ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቶም ናይ ቀረባ ፈተውቲ የሆዋ ምሰሎም

ነቶም ናይ ቀረባ ፈተውቲ የሆዋ ምሰሎም

“የሆዋ ምስቶም ዚፈርህዎ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኣለዎ።”—መዝ. 25:14NW።

መዝሙር፦ 27, 21

1-3. (ሀ) ፈተውቲ ኣምላኽ ክንከውን ከም እንኽእል ከመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ መነመን ኢና ኽንምርምር፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብርሃም ሰለስተ ሳዕ ፈታዊ ኣምላኽ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። (2 ዜና 20:7፣ ኢሳ. 41:8፣ ያእ. 2:23) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ከምዚ ተባሂሉ እተጸውዐ፡ እዚ እሙን ሰብኣይ እዚ ጥራይ እዩ። እሞ ደኣ ኻብ ሰባት፡ ኣብርሃም ጥራይ ድዩ ፈታው የሆዋ ነይሩ፧ ኣይፋልን፣ ነፍሲ ወከፍና ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ክንምስርት ከም እንኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።

2 ንየሆዋ ብዛዕባ ዝፈርህዎን ብእኡ ብዛዕባ ዝኣመኑን ናይ ቀረባ ፈተውቱ ብዛዕባ ዝዀኑን እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ዚገልጽ ዛንታታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዝሒ ይርከብ እዩ። (መዝሙር 25:14 ኣንብብ።) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም “ክንድዚ ዚኣኽሉ ደበና መሰኻኽር” ዝበሎም ሰባት ጽሒፉ እዩ፣ ኵላቶም ድማ ብርግጽ ፈተውቲ ኣምላኽ እዮም ነይሮም ኪዀኑ ዘለዎም። (እብ. 12:1) ካባታቶም ከኣ ባህ ዜብሉ እተፈላለዩ ሰባት ንረክብ ኢና።

3 ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መዝገብ እተጠቕሱ ሰለስተ ናይ ቀረባ ፈተውቲ የሆዋ እስከ ንመርምር። ንሳቶም ከኣ፡ (1) ሩት፡ እታ እምንቲ ሞኣባዊት መበለት፡ (2) ህዝቅያስ፡ እቲ ጻድቕ ንጉስ ይሁዳ፡ (3) ማርያም፡ እታ ትሕትቲ ኣደ የሱስ እዮም። ካብቲ ነፍሲ ወከፎም ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ዘማዕበሉሉ መገዲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ብተኣማንነት ኣፍቀረት

4, 5. ሩት እንታይ ከቢድ ውሳነ እያ ኽትገብር ነይርዋ፧ ነዚ ውሳነ እዚ ዘኽበዶኸ እንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

4 ሰለስተ መበለታት ብሓንቲ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ዘላ መገዲ እናኸዳ፡ ንፋስ ንኽዳውነትን ኬንበልብሎ ኸሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ንሳተን ናእሚን እተን ክልተ ኣንስቲ ደቃ ዝዀና ሩትን ዖርጳን እየን። ድሕርዚ፡ ዖርጳ ናብቲ ኣብ ሞኣብ ዚርከብ ቤታ ኽትከይድ ስለ ዝወሰነት፡ ተመሊሳ ኸደት። ናእሚ ኸኣ ናብ ዓዳ ናብ እስራኤል ክትምለስ ቈሪጻ ነበረት። ምስኣ ዝነበረት ሩት ድማ ኣብ ህይወታ ዝዓበየ ውሳነ ኽትገብር ነበራ። ናብቲ ኣብ ሞኣብ ዘሎ ቤታ ኻብ ምምላስ ወይ ምስ ሓማታ ናእሚ ለጊባ ናብ ቤት-ልሄም ካብ ምኻድ ሓዲኡ ኽትሓሪ ነበራ።—ሩት 1:1-8, 14

5 እዛ ብንእስነታ መበለት ዝዀነት ሩት፡ ቤተ ሰባ ኣብ ሞኣብ እዮም ነይሮም። ናባታቶም እንተ ኸይዳ፡ ኣዲኣን ካልኦት ቤተ ሰባን ከም ዚቕበልዋን ዜድልያ ኸም ዜማልኡላን ክትሓስብ ትኽእል ነይራ እያ። ሞኣብ ከኣ ዓዳ እያ። እቲ ባህሊ ድማ ባህላ፡ እቲ ቛንቋ ኸኣ ቋንቛኣ፡ እቲ ህዝቢ እውን ህዝባ እዩ። ኣብ ቤት-ልሄም ከምዚ ዝበለ ሓለፋታት ከም እትረክብ ናእሚ ቓል ክትኣትወላ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ናእሚ ንሩት ኣብ ሞኣብ ክትጸንሕ እያ ምዒዳታ። ናእሚ ነታ ሰበይቲ ወዳ፡ ሰብኣይ ኰነ ቤት ከይትስእን እዩ ኣፍሪህዋ። እሞኸ ሩት እንታይ ገበረት፧ ኣብ ሞንጎኣን ኣብ መንጎ እታ “ናብ ህዝባን ናብ ኣምላኻን” እተመልሰት ዖርጳን ዘሎ ፍልልይ እሞ ነስተብህል። (ሩት 1:9-15) ሩት ናብቶም ብህዝባ ዚምለኹ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኽትምለስ ደልያዶ፧ ኣይደለየትን።

6. (ሀ) ሩት እንታይ ጥበባዊ ምርጫ እያ ዝገበረት፧ (ለ) ቦኣዝ ብዛዕባ ሩት፡ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ የሆዋ ኸም እተጸግዐት ገይሩ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧

6 ሩት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ካብ ሰብኣያ ወይ ካብ ናእሚ ፈሊጣ ዝነበረት እያ እትመስል። የሆዋ ኸም ኣማልኽቲ ሞኣብ ኣይኰነን። ሩት ንየሆዋ ኸተፍቅሮን ከተምልኾን ከም ዚግብኣ ፈሊጣ ነበረት። ፍልጠት ንበይኑ ግና እኹል ኣይኰነን። ሩት ውሳነ ኽትገብር ነበራ። ንየሆዋ ኣምላኻ ኪኸውን ትሓርዮ ደዀን ትኸውን፧ ሩት ብጥበብ ሓረየት። ንናእሚ ድማ፡ “ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ” በለታ። (ሩት 1:16) ሩት ንናእሚ ዝነበራ ፍቕሪ ልቢ ዚትንኪ እዩ፣ ንየሆዋ ዝነበራ ፍቕሪ ግና ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዓል መሬት ዝነበረ ቦኣዝ ንሩት፡ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ የሆዋ ጸግዒ ብምድላያ ንኢድዋ እዩ። (ሩት 2:12 ኣንብብ።) እዚ ኣበሃህላ እዚ፡ ሓደ ንስሪ ንጫቚቱ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኼዕቍባ ኸሎ የዘኻኽረና ይኸውን። (መዝ. 36:7፣ 91:1-4) የሆዋ ንሩት ከምኡ እዩ ዀይኑላ። ስለቲ እምነታ ዓስባ ሂብዋ እዩ፣ ንውሳነኣ እትጥዓሰሉ ምኽንያት ድማ ከቶ ኣይነበራን።

7. ህይወቶም ንየሆዋ ምውፋይ ንዚወላወሉ ሰባት፡ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

7 ብዙሓት ብዛዕባ የሆዋ እኳ እንተ ተማህሩ፡ ኣብኡ ንምምዕቋብ ግና ሰጋእ መጋእ ይብሉ እዮም። ርእሶም ወፍዮም እተጠምቁ ኣገልገልቱ ኻብ ምዃን የድሓርሕሩ እዮም። ንየሆዋ ርእስኻ ንምውፋይ እንተ ተወላዊልካ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝዀንካ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ ህያው ዘበለ ሰብ፡ ዜምልኾ ኣምላኽ ኣለዎ። (እያ. 24:15) እሞ ደኣ ንስኻ ስለምንታይ ኣብቲ በይኑ ኺግልገል ዚግብኦ ኣምላኽ ዘይትምዕቈብ፧ ንየሆዋ ርእስኻ ምውፋይ፡ ብእኡ ኸም እትኣምን እተርእየሉ ብሉጽ መገዲ እዩ። ንሱ ድማ ነቲ ውሳነኻ ሓሊኻ ምእንቲ ኽትመላለስን ንዜጓንፈካ ዘበለ ጸገማት ምእንቲ ኽትሰግርን ኪሕግዘካ እዩ። ኣምላኽ ንሩት ከምኡ እዩ ገይሩላ።

ኣተዓባብያኡ ብዘየገድስ ‘ናብ የሆዋ ጠበቐ’

8. ብዛዕባ ኣተዓባብያ ህዝቅያስ ግለጽ።

8 ህዝቅያስ ዘይከም ሩት፡ ርእሶም ንየሆዋ ኻብ ዝወፈዩ ህዝቢ እዩ ተወሊዱ። ኵሎም እስራኤላውያን ግና ኣይኰኑን ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ዚመላለሱ ዝነበሩ። ንጉስ ኣሃዝ ኣቦ ህዝቅያስ፡ ሓደ ኻባታቶም እዩ ነይሩ። እቲ እኩይ ሰብኣይ እቲ ንመንግስቲ ይሁዳ ናብ ኣምልኾ ጣኦት መርሓ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣርከሳ። ገሊኦም ኣሕዋት ህዝቅያስ ንናይ ሓሶት ኣምልኽቲ መስዋእቲ ዀይኖም ብህይወቶም ከለዉ ነዲዶም ብዜስካሕክሕ መገዲ ስለ ዝሞቱ፡ ቍልዕነት ህዝቅያስ ኣመና ሕማቕ እዩ ነይሩ!—2 ነገ. 16:2-4, 10-17፣ 2 ዜና 28:1-3

9, 10. (ሀ) ህዝቅያስ ብቐሊሉ ኺምረር ይኽእል ነይሩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ብኣምላኽ ክንምረር ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ሐ) ኣተዓባብያና ንእንታይነትና ይውስኖ ኢልና ኽንሓስብ ዘይግባእ ስለምንታይ ኢና፧

9 ህዝቅያስ ምስ ኣምላኽ ዚጻረር እተመረረን ቍጡዕን ሰብ ኰይኑ ኺዓቢ ይኽእል ነይሩ እዩ። ካልኦት ካብዚ ኣዝዩ ዝወሓደ ጸገማት ዘጋጠሞም ‘ኣብ የሆዋ ኼንጸርጽሩ’ ወይ ብውድቡ ኼማርሩ ዜኽእል ምኽንያት ከም ዘለዎም ኰይኑ ተሰሚዕዎም እዩ። (ምሳ. 19:3) ገሊኦም ሰባት ከኣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ስድራ ቤቶም ዝነበረ ሕማቕ ሃዋህው፡ ሕማቕ ህይወት ጥራይ ኪመርሑ ኸም ዚኽእሉ፡ ምናልባት እውን ጌጋታት ወለዶም ከም ዚደግሙ ይኣምኑ እዮም። (ህዝ. 18:2, 3) እዚ ሓሳብ እዚ ቕኑዕ ድዩ፧

10 ታሪኽ ህይወት ህዝቅያስ፡ ‘ጠሪሱ ኣይኰነን’ ዚብል ዘየማትእ መልሲ እዩ ዚህበና። የሆዋ ምንጪ እቲ ኣብዛ እክይቲ ዓለም ንዘለዉ ሰባት ዜጋጥሞም ክፍኣት ስለ ዘይኰነ፡ ብየሆዋ ኸም እንምረር ዚገብር ብቑዕ ምኽንያት ከቶ የብልናን። (እዮ. 34:10) ልክዕ እዩ፡ ወለዲ ኣብ ውሉዳቶም፡ እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ሓያል ጽልዋ ኼሕድሩ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ. 22:6፣ ቈሎ. 3:21) እዚ ግና ኣተዓባብያ ሓደ ሰብ፡ ንመገዲ ህይወቱ ይውስኖ ማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ የሆዋ ንዅላትና ኽቡር ውህበት ሂቡና ኣሎ፣ እዚ ድማ እንታይ ከም እንገብርን እንታይ ከም እንኸውንን ናይ ምምራጽ ክእለት እዩ። (ዘዳ. 30:19) እሞኸ ህዝቅያስ ነቲ ውህበት እቲ ብኸመይ ተጠቒሙሉ፧

ኣተዓባብያኦም ብዘየገድስ፡ ብዙሓት መንእሰያት ሓቂ ተቐቢሎም ኣለዉ (ሕጡብ ጽሑፍ 9, 10 ርአ)

11. ህዝቅያስ ሓደ ኻብቶም ብሉጻት ነገስታት ይሁዳ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

11 ህዝቅያስ ወዲ ሓደ ኻብቶም ዝኸፍኡ ነገስታት ይሁዳ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ምስ ዓበየ ግና ሓደ ኻብቶም ብሉጻት ነገስታት እዩ ዀይኑ። (2 ነገስት 18:5, 6 ኣንብብ።) እወ፡ ኣቦኡ ሕማቕ ጽልዋ ኼሕድረሉ ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ግና ጽልዋ ኻልኦት ኪሓሪ ይኽእል ነይሩ እዩ። በቲ ግዜ እቲ፡ ኢሳይያስን ሚክያስን ሆሴእን ነብያት ኰይኖም የገልግሉ ነይሮም እዮም። ንጉስ ህዝቅያስ በቲ እዞም እሙናት ሰብኡት ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም እተዛረብዎ ነገር ኪምሰጥ፡ የሆዋ ዚህቦ ምኽርን መአረምታን ድማ ኣብ ልቡ ኼሕድር ከሎ፡ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ህዝቅያስ ነቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ብዙሕ ጌጋታት ኬዐሪ ተላዒሉ እዩ። እወ፡ ነታ ቤተ መቕደስ ኣንጺሁ፡ ንሓጢኣት እቲ ህዝቢ ኣተዓሪቑ፡ ብቕንኣት ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ ወፈራ ኸኣ ንኣረማዊ ጣኦታት ኣጥፊኡ እዩ። (2 ዜና 29:1-11, 18-24፣ 31:1) ከቢድ ጸገማት ምስ ኣጋጠሞ፡ ንኣብነት ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ንየሩሳሌም ኬጥቅዓ ምስ መጸ፡ ህዝቅያስ ሓያል ትብዓትን እምነትን ኣርእዩ እዩ። ድሕነት ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ተጸጊዑ፡ ብቓልን ብኣብነትን ድማ ንህዝቡ ኣበርቲዕዎም እዩ። (2 ዜና 32:7, 8) ጸኒሑ፡ ህዝቅያስ ብሰንኪ ትዕቢቱ ኺእረም ምስ ኣድለዮ፡ ርእሱ ኣትሒቱን ተነሲሑን እዩ። (2 ዜና 32:24-26) እምበኣር፡ ህዝቅያስ፡ ሕሉፍ ህይወቱ ነቲ ህሉው ህይወቱ ኼበላሽዎ ወይ ጽቡቕ መጻኢ ኸም ዘይህልዎ ኺገብር ኣይፈቐደን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ፈታው የሆዋን ክንስዕቦ ዚግባእ ጽቡቕ ኣብነትን ኰይኑ እዩ።

12. ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ከም ህዝቅያስ ፈተውቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

12 ጭካነ ኣብ ዝመልኣ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለም ስለ እንነብር፡ ብዙሓት ውሉዳት ብዘይ ፍቕርን ዕቝባን ወለዶም ምዕባዮም ዜገርም ኣይኰነን። (2 ጢሞ. 3:1-5) ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ክርስትያናት ሕማቕ ኣተዓባብያ እዩ ዘለዎም፣ ኰይኑ ግና፡ ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኬማዕብሉ ኽኢሎም ኣለዉ። ከም ህዝቅያስ፡ ሕሉፍ ህይወት ሓደ ሰብ ንመጻኢኡ ኸም ዘይውስኖ የርእዩ እዮም። ኣምላኽ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡና ኣሎ፣ ከምቲ ህዝቅያስ ዝገበሮ ድማ፡ በቲ ውህበት እቲ ተጠቒምና ናብ የሆዋ ኽንጠብቕን ክብሪ ኸነምጽኣሉን ንኽእል ኢና።

“እነኹ ባርያ የሆዋ” በለት

13, 14. ንማርያም እተዋህባ ዕዮ ኸቢድ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ንሳ ግና ንገብርኤል እንታይ ኢላ እያ መሊሳትሉ፧

13 ካብ ዘመን ህዝቅያስ ሓያሎ ዘመናት ምስ ሓለፈ፡ ሓንቲ ኣብ ናዝሬት እትነብር ትሕትቲ ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ምስ የሆዋ ፍሉይ ዕርክነት ኣማዕበለት። ምስ ናታ ዚወዳደር ዕዮ እተዋህቦ ኻልእ ሰብ የልቦን። ከመይሲ፡ ነቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ክትጠንሶን ክትወልዶን ከተዕብዮን ምዃና እዩ ተነጊርዋ! የሆዋ ንማርያም ጓል ሄሊ ኸምዚ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ኻብ ሃባ፡ ይኣምና ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ እተዋህባ ዕዮ ምስ ሰምዐት ግና፡ እንታይ ምላሽ ሂባ፧

“እነኹ ባርያ የሆዋ!”(ሕጡብ ጽሑፍ 13, 14 ርአ)

14 ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እቲ ማርያም እተዋህባ ፍሉይ መሰል ስለ እንሓስብ፡ እንታይ ዜፍርህ ነገራት ከም ዘጋጠማ ንርስዖ ኢና። እቲ ኻብ ኣምላኽ እተላእከ ገብርኤል መልኣኽ፡ ምስ ሰብኣይ ርክብ ከይገበረት ብተኣምራዊ መገዲ ኸም እትጠንስ እዩ ነጊርዋ። ከምዚ ኺብላ ኸሎ፡ ገብርኤል ናብ ቤተ ሰባን ጐረባብታን ከይዱ ኸመይ ኢላ ኸም እትጠንስ ኪነግሮም ኣይበለን። እሞ ደኣ ንሳቶም እንታይ ኰን ይብልዋ ይዀኑ፧ ማርያም ብዛዕባ እቲ ሕጹያ ዮሴፍ እውን ኣተሓሳሲብዋ ኪኸውን ኣለዎ። ጥንስቲ እኳ እንተ ዀነት፡ ንዕኡ እምንቲ ኸም ዝዀነት ከመይ ገይራ ኸተእምኖ ትኽእል፧ ብዘይካዚ ድማ፡ ነቲ ሓደ ወዲ እቲ ልዑል ምዕባይን ምክንኻንን ምስልጣንንሲ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ሓላፍነት ኰን እዩ! ገብርኤል ምስ ተዛረባ፡ ንማርያም ዘተሓሳሰባ ነገራት ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና። “እነኹ ባርያ የሆዋ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ” ኢላ ኸም ዝመለሰት ግና ንፈልጥ ኢና።—ሉቃ. 1:26-38

15. ማርያም ዘርኣየቶ እምነት ዜደንቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

15 ማርያም ዘርኣየቶ እምነትሲ ዜደንቕ ደይኰነን፧ ባርያ፡ ጐይታኣ ዝደለዮ እያ እትገብር። ማርያም ድማ ዘተሓሳሰባ ነገርን ምርጫኣን ንጐይታኣ የሆዋ እያ ሂባቶ። ንሱ ብዝደለዮ መገዲ ኸተገልግሎ ድልውቲ እያ ዀይና። እቲ እምነታ ኻበይ እዩ መጺኡ፧ እምነት መፋጥርትና ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ብጻዕሩን ብበረኸት ኣምላኽን ዚረኽቦ እዩ። (ገላ. 5:22፣ ኤፌ. 2:8) ማርያም ንእምነታ ንምድልዳል ከም ዝጸዓረት ዚሕብር መርትዖ ኣሎዶ፧ እወ ኣሎ። ብኸመይ ከም ዝሰምዐትን እንታይ ኢላ ኸም እተዛረበትን እስከ ንርአ።

16. ማርያም ጽቡቕ ገይራ እትሰምዕ ምንባራ ዚሕብረና እንታይ እዩ፧

16 ማርያም ብኸመይ ከም ዝሰምዐት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ” ኽንከውን ይምዕደና እዩ። (ያእ. 1:19) እሞኸ ማርያም ጽቡቕ ገይራ እትሰምዕ ድያ ነይራ፧ እወ። ወንጌል ሉቃስ ነቲ ዓሚቝ መንፈሳዊ ትርጉም ዘለዎ ነገር ኣቓልቦ ትገብር ምንባራ ኽልተ ሳዕ ሓቢሩ ኣሎ፣ ጸኒሓ ኸኣ፡ ነቲ ዝሰምዓቶ ግዜ ወሲዳ ተስተንትነሉ ነይራ እያ። የሱስ ኣብ እተወልደሉ ግዜ፡ ትሑታት ጓሶት ነቲ ብመላእኽቲ ዝመጸ መልእኽቲ ንማርያም ነጊሮምዋ እዮም። ኣስታት 12 ዓመት ጸኒሑ ኸኣ፡ የሱስ ገና ቈልዓ ኸሎ፡ ዓብዪ መንፈሳዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገር ተዛሪቡ እዩ። ኣብ ክልቲኡ እዋን፡ ማርያም ነቲ እተባህለ ተጠንቂቓ ሰሚዓቶን ዘኪራቶን ሓሲባትሉን እያ።—ሉቃስ 2:16-19, 49, 51 ኣንብብ።

17. ካብቲ ማርያም እተዛረበቶ፡ ብዛዕባኣ እንታይ ንፈልጥ፧

17 ማርያም እንታይ ኢላ ኸም እተዛረበት። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃላት ማርያም ብዙሕ ኣይኰነን። እቲ ዝነውሐ ዘረባኣ ኣብ ሉቃስ 1:46-55 እዩ ተመዝጊቡ ዘሎ። እተን ቃላት እቲአን፡ ማርያም ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቓ ትፈልጦ ምንባራ ይሕብራ። ቃላታ ነቲ ኣብ ጸሎት ሃና ኣደ ነብዪ ሳሙኤል ዝነበረ ቓላት ዜቃልሕ እዩ ዚመስል። (1 ሳሙ. 2:1-10) ብመሰረት ሓደ ኣቈጻጽራ፡ ማርያም ኣብ ዘረባኣ ኣስታት 20 ሳዕ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቒሳ እያ። እምበኣር፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ከይተሰከፈት እትዛረብ ሰበይቲ እያ ነይራ። ካብቲ ኣብ ልባ ዝነበረ ኻብ ዝዓበየ ፈታዊኣ የሆዋ ኣምላኽ እተማህረቶ ኽቡር መዝገብ ሓቅታት ብናጻ ትዛረብ ነይራ እያ።

18. ከመይ ጌርና ኢና ኣስኣሰር እምነት ማርያም ክንስዕብ እንኽእል፧

18 ንሕና እውን ከም ማርያም፡ ኣጸጋሚ ዚመስል ዕዮ ኻብ የሆዋ ይመጸና እዩ። ስለዚ፡ ከምቲ ንሳ ዝገበረቶ፡ የሆዋ ዚጠቕመና ነገር ከም ዚገብረልና ብምትእምማን፡ ኣብኡ ንወከል። ነቲ ብዛዕባ የሆዋን ዕላማኡን ዚውሃብ ትምህርቲ ተጠንቂቕና ብምስማዕ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሓቅታት ብምስትንታን፡ ብዛዕባ እተምሃርናዮ ድማ ተሓጒስና ንኻልኦት ብምንጋር፡ ኣስኣሰር እምነት ማርያም ክንስዕብ ንኽእል ኢና።—መዝ. 77:11, 12፣ ሉቃ. 8:18፣ ሮሜ 10:15

19. ነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ዜደንቑ ኣብነታት እምነት ምስ እንመስሎም እንታይ ከም እንረክብ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

19 ሩትን ህዝቅያስን ማርያምን፡ ከም ኣብርሃም ፈተውቲ የሆዋ ምንባሮም ዚጠራጠር መን ኣሎ፧ ንሳቶምን ኵሎም እቶም “ክንድዚ ዚኣኽሉ ደበና መሰኻኽር” እተባህሉ ሰባትን ኣብ ታሪኽ ዝነበሩ ብዙሓት ካልኦት እሙናትን፡ ፈተውቲ ኣምላኽ ናይ ምዃን ዜደንቕ መሰል ረኺቦም እዮም። እምበኣር፡ ነዞም ኣብነታት እዚኦም ንምሰሎም። (እብ. 6:11, 12) ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ንዘለኣለም ናይ ቀረባ ፈተውቲ የሆዋ ናይ ምዃን ዓብዪ ዓስቢ ብርግጽ ክንረክብ ኢና!