ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መዛግብትና

ብሚልዮናት እትፍለጥ መጕልሕ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና

ብሚልዮናት እትፍለጥ መጕልሕ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና

“ኣብ ብራዚል ንጐይታ እተገልግል ሓንቲ መጕልሕ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና ጥራይ እያ ዘላ፣ ንሳ ድማ ብሚልዮናት ሰባት፡ ‘መጕልሒ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና ግምቢ ዘብዐኛ’ ተባሂላ እያ እትፍለጥ።”—ናትናኤል ኣልስተን ዩለ፡ ብ1938።

ኣብ መጀመርታ 1930ታት ኣብ ብራዚል ዝነበረ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብተዛማዲ ዝሕቱል እዩ ነይሩ። ብ1935 ግና፡ ናትናኤል ዩለን ሞድ ዩለን ዚብሃሉ ፈለምቲ፡ ናብቲ ኣብ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ዝነበሮ ጆሴፍ ራዘርፎርድ ጸሓፉ። ኬገልግሉ ፍቓደኛታት ምዃኖም ድሕሪ ምጥቃሶም ከኣ፡ “ናብ ዝዀነ ቦታ ንምኻድ ሕጉሳት” ከም ዝዀኑ ገለጹ።

እቲ ጡረታ ዝወጸ ሲቭላዊ መሃንድስ ዝነበረ ናትናኤል፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 62 ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብታ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ፡ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ. እትርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ኣላዪ ኣገልግሎት ኰይኑ የገልግል ነይሩ። ኣብኡ ኸሎ ድማ፡ ነቲ ዕዮ ስብከት ከም ዚውደብ ገይሩ እዩ፣ ነቲ ብስራት ኣብ ምዝርጋሕ እውን መጕልሕ ድምጺ ይጥቀም ነይሩ እዩ። ኣብታ ሰፋሕን ብዙሕ ቋንቋታት ዚዝረበላን ብራዚል ኣገልጋሊ ጨንፈር ኰይኑ ኼገልግል ከሎ፡ ተመክሮኡን ፍቓደኛነቱን በረኸት ኣምጺኡ እዩ።

ብ1936 ናትናኤልን ሞድን ምስ ኣንቶንዮ ኣንድራዲ ዚብሃል ብጻዮም ፈላምን ተርጓምን ናብ ብራዚል ከዱ። ምሳታቶም ከኣ ክቡር ንብረት፡ ማለት 35 ፎኖግራፋትን ሓንቲ መጕልሕ ድምጺ እተገጥመላ ማኪናን ተማልኡ። እታ ብስፍሓት ምድራ ኣብ ዓለም ብሓምሻይ ደረጃ እትስራዕ ሃገረ ብራዚል፡ 60 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እዮም ነይሮምዋ! እዚ ተባላሓትነት እተራእየሉ ናውቲ ድምጺ ግና፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ንሚልዮናት ሰባት ንምብጻሕ ሓጊዙ እዩ።

ካብቲ እንዳ ዩለ ናብ ብራዚል ዝኣተዉሉ ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ከተማ ሳኦ ፓውሎ ናይ ፈለማ ዓብዪ ኣኼባ ኣገልግሎት ኣዳለወ። እታ መጕልሒ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና ኸኣ ሞድ እናዘወረታ ነቲ ህዝባዊ መደረ ንምውዕዋዕ ኣገልጊላ ብምንባራ፡ 110 ተኣከብቲ መጺኦም ነበሩ። እቲ ዓብዪ ኣኼባ ንፍናን እቶም ኣስፋሕቲ ወሰኾ፣ በዚ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዝነበሮም ተሳትፎ ወሰኸ። ብጽሑፋትን ብካርድታት ምስክርነትን፡ ከምኡ ድማ በቲ ብሃንጋርኛን ብስጳንኛን ብእንግሊዝኛን ብጀርመንኛን ብፖላንድኛን ጸኒሑ እውን ብፖርቱጋልኛ እተዳለወ ፎኖግራፋት ገይሮም ምስባኽ ከኣ ተማህሩ።

እዛ መጕልሕ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና፡ ኣብ ብራዚል ንዚነብሩ ሚልዮናት ሰባት ኣበሲራቶም እያ

ብ1937 ኣብ ሳኦ ፓውሎን ሪዮ ዲ ጃንየሮን ኩሪቲባን እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ኣገልግሎት፡ ንዕዮ ወንጌላውነት ሓድሽ ምልዕዓል ፈጢሩ እዩ። እታ መጕልሕ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና ምስቶም ኣኼበኛታት ኣብቲ ኣብ በቤት እናኸድካ ዚግበር ዕዮ ትኸይድ ነበረት። ኣብቲ ግዜ እቲ መንእሰይ ዝነበረ ዦዘ ማግሎቭስኪ፡ ጸኒሑ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ እዩ፦ “መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ኣብ መደርደሪ ነንብሮ እሞ እታ መጕልሕ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና እተቐድሐ መልእኽቲ ኸተመሓላልፍ ከላ፡ ነቶም እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ኺርእዩ ኻብ ኣባይቶም ዝወጹ ሰባት ነዘራርቦም ነበርና።”

ነብሶም ኪሕጸቡ ናብ ኣፍላግ ዝመጹ ሰባት፡ ኣብቲ ኸባቢ ጸሓይ ኪጽለዉ ኸለዉ፡ ኣብቲ ኣፍላግ ጥምቀት ይካየድ ነበረ። ነቲ ብስራት በታ መጕልሕ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና ጌርካ ምስባኽሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዀን እዩ ነይሩ! ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓውና ራዘርፎርድ ዝሃቦ መደረ ጥምቀት በቲ መጕልሕ ድምጺ እናተቓልሐ፡ ንምፍላጥ እተሃንጠዩ ሰባት ነታ ማኪና ኸቢቦም፡ ነቲ ናብ ፖርቱጋልኛ ዚትርጐም ዝነበረ መደረ ሰምዑ። ድሕሪኡ፡ በቲ መጕልሒ ድምጺ ብፖላንድኛ እተዘመረ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ እናተሰምዐ፡ እቶም ሕጹያት ጥምቀት ተጠምቁ። ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ሓቢሮም ዘመሩ። ዓመት መጽሓፍ 1938 ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ብጰንጠቈስጠ ነፍሲ ወከፍ በብቛንቋኡ ኸም እተረድአ እዩ ዜዘኻኽረካ” ትብል።

ዝናም ወይ ጸሓይ ይኹን ብዘየገድስ፡ ሰንበት ሰንበት ድሕሪ እቲ ኣኼባታት፡ እታ መጕልሕ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና ኣብ ማእከል ሳኦ ፓውሎን ኣብ ከባቢኣ ኣብ ዚርከባ ንኣሽቱ ኸተማታትን እናዞረት ኣብ መናፈሻታትን መንበሪ ኣባይትን ፋብሪካታትን ንዚርከቡ ሰባት እተቐድሐ መደረታት መጽሓፍ ቅዱስ ተስምዕ ነበረት። ካብ ሳኦ ፓውሎ ብሰሜናዊ ምዕራብ 97 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዚርከብ 3,000 ነበርቲ ኣብ ዘለውዎ ሰፈር ድዉያት ድማ ወርሓዊ መደብ ተቕርብ ነበረት። ድሕሪ ግዜ፡ ኣብቲ ቦታ ሓንቲ እናሰፍሐት እትኸይድ ጉባኤ ቘመት። እቶም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሕማቕ ኵነታት እኳ እንተ ነበሩ፡ ነቲ ዜጸናንዕ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዞም ናብ ካልእ ሰፈር ድዉያት ንምኻድ ፍቓድ ተዋህቦም።

ኣብ መወዳእታ 1938፡ ብፖርቱጋልኛ እተዳለወ ቕዳሓት መንግስቲ ኣምላኽ መጸ። ኣብታ “መዓልቲ ዅለን ነፍሳት” ተባሂላ እትብዓል መዓልቲ፡ እታ መጕልሕ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና ኣብ ፍቐዶ መቓብር እናኸደት፡ “ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧፡” “የሆዋ፡” “ሃብቲ” ዘርእስቱ መደረታት፡ ንልዕሊ 40,000 ሓዘንተኛታት ኣስሚዓ እያ።

ኣቕሽሽቲ በቲ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብትብዓት እተኣወጀሉ መገዲ ብምቝጣዖም፡ ንሰበ ስልጣን፡ ነታ ማኪና ስቕ ኬብልዋ ጸቕጢ ይገብሩሎም ነበሩ። ሓብትና ዩለ፡ ሓደ ቐሺ ንህዝቢ ብምልዕዓል ብዙሓት ሰባት ነታ ማኪና ኸም ዚዓጕጉዋ ዝገበረሉ እዋን ትዝ ይብላ እዩ። ከንቲባ እታ ኸተማን ኣባላት ፖሊስን መጺኦም ግና ንብምሉኡ እቲ መደብ ሰምዑ። እቲ ከንቲባ ድማ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፍ ተቐቢሉ ኸደ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ናዕቢ ኣይተላዕለን። ከምዚ ዝበለ ተቓውሞ እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ዓመት መጽሓፍ 1940 ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓመተ 1939 ኣብ ብራዚል ዝነበረ ዅነታት ክትገልጽ ከላ፡ “ነቲ ዓብዪ ቲኦክራት ንምግልጋልን ስሙ ንምእዋጅን ብሉጽ እዋን” ምንባራ ሓቢራ እያ።

“መጕልሕ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና ግምቢ ዘብዐኛ” ናብ ብራዚል ምምጻኣ፡ ኣብቲ ኣብኡ ዚግበር ዕዮ ስብከት ዓብዪ ለውጢ ኣምጺኣ እያ። ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንሚልዮናት ንምብጻሕ ከኣ ኣገዳሲ ግደ ነይርዋ እዩ። እታ ውርይቲ ማኪና እቲኣ ብ1941 እኳ እንተ ተሸጠት፡ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት፡ ኣብቲ ሰፊሕ ክሊ ብራዚል ንዚርከቡ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ይሰብኩሎም ኣለዉ።—ኣብ ብራዚል ካብ ዚርከብ መዛግብትና።