ኣኽብሮት ንሰብ ኣበይ ጠፊኡ፧
ኣኽብሮት ንሰብ፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ኣኽብሮት ንሰብ ምስ ዚህሉ፡ ውጥረት ኣይሰፍንን፡ ሕማቕ ኵነታት እውን ኣይጋደድን።
-
ሓደ ምስላ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልኡም ምላሽ፡ ነድሪ የህድእ፣ ተሪር ቃል ግና፡ ቍጥዓ የለዓዕል” ይብል። (ምሳሌ 15:1) ብቓል ይኹን ብተግባር ዘይምክብባር፡ ኣብ ሓዊ እዩ ነዳዲ ዚውስኽ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ፡ ሕማቕ ሳዕቤን ኣለዎ።
-
የሱስ፡ “ኣፍሲ ኻብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ” ኢሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 12:34) ናይ ብድዐ ዘረባ እንተ ተዛሪብና፡ ኣብ ውሽጥና ጸገም ከም ዘሎና እዩ ዚሕብር። እዚ ነገር እዚ፡ ካብ ናትና እተፈልየ ዓሌት፡ ብሄር፡ ዜግነት፡ ወይ ማሕበራዊ ድሕረ ባይታ ብዛዕባ ዘለዎም ሰባት ብሓቂ ኸመይ ከም ዚስምዓና ዚገልጽ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ 28 ሃገራት፡ ካብ 32,000 ኣብ ዚዛይዱ ሰባት ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ፡ ካባታቶም 65 ሚእታዊት ዚኣኽሉ ሰባት፡ ሎሚ ጕድለት ትሕትናን ዘይምክብባርን ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ ኸም ዘሎ ገሊጾም።
ክትገብሮ እትኽእል
ኣብ ቤት ትምህርቲ ዀነ ኣብ ስራሕ፡ ንዅሎም ሰባት፡ ዋላ እውን ነቶም ከም ናትካ ኣረኣእያ ዘይብሎም ሰባት ኣኽብሮም። ነቲ ኽትሰማምዓሉ እትኽእል ነገራት ኣለሊ። እዚ ድማ ከይትነቅፍ ወይ ከይትፈርድ ኪሕግዘካ እዩ።
ንሰባት ከምቲ ኺገብሩልካ እትደልዮ ግበረሎም። ንሰባት ብሓልዮትን ብፍትሕን እንተ ሒዝካዮም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንሳቶም እውን ከምኡ ኺገብሩልካ እዮም።
ይቕረ በሃሊ ኹን። ሰባት ብኽፍኣት ሓሊኖም ከም ዘይተላዕሉ ጌርካ ሕሰብ፣ እዚ ድማ ንጐዳኢ ቓላቶም ወይ ተግባራቶም ዕሽሽ ክትብል ኪሕግዘካ እዩ።
ንሕና እንገብሮ ዘለና
ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብቲ እንነብረሉን እንሰርሓሉን ማሕበረ ሰብ ምክብባር ከም ዚሰፍን ንገብር ኣለና።
ንዅሉ ሰብ ብናጻ መጽሓፍ ቅዱስ ንምህር ኣለና። እምነትና ወይ ኣረኣእያና ብግዲ ኪቕበሉና ጸቕጢ ኣይንገብርን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ መልእኽትና “ብልእመትን ብብዙሕ ኣኽብሮትን” ብምክፋል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ምኽሪ ኽንትግብር ንጽዕር ኢና።—1 ጴጥሮስ 3:15፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:24።
ኣብ መንጎና ፍልልይ የልቦን። መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃር ዚደሊ ዘበለ ሰብ ናብ ኣኼባታትና ሓንጐፋይ ኢልና ንቕበል ኢና። ንሓድሕድና ኽንከኣኣል ንጽዕር ኢና፣ ነቲ “ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኣኽብሩ” ዚብል ምኽሪ እውን ክንትግብሮ ንጽዕር ኢና።—1 ጴጥሮስ 2:17።
ነቲ ንእንነብረሉ ዓዲ ዜመሓድር መንግስቲ ስልጣኑ ነኽብረሉ ኢና። (ሮሜ 13:1) ሕጊ ነኽብር፡ ግብሪ እውን ንኸፍል ኢና። ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ ኻልኦት ሰባት ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ናይ ርእሶም ውሳነታት ንምግባር ዘለዎም መሰል ግና ንሕልወሎም ኢና።