መንፈሳውነት
ከምቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ፡ ብዙሓት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ናይ ሃይማኖት መጽሓፍ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኬንብብዎን መምርሒኡ ኺትግብሩን ከለዉ፡ ብመንፈሳዊ መደይ ይተባብዑ እዮም፡ ኣብ ህይወት ዘለዎም ዕላማ እውን ይርድኦም እዩ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ ‘መንፈሳውነት’ እትብል ቃል ንኣረኣእያ ወይ ንመገዲ ህይወት ተመልክት። (ይሁዳ 18, 19) ስጋዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ብዝያዳ ኣብ ርእሱ እዩ ዜተኵር፣ መንፈሳዊ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ሰብ ግና ንመለክዒታት ኣምላኽ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ።—ኤፌሶን 5:1።
ተስፋ
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ብመዓልቲ ጭንቂ ተስፋ እንተ ቘሪጽካ፡ ሓይልኻ ቝሩብ ይኸውን።”—ምሳሌ 24:10።
እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ተስፋ እንተ ቘሪጽና፡ እቲ ኣብ ህይወት ንዜጋጥመና ጸገማት ክንዋጽኣሉ ዜኽእል ብርታዐ ኺጽንቀቕ ይኽእል እዩ። ተስፋ እንተ ኣልዩና ግና፡ ከይተሓለልና ንምቕጻል ብርታዐ ንርክብ ኢና። እቲ ዜጋጥመና ጸገማት ግዜያዊ ምዃኑ ምፍላጥና ኼጸናንዓና ይኽእል እዩ፣ ምናልባት እውን እቲ ጸገማት ጽቡቕ ነገር የፍሪ ይኸውን።
ክትገብሮ እትኽእል፦ ብዛዕባ መጻኢ ትስፉው ኣረኣእያ ኺህልወካ ጽዓር። ኪኸውን ይኽእል ኢልካ ብዛዕባ ዝሓሰብካዮ ነገር ኣብ ክንዲ እትጭነቕ፡ ወይ ኵሉ ዅነታት ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዚጠዓዓም ኣብ ክንዲ እትጽበ፡ ምስቲ ሸቶታትካ ዚሳነ ስጕምቲ ውሰድ። “ዘይተሓስበ ነገር” ኬጋጥም ከም ዚኽእል ዚከሓድ ኣይኰነን። (መክብብ 9:11፡ እግረ ጽሑፍ) መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ ካብቲ እተጸበናዮ ዝሓሸ ነገር እዩ ዜጋጥም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ሕርሻ ብእተተሓሓዘ ምሳሌ ገይሩ ኸምዚ ይብል፦ “ዘርእኻ ንግሆ ዝራእ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ኢድካ ኣይተዕርፍ፣ ከመይሲ፡ ኣየናዩ ኸም ዚሰልጥ፡ እዚ ወይስ እቲ፡ ወይ ክልቲኡ ጽቡቕ እንተ ዀነ፡ ኣይትፈልጥን ኢኻ።”—መክብብ 11:6።
መልሲ ኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣእምሮ ሃበኒ። ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ።”—መዝሙር 119:144, 160።
እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዳርጋ ዅሉ ሰብ ዚሓትቶ ሕቶታት መልሲ ይህበሉ እዩ። ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ይህበሉ እዩ፦
-
ካበይ ኢና መጺእና፧
-
ስለምንታይ ኢና ተፈጢርና፧
-
ሰብ ምስ ሞተ እንታይ እዩ ዚኸውን፧
-
ህይወት ኣኺልዋ ኸምዚኣ ድያ፧
ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ሚልዮናት ሰባት ነዝን ንኻልእን ሕቶታት ዚኸውን መልሲ ብምርካቦም፡ ህይወቶም ተመሓይሹ ኣሎ።
ክትገብሮ እትኽእል፦ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ባዕልኻ መርምር። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ምእንቲ ኺርድኣካ፡ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ሕተቶ። ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብሳይትና እቶ፡ ወይ ከኣ ኣብቲ ብናጻ ንህዝቢ ኽፉት ዝዀነ ኣኼባታትና ተኣከብ።
ካልእ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ
መንፈሳውነት ከም ዜድልየካ ፍለጥ።
“መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም።”—ማቴዎስ 5:3።
ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ኣምላኽ ብዝያዳ ተምሃር።
“[ኣምላኽ] ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ ኽነሱ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎ፡ ሃሰስ ኢሎም እውን እንተ ረኸብዎ ኢሉ እዩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 17:27።
ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቦን ኣስተንትነሉን።
“ንሱ ብሕጊ የሆዋ * ደኣ ይድሰት፣ ነቲ ሕጉ እውን መዓልትን ለይትን የስተንትነሉ። . . . ዚገብሮ ዅሉ እውን ይሰልጦ።”—መዝሙር 1:2, 3፡ እግረ ጽሑፍ።
^ ሕ.ጽ. 23 የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።