ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዋህዮ መባዅዕቲ ኣዝዩ እተሓላለኸ ነገር እዩ። ዲ.ኤን.ኤ. ዝሓዘ ብስርዓት እተወደበ ኑክልየስ ኣለዎ፣ ንሞለክዩላት ዚመምን ዜጐዓዕዝን ዜተዓራርን ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ዚርአ “ማሽናት” እውን ኣለዎ፣ እዚ መስርሓት እዚ ድማ ንህይወት እዚ ዋህዮ ኣገዳሲ እዩ።

ህይወት እንታይ ይነግረና፧

ህይወት እንታይ ይነግረና፧

ህያዋን ነገራት ኣብ ዙርያና ይዓብዩን ይንቀሳቐሱን ይራብሑን እዮም። ንፕላነትና ኻብ ካልኦት በይና ጽብቕቲ ኸም እትኸውን ይገብርዋ እዮም። ሎሚ ደቂ ሰብ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብዛዕባ ህያዋን ነገራት ይፈልጡ እዮም። እሞ ደኣ ህይወት ብዛዕባ መበቈሉ እንታይ ይነግረና፧ ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ።

ህይወት ከም እተነድፈ እዩ ዚሕብር። ህያዋን ነገራት፡ ዋህዮታት ብዚብሃሉ ደቀቕቲ ነገራት እዮም ተሃኒጾም። ዋህዮታት ከም ደቀቕቲ ፋብሪካታት እዮም፣ ብህይወት ንምንባርን ንምርባሕን ከኣ ብኣሽሓት ዚቝጸር እተሓላለኸ ዕዮታት ይዓይዩ እዮም። እዚ ንምርዳኡ ዜደንጹ ሕልኽላኽ፡ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ህይወታዊ ነገራት እዩ ዚርከብ። ንኣብነት፡ መባዅዕቲ እስከ ንርአ። መባዅዕቲ ብሓደ ዋህዮ ዝቘመ ህይወታዊ ነገር እዩ። ምስ ዋህዮ ሰብ ኪነጻጸር ከሎ፡ ኣመና ቐሊል ኪመስል ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ኣዝዩ እተሓላለኸ ነገር እዩ። ዋህዮታት መባዅዕቲ ዲ.ኤን.ኤ. ዝሓዘ ብስርዓት እተወደበ ኑክልየስ ዚብሃል ሕመረት ኣለዎም። እዞም ዋህዮታት እዚኦም፡ ንሞለክዩላት ዚመምዩን ዜጐዓዕዙን ዜተዓራርዩን ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ዚርኣዩ “ማሽናት” ኣለውዎም፣ እዚ መስርሓት እዚ ድማ ነዞም ህይወታውያን ነገራት ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ዋህዮ መባዅዕቲ ዚበልዖ ምግቢ ምስ ተወድኦ፡ ንንጥፈታቱ ኸም ዚድስክል ዚገብሮ እተሓላለኸ ከሚካዊ መስርሕ ይጅምር እዩ። እዚ ኸኣ መባዅዕቲ ምስ ብሑቝ ተሓዊሱ ንጡፍ ክሳዕ ዚኸውን፡ ኣብ ክሽነ ንእተወሰነ ግዜ ድስኩል ግናኸ ህያው ኰይኑ ኺጸንሕ የኽእሎ።

ስነ ፍልጠተኛታት ንዋህዮታት ሰብ ምእንቲ ኺርድኡ ኢሎም ኣብ ዋህዮታት መባዅዕቲ ንሓያሎ ዓመታት መጽናዕቲ ገይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ ገና ብዙሕ ዘይፈልጥዎ ነገራት ኣሎ። ኣብ ሽወደን ኣብ ዚርከብ ናይ ተክኖሎጂ ዩኒቨርሲቲ ቻልመርስ ፕሮፌሰር ኣስተውዕሎ ማሽን ኰይኑ ዚዓዪ ሮዝ ኪንግ፡ “መባዅዕቲ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ንምፍላጥ ዜኽእል ኵሉ ምከራታት ኪገብሩ ዚኽእሉ እኹላት ስነ ህይወተኛታት እኳ የብልናን” ኢሉ መረረኡ ገሊጹ ኣሎ።

እንታይ ይመስለካ፧ እዚ ተራ ዋህዮ መባዅዕቲ ኣዝዩ እተሓላለኸ ምዃኑስ ከም እተነድፈ መርትዖ ይኸውን ድዩ፧ እዚ ንድፊ እዚ ብዘይ ነዳፊ ኺመጽእ ይኽእል ድዩ፧

ህይወት ካብ ህይወት ጥራይ እዩ ኺመጽእ ዚኽእል። ዲ.ኤን.ኤ.፡ ኑክልዮታይድ ብዚብሃሉ ሞለክዩላት ዝቘመ እዩ። ኣብ ሓደ ዋህዮ ሰብ፡ 3.2 ቢልዮን ኑክልዮታይድ ኣለዉ። እዚኣቶም ከኣ ኤንዛይምን ፕሮቲንን ምእንቲ ኼፍርዩ፡ ብሓደ ልክዕ ስርዓት እዮም ዚስርዑ።

ሓደ ቐሊል ጕጅለ ኑክልዮታይድ ልክዕ መስርዑ ሓልዩ ኪቐውም ዘለዎ ኣጋጣሚ፡ 1 ካብ 10150 (1 ምስ በልካ 150 ዜሮ ትጽሕፍ) ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚሕሰብ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ዳርጋ ፈጺሙ ዘይከኣል ጌርካ እዩ ዚሕሰብ።

ህይወት ካብ ዘይህይወታዊ ነገር ብወዝቢ ኺመጽእ ኸም ዚኽእል ዘረጋገጸ ስነ ፍልጠታዊ ምከራ የሎን።

ህይወት ሰብ ብርቂ እዩ። ንሕና ሰባት፡ ንህይወት ካብ ካልኦት ህይወታውያን ብዝበለጸ መገዲ ኸነስተማቕር ዜኽእለና ባህርያት ኣሎና። ምዕቡል ናይ ምምሃዝ ተውህቦን ማሕበራዊ ኽእለታትን በበይኑ ስምዒታትን ኣሎና። ንጣዕምን ንሽታን ንደሃይን ንሕብርን ንትርኢትን ኣጸቢቕና ነስተማቕር ኢና። ንመጻኢ መደብ ንገብር፡ ትርጉም ህይወት ክንፈልጥ እውን ንደሊ ኢና።

እንታይ ይመስለካ፧ እዚ ባህርያት እዚ ብህይወት ንምንባርን ንምርባሕን ስለ ዘድለየና ዝማዕበለ ድዩ፡ ወይስ ህይወት ካብ ፈቃር ፈጣሪና ኸም እተዋህበ ዚሕብር እዩ፧