ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብኸመይ ክትውስን ትኽእል፧

ብኸመይ ክትውስን ትኽእል፧

“ዩኒቨርስ ብዘይ ገለ ምኽንያት ገዛእ ርእሱ ኺፈጥር ይኽእል እዩ፡ ይፈጥር እውን እዩ።”—ስቲቨን ሆኪንግን ለናርድ ምሎዲኖቭን፡ ፊዚከኛታት፡ 2010።

“ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ።”—መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዘፍጥረት 1:1

ዩኒቨርስን ኣብኡ ዘሎ ህይወትን ብኣምላኽ ድዩ ተፈጢሩ፡ ወይስ ብኣጋጣሚ እዩ ናብ ህልውና መጺኡ፧ እዞም ኣብዛ ዓንቀጽ እተጠቕሱ ኽልተ ፊዚከኛታት እተዛረብዎ ቓላትን እቲ ኣብ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቃላትን ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ክልተ በበይኑ ምላሽ እዩ ዚህበና። ንኽልቲኡ ኣረኣእያታት ብጽኑዕ ዚድግፉ ደገፍቲ ኣለውዎ። ብዙሓት ሰባት ግና ርግጸኛታት ኣይኰኑን። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ህቡባት መጻሕፍትን ኣብ ህዝባዊ ኽትዓትን ብርቱዕ ግጥም ኣካይዶም እዮም።

ዩኒቨርስን ህይወትን ብወዝቢ ኸም ዝመጸ፡ ፈጣሪ እውን ከም ዘየልቦ፡ መምህራንካ ደረቶም ነፊሖም ይዛረቡ ይዀኑ። ኰይኑ ግና፡ ፈጣሪ ኸም ዘየልቦ ዜርኢ መርትዖ ኣቕሪቦምልካዶ፧ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ይሰብኩ ይዀኑ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ዚድግፍ መርትዖ ሂቦምኻዶ፡ ወይስ ነዚ ነገር እዚ “ብእምነት” ተቐበሎ እዮም ኢሎምኻ፧

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ መሸም ሓሲብካ ኣለኻ፣ ዋላ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ህልውና ፈጣሪ ርግጽ ኪኸውን ከም ዘይክእል እውን ይስምዓካ ይኸውን። ብዘይካዚ፡ ካልእ ሕቶ እውን ይልዓለካ ይኸውን፣ ‘መልሱ ብሓቂዶ ኣገዳሲ እዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ፡ ፈለማ ገሊኦም ብፈጣሪ ኺኣምኑ ዘኽኣሎም ጭቡጥ ሓቅታት ከተቕርብ እያ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ መበቈል እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ምፍላጥ ስለምንታይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኽትገልጽ እያ።