሑን መትሓዚታትን ደጋጊምና ኽንጥቀም ከም ዘሎና፡ ክኢላታት የተባብዑ።

እዚ ግና እኹል ኣይኰነን። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ሓደ ኣብ ክንክን ኣከባቢ ዚነጥፍ ውድብ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ኣብ 112 ሃገራት ብማዕበል ተደፊኡ ዝወጸ 9,200 ቶን ጐሓፍ ኣኪቡ። እዚ ግና ካብቲ ኣብ ዓዓመት ናብ ውቅያኖስ ዚጕሓፍ ጐሓፍ ሓደ ኻብ ሽሕ ጥራይ እዩ።

ናሽናል ጂኦግራፊክ፡ “እቲ ኽሳዕ ሕጂ [ኣብ ውቅያኖሳት] ኣሲድነት ዚውስኸሉ ዘሎ መጠን ናብ ዝነበሮ ኺምለስ ዚከኣል ኣይኰነን” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ ፍጥረታት ባሕሪ ምስቲ ደቂ ሰብ ብብዝሒ ዜዘውትርዎ በካሊ ነዳዲ ይቃለሱ ኸም ዘለዉ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ነዚ ኺመጣጠንዎ ኣይክእሉን እዮም” ይብል።

ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ምድሪ ብተግባርካ መሊኣ ኣላ። ቍጽሪ ዘይብሎም ንኣሽቱን ዓበይትን ህያዋን ዝመልእዎ ዓብይን ሰፊሕን ባሕሪ እንሆ።” —መዝሙር 104:24, 25

ፈጣሪና ንውቅያኖሳትን ነቲ ውቅያኖሳት ገዛእ ርእሱ ንምጽራይ ዘለዎ ኽእለትን ፈጢሩ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ብዛዕባ ባሕርን ማያዊ ህይወትን ብዙሕ ዚፈልጥ ካብ ኰነ፡ ነቲ ኣብ ውቅያኖሳት ዝወረደ ጕድኣት ንምዕራይ ብቕዓት ዘለዎዶ ኣይመስለካን፧ ኣብ ገጽ 15 ዘላ፡ “ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ከም እተምልጥ ኣምላኽ ኣተስፍዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።