ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ኣብ ኣገልግሎቱ ኣሳልጦ ሂቡኒ

የሆዋ ኣብ ኣገልግሎቱ ኣሳልጦ ሂቡኒ

ነቲ ብዓል ስልጣን፡ ክዋጋእ ፍቓደኛ ብዘይምዃነይ ድሮ ተኣሲረ ኸም ዝነበርኩ ነገርክዎ። “ከም ብሓድሽ፡ ናብኡ ዲኻ ኽትሰድደኒ” ኢለ እውን ሓተትክዎ። እዚ ዝዀነ፡ ናብ ሰራዊት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኽጽንበር ካልኣይ ሳዕ ጻውዒት ምስ ቀረበለይ እዩ።

ብ1926 ኣብ ክሩክስቪል፡ ኦሃዮ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እየ ተወሊደ። ኣቦይን ኣደይን ሃይማኖታውያን ኣይነበሩን፣ ግናኸ፡ ንሸሞንቴና ደቆም ናብ ቤተ ክርስትያን ክንከይድ የተባብዑና ነበሩ። ኣነ ኸኣ ናብ ቤተ ክርስትያን ሜቶዲስት እኸይድ ነበርኩ። ወዲ 14 ምስ ኰንኩ፡ ዓመት ምሉእ ካብ ናይ ሰንበት ኣኼባ ብዘይምብኳረይ፡ እቲ ኣገልጋሊ ሽልማት ሃበኒ።

ማርጋሬት ዎከር (ካብ ጸጋም ካልአይቲ) ሓቂ ምሂራትኒ

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ማርጋሬት ዎከር ዝስማ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ጐረቤትና፡ ናብ ኣደይ እናመጸት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ትነግራ ነበረት። ሓደ መዓልቲ፡ ኣነ እውን ምሳታተን ኮፍ ክብል ወሰንኩ። ኣደይ ግና ኣብ መጽናዕታ ዝርብሻ ስለ ዝመሰላ፡ ካብ ገዛ ኽወጽእ ኣዘዘትኒ። ኰይኑ ግና፡ ምይይጠን ክሰምዕ እጽዕር ነበርኩ። ማርጋሬት ደጋጊማ ድሕሪ ምምጻኣ፡ ሓደ መዓልቲ፡ “ስም ኣምላኽ መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧” ኢላ ሓተተትኒ። ኣነ ድማ፡ “እዚ ደኣ ዅሉ ዝፈልጦ እንድዩ—ኣምላኽ እዩ” በልክዋ። ንሳ ኸኣ፡ “መጽሓፍ ቅዱስካ ኣምጽኣዮ እሞ ኣብ መዝሙር 83:18 ርአ” በለትኒ። ከምኡ ምስ ገበርኩ፡ ስም ኣምላኽ፡ የሆዋ ምዃኑ ፈለጥኩ። ጐይየ ናብ ኣዕሩኸይ ከይደ፡ “ሎሚ ምሸት ናብ ገዛኹም ምስ ከድኩም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 83:18 ገንጺልኩም ስም ኣምላኽ መን ምዃኑ ርኣዩ” በልክዎም። በዚ ኸምዚ፡ ሽዑሽዑ ኽምስክር ጀሚረ ማለት እዩ።

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምግባረይ፡ ብ1941 ተጠመቕኩ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ክመርሕ ተመደብኩ። ንኣደይን ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን ከኣ አተባብዖም ነበርኩ፣ ኵላቶም ድማ ኣብቲ ዝመርሖ ትምህርቲ መጽሓፍ ኪእከቡ ጀመሩ። ኣቦይ ግና ተገዳስነት ኣይነበሮን።

ኣብ ገዛና ዘጋጠመኒ ምጽራር

ኣብ ጉባኤ ተወሳኺ ሓላፍነት ተዋህበኒ፣ ስለዚ ድማ፡ ብዙሕ ቲኦክራስያዊ መጻሕፍቲ ኽእክብ ጀመርኩ። ሓደ መዓልቲ፡ ኣቦይ ናብቲ መጻሕፍተይ እናኣመልከተ፡ “ነዚ ዅሉ፡ ካብ ገዛይ ኣውጽኣለይ፣ ንስኻ እውን ምስኡ ኽትከይድ ትኽእል ኢኻ” በለኒ። ኣነ ኸኣ ኣብ ዜንዝቪል፡ ኦሃዮ ገዛ ስለ ዝረኸብኩ፡ ካብ ገዛና ወጻእኩ፣ ንስድራ ቤትና ንምትብባዕ ግና ናብ ገዛ እመላለስ ነበርኩ።

ኣቦይ ንኣደይ ናብ ኣኼባታት ከም ዘይትኸይድ ኪገብራ ይጽዕር ነበረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ናብ ኣኼባ ኽትከይድ ከላ፡ ደድሕሪኣ ስዒቡ ናብ ገዛ እናጐተተ የእትዋ ነበረ። ንሳ ግና በቲ ሓደ ማዕጾ ወጺኣ ናብ ኣኼባ ትኸይድ ነበረት። ኣነ ድማ ንኣደይ፡ “ኣጆኺ። ደድሕሬኺ ምጕያይ ኪምነዎ እዩ” በልክዋ። ድሕሪ ግዜ፡ ኣቦይ ተሓለለ፣ ንሳ ኸኣ ብዘይ ቃልሲ ኣብ ኣኼባታት ትእከብ ነበረት።

ብ1943 ኣብ ጉባኤና ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጀመረ፣ ኣነ እውን ተምሃራይ ኰይነ ኽፍልታት ከቕርብ ጀመርኩ። ክፍልታት ድሕሪ ምቕራበይ ዚውሃበኒ ዝነበረ ምኽሪ፡ ናይ ምዝራብ ክእለተይ ከመሓይሽ ሓጊዙኒ እዩ።

ገለልትነት ብግዜ ውግእ

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሃገራት ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እየን ተሸሚመን ነይረን። ብ1944፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክህብ ጻውዒት ቀረበለይ። ናብቲ ኣብ ኮለምበስ፡ ኦሃዮ ዚርከብ ፎርት ሃየዝ ዚብሃል መዓስከር ከይደ፡ ሕክምናዊ መርመራ ገበርኩ፡ ፎርም እውን መላእኩ። ነቶም ሰብ ስልጣን ከኣ ወተሃደር ከም ዘይከውን ነገርክዎም። ንሳቶም ድማ ክኸይድ ሓደጉኒ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ግና፡ ሓደ ብዓል ስልጣን ናብ ገዛይ መጺኡ፡ “ኮርዊን ሮቢሰን፡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኸእትወካ ዚገልጽ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ተዋሂቡኒ ኣሎ” በለኒ።

ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረብኩ፡ እቲ ዳኛ፡ “ብርእሰይ እንተ ዝውስን ነይረ፡ ምሉእ ዕድመኻ ኽትእሰር ምፈረድኩኻ። እሞኸ እትብሎ ኣሎካ ድዩ፧” በለኒ። ኣነ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ምስ ኣገልገልቲ እየ ኽምደብ ነይሩኒ፣ ኣፍ ደገ ዅሉ ሰብ፡ መስበኽያይ እዩ፣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ንብዙሓት ሰባት ሰቢኸ እየ” ኢለ መልስኩሉ። እቲ ዳኛ ድማ ነቶም ካብ ህዝቢ እተዋጽኡ መጋባእያ ፈራዶ፡ “እዚ ሰብ እዚ ኣገልጋሊ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ኣይኰንኩምን ክትውስኑ መጺእኩም። የግዳስ፡ ናብ ሰራዊት ኪጽምበር ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ንምውሳን ኢኹም ኣብዚ ዘለኹም” በሎም። ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት፡ እቶም ፈራዶ ብይኖም ሒዞም መጹ እሞ፡ ገበነኛ ኢሎም ፈረዱኒ። እቲ ዳኛ ድማ ኣብቲ ኣብ ኣሽላንድ፡ ከንታኪ ዚርከብ ፈደራላዊ ቤት ማእሰርቲ ሓሙሽተ ዓመት ክዳጐን ፈረደኒ።

የሆዋ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እኳ ኣዕቈበኒ

ኣብ ኮለምበስ፡ ኦሃዮ ኽልተ ሰሙን ተኣሲረ ጸኒሐ እየ፣ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ድማ ካብታ እተኣሰርኩላ ሸላ ኣይወጻእኩን። ሽዑ፡ ናብ የሆዋ፡ “ኣብ ሸላ ተዓጽየ ሓሙሽተ ዓመት ክጸንሕ ኣይክእልን እየ። እንታይ ከም ዝገበር ኣይፈልጥን እየ” ኢለ ጸለኹ።

ንጽብሒቱ፡ እቶም ሓለውቲ ኻብታ ሸላ ኽወጽእ ፈቐዱለይ። ናብ ሓደ ነዊሕን ገፊሕ ዝማእገሩን እሱር ከድኩ እሞ፡ ደው ኢልና ብመስኮት ንርኢ ነበርና። “ንምንታይ ከም እተኣሰርካ እስከ ብሓጺሩ ንገረኒ” በለኒ። ኣነ ድማ፡ “ኣነ ናይ የሆዋ ምስክር እየ” በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ዲኻ፧ ስለምንታይ ደኣ ተኣሲርካ፧” በለኒ። ኣነ ድማ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ውግእ ኣይከዱን፡ ሰብ እውን ኣይቀትሉን እዮም” በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ንዓኻ ሰብ ዘይቀተልካ ኢሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒኖምካ። ንኻልኦት ከኣ ሰብ ቀቲልኩም ኢሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒኖምዎም። እዝስ ግርምቢጥ ደይኰነን፧” በለኒ። ኣነ እውን፡ “እወ፡ ሓቅኻ” በልክዎ።

ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ኣብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ 15 ዓመት ተኣሲረ እየ፣ ኣብኡ ድማ ገለ ኻብ ጽሑፋትኩም ኣንቢበ እየ” በለኒ። ሽዑ፡ ኣነ፡ “የሆዋ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ጐድነይ ምእንቲ ኪኸውን ሓግዘኒ” ኢለ ጸለኹ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ፖል፡—ስም እቲ ሰብኣይ እዩ፡—“ካብዚኣቶም ሓደ እንተ ተንክዩካ፡ ኡይ ጥራይ በል። ስራሖም ከርእዮም እየ” በለኒ። ስለዚ ድማ፡ ኣብታ እተኣሰርናላ ኽፍሊ ዝነበሩ 50 እሱራት ኣየሸገሩንን።

ሓደ ኻብቶም ኣብ ኣሽላንድ፡ ከንታኪ ብምኽንያት ገለልትነት እተኣስሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበርኩ

እቶም ሰበ ስልጣን ቤት ማእሰርቲ ናብ ኣሽላንድ ምስ ኣግዓዙኒ፡ ሓያሎ ብሱላት ኣሕዋት ኣብኡ ጸንሑኒ። ኣነን ካልኦትን ምሳታቶም ምሕባርና፡ ብመንፈሳዊ ድልዱላት ኴንና ኽንቕጽል ሓጊዙና እዩ። ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ይምድቡልና፡ ኣብቲ እንተኣኻኸበሉ እዋን እንጥቀመሉ ሕቶታትን መልስታትን ድማ የዳልዉ ነበሩ። ሓደ ኣገልጋሊ ኽሊ እውን ተሸይሙ ነበረ። ኣብ ጸጸግዑ ዓራውቲ ኣብ ዘለዎ ዓብዪ መደቀሲ ኣዳራሽ ኢና ተኣሲርና ኔርና። እቲ ኣገልጋሊ ኽሊ ኸኣ፡ “ሮቢሰን፡ ዓራት ቍጽሪ ኽንድዝን ክንድዝን ተመዲቡልካ ኣሎ። ናብተን ዓራውቲ እቲአን እተመደበ ዘበለ ኽልኻ እዩ። ቅድሚ ምውጻኡ መስክረሉ” ይብለኒ ነበረ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብእተወደበ ኣገባብ ንምስክር ነበርና።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ

ካልኣይ ውግእ ዓለም ብ1945 ኣብቅዐ፣ ኣነ ግና ድሕሪኡ ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸናሕኩ። ኣቦይ፡ “ንዓኻ እንተ ሰጒጐካ፡ እቶም ዝተረፉ ኣየሸግሩንን እዮም” ኢሉኒ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ ስድራ ቤተይ እጭነቕ ነበርኩ። ምስ ተፈታሕኩ ግና፡ ዘይተጸበኽዎ ነገር እዩ ጸኒሑኒ። ኣቦይ እናተጻረሮም ክነሱ፡ ሸውዓተ ኻብ ስድራ ቤትና ኣብ ኣኼባታት ይእከቡ ነበሩ፣ ሓንቲ ሓብተይ እውን ተጠሚቓ ነበረት።

ምስቲ ብ1913 ንየሆዋ ምግልጋል ዝጀመረ ቕቡእ ሓው ዝዀነ ደሚትርየስ ፓፓጆርጅ ናብ ኣገልግሎት ክንወፍር ከለና

ብ1950 ውግእ ኮሪያ ምስ ተባርዐ፡ ናብ ሰራዊት ክኣቱ ኻልኣይ ሳዕ ጻውዒት መጸኒ፣ ኣነ እውን ናብ ፎርት ሃየዝ ከድኩ። ንተፈጥሮኣዊ ኽእለት ዚሕብር ፈተና ድሕሪ ምውሳደይ ድማ፡ እቲ ብዓል ስልጣን፡ “ካብ ጕጅለኻ ኻብቶም ዝለዓሉ ነጥቢ ዘምጽኡ ኢኻ” በለኒ። ኣነ ኸኣ፡ “ግርም፡ ግናኸ ናብ ሰራዊት ኣይኣቱን እየ” በልክዎ። 2 ጢሞቴዎስ 2:3 ጠቒሰ ድማ፡ “ድሮ ወተሃደር ክርስቶስ እየ” በልክዎ። ንንውሕ ዝበለ እዋን ስቕ ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ክትከይድ ትኽእል ኢኻ” በለኒ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ሲንሲናቲ፡ ኦሃዮ ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ፡ ናብ ቤት-ኤል ኪኣትዉ ምስ ዚደልዩ ኣብ ዚግበር ኣኼባ ተኣከብኩ። ሓውና ሚልተን ሄንሸል ድማ፡ ሓደ ሓው ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣበርቲዑ ኺዓዪ እንተ ደልዩ፡ ኣብ ቤት-ኤል ኰይኑ ኼገልግል ከም ዚኽእል ነገረና። ሽዑ፡ ኣብ ቤት-ኤል ከገልግል ኣመልከትኩ፣ ተቐባልነት ብምርካበይ ከኣ ኣብ ነሓሰ 1954 ናብ ብሩክሊን ቤት-ኤል ከድኩ። ካብኡ ሽዑ ኣትሒዘ ኣብ ቤት-ኤል እየ ዘለኹ።

ኣብ ቤት-ኤል፡ ስራሕ ስኢነ ኣይፈልጥን እየ። ንገለ ዓመታት፡ ነቲ ኣብ ቤት ሕትመትን ቤት ጽሕፈትን ዝነበረ መውዓዪ ማይ እቈጻጸሮን እጽግኖን ነበርኩ፣ ብዘይካዚ፡ መፋትሕ አዐሪ ነበርኩ። ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባ እውን እዓዪ ነበርኩ።

ነቲ ኣብ ብሩክሊን ቤት-ኤል ኣብ ዚርከብ ኣብያተ ጽሕፈት ዘሎ መውዓዪ ማይ ክቈጻጸሮ ኸለኹ

ነቲ ኣብ ቤት-ኤል ዘሎ መንፈሳዊ መደባት እፈትዎ እየ፣ ገለ ኻብቲ መንፈሳዊ መደባት ከኣ ኣምልኾ ንግሆን ብስድራ ቤት-ኤል ዚግበር መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛን ምስ ጉባኤ ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍን እዩ። ሕስብ እንተ ኣቢልናዮ፡ እዚ መደባት እዚ ኽፍሊ ዝዀነት ትኹን ስድራ ቤት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኪኸውን እውን ይግባእ። ወለድን ውሉዳትን ጥቕሲ ዕለት ብሓባር ምስ ዚመያየጡ፡ ስሩዕ ኣምልኾ ስድራ ቤት ምስ ዚህልዎም፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ስብከት እቲ ብስራትን ድማ ኣጸቢቖም ምስ ዚሳተፉ፡ ኵሎም ኣባላት እታ ስድራ ቤት ብመንፈሳዊ መዳይ ጥዑያት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ጉባኤን ብዙሓት ፈተውቲ ኣጥርየ እየ። ገሊኦም ቅቡኣት እዮም ነይሮም፣ ሰማያዊ ዓስቦም ድማ ረኺቦም እዮም። ገሊኦም ግና ቅቡኣት ኣይነበሩን። ኵላቶም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ እንተላይ ቤትኤላውያን ግና፡ ዘይፍጹማት እዮም። ምስ ሓደ ሓው እንተ ዘይተቓድየ፡ ቀልጢፈ እየ ኽዕረቕ ዝጽዕር። ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:23, 24 ተጠቒሱ ዘሎ ብምዝካር፡ ዘይምስምማዓት ከመይ ጌርና ኽንፈትሕ ትጽቢት ከም ዚግበረልና እሓስብ እየ። ይቕረታ ምሕታት ቀሊል ኣይኰነን፣ ይቕረታ ድሕሪ ምሕታተይ ግና ጸገማት ኣጋጢሙ ዳርጋ ኣይፈልጥን እዩ።

ኣብ ኣገልግሎተይ ዝረኸብክዎ ጽቡቕ ፍረ

ብሰንኪ ዕድመይ፡ ኣብ በቤት እናኸድኩ ምስባኽ የጸግመኒ እዩ፣ በዚ ግና ኣይተሓለልኩን። ማንዳሪን ዚብሃል ቋንቛ ቻይና ቝሩብ ስለ እተምሃርኩ፡ ኣብ ጐደናታት ንቻይናውያን ምስባኽ የሐጕሰኒ እዩ። ኣብ ገሊኡ መዓልትታት፡ ኣብ ሓንቲ ንግሆ ጥራይ ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት 30 ወይ 40 መጽሔታት አበርክት እየ።

ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ንቻይናውያን ክሰብኽ ከለኹ

አረ ኣብ ቻይና እውን ተመላሊስካ ምብጻሕ ገይረ እየ! ብኸመይ፧ ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ፍሽኽታ ዝመልኣ መንእሰይ መዋዓውዒ ፍረታት ትዕድል ነበረት። ኣነ ድማ ፍሽኽ ኢለ ብቻይንኛ ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ኣፋለጥክዋ። ንሳ ኸኣ ነተን መጽሔታት ወሰደተን እሞ ስማ ኬቲ ምዃኑ ነገረትኒ። ድሕሪኡ፡ ኬቲ መምስ ረኣየትኒ፡ መመጺኣ ተዘራርበኒ ነበረት። እቲ ፍረታትን ኣሕምልትን ብእንግሊዝኛ እንታይ ከም ዚብሃል እነግራ ነበርኩ፣ ንሳ ድማ ነቲ ዝበልክዋ እናደገመት ተጽንዖ ነበረት። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ገለጽኩላ፣ ንሳ እውን ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ወሰደት። ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ግና፡ ካብቲ ኸባቢ ጠፍአት።

ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ፡ ካልእ መዋዓውዒ እትዕድል ንዝነበረት ጓል መጽሔት ኣበርከትኩላ። ኣብ ሰሙኑ፡ ሞባይል ተሌፎና ሂባ፡ በቲ እተሰባበረ እንግሊዝኛኣ ኣብ ቻይና ዚርከብ ሰብ ኬዘራርበኒ ኸም ዝደሊ ገለጸትለይ። ኣነ ኸኣ፡ “ኣብ ቻይና ዝፈልጦ ሰብ የብለይን” በልክዋ። ንሳ ግና ደጋጊማ ስለ ዝሓተትኒ፡ ነቲ ሞባይላ ተቐቢለ፡ “ሄሎ፡ ሮቢሰን እየ” በልኩ። “ሮቢ፡ ኬቲ እየ። ናብ ቻይና ተመሊሰ እየ” ዚብል ድምጺ ሰማዕኩ። ኣነ ድማ፡ “ቻይና፧” በልክዋ። ኬቲ ኸኣ፡ “እወ፡ ሮቢ። እታ ሞባይላ ዝሃበትካ ጓል፡ ሓብተይ እያ። ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ኢኻ ምሂርካኒ። በጃኻ፡ ከምቲ ንዓይ ዝመሃርካኒ፡ ንዓኣ እውን ምሃራ” በለትኒ። ኣነ ድማ፡ “ኬቲ፡ ዝከኣለኒ ኽገብር እየ። ኣበይ ከም ዝኸድኪ ስለ ዝነገርክኒ፡ አመስግነኪ” በልክዋ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓብቲ ኬቲ እውን ጠፍኣትኒ። እዘን ክልተ ኣዋልድ ኣብ ዝኸድኦ ብዛዕባ የሆዋ ይምሃራ ኺህልዋ ተስፋ እገብር።

ን73 ዓመት ንየሆዋ ኣገልጊለዮ እየ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ገለልተኛን እሙንን ክኸውን ስለ ዝሓገዘኒ፡ ሕጉስ እየ። ኣሕዋተይን ኣሓተይን እውን፡ ብተቓውሞ ኣቦይ ዘይምሕላለይ ከም ዘትብዖም ይነግሩኒ እዮም። ኣደይን ሽዱሽተ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ተጠሚቖም እዮም። ኣቦይ እውን ለስሊሱ እዩ፣ ቅድሚ ሙማቱ ኸኣ ኣብ ገለ ኣኼባታት ተኣኪቡ እዩ።

ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ሞይቶም ዘለዉ ኣባላት ስድራ ቤተይን ፈተውተይን ኣብ ሓዳስ ዓለም ኪትንስኡ እዮም። ምስቶም እንፈትዎም ሰባት ንሓዋሩ ንየሆዋ ኸነምልኾ ኸለና ዚስምዓና ሓጐስ እሞ ሕስብ ኣብልዎ! *

^ ሕ.ጽ. 32 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንሕትመት ክትዳሎ ኸላ፡ ሓውና ኮርዊን ሮቢሰን ንየሆዋ እሙን ከሎ ሞይቱ እዩ።