ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተክኖሎጂ ንደቅኻ ብኸመይ ይጸልዎም

ተክኖሎጂ ንደቅኻ ብኸመይ ይጸልዎም

ቈልዑ ኣብ ኣጠቓቕማ ተክኖሎጂ ኽኢላታት ካብ ምዃኖም እተላዕለ፡ “ዲጂታዊ ደቀባት” ይብሃሉ እዮም። ብኣንጻሩ ግና፡ ዓበይቲ ንተክኖሎጂ ቐልጢፎም ስለ ዘይመልክዎ፡ “ዲጂታዊ ስደተኛታት” ተባሂሎም ኣለዉ።

ገሊኦም ሰባት፡ ኣብ ኢንተርነት ብዙሕ ግዜ ዜጥፍኡ መንእሰያት፡ ነዚ ዚስዕብ ሓደጋ ኸም ዚቃልዑ ኣስተብሂሎም እዮም።

  • ውሉፋት ኤለክትሮኒካዊ ናውቲ ይዀኑ።

  • ብኢንተርነት ዚግበር መጥቓዕቲ የጋጥሞም፡ ወይ ንሳቶም ንኻልኦት የጥቅዑ።

  • ብፍላጥ ኰነ ብዘይፍላጥ ንስእለ ጽዩፍ ይቃልዑ።

ክትፈልጦ ዘሎካ

ወልፊ

ገሊኡ ኣብ ኢንተርነት ዘሎ ንጥፈታት፡ ንኣብነት፡ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት፡ ወልፊ ዜትሕዝ እዩ። እዚ ኸኣ ዀነ ኢልካ እተገብረ እዩ። ብዛዕባ እዚ ሪክለይሚን ኮንቨርዜሽን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “እቲ ኣብ ሞባይልና ዚርከብ ኣፕሊኬሽናት እተነድፈሉ መገዲ፡ ሞባይልና ኻብ ኢድና ኸም ዘይንፈሊ ዚገብር እዩ” ኢላ ኣላ። ግዜና ንንግዲ ተባሂሉ እተዳለወ ኣፕሊኬሽናት ኣብ ምርኣይ ብዘውዓልናዮ መጠን፡ ንመወዓዋዕቲ ኢና ዝያዳ እነኽስቦም።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ደቅኻ ኻብ ኤለክትሮኒካዊ ንዋቶም ኪፍለዩ ይኸብዶም ድዩ፧ ንግዜኦም ብግቡእ ምእንቲ ኺጥቀምሉ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧—ኤፌሶን 5:15, 16

ብኢንተርነት ዚግበር መጥቃዕቲ

ገሊኦም ሰባት ኢንተርነት ኪጥቀሙ ኸለዉ፡ ሓራቓት፡ ብዕሉጋት፡ ብዛዕባ ስምዒት ካልኦት ዘይግደሱ ስለ ዚዀኑ ንኻልኦት ይድንድኑ እዮም።

ገሊኦም ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኸምዚ ዓይነት ዘይግቡእ ባህርያት ዜርእዩ፡ ካልኦት ሰባት ኪስዕብዎምን ኪፈትውዎምን ሓያል ድሌት ስለ ዘለዎም እዩ። ብተወሳኺ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ንጥፈት፡ ንኣብነት ኣብ ፓርቲ እንተ ዘይተዓዲሙ፡ ከም እተገለለ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ደቅኻ ኢንተርነት ኪጥቀሙ ኸለዉ፡ ግቡእ ባህርያት የርእዩ ድዮም፧ (ኤፌሶን 4:31) ኣብ ሓደ ንጥፈት እንተ ዘይተዓዲሞም ይሓርቁ ድዮም፧

ስእለ ጽዩፍ

ኢንተርነት፡ ብዕሉግ ነገራት ብቐሊሉ ኸም ዚርከብ ገይሩ እዩ። ከምዚ ንዝኣመሰለ ዘይግቡእ ነገራት ዜጻሪ ሶፍትዌር ብእተወሰነ ይሕግዝ እዩ፡ እንተዀነ ግና፡ ወለዲ ዜጻሪ ሶፍትዌር ምግባር ጥራይ፡ ውሕስነት ከም ዘይህብ ኪግንዘቡ ኣለዎም።

ሰክስቲንግ፡ ማለት ብሞባይል ብዕሉግ ነገራት ምልኣኽ ወይ ምቕባል ብሕጊ ኬኽስስ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሕጊ ሓንቲ ሃገር ንዕድመ እቶም ኣብቲ ጕዳይ እተሳተፉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቶም ነዚ መልእኽቲ እተለኣኣኹ፡ ስእለ ጽዩፍ ቈልዑ ምዝርጋሕ ብዚብል ኪኸስሶም ይኽእል እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ደቅኻ ነቲ ብኢንተርነት ጾታዊ ስእልታት ንምርኣይን ንምልኣኽን ዜጋጥሞም ፈተና ኺጻረርዎ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧—ኤፌሶን 5:3, 4

ክትገብሮ እትኽእል

ንደቅኻ ኣሰልጥኖም

ዋላ እኳ “ዲጂታዊ ደቀባት” ንተክኖሎጂ ብቐሊሉ ዚመልክዎ እንተ ዀኑ፡ መምርሒ ግና የድልዮም እዩ። ንቘልዑ ሞባይል ወይ ኤለክትሮኒካዊ ንዋት ቅድሚ ምሃብና ብዛዕባ ግቡእ ኣጠቓቕማኡ ኸነሰልጥኖም ኣሎና። ነዚ ብዚምልከት ኢንድስትራክተብል ዘርእስታ መጽሓፍ ከምኡ ዘይምግባር “ምሕምባስ ከይከኣሉ ናብ መሐምበሲ ተነቍቶም ኪኣትዉ ብሸለልትነት ከም ምሕዳግ እዩ” ትብል።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንቘልዓ በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ፣ ምስ ኣረገ እኳ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።”—ምሳሌ 22:6

ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኻብ ዘሎ ሓሳባት፡ ነቲ ኽትዓይየሉ እተደሊ ምልክት ግበረሉ፡ ወይ ከኣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓሳብ ጽሓፍ።

  • ውሉደይ ኢንተርነት ኪጥቀም ከሎ ኼርእዮ ብዛዕባ ዚግባእ ጠባይ ኬመያይጦ

  • ውሉደይ እተገለለ ዀይኑ ኺስምዖ ኸሎ፡ ነዚ ኺዋጽኣሉ ኽሕግዞ

  • ዘይግቡእ ትሕዝቶ ዘለዎ ነገራት ናብ ሞባይሉ ኸይኣቱ ብእተኻእለ መጠን ክዓጽዎ

  • ኣብ ሞባይሉ እንታይ ከም ዘሎ በብእዋኑ ኽርኢ

  • ኣብ መዓልቲ ነቲ ኢንተርነት ዚጥቀመሉ ሰዓታት ገደብ ክገብረሉ

  • ናብ መደቀሲኡ ሞባይል ሒዙ ኸይኣቱ ክኽልክሎ

  • ኣብ እዋን መኣዲ ኤለክትሮኒካዊ ንዋት ምጥቃም ክእግድ