ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ እሙን ኩን

ንየሆዋ እሙን ኩን

“የሆዋ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርአይን ኣብ መንጎ ዘርእኻን ንዘለኣለም ይኹን።” —1 ሳሙ. 20:42NW።

መዝሙር፦ 43, 31

1, 2. እቲ ዮናታን ምስ ዳዊት ዝነበሮ ዕርክነት፡ ፍሉይ ኣብነት ተኣማንነት ዚዀነና ስለምንታይ እዩ፧

ዮናታን በቲ ዳዊት ነቲ ዓርሞሸሽ ጐልያድ ዝገጠመሉ መገዲ ተገሪሙ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪኡ፡ ዳዊት “ርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ . . . ኣብ ኢዱ” ሒዙ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣቦ ዮናታን ዝዀነ ሳኦል ንጉስ እስራኤል ቀረበ። (1 ሳሙ. 17:57) ዮናታን ንዳዊት ብትብዓቱ እዩ ኣድኒቕዎ ኪኸውን ዘለዎ። ኣምላኽ ምስ ዳዊት ከም ዝነበረ ንጹር እዩ ነይሩ፣ ስለዚ፡ “ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረት። . . . ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎ፡ ኪዳን ተአታተዉ።” (1 ሳሙ. 18:1-3) ድሕሪኡ፡ ዮናታን ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንዳዊት እሙን ነበረ።

2 ኣምላኽ ንዳዊት ዚቕጽል ንጉስ እስራኤል ገይሩ እኳ እንተ ሓረዮ፡ ዮናታን ምስ ዳዊት ዝነበሮ ዕርክነት ቀጺሉ እዩ። ሳኦል ንዳዊት ኪቐትሎ ምስ ደለየ፡ ዮናታን ብዛዕባ ዳዊት ኣተሓሳሲብዎ እዩ። ነዚ ፈታዊኡ ኼተባብዖ ኢሉ ድማ ናብቲ ኣብ ሖሬሽ ዚርከብ በረኻ ይሁዳ ኸደ። ዮናታን ‘ንኢድ ዳዊት ብኣምላኽ ኣጽንዐ።’ “ኣይትፍራህ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ካልኣይካ ክኸውን እየ” እውን በሎ።—1 ሳሙ. 23:16, 17

3. ዮናታን ካብቲ ንዳዊት ዝነበሮ ተኣማንነት ንላዕሊ እንታይ እዩ ዜገድሶ ነይሩ፧ ከመይ ጌርናኸ እዚ ንፈልጥ፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእሊ ርአ።)

3 ተኣማንነት ዳርጋ ብዅሉ ይድነቕ እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ዮናታን ንኣምላኽ ዝነበሮ ተኣማንነት ዕሽሽ ኢልና፡ ነቲ ንዳዊት ዝነበሮ ተኣማንነት እንተ ኣድኒቕና፡ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዜምልጠና። ዮናታን ንዳዊት ከም መቐናቕንቱ ዘይኰነስ፡ ከም ፈታዊኡ ገይሩ ዝረኣዮ ስለምንታይ እዩ፧ ካብቲ ኺረኽቦ ዚኽእል ዝነበረ ዕቤት ንላዕሊ ዜገድሶ ነገር ስለ ዝነበሮ እዩ። ንኢድ ዳዊት ‘ብኣምላኽ ከም ዘጽንዖ’ ኽንርስዕ የብልናን። እምበኣር፡ ኣብ ልቢ ዮናታን እቲ ንኣምላኽ ዘለዎ ተኣማንነት እዩ ቐዳማይ ቦታ ነይርዎ። እወ፡ ነቲ ንዳዊት ዘለዎ ተኣማንነት መሰረት ዝዀኖ፡ ንየሆዋ ዘለዎ ተኣማንነት እዩ ነይሩ። ክልቲኦም ሰብኡት ነቲ፡ “የሆዋ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርአይን ኣብ መንጎ ዘርእኻን ንዘለኣለም ይኹን” ኢሎም እተመሓሓልዎ ማሕላ ብተኣማንነት ሓልዮምዎ እዮም።—1 ሳሙ. 20:42NW።

4. (ሀ) እንታይ እዩ ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ዜምጽኣልና፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

4 ክርስትያናት ብምዃንና፡ ናይ ካልኦት ተኣማንነት ጥራይ ኣይኰንናን እነድንቕ፣ ንሕና ንባዕልና እውን ንኣባላት ስድራ ቤትናን ንፈተውትናን ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትናን እሙናት ኢና። (1 ተሰ. 2:10, 11) ኰይኑ ግና፡ ኣብ ልብና ንመን ዘሎና ተኣማንነት እዩ ቐዳማይ ቦታ ኺህልዎ ዘለዎ፧ ነቲ ወሃብ ህይወትና ዘሎና ተኣማንነት እዩ። (ራእ. 4:11) ነቲ ተኣማንነት እቲ ምሕላውና ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን የምጽኣልና። ንኣምላኽ እሙናት ክንከውን እንተ ዄንና ግና፡ ከቢድ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ እውን ከይተረፈ ናብኡ ኽንለግብ ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ኣርባዕተ በዳሂ ዅነታት ንየሆዋ እሙናት ንምዃን፡ ዮናታን ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኽንርኢ ኢና። እቲ በዳሂ ዅነታት ከኣ እዚ ዚስዕብ እዩ፦ (1) ስልጣን ዘለዎ ሰብ፡ ኣኽብሮት ዘይግብኦ ምስ ዚመስለና፡ (2) ንመን እሙናት ክንከውን ከም ዘሎና ኽንመርጽ ምስ እንግደድ፡ (3) ሰብ ብጌጋ ምስ ዚርድኣና ወይ ምስ ዚፈርደና፡ (4) ተኣማንነትና ምስ ብሕታዊ ጥቕምና ምስ ዚጋጮ።

ስልጣን ዘለዎ ሰብ፡ ኣኽብሮት ዘይግብኦ ምስ ዚመስለና

5. ሳኦል ንጉስ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ህዝቢ እስራኤል ንኣምላኽ እሙናት ምዃን ፈታኒ ዚዀኖም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

5 ኣምላኽ ንሳኦል ኣቦ ዮናታን ንጉስ ኪኸውን እኳ እንተ ቐብኦ፡ ሳኦል ግና ጸኒሑ ዘይእዙዝ ኰነ፡ የሆዋ ድማ ነዓቖ። (1 ሳሙ. 15:17-23) ኣምላኽ ንሳኦል ብኡብኡ ኻብ ዝፋኑ ስለ ዘየውረዶ፡ እቲ ሕማቕ ኣካይዳኡ ንተገዛእቱን ንዅሎም እቶም ዚቐርብዎን ፈቲንዎም እዩ። እቲ ኣብ ‘ዝፋን የሆዋ’ እተቐመጠ ንጉስ ብንቕጽና ኣብ ዚመላለሰሉ እዋን፡ ንኣምላኽ እሙን ምዃን በዳሂ ዀይንዎም እዩ።—1 ዜና 29:23

6. ዮናታን ብተኣማንነት ናብ የሆዋ ኸም ዝለገበ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

6 ሳኦል ንመጀመርታ ግዜ ናይ ዘይተኣዛዝነት መንፈስ ምስ ኣርኣየ እኳ፡ ወዱ ዮናታን ንየሆዋ እሙን ኰይኑ እዩ። (1 ሳሙ. 13:13, 14) ነብዪ ሳሙኤል፡ “እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንህዝቡ ኣይሐድጎን እዩ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 12:22) ኣዝዮም ብዙሓት ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ምስ 30,000 ሰረገላ ኣንጻር እስራኤል ምስ መጹ፡ ዮናታን ነዚ እተዘርበ ኸም ዚኣምን ኣርእዩ እዩ። ሽዑ፡ ሳኦል 600 ሰባት ጥራይ እዮም ነይሮምዎ፣ ንሱን ዮናታንን ጥራይ ከኣ እዮም ኣጽዋር ዝነበሮም። ዮናታን ግና ንጋሻ ዛግሬኡ ጥራይ ምስኡ ተማሊኡ ናብ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ቀረበ። “እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኰነ ወይ ብሒዶት ገይሩ ምድሓን ዚኽልክሎ የልቦን” በለ። እቶም ክልተ እስራኤላውያን ካብቶም ጭፍራ 20 ሰባት ቀተሉ። ሽዑ፡ “ካብ ኣምላኽ ፍርሃት ኰነ፡ እታ ሃገር ድማ ኣንቀጥቀጠት።” እቶም ፍልስጥኤማውያን እውን ንሓድሕዶም ተቐታተሉ። በዚ ኸምዚ፡ እታ ዮናታን ኣብ ኣምላኽ ዝነበረቶ እምነት ናብ ዓወት መርሐት።—1 ሳሙ. 13:5, 15, 22፣ 14:1, 2, 6, 14, 15, 20

7. ዮናታን ነቲ ምስ ኣቦኡ ዝነበሮ ርክብ ብኸመይ ሒዝዎ፧

7 ሳኦል ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ እናተበላሸወ ምስ ከደ እውን፡ ዮናታን ብእተኻእሎ መጠን ምስ ኣቦኡ ይተሓባበር ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ንሱን ሳኦልን ንህዝቢ ኣምላኽ ኪከላኸሉሎም ኢሎም ብሓባር ኰይኖም ተዋጊኦም እዮም።—1 ሳሙ. 31:1, 2

8, 9. ስልጣን ንዘለዎም ከነኽብር ከለና፡ ንኣምላኽ እሙናት እንኸውን ብኸመይ ኢና፧

8 ንሕና እውን ዋላ እኳ ገሊኦም ሰበ ስልጣን ኣኽብሮት ዘይግብኦም እንተ መሰሉና፡ ዚከኣል ኣብ ዝዀነሉ መዳይ ከምቲ ኣምላኽ ዚደልየና ኣብ ልዕሌና ንዘለዉ ሰበ ስልጣን ተገዛእቲ ብምዃን፡ ንየሆዋ እሙናት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ሓደ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ብልሹው ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ነቶም ‘ኣብ ልዕሌና ዘለዉ ሰበ ስልጣን’ ኣብ በቦታኦም ዝሰርዖም የሆዋ ብምዃኑ ግና፡ ንቦታኡ ኸነኽብሮ ኣሎና። (ሮሜ 13:1, 2 ኣንብብ።) ከም ሓቂ እኳ፡ ኵላትና ነቶም የሆዋ ስልጣን ዝሃቦም ብምኽባር፡ ንዕኡ እሙናት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ቈረ. 11:3፣ እብ. 13:17

ንዘይኣማኒ መጻምድቲ ኣኽብሮት ምርኣይ፡ ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ እሙን ክትኰነሉ እትኽእል መገዲ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

9 ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትነብር ኦልጋ [1] ኣብ ትሕቲ ፈታኒ ዅነታት ንሰብኣያ ብምኽባራ፡ ንኣምላኽ እምንቲ ዀይና እያ። ሰብኣያ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃና ኸም ዘይተሓጐሰላ ንዓመታት ገሊጹላ እዩ። ብስምዒታዊ መዳይ ሃስይዋ፡ ጸሪፍዋ፡ ተሰጕዲሙላ፡ ደቆም ሒዙ ሓዲግዋ ኸም ዚኸይድ እውን ኣፈራሪህዋ እዩ። ኦልጋ ግና ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይፈደየትን። የግዳስ፡ ንሰብኣያ ምግቢ ብምድላውን ክዳውንቱ ብምሕጻብን ንስድራ ቤቱ ብምክንኻንን፡ ንፍዕቲ ሰበይቲ ንምዃን ዚከኣላ ገበረት። (ሮሜ 12:17) ክትክእል ከላ ኸኣ፡ ምስኡ ናብ ናይ ስድራ ቤቱ ወይ ናብ ናይ መሳርሕቱ ምትእኽኻብ ትኸይድ ነይራ እያ። ንኣብነት፡ ንቐብሪ ኣቦኡ ናብ ካልእ ከተማ ኪኸዱ ምስ ደለየ፡ ነቶም ቈልዑ ኣዳልያቶም፡ ንጕዕዞ ዜድሊ ዅሉ ነገራት እውን ገይራ እያ። እቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኽሳዕ ዚዛዘም፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ ክርስትያን ኰይና ንሰብኣያ ተጸብያቶ እያ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ብምኽንያት እቲ ትዕግስታን ኣኽብሮታን ኣረኣእያኡ ኺልስልስ ጀመረ። ሕጂ ኸኣ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይወስዳ፡ ክትከይድ እውን የተባብዓ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣብ ኣኼባታት ምስኣ ይእከብ ኣሎ።—1 ጴጥ. 3:1

ንመን እሙናት ክንከውን ከም ዘሎና ኽንመርጽ ምስ እንግደድ

10. ዮናታን ንመን እሙን ኪኸውን ከም ዘለዎ ብኸመይ ፈሊጡ፧

10 ሳኦል ንዳዊት ኪቐትሎ ስለ ዝቘረጸ፡ ዮናታን ንመን እሙን ኪኸውን ከም ዘለዎ ኺመርጽ ተገዲዱ እዩ። ምስ ዳዊት ኪዳን እኳ እንተ ተኣታተወ፡ ዮናታን ንኣቦኡ እውን ይግዝኦ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ምስ ዳዊት እምበር፡ ምስ ሳኦል ከም ዘይኰነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ነቲ ንዳዊት ዝነበሮ ተኣማንነት፡ ካብቲ ንኣቦኡ ዝነበሮ ተኣማንነት ኣቐዲምዎ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ንዳዊት ኪሕባእ ኣጠንቂቕዎ፡ ደሓር እውን ብዛዕባኡ ኣብ ቅድሚ ሳኦል ጽቡቕ ተዛሪቡ እዩ።—1 ሳሙኤል 19:1-6 ኣንብብ።

11, 12. ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ንመን እሙናት ክንከውን ከም ዘሎና ንምውሳን ብኸመይ ትሕግዘና፧

11 ሓንቲ ኣሊስ ዝስማ ኣውስትራልያዊት ሓብቲ እቲ ንኣምላኽ ዘለዋ ተኣማንነት፡ ኣብ ካልእ መዳያት እውን ንመን እምንቲ ኽትከውን ከም ዘለዋ ንምውሳን ሓጊዝዋ እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጀመረት፡ ነቲ እተማህረቶ ጽቡቕ ነገራት ንስድራ ቤታ ትነግር ነበረት። ጸኒሓ ኸኣ፡ ንኣባላት ስድራ ቤታ በዓል ልደት ከም ዘይተብዕል ነገረቶም። ምኽንያታታ እኳ እንተ ገለጸትሎም፡ እቲ ኣብ ፈለማ ዝነበሮም ሓልዮት በብቝሩብ ናብ ቍጥዓ ተቐየረ። ንስድራ ቤታ ዝባና ትህቦም ከም ዘላ ዀይኑ ተሰምዖም። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዘጋጠማ፡ ኣሊስ ከምዚ ትብል፦ “ኣብ መወዳእታ፡ ኣደይ ‘ደጊም ውላደይ ኣይኰንክን’ ኢላትኒ። ንስድራ ቤተይ ብሓቂ ስለ ዘፍቅሮም፡ ሰምቢደን ውሽጠይ ተጐዲአን እየ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋን ወዱን ኣብ ልበይ ቀዳማይ ቦታ ኺህልዎም ከም ዘለዎ ቘሪጸ እየ፣ ኣብ እትቕጽል ኣኼባ ድማ ተጠሚቐ እየ።”—ማቴ. 10:37

12 እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ንሃገርና፡ ንቤት ትምህርትና፡ ወይ ንናይ ስፖርት ጋንታና ዘሎና ተኣማንነት፡ ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሄንሪ፡ ቸስ ምጽዋት ይፈቱ እዩ። ቤት ትምህርቱ ድማ ነቲ ውድድር ናይ ምዕዋት ልምዲ ነበራ፣ ንሱ እውን ዚከኣሎ ጻዕሪ ኺገብር ደለየ። ኰይኑ ግና፡ ዘጋጠሞ ነገር ባዕሉ ኸምዚ ኢሉ ገሊጹ እዩ፦ “በብቝሩብ ንቤት ትምህርትና ዝነበረኒ ተኣማንነት ካብቲ ንኣምላኽ ዝነበረኒ ተኣማንነት ንላዕሊ ቐዳምነት ክህቦ ጀሚረ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዚግበር ጸወታ ቸስ፡ ንኣገልግሎተይ ግዜ እስእን ነይረ። ስለዚ፡ ካብቲ ጋንታ ቸስ ክወጽእ ወሲነ።”—ማቴ. 6:33

13. ኣብ ስድራ ቤት ንዜጋጥም ጸገማት ንምፍታሕ፡ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

13 ሓድሓደ ግዜ፡ ንእተፈላለዩ ኣባላት ቤተ ሰብና ብሓንሳእ እሙናት ምዃን የጸግመና እዩ። ንኣብነት፡ ኬን ከምዚ ይብል፦ “ብዕድመ ንዝደፍአት ኣደይ ኣዘውቲረ ኽበጽሓን ሓሓሊፋ ምሳና ኸም እትሓድር ክገብርን እደሊ ነይረ እየ። ኣደይን ሰበይትን ግና ኣይቃደዋን እየን ነይረን። ኣብ ፈለማ፡ ንሓዲአን ከየጕሃኹ ነታ ሓንቲ ኸሐጕስ ዘይክእል ብምንባረይ ኣብ መቐራቕሮ ኣትየ ነይረ። ግናኸ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ብቐዳምነት ንሰበይተይ እሙን ክኸውን ከም ዘሎኒ ኣስተውዒለ። ስለዚ፡ ንዓኣ ቕቡል ዝዀነ ፍታሕ ኣዳልየ።” ኬን በቲ ንኣምላኽ ዘለዎ ተኣማንነትን ንቓሉ ዘለዎ ኣኽብሮትን ተደሪኹ፡ ንሰበይቱ ስለምንታይ ንኣዲኡ ብለውሃት ክትቅበላ ኸም ዘለዋ፡ ንኣዲኡ ድማ ስለምንታይ ንሰበይቱ ኸተኽብራ ኸም ዘለዋ ኺገልጽ ክኢሉ እዩ።—ዘፍጥረት 2:24፣ 1 ቈረንቶስ 13:4, 5 ኣንብብ።

ሰብ ብጌጋ ምስ ዚርድኣና ወይ ምስ ዚፈርደና

14. ሳኦል ንዮናታን ዝገፍዖ ብኸመይ እዩ፧

14 ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ብጌጋ ምስ ዚፈርደና፡ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ይፍተን እዩ። ዮናታን ከምኡ ዓይነት ፈተና እዩ ኣጋጢምዎ። እቲ ብኣምላኽ እተቐብአ ንጉስ ሳኦል ነቲ ወዱ ምስ ዳዊት ዝነበሮ ዕርክነት ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ስለምንታይ ነቲ ዕርክነት ከም ዝመስረተ ግና ኣይተረድኦን። ስለዚ፡ ሳኦል ተቘጢዑ ንዮናታን ኣዋሪድዎ። ዮናታን ግና ከም ግብሩ ኣይፈደዮን። ካብቲ ንኣምላኽን ነቲ ጸኒሑ ንጉስ እስራኤል ዚኸውን ዳዊትን ዝነበሮ ተኣማንነት ምንቕ ኣይበለን።—1 ሳሙ. 20:30-41

15. ሓደ ሓው ምስ ዚገፍዓና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

15 ሎሚ ኣብ ጉባኤታት ህዝቢ ኣምላኽ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸምዚ ዝበለ ግፍዒ ኣየጋጥመናን እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ዚመርሑና ዘለዉ ዘይፍጹማት ብምዃኖም፡ ንተግባራትና ብጌጋ ኺርድእዎ ይኽእሉ እዮም። (1 ሳሙ. 1:13-17) ሰብ ብጌጋ ምስ ዚፈርደና ወይ ምስ ዚርድኣና፡ ወትሩ ንየሆዋ እሙናት ንኹን።

ተኣማንነትና ምስ ብሕታዊ ጥቕምና ምስ ዚጋጮ

16. ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ኢና ጥቕሚ ርእስና ሓዲግና ንኣምላኽ እሙናት ክንከውን ዘሎና፧

16 ሳኦል ንዮናታን፡ ብዛዕባ ጥቕሚ ርእሱ ኺሓስብ ተዛሪብዎ እዩ። (1 ሳሙ. 20:31) ዮናታን ግና በቲ ንኣምላኽ ዘለዎ ተኣማንነት ተደሪኹ፡ ንግስና ንርእሱ ኺወስድ ኣብ ክንዲ ዚጽዕር፡ ምስ ዳዊት ኪዓርኽ እዩ መሪጹ። ብየሆዋ ቕቡል ዝዀነ ሰብ፡ “ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦ” ምዃኑ እንተ ዘኪርና፡ ነቲ ዮናታን ጥቕሚ ርእሱ ብምስዋእ ዘርኣዮ መንፈስ ክንቀድሖ ንኽእል ኢና። (መዝ. 15:4) ዮናታን ነቲ ንዳዊት ‘ዝመሓለሉ ኣይለወጦን፣’ ንሕና እውን ቃልና ኽንዓጽፍ የብልናን። ንኣብነት፡ ንሓደ ናይ ስራሕ ውዕልና ንምሕላው ካብቲ እተጸበናዮ ንላዕሊ እንተ ኸቢዱና፡ በቲ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነትን ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ኣኽብሮትን ተደሪኽና ቓልና ንሕሉ ኢና። ሓዳርና ኻብቲ እተጸበናዮ ንላዕሊ ኣጸጋሚ እንተ ዀይኑናኸ፧ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ፡ ንመጻምድትና እሙናት ክንከውን ትድርኸና እያ።—ሚልክያስ 2:13-16 ኣንብብ።

ናይ ስራሕ ውዕል እንተ ጌርና፡ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነትን ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ኣኽብሮትን ነቲ ውዕል ንምሕላው ይድርኸና (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

17. እዚ መጽናዕቲ እዚ ንዓኻ ብኸመይ ሓጊዙካ፧

17 ብዛዕባ እቲ ዮናታን ዝሓደጎ ኣብነት ክንሓስበሉ ኸለና፡ ነቲ ንኣምላኽ ዝነበሮ ተኣማንነት ክንቀድሖ ደይኰንናን ድሌት እነሕድር፧ እምበኣር፡ ጥቕሚ ርእስና ጥራይ ኣይንድለ። ከም ዮናታን ከኣ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ፡ እንተላይ ነቶም ዜጕህዩና ክርስትያናት እሙናት ብምዃን፡ ንየሆዋ እሙናት ንኹን። በዳሂ ዅነታት እናኣጋጠመና እኳ ንየሆዋ ኣምላኽ እሙናት ምስ እንኸውን፡ ንልቡ ነሐጕሶ፣ እዚ ድማ ልዕሊ ዅሉ እዩ ዕግበት ዜምጽኣልና። (ምሳ. 27:11) ወትሩ ንየሆዋ እሙናት እንተ ዄንና፡ ንሱ ውዒሉ ሓዲሩ ንዜፍቅርዎ ዘበሉ ጽቡቕ ከም ዚገብረሎም ክንርኢ ኢና። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነቲ ብግዜ ዳዊት ዝነበሩ እሙናትን ዘይእሙናትን ሰባት ዝገበርዎ ተግባራት ብምምርማር፡ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንረክብ ኢና።

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 9) ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።