ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወትሩ ንየሆዋ ብሓጐስ ኣገልግሎ

ወትሩ ንየሆዋ ብሓጐስ ኣገልግሎ

ብዛዕባ እታ ኣብ ህይወትካ ልዕሊ ዅሉ እተሓጐስካላ መዓልቲ እሞ ሕስብ ኣብል። መዓልቲ መርዓኻ ወይ በዅሪ ውሉድካ እተወልደላ መዓልቲ ድያ ነይራ፧ ወይ ከኣ ርእስኻ ንየሆዋ ወፊኻ ብማይ እተጠመቕካላ መዓልቲ ድያ ነይራ፧ እታ መዓልቲ እቲኣ ንዓኻ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲትን ኣዝያ ዘሐጐሰትካን መዓልቲ ነይራ ትኸውን። ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ እውን ንኣምላኽ ብምሉእ ልብኻን ነፍስኻን ኣእምሮኻን ሓይልኻን ከም እተፍቅሮ ምስ ኣርኣኻ፡ ብዙሕ እዮም ተሓጒሶም!—ማር. 12:30

ካብ እትጥመቕ ንነጀው፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዙሕ ሓጐስ ረኺብካ ትኸውን ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ሓደ እዋን ዝነበሮም ሓጐስ ኣጥፊኦምዎ እዮም። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዀይኑ፧ ወትሩ ንየሆዋ ብሓጐስ ከነገልግሎ ዚሕግዘና እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧

ገሊኦም ሓጐሶም ዘጥፍኡሉ ምኽንያት

እቲ የሆዋ ነዚ እኩይ ስርዓት ኣጥፊኡ ሓዳስ ዓለም ከም ዜምጽእ ዜተስፉ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብርግጽ የሐጕሰና እዩ። ብዘይካዚ፡ ጸፎንያስ 1:14 “እታ ዓባይ መዓልቲ [“የሆዋ፡” NW] . . . ቀሪባ፡ ቀሪባ እያ፡ ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ” ኢላ ተረጋግጸልና። ኰይኑ ግና፡ ካብቲ እተጸበናዮ ንዝነውሐ ግዜ ምጽባይና ንሓጐስና ኼጥፍኦ፡ ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ቕዱስ ኣገልግሎት ድማ ኬዛሕትለና ይኽእል እዩ።—ምሳ. 13:12

ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ጽቡቕ ምሕዝነት ምስ ዚህልወና፡ ወትሩ ንየሆዋ ብሓጐስ ከነገልግሎ የለዓዕለና እዩ። እቲ ሰናይ ኣካይዳ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ስሒቡናን ንኣምላኽ ብሓጐስ ምግልጋል ከም እንጅምር ገይሩናን ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 2:12) ሓደ ክርስትያን ብጻይና ስርዓታት ኣምላኽ ሓልዩ ብዘይምምልላሱ እንተ ተገሲጹ ግና እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ገሊኦም ብጽቡቕ ባህርያት ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ሓቂ ተሳሒቦም ዝነበሩ ሰባት ሕልናኦም ኬዕርቡን ሓጐሶም ኬጥፍኡን ይኽእሉ እዮም።

ንግዳዊ ፕሮፓጋንዳ እዚ እኩይ ስርዓት ሰይጣን እውን ሓጐስና ኼጥፍኣልና ይኽእል እዩ። ድያብሎስ በታ ዓለሙ ገይሩ ዘየድሊ ነገራት ከም ዜድልየና ገይሩ ኼእምነና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣ ወይ ከኣ ናብቲ ሓደ ለጊቡ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ከም ዝበለ ኽንርስዕ የብልናን። (ማቴ. 6:24) ንየሆዋ ብሓጐስ እናኣገልገልና ኣብ ዓለም ዘሎ ዅሉ ንምርካብ ክንጽዕር ኣይንኽእልን ኢና።

‘ብኣምላኽ ድሕነትና ምሕጓስ’

ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ፡ ንዕኡ ምግልጋል ከቢድ ኣይኰኖምን እዩ። (1 ዮሃ. 5:3) የሱስ እውን፡ “ኣቱም ኵሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ። ኣነ ልኡምን ትሑት ዝልቡን እየ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ እውን ተምሃሩ፣ ንነፍሳትኩም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ከመይሲ፡ ኣርዑተይ ምሹእ፡ ጾረይ እውን ፈኲስ እዩ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 11:28-30) ክርስትያን ወደ መዝሙር ናይ ምዃን ኣርዑት ምጻር ዕረፍትን ሓጐስን እዩ ዜምጽእ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸኣ ብርግጽ ብዙሕ ዜሐጕስ ነገራት ኣሎና። ‘ብኣምላኽ ድሕነትና ሕጉሳት’ ክንኰነሉ እንኽእል ሰለስተ ኣገዳሲ ምኽንያት እስከ ንርአ።—ኣን. 3:18NW።

ነቲ ወሃብ ህይወትና ዝዀነ ሕጉስ ኣምላኽ ኢና እነገልግል። (ግብ. 17:28፣ 1 ጢሞ. 1:11) ህልውናና ሳላ ፈጣሪና ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ ብዝሒ እቲ ኻብ እንጥመቕ ዝሓለፈ ዓመታት ብዘየገድስ፡ ብሓጐስ ነገልግሎ ኢና።

ሄክቶር ንተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዝካርን ንጡፍ ብምዃንን ሓጐሱ ዓቂቡ ኣሎ

ገያሺ ሓላዊ ዀይኑ 40 ዓመት ዘገልገለ ሄክቶር እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ‘ብእርግናኡ እኳ’ ንየሆዋ ተሓጒሱ የገልግሎ ኣሎ። (መዝ. 92:12-14) ሕማም ሰበይቱ ነቲ ሄክቶር ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝነበሮ ንጥፈታት እኳ እንተ ደረቶ፡ ንሓጐሱ ግና ኣይነከዮን። ብዛዕባ እዚ ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ሰበይተይ በብቝሩብ ጥዕና እናሰኣነት ክትከይድ ምርኣየይ የጕህየኒ፡ ንዓኣ ምክንኻን እውን ይኸብደኒ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ነቲ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ብምግልጋል ዝረኽቦ ሓጐሰይ ኬጥፍኦ ኣይፈቐድኩን። ህይወተይ ካብቲ ንሰብ ብዕላማ ዝፈጠረ የሆዋ ምዃና ምፍላጠይ፡ ኣዝየ ኸፍቅሮን ብምሉእ ልበይ ከገልግሎን እኹል ምኽንያት ኰይኑኒ እዩ። ኣብ ዕዮ ስብከት ንጡፍ ንምዃን እጽዕር እየ፣ ሓጐሰይ ምእንቲ ኸየጥፍእ ከኣ፡ ንተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮይ ቀዳማይ ቦታ ኽህቦ እየ ዝጽዕር።”

የሆዋ መስዋእታዊ በጃ ኣዳልዩልና፣ በዚ ኸምዚ ድማ ዜሐጕስ ህይወት ኪህልወና ይኽእል። “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃ. 3:16) እወ፡ ሓጢኣትና ይቕረ ኺብሃለልና ይከኣል እዩ፣ ብመሰረት እቲ ኣብቲ ኣምላኽ ብፍቕሪ ዘዳለዎ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ዘሎና እምነት ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ንኽእል ኢና። እዝስ ኣመስገንቲ እንዀነሉ ብሉጽ ምኽንያት ደይኰነን፧ ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋናኸ ንየሆዋ ብሓጐስ ንምግልጋል ኪድርኸናዶ ኣይግባእን፧

ኼሱስ ንህይወቱ ኣቕሊሉ እዩ፣ ንሓያሎ ዓመታት ድማ ንየሆዋ ብሓጐስ የገልግሎ ኣሎ

ኣብ መክሲኮ ዚነብር ኼሱስ ዝስሙ ሓው ከምዚ ይብል፦ “ባርያ ስራሐይ እየ ነይረ፣ ግዴታ ዘይብለይ ክነሰይ፡ ሓድሓደ ግዜ ሓሙሽተ ተኸታታሊ እብረ እሰርሕ ነይረ። ዝያዳ ገንዘብ ክረክብ ኢለ እየ ኸምኡ ዝገብር ነይረ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ የሆዋን ከመይ ገይሩ ፍቑር ወዱ ንደቂ ሰብ ከም ዝሃበን ተማሂረ። ከገልግሎ ሓያል ባህጊ ሓዲሩኒ። ስለዚ፡ ርእሰይ ንየሆዋ ወፍየ፣ ነቲ 28 ዓመት ዝሰራሕኩሉ ኩባንያ ሓዲገ ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኪኸውን ወሲነ።” ድሕርዚ፡ ንሱ ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ብሓጐስ ኣገልጊልዎ እዩ።

እቲ እነፍርዮ ፍረ፡ ዓብዪ ሓጐስ እምበር፡ ጓሂ ኣየፍርን እዩ። ንየሆዋ ቕድሚ ምፍላጥካ፡ ህይወትካ ኸመይ ከም ዝነበረ ትዝክሮዶ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ባሮት ሓጢኣት” ምንባሮም፡ ደሓር ግና “ባሮት ጽድቂ” ምዃኖም ኣዘኻኺርዎም እዩ። “ብመገዲ ቕድስና” ድማ ፍረ የፍርዩ ነበሩ፣ እዚ ኸኣ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ ዚመርሕ። (ሮሜ 6:17-22) ንሕና እውን ካብ ርኽሰትን ዓመጻን ሓራ ብምዃንና፡ ቅዱስን ጓሂ ዘይብሉን መገዲ ህይወት ኢና እንስዕብ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!

“እተን ንየሆዋ ዘገልገልኩለን ዓመታት፡ ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ዅሉ እተሓጐስኩለን እየን።”—ኼይመ

ኣብ መኸተ ጕስጢ ዚሳተፍ ዝነበረ፡ ብህልውና ኣምላኽ ዘይኰነስ ብፍልቀት ዚኣምን ኼይመ ዝስሙ ሰብ እሞ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ኼይመ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪእከብ ምስ ጀመረ፡ በቲ ኣብኡ ዝረኣዮ ፍቕሪ ተደነቐ። ነቲ ናይ ቀደም መገድታቱ ንምሕዳግ ድማ፡ ብየሆዋ ምእንቲ ኺኣምን ካብኡ ሓገዝ ለመነ። ብዛዕባ እዚ ኼይመ ኸምዚ ይብል፦ “በብቝሩብ ፈቃር ኣቦን መሓሪ ኣምላኽን ከም ዘሎ ኽፈልጥ ጀመርኩ። ነቲ ናይ የሆዋ ስርዓታት ጽድቂ ምሕላወይ፡ ዕቝባ ዀይኑኒ እዩ። እንተ ዘይቅየር ነይረ፡ ከምቲ ገሊኦም ተጓሰጥቲ ኣዕሩኸይ ዝዀንዎ፡ ምሞትኩ ነይረ። እተን ንየሆዋ ዘገልገልኩለን ዓመታት፡ ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ዅሉ እተሓጐስኩለን እየን።”

ኣይትተሓለል!

መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ኽንጽበ ኸለና፡ ከመይ ኪስምዓና ኣለዎ፧ ‘ንመንፈስ ኢልና ንዘርእ’ ከም ዘለና፡ ‘ናይ ዘለኣለም ህይወት ድማ ከም እንዓጽድ’ ኣይትረስዕ። እምበኣር፡ “እንተ ዘይተሓሊልና፡ ብግዜኡ ኽንዓጽድ ኢና እሞ፡ ሰናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ።” (ገላ. 6:8, 9) ብሓገዝ የሆዋ ነቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ኽንሰግር ዜድልየና ባህርያት ንምምዕባል ብተጻዋርነት ንጽዓር፣ ፈተናታት እናኣጋጠመና እውን ንየሆዋ ብሓጐስ ነገልግሎ።—ራእ. 7:9, 13, 14፣ ያእ. 1:2-4

ኣምላኽ ንዕዮና ዀነ ነቲ ንዕኡን ንስሙን ዘሎና ፍቕሪ ኣጸቢቑ ስለ ዚፈልጦ፡ ተጻዋርነትና ዓስቢ ኸም ዜፍሪ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ወትሩ ንየሆዋ ብሓጐስ እንተ ኣገልጊልናዮ፡ ከም ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ክንከውን ኢና፣ ንሱ ድማ ከምዚ እዩ ኢሉ፦ “ንየሆዋ ወትሩ ኣብ ቅድመይ እገብሮ እየ። ብየማነይ ስለ ዝዀነ፡ ከቶ ኣይናወጽን እየ። ስለዚ፡ ልበይ ይሕጐስ፡ ኵለንትናይ እውን ባህ ይብሎ። ኣነ ኸኣ ብደሓን እነብር።”—መዝ. 16:8, 9NW።