ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሱ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

መልሱ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ህልውና ፈጣሪ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ መርትዖታት፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዘሎ እንተ ኣእሚኑካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸኡ ኸም እተጻሕፈ ዚሕብር መርትዖ ኽትምርምር ትደሊ ትኸውን። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ እንተ ኣሚንካዮ ኸኣ፡ እዚ ዚስዕብ ጥቕምታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ህይወትካ ትርጉም ይህልዋ

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “[ኣምላኽ] ካብ ሰማይ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን እናሃበኩምን ብምግቢ እናኣጽገበኩምን ልብኹም ብሓጐስ እናመልአን ጽቡቕ ብምግባር፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።”—ግብሪ ሃዋርያት 14:17

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኵሉ እቲ ኻብ ተፈጥሮኣዊ ዓለም እትረኽቦ ነገራት፡ ካብ ፈጣሪ እተዋህበ ውህበት እዩ። እቲ ወሃቢ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚሓልየልካ ምስ ፈለጥካ፡ ነቲ ውህበታት ብዝያዳ ኸተማስወሉ ኢኻ።

ንመዓልታዊ ህይወትካ ዚኸውን ዜተኣማመን መምርሒ ትረክብ

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ጽድቅን ፍትሕን ቅንዕናን፡ አረ መገዲ ዅሉ ሰናይ ዘበለ ኽትርዳእ ኢኻ።”—ምሳሌ 2:9

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣምላኽ ፈጣሪኻ ስለ ዝዀነ፡ ሓጐስ ንምርካብ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ይፈልጥ እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምምርማር፡ ሕጂ ኺጠቕመካ ዚኽእል ትምህርትታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ንሕቶታትካ መልሲ ትረክብ

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ፍልጠት ኣምላኽ . . . ክትረክብ ኢኻ።”—ምሳሌ 2:5

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ምፍላጥ፡ ንኸምዚ ዚስዕብ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ሕቶታት መልሲ ኽትረክብ የኽእለካ፦ ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧ መከራ በዚሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜዕግብ መልሲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ይህልወካ

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “‘ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብሲ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ብሩህ መጻእን ተስፋን ክህበኩም፡ ሓሳብ ሰላም እምበር፡ ናይ መዓት ኣይኰነን።’”—ኤርምያስ 29:11

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ንእከይን ንመከራን ንሞትን ከም ዜወግዶ ኣተስፍዩና ኣሎ። ነቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት እንተ ኣሚንካሉ፡ እቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎካ ተስፋ ንመዓልታዊ ጸገማትካ ብትብዓት ክትሰግሮ የኽእለካ እዩ።