ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዩኒቨርስ እንታይ ይነግረና፧

ዩኒቨርስ እንታይ ይነግረና፧

ዩኒቨርስ ንስነ ኰዀበኛታት ወትሩ እዩ ዜስተንክሮም። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ንምርምሮም ዚኸውን ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝሓሸ ናውቲ ኣለዎም። እሞ ደኣ እንታይ ርኽበታት እዩ ዘሎ፧

ዩኒቨርስ እተወደበ እዩ። ብመሰረት ሓንቲ ኣብ መጽሔት ኣስትሮኖሚ ዝወጸት ዓንቀጽ፡ “ጋላክሲታት ኣብ ሰማይ ብወዝቢ ፋሕ ኢሉ ኣይኰነን ዘሎ፣ የግዳስ ከም ዓለባ ሳሬት ዝበለ ንድፊ ኣለዎ።” እዚ ኸመይ ኢሉ ይኸውን፧ ስነ ፍልጠተኛታት፡ እዚ ኪኸውን ዝኸኣለ፡ ብሰንኪ እቲ ጸሊም ነገር (dark matter) ተባሂሉ ዚፍለጥ ዘይርአ ነገር ምዃኑ ይኣምኑ። እዚ ጸሊም ነገር እዚ፡ ‘ጋላክሲታትን ጥምሮ ጋላክስታትን ዚስርዑሉን እተጾሩሉን ከም ከብሒ ዝበለ ዘይርአ ነገር’ ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

እሞ ደኣ ዩኒቨርስ ብኸመይ እዩ ተወዲቡ፧ እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዘሎ ስርዓትሲ ብወዝቢ ኺመጽእ ይኽእል ድዩ፧ ኣለን ሳንዲጅ ዝሃቦ ሓሳብ እስከ ንርአ። ንሱ “ሓደ ኻብቶም ካብ ኵሉ ዝዓበዩን ጽልዋ ዘለዎምን ናይ መበል 20 ዘመን ስነ ኰዀበኛታት” ጌርካ እዩ ዚርአ፣ ብኣምላኽ ዚኣምን ድማ እዩ ነይሩ።

ንሱ ኸኣ፡ “‘እዚ ስርዓት እዚ ኻብ ሕንፍሽፍሽ መጺኡ’ ዚብልዎ ሓሳብ ዘይከውን ገይረ እየ ዝርእዮ። ዚውድቦ ስርዓት ኪህሉ ኣለዎ” ይብል።

ዩኒቨርስ ንህይወት ንምድጋፍ ብደቂቕ እተቓነየ እዩ። ብዛዕባ እቲ ስነ ፍልጠተኛታት፡ ድኹም ሓይሊ ዚብልዎ እሞ ሕሰብ። እቲ ሓይሊ እቲ ንጸሓይና ብስሩዕ ክትነድድ የኽእላ። እቲ ሓይሊ ኻብቲ ዘለዎ ዝደኸመ እንተ ዚኸውን፡ ጸሓይ ኣይምሃለወትን። ዝሓየለ እንተ ዚኸውን ከኣ፡ ጸሓይ ቀደም ምጠፍአት።

እቲ ድኹም ሓይሊ፡ ሓደ ኻብቲ ንሕና ኽንህሉ ዜኽእለና ብደቂቕ እተቓነየ ሓይልታት እዩ። ኣኒል ኣናንታስዋሚ ዝስሙ ስነ ፍልጠተኛ፡ ሓደ ኻብዚ ሓይልታት እዚ ኻብቲ ሕጂ ዘለዎ እተፈልየ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ “ከዋኽብትን ፕላነታትን ጋላክስታትን ኣይምቘመን። ህይወት እውን ኪህሉ ኣይምኸኣለን” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።

ዩኒቨርስ ንደቂ ሰብ እትኸውን ብልጽቲ መንበሪት ኣላቶ። ምድሪ ልክዕ ሃዋህው ኣለዋ፡ ልክዕ መጠን ማይ ኣለዋ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ቦታኣ ኽትከውን እተኽእላ ልክዕ ዝግዝፋ ወርሒ ኣላታ። ናሽናል ጂኦግራፊክ፡ “እቲ እተጠናነገ መርበብ ስነ መሬትን ስነ ኣከባብን ስነ ህይወትን፡ ነዛ እተደንጹ ኸውሒ [ንምድርና]፡ ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተረኽበ ዘበለ ንደቂ ሰብ እትምሽእ በይና ኸም እትኸውን ገይርዋ” ትብል። *

ሓደ ጸሓፊ ኸም ዝበሎ፡ ስርዓተ ጸሓይና ኣብ ጋላክሲና ኻብ ካልእ ከዋኽብቲ ምሕድግ ኢሉ እዩ ዘሎ። እተገለለ ብምዃኑ ግና፡ ህይወት ኣብ ምድሪ ኺህሉ ኽኢሉ ኣሎ። ኣብ ማእከል ጋላክስና ወይ ኣብቲ ጫለዳ ዚመስል ኽፋሉ ኣብ ጥቓ ኻልኦት ከዋኽብቲ ንነብር እንተ ንኸውን ኔርና፡ እቲ ኻብኡ ዚመጽእ ጸርጊ ንህይወትና ኣብ ሓደጋ መእተዎ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ኣብቲ ገሊኦም ስነ ፍልጠተኛታት፡ “ኪንበረሉ ዚከኣል ዞባ ጋላክሲ” ዚብልዎ ቦታ ኢና ዘለና።

ፖል ዴቪስ ዚብሃል ፊዝከኛ ኣብቲ ብዛዕባ ዩኒቨርስን ባህርያቱን ዘሎ ስነ ፍልጠት ተመርኲሱ ኸምዚ ኣብ ዚብል መደምደምታ በጺሑ ኣሎ፦ “ኣብዚ ዩኒቨርስ ዘሎና ህልውና ብዕድል ዝመጸ፡ ብድንገት ኣብ ታሪኽ እተኸስተ፡ ኣብቲ ቆዝሞሳዊ ድራማ ብወዝቢ ዝዀነ ኢለ ኣይኣምንን እየ። . . . ብዕላማ ኢና ኣብዚ ኽንህሉ ተሓሲብና።” ዴቪስ፡ ኣምላኽ ንዩኒቨርስን ንሰብኣዊ ህይወትን ከም ዝፈጠረ ዚምህር ኣይኰነን፣ ግናኸ፡ እንታይ ይመስለካ፧ ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ መሸም ዩኒቨርስን ምድርን ንህይወት ተባሂሉ እተነድፈ እዩ ዚመስል። ከምኡ መሲሉ ዚርአ ዘሎ፡ ብሓቂ ስለ ተነድፈ ደዀን ኪኸውን ይኽእል፧

^ ሕ.ጽ. 8 እዛ ኣብ ናሽናል ጂኦግራፊክ ዝወጸት ዓንቀጽ፡ ኣምላኽ ንምድርን ንደቂ ሰብን ከም ዝፈጠሮም እትእምት ኣይኰነትን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምድሪ ንሰባት እትምሽእ መንበሪት ምዃና ጥራይ እያ እትገልጽ ነይራ።