ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስነ ፍልጠተኛታት ኪነግሩና ዘይክእሉ ነገራት

ስነ ፍልጠተኛታት ኪነግሩና ዘይክእሉ ነገራት

ስነ ፍልጠተኛታት ዳርጋ ንዅሉ መዳይ እቲ ፍሉጥ ዩኒቨርስ መጽናዕቲ ዝገበሩሉ እዮም ዚመስሉ። እንተዀነ ግና፡ ኪምልስዎ ዘይክእሉ ሓያሎ ኣገዳሲ ሕቶታት ኣሎ።

ዩኒቨርስን ህይወትን ብኸመይ ከም ዝጀመረ ብስነ ፍልጠት ይፍለጥ ድዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ፡ ብቐሊሉ ‘ኣይፍለጥን እዩ’ ዚብል እዩ። ስነ ቆዝሞስ ተባሂሉ ዚፍለጥ ዓውዲ ስነ ፍልጠት፡ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ከም ዚገልጽ ዚኣምኑ ኣለዉ። ብህልውና ኣምላኽ ዚጠራጠር ኣብ ኮለጅ ዳርትማውዝ ፕሮፌሰር ስነ ኰዀብ ኰይኑ ዚዓዪ ማርሰሎ ግሌዚር፡ “መበቈል ዩኒቨርስ እንታይ ምዃኑ ፈጺምና ኣይገለጽናን” ኢሉ ተኣሚኑ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ድማ፡ ኣብ መጽሔት ሳይንስ ኒውስ ዝወጸት ዓንቀጽ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ከምዚ ትብል፦ “ህይወት ኣብ ምድሪ ብሓቂ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝጀመረ ምፍላጥ ዘይከኣል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጥንቲ ኣብ ምድሪ እንታይ ከም ዝዀነ ዚሕብር ስነ መሬታዊ ኣሰር፡ ቀደም ጠፊኡ እዩ።” እዚ ቓላት እዚ፡ ስነ ፍልጠት ነታ፡ ‘ዩኒቨርስን ህይወትን ብኸመይ ጀሚሩ፧’ እትብል ሕቶ ኸም ዘይመለሳ ይሕብር።

ይኹን እምበር፡ ‘ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት እተነድፈ እንተ ዀይኑ፡ መን እዩ ነዳፊኡ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ምናልባት እውን ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሓቲትካ ትኸውን፦ ‘ጥበበኛን ፈቃርን ፈጣሪ እንተሎ፡ ስለምንታይ ደኣ እዩ ሰብኣውያን ፍጡራቱ ኺሳቐዩ ዚፈቅድ፧ ስለምንታይ እዩ ኣመና ብዙሕ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ኣምልኾ ኺህሉ ዚፈቅድ፧ ስለምንታይከ እዩ ኣምለኽቱ ኣመና ብዙሕ ክፉእ ተግባራት ኪገብሩ ዚፈቅድ፧’

ነዚ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ ኣብ ስነ ፍልጠት ኣይንረክብን ኢና። እዚ ግና፡ ዜዕግብ መልሲ ኽትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት ኣይኰነን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜዕግብ መልሲ ረኺቦም እዮም።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ዝገበሩ ገሊኦም ስነ ፍልጠተኛታት ስለምንታይ ብፈጣሪ ኸም ዚኣምኑ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ jw.org ርአ። “ርእይቶታት ብዛዕባ መበቈል ህይወት” ዚብል ድለ።