ኣኽብሮት ንገዛእ ርእስኻ ኣበይ ጠፊኡ፧
ኣኽብሮት ንገዛእ ርእስኻ፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ገዛእ ርእሶም ዜኽብሩ ሰባት ንዜጋጥሞም ጸገማት ብምትእምማን ኪሰግርዎ ይኽእሉ እዮም። ብቐሊሉ ኣይሕለሉን እዮም።
-
እቶም ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጽቡቕ ዘይሓስቡ ሰባት፡ ንጭንቀትን ንሕማቕ ኣመጋግባን ከም ዚቃልዑ ምርምር ይሕብር። ኣልኮላዊ መስተ ንምብዛሕን ሓሽሽ ንምውሳድን እውን ብዝያዳ ይቃልዑ እዮም።
-
ንርእሶም ኣኽብሮት ዘለዎም ሰባት፡ ገዛእ ርእሶም ምስ ካልኦት ኣየነጻጽሩን እዮም። እዚ ድማ ምስቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ሰባት ተሳንዮም ንምንባርን ጽቡቕ ዕርክነት ንምምስራትን ዝቐለለ እዩ ዚገብረሎም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ንርእሶም ብዙሕ ኣኽብሮት ዘይብሎም ሰባት፡ ነቐፍቲ እዮም ዚዀኑ። እዚ ድማ ምስ ሰባት ንዘለዎም ርክብ ይሃስዮ እዩ።
-
ንርእሶም ኣኽብሮት ዘለዎም ሰባት ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ንዕኡ ንምስጋር ሓቦ ይገብሩ እዮም። ዕንቅፋታት ናብ ሸቶኦም ካብ ምብጻሕ ኪዓግቶም ኣይፈቕዱን እዮም። ብኣንጻሩ ግና፡ ንርእሶም ብዙሕ ኣኽብሮት ዘይብሎም ሰባት ንንኣሽቱ ጸገማት ከም ዓበይቲ ዕንቅፋታት ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። እዚ ኸኣ ብቐሊሉ ኸም ዚሕለሉ ይገብሮም።
ክትገብሮ እትኽእል
ዜተባብዑኻ ፈተውቲ ምረጽ። ንሰብ ምስ ዜኽብሩን ብሓቂ ምስ ዚግደሱልካን ምስ ዜተባብዑኻን ሰባት ተዓራረኽ።
ንኻልኦት ሓግዝ። ንሰባት ብሓፈሻ፡ እንተላይ ነቶም ውሬታ ኺመልሱ ዘይክእሉ እንተ ለዊህካሎምን ሰናይ እንተ ጌርካሎምን፡ ብምሃብ ዚርከብ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ። ስለቲ ሰናይ ግብርኻ ዘይተንኣድካ ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዓካ፡ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ።
ንደቅኻ ገዛእ ርእሶም ኬኽብሩ ሓግዞም። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ እትገብረሉ መገዲ፡ ከከም ዓቕሞም ባዕሎም ጸገማቶም ኪፈትሑ ብምሕዳግ እዩ። እዚ ኸኣ ንጸገማት ብኸመይ ከም ዚሰግርዎ ኺፈልጡ ይሕግዞም እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ንርእሶም ኣኽብሮት ኬማዕብሉ የኽእሎም፡ ምስ ዓበዩ እውን ይጠቕሞም።
ንሕና እንገብሮ ዘለና
ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንገብሮ ኣኼባታትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ንሰባት፡ ህይወቶም ኰነ ብዛዕባ ርእሶም ዘለዎም ኣኽብሮት የመሓይሸሎም እዩ።
ሰሙናዊ ኣኼባታትና
ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታትና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ርእስኻ ግቡእ ኣኽብሮት ከተማዕብል ዚሕግዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረታት ይቐርብ እዩ። መእተዊ ብናጻ እዩ፣ ንህዝቢ እውን ክፉት እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣኼባታትና ኸምዚ ዚስዕብ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ፦
-
ኣምላኽ ብኣኻ ስለምንታይ ከም ዚግደስ
-
ኣብ ህይወት ናይ ሓቂ ዕላማ ብኸመይ ከም እትረክብ
-
ብኸመይ ድልዱልን ነባርን ዕርክነት ከም እትሃንጽ
‘ንሓድሕዶም ዚተሓላለዩ’ ናይ ሓቂ ፈተውቲ እውን ክትረክብ ኢኻ።—1 ቈረንቶስ 12:25, 26።
ብዛዕባ ኣኼባታትና ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ ኣብ jw.org፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስታ ሓጻር ቪድዮ ድለ።
ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ጌርካ ዚግበር፡ ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኣዳሊና ኣለና። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ቀንዲ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ንጹር መረዳእታታትን ውጽኢታዊ ሕቶታትን መሳጢ ቪድዮታትን ውቁብ ስእልታትን ዝሓዘት እያ። እዚ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ሰባት ንርእሶም ኣኽብሮት ኬሕድሩን ህይወቶም ኬመሓይሹን ይሕግዝ።
ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እትገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪጠቕመካ ኸም ዚኽእል ንምርኣይ፡ ኣብ jw.org፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ሓጻር ቪድዮ ድለ።