ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ! ቍ. 1 2024 | ኣኽብሮት ኣበይ ጠፊኡ፧

ኣኽብሮት ልክዕ ከም ሓደ ኺጸንት ዝቐረበ ፍጥረት ኰይኑ ብምህላዉ፡ ሳሕቲ ዚርአን ብርቅን ኰይኑ ኣሎ።

ንኣብነት፡ ብዙሓት ሰባት ንሓድሕዶም፡ ንወለዶም፡ ንኣረጋውያን፡ ንፖሊስ፡ ንመሳርሕቶም፡ ንመምህራኖም ኣኽብሮት ኣየርእዩን እዮም። ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ከኣ፡ ናይ ስድነት ቃላት ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ኣብ ሃርቫርድ ቢዝነስ ረቪው እተሓትመት ዓንቀጽ፡ ዘይምክብባር “ይውስኽ ኣሎ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ እዚ ጸገም እዚ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጸንሐ ምዃኑን እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎን ትሕብር።

 

ኣኽብሮት ንሰብ ኣበይ ጠፊኡ፧

ንሰብ ምኽባር ስለምንታይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነን ንሰብ ንምኽባር እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ተምሃር።

ኣኽብሮት ንህይወት ኣበይ ጠፊኡ፧

ንህይወትናን ንህይወት ሰባትን ብኸመይ ኣኽብሮት ከም እነርኢ ዚሕብር መጽሓፍ ቅዱሳዊ ማዕዳ ርአ።

ኣኽብሮት ንስድራ ቤት ኣበይ ጠፊኡ፧

ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ ቤት ምክብባር እንተ ኣልዩ፡ ነፍሲ ወከፎም ብዝያዳ ሕጉሳት እዮም ዚዀኑ።

ኣኽብሮት ንገዛእ ርእስኻ ኣበይ ጠፊኡ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ንርእሶም ኣኽብሮት ኬሕድሩን ህይወቶም ኬመሓይሹን ይሕግዝ።

ኣኽብሮት ኣበይ ጠፊኡ፧

ብዛዕባ ኣኽብሮት ኰነ ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ማሕበረ ሰብ ምክብባር ምእንቲ ኺሰፍን ዚገብርዎ ዘለዉ ነገራት ዚገልጽ ዓንቀጻት ኣንብብ።