ስምዒታዊ ጥዕና
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጐዳኢ ስምዒታት ከይነሕድር የጠንቅቐና፡ ጠቓሚ ስምዒታት ከነማዕብል ከኣ የተባብዓና እዩ።
ቍጥዓ
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ካብ ጅግና . . . ይበልጽ።”—ምሳሌ 16:32።
እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ስምዒትና ኽንቈጻጸር እንተ ኽኢልና፡ ንጥቀም ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ ቍጥዓ ግቡእ ዚኸውን እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዚዀነ ቝጥዓ ግና ሃሳዪ እዩ። ሰባት ምስ ተቘጥዑ፡ ደሓር ዜጣዕሶም ነገር ከም ዚዛረቡ ወይ ከም ዚገብሩ፡ ዘመናዊ ምርምር ይሕብር እዩ።
ክትገብሮ እትኽእል፦ ንስኻ ደኣ ንቝጥዓኻ ተቘጻጸሮ እምበር፡ ንሱ ኺቈጻጸረካ ኣይትሕደጎ። ገሊኦም ሰባት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ቝጥዓ ኸም ምልክት ብርታዐ ዚርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ግናኸ ምልክት ድኽመት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ስምዒቱ ኺቈጻጸር ዘይክእል ሰብሲ፡ መካበብያ ኸም ዘይብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 25:28) ሓደ ኻብቲ ቝጥዓኻ ኽትቈጻጸር እትኽእለሉ ግብራዊ መገዲ፡ ኵሉ ሓቅታት ቅድሚ ምፍላጥካ ምላሽ ዘይምሃብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልቦና ንሰብ፡ ብርግጽ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ” ይብል። (ምሳሌ 19:11) ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ብኽልቲኡ ወገን ዚቐርብ ሓሳባት ተጠንቂቕና ንስማዕ፣ እዚ ድማ ንስምዒታትና ኼህድኦ ዚኽእል ልቦና ኺህበና እዩ።
ምስጋና
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣመስገንቲ እውን ኩኑ።”—ቈሎሴ 3:15።
እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ‘ኣመስገንቲ ሰባት ጥራይ እዮም ሕጉሳት ኪዀኑ ዚኽእሉ’ ይብሃል እዩ። ኣዝዮም ዝፈትውዎ ሰብ ወይ ዜኽብርዎ ነገር ዝሰኣኑ ሰባት ነዚ ኺምስክሩ ይኽእሉ እዮም። ብስምዒታዊ መዳይ ሚዛኖም ሓልዮም ኪመላለሱ ዘኽኣሎም ቀንዲ ነገር፡ ኣብቲ ዝሰኣንዎ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዜመስግኑሉ ነገር ብምትኳሮም ምዃኑ ይገልጹ እዮም።
ክትገብሮ እትኽእል፦ መዓልቲ መዓልቲ፡ ነቲ እተመስግነሉ ነገራት ዘርዝሮ። እዚ ድማ ዓበይቲ ነገራት ጥራይ ኪኸውን የብሉን። ብዛዕባ ንኣሽቱ ነገራት እውን ኣስተንትን፣ ንኣብነት፡ ብዛዕባ ውቁብ ጸሓይ ብራቕ፡ ምስ እትፈትዎ ሰብካ ብዛዕባ ዝገበርካዮ ባህ ዜብል ዕላል፡ ወይ ብህይወት ብዛዕባ ዝወዓልካላ ተወሳኺት መዓልቲ ኽትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኣወንታዊ ነገራት እዚ ተስተብህለሉን
ተማስወሉን እንተ ዄንካ፡ ንስምዒታዊ ጥዕናኻ ብዙሕ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ።ንስድራ ቤትካን ንፈተውትኻን ስለምንታይ ከም እተመስግኖም እንተ ሓሲብካ፡ ብዙሕ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ንኻልኦት ሰባት እተመስግነሉ ነጥብታት ምስ ረኸብካ፡ ብዛዕባኡ ብኣካል፡ ብደብዳበ፡ ብኢ-መይል፡ ወይ ብናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ንገሮም። እዚ ንርክባትካ ኼደልድሎ እዩ፣ ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ እውን ክትረክብ ኢኻ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35።