ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ “ፈታውየይ” ኢሉ ጸዊዕዎ

የሆዋ “ፈታውየይ” ኢሉ ጸዊዕዎ

“ኣታ እስራኤል ባርያይ፡ ኣታ ያእቆብ፡ ዝሐሬኹኻ ዘርኢ ኣብርሃም ፈታውየይ።ኢሳ. 41:8

መዝሙር፦ 51, 22

1, 2. (ሀ) ሰባት ፈተውቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

ካብ ልደት ክሳዕ ሞት፡ ልዕሊ ዅሉ እተድልየና ፍቕሪ እያ። ሰባት፡ ፍቕሪ ይደልዩን ሃረር ይብሉን እዮም፣ ኣብዚ ፍቕሪ ኺብሃል ከሎ ድማ ኣብ መንጎ ኣንጻር ጾታ ዘሎ ፍቕሪ ጥራይ ማለት ኣይኰነን። ምስ ካልኦት ዕርክነትን ምሕዝነትን ንምምስራት ሃንቀው ንብል ኢና። ካብ ኵሉ ዓይነት ፍቕሪ ብዝያዳ እተድልየና ዓይነት ፍቕሪ ግና ኣላ፣ ንሳ ኸኣ ፍቕሪ የሆዋ እያ። ሰባት ምስቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ዘይርአ መንፈስ ዝዀነ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ናይ ቀረባ ፍቕራዊ ዕርክነት ኪምስርቱ ዚብል ሓሳብ ንብዙሓት ምሕሳቡ የሸግሮም እዩ። ንሕናኸ ኸምዚ ዓይነት ኣረኣእያዶ ኣሎና፧ ጠሪሱ የብልናን!

2 ዘይፍጹማት ሰባት ፈተውቲ ኣምላኽ ከም ዝዀኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ። ከምዚ ዓይነት ዕርክነት ኣብ ህይወትና ልዕሊ ዅሉ ኺጠቕመና ዚኽእል ሸቶ ብምዃኑ፡ ብዛዕባ እቲ እቶም ፈተውቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ሰባት ዝሓደጉልና ኣብነት ከነስተንትን ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ብምምዕባል ጽቡቕ ኣብነት ዚዀነና ኣብርሃም እዩ። (ያእቆብ 2:23 ኣንብብ።) ኣብርሃም ንየሆዋ ዝቐረቦ ብኸመይ እዩ፧ እምነት ኣብ ዕርክነቶም ወሳኒ ግደ ነይርዋ እዩ። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ ንኣብርሃም፡ ‘ንዅሎም እቶም ዚኣምኑ ኣቦኦም’ ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። (ሮሜ 4:11) ስለዚ፡ ኣብርሃም ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንምምስራት፡ እምነቱ ብኸመይ ከም ዝሓገዘቶ ንርአ። ነፍሲ ወከፍና ድማ፡ ‘ከመይ ገይረ እየ ኣስኣሰር እምነት ኣብርሃም ክስዕብን ምስ የሆዋ ዘሎኒ ዕርክነት ከደልድልን ዚኽእል፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተት።

ኣብርሃም ፈታው የሆዋ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

3, 4. (ሀ) ነቲ ንኣብርሃም ኣብ እምነቱ ዘጋጠሞ ዝኸበደ ፈተና ግለጾ። (ለ) ኣብርሃም ንይስሃቅ ኪስውኦ ፍቓደኛ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

3 ናብ ከረን ዚድይብ ዘሎ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ኣብ ህይወቱ ዝኸበደ ጕዕዞ እዩ ዚገብር ነይሩ። ነቲ ጕዕዞ ኣጸጋሚ ዝገበሮ ግና ዕድሚኡ ብምድፋኡ ኣይኰነን። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብርሃም ወዲ 125 ዓመት ኣቢሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ምስ ሓይሉ እዩ ነይሩ። [1] እግረ እግሩ ድማ ወዲ 25 ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን መንእሰይ ነበረ። ንሱ ኸኣ ወዱ ይስሃቅ እዩ፣ ንሓዊ ዚኸውን ዕንጨይቲ እውን ተሰኪሙ ነበረ። ኣብርሃም ድማ ካራን ሓዊ ንምእጓድ ዜድልዮ ነገርን ሒዙ ነበረ። የሆዋ ንኣብርሃም፡ ንወዱ ኺስውኦ እዩ ሓቲትዎ!—ዘፍ. 22:1-8

4 ኣብርሃም ንእምነቱ ዚፍትን ዝኸበደ ፈተና እዩ ኣጋጢምዎ። ኣምላኽ ንኣብርሃም ከምዚ ዓይነት ነገር ኪገብር ብምሕታቱ ጨካን ከም ዝዀነ ገይሮም ዝርእይዎ ኣለዉ፣ ኣብርሃም እዙዝ ብምዃኑ ኸም ዘየመዛዝንን ዘይድንግጽን ገይሮም ዚርእይዎ እውን ኣለዉ። ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኼሕድሩ ዝኸኣሉ፡ እምነት ስለ ዘይብሎምን እምነት እንታይ ማለት ምዃኑ ስለ ዘይርድኡን እዮም። (1 ቈረ. 2:14-16) ኣብርሃም ብዕሙቱ ኣይኰነን ንኣምላኽ ተኣዚዝዎ። የግዳስ፡ ኪርኢ ስለ ዝኸኣለ እዩ ተኣዚዝዎ። እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ነባሪ ጕድኣት ዜምጽእ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪገብሩ ኸም ዘይሓትቶም ብዓይኒ እምነቱ ርእዩ እዩ። ንየሆዋ ኣምላኹ እንተ ተኣዚዝዎ፡ ንሱ ንዕኡን ንወዱን ከም ዚባርኾም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እታ እምነት እቲኣ ኣብ ምንታይ እያ ተሰሪታ፧ ኣብ ፍልጠትን ተመክሮን እያ።

5. ኣብርሃም ብዛዕባ የሆዋ ብኸመይ ተማሂሩ ኪኸውን ይኽእል፧ እቲ ፍልጠት እቲኸ እንታይ ከም ዚስምዖ እዩ ገይሩ፧

5 ፍልጠት። ኣብርሃም ኣብ ኡር እትብሃል ብኣምልኾ ጣኦት ዝመልአት ከተማ ከለዳውያን እኳ እንተ ዓበየ፡ ብዛዕባ የሆዋ ግና ኪፈልጥ ክኢሉ እዩ። ኣቦኡ ታራ እኳ ኣምላኺ ጣኦት ክነሱ፡ ንሱ ኸመይ ገይሩ እዩ እዚ ኺፈልጥ ዝኸኣለ፧ (እያ. 24:2) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣይገልጸልናን እዩ፣ ኣብርሃም ኣብ መስመር ወለዶ እቲ ሓደ ኻብ ደቂ ኖህን ናይ እምነት ሰብን ዝነበረ ሴም ታሽዓይ ወለዶ እዩ ነይሩ። ሴም ክሳዕ እቲ ኣብርሃም ወዲ 150 ዓመት ዝዀነሉ ግዜ ይነብር ነይሩ እዩ። ኣብርሃም ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ሴም ተማሂሩ እንተ ዀይኑ፡ ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ሴም ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ዚፈልጦ ነገር ንስድራ ቤቱ ኸም ዘውረሶም ክንግምት ንኽእል ኢና። ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ ፍልጠት ናብ ኣብርሃም በጺሑን ንልቡ ተንክይዎን እዩ። እቲ ኣብርሃም ብዛዕባ ኣምላኽ ዝፈለጦ ነገር ከኣ ከም ዜፍቅሮ ገይርዎ እዩ፣ እቲ ፍልጠት እቲ እውን እምነት ከም ዚሃንጽ ገይርዎ እዩ።

6, 7. ኣብርሃም ዝረኸቦ ተመክሮ ንእምነቱ ዘደልደላ ብኸመይ እዩ፧

6 ተመክሮ። ኣብርሃም ነቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምነት ዜደልድል ተመክሮ ኸመይ ገይሩ እዩ ኣጥርዩ፧ ሓሳባት ናብ ስምዒታት፡ ስምዒታት ድማ ናብ ተግባራት ከም ዚመርሕ ይዝረብ እዩ። እቲ ኣብርሃም ብዛዕባ ኣምላኽ ዝፈለጦ ነገር፡ ብዛዕባ የሆዋ እቲ “ልዑል ኣምላኽ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን” ዓብዪ ፍርሃትን ልባዊ ኣኽብሮትን ከም ዜሕድር ገይርዎ እዩ። (ዘፍ. 14:22) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ስምዒት እቲ ‘ፍርሃት ኣምላኽ’ ኢሉ ይጽውዖ እዩ፣ ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንምምስራት ድማ እዚ ኣገዳሲ እዩ። (እብ. 5:7፣ መዝ. 25:14) ከምዚ ዝበለ ፍርሃት ከኣ እዩ ንኣብርሃም ንተግባር ዘለዓዓሎ።

7 ኣምላኽ ነቶም ብዕድመ ደፊኦም ዝነበሩ ኣብርሃምን ሳራን ካብ ኡር ወጺኦም ናብ ምድሪ ጓና ኪኸዱ ኣዘዞም። ዝተረፈ ህይወቶም ኣብ ድንኳናት እዮም ኪነብሩ ነይርዎም። ኣብርሃም እዙዝ ብምዃኑ፡ የሆዋ ምእንቲ ኺባርኾን ኬዕቍቦን መገዲ ኸፊቱሉ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብርሃም ነታ ጽብቕቲ ሰበይቱ ሳራ ኸይወስድዋን ንዕኡ ኸይቀትልዎን ዝሰግኣሉ እዋን ነይሩ እዩ። ንፍርሁ ምኽንያት ዝዀኖ ነገር እኳ እንተ ነበረ፡ ብሰንኪ እዚ ስግኣት እዚ ግና ንየሆዋ ኻብ ዝነበሮ ተኣዛዝነት ድሕር ኣይበለን። የሆዋ ድማ ብተደጋጋሚ ጣልቃ ኣትዩ ብተኣምራዊ መገዲ ንኣብርሃምን ንሳራን ኣዕቊብዎም እዩ። (ዘፍ. 12:10-20፣ 20:2-7, 10-12, 17, 18) እዚ ተመክሮ እዚ ንእምነት ኣብርሃም ኣደልዲልዋ እዩ።

8. ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ዜደልድል ፍልጠትን ተመክሮን ካበይ ክንረክብ ንኽእል፧

8 ንሕናኸ ምስ የሆዋ ዕርክነት ክንምስርት ንኽእል ዲና፧ እወ፡ ብርግጽ ንኽእል ኢና። ዕርክነት ንምምስራት ዜድልየና ፍልጠትን ተመክሮን ብቐሊሉ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብርሃም ካብቲ ሎሚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሃብትን ጥበብን ሒደት ጥራይ እዩ ረኺቡ። (ዳን. 12:4፣ ሮሜ 11:33) ቃል ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ እቲ “ጐይታ ሰማይን ምድርን” ዘሎና ፍልጠት ኬዕምቝ ዚኽእል ክቡር ሃብቲ ዝመልአ እዩ፣ ንዕኡ ኣኽብሮትን ፍቕርን ከም እነሕድር ድማ ኪገብረና ይኽእል እዩ። እዚ ስምዒታት እዚ ንኣምላኽ ክንእዘዞ ብዝደረኸና መጠን ከኣ፡ ንዕኡ እዙዝ ምዃን እንታይ ፍረ ኸም ዘለዎ ስለ እንርኢ፡ ተመክሮ እናደለብና ንኸይድ። ምኽሩ ዕቝባ ኸም ዝዀነ፡ ንሱ እውን ከም ዚባርኸናን ከም ዜበርትዓናን እናተገንዘብና ንኸይድ። ንኣምላኽ ብምሉእ ልብና እነቕርቦ ኣገልግሎት ድማ ዕግበትን ሰላምን ሓጐስን የምጻኣልና። (መዝ. 34:8፣ ምሳ. 10:22) እዚ ፍልጠትን ተመክሮን እዚ እናዓበየ ምስ ከደ ኸኣ፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነትን ምስኡ ዘሎና ዕርክነትን እናደልደለ ይኸይድ።

ኣብርሃም ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ዕርክነት ብኸመይ ዓቂብዎ፧

9, 10. (ሀ) ዕርክነት እናደልደለ ምእንቲ ኪኸይድ እንታይ እዩ ዜድሊ፧ (ለ) ኣብርሃም ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ዕርክነት ከም ዝሓብሓቦን ከም ዘደልደሎን ዜርእየና እንታይ እዩ፧

9 ዕርክነት ክቡር ሃብቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 17:17 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ዕርክነት ከም ሓደ ዓዲግና ኣብ ገሊኡ ቦታ እነቐምጦ እሞ ደሮና ኺሰቲ ዚውዕል ግኡዝ ነገር ኣይኰነን። የግዳስ፡ ዕርክነት ከም ሓደ ምእንቲ ኺዓብን ምእንቲ ኺዕምብብን፡ ክንክንን ደገፍን ዜድልዮ ህያው ነገር እዩ። ኣብርሃም ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ይሕብሕቦን ይከናኸኖን ነይሩ እዩ። ከመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ዝገበረ፧

10 ኣብርሃም፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝነበሮ ፍርሃት ኣምላኽን ተእዛዝነትን እኹል ከም ዝዀነ ገይሩ ኸቶ ኣይሓሰበን። ንሱን ቤተ ሰቡን ናብ ከነኣን ኪጐዓዙ ኸለዉ፡ ኣብ ዚገብሮ ዘበለ ንእሽቶ ዀነ ዓብዪ ውሳነ ብየሆዋ እዩ ዚምራሕ ነይሩ። ካብቲ ይስሃቅ እተወልደሉ ሓደ ዓመት ኣቐዲሙ፡ ኣብርሃም ወዲ 99 ዓመት ከሎ፡ የሆዋ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤት ኣብርሃም ዘለዉ ኺግዘሩ ኣዚዝዎም እዩ። እሞኸ ኣብርሃም ነቲ ትእዛዝ እቲ ኣብ ሕቶ ኣእይትዎ ወይ ካብቲ ትእዛዝ ንምምላጥ ቀዳድ ደልዩ ድዩ፧ ኣይፋሉን፣ የግዳስ፡ ብኣምላኽ ተኣሚኑን “በታ መዓልቲ እቲኣ” ተኣዚዙን እዩ።—ዘፍ. 17:10-14, 23

11. ኣብርሃም ብዛዕባ ሶዶምን ጎሞራን እተጨነቐ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋኸ ብኸመይ እዩ ሓጊዝዎ፧

11 ኣብርሃም ንኣሽቱ ኣብ ዚመስሉ ነገራት እኳ ንየሆዋ እዙዝ ይኸውን ብምንባሩ፡ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕን እናማዕበለ ዚኸይድን ዕርክነት ነበሮ። ኣብ ልቡ ዘሎ ንየሆዋ ንምንጋር፡ ከቢድ ሕቶታት ኪለዓሎ ኸሎ ድማ ንምሕታቱ ኣይስከፍን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ሓደ እዋን ኣምላኽ ንኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ከም ዜጥፍአን ምስ ፈለጠ፡ ጻድቃን ምስ እኩያት ከይልከሙ ኣተሓሳሲብዎ ነይሩ እዩ። ምናልባት ብዛዕባ እቲ ምስ ስድራ ቤቱ ኣብ ሶዶም ዚነብር ዝነበረ ሎጥ ወዲ ሓዉ እዩ ተጨኒቑ ኪኸውን ዚኽእል። ኣብርሃም ነቲ ሕቶታቱ፡ ዓብዪ ትሕትናን ኣብቲ “ፈራድ ኵላ ምድሪ” ዘለዎ እምንቶን ብዜንጸባርቕ መገዲ እዩ ኣቕሪብዎ። የሆዋ ኸኣ ብግዜ ፍርዲ እኳ ልቢ ዅሉ ሰብ ኣንቢቡ ዚድሕኑ ጻድቃን እንተ ኣለዉ ኸም ዜናዲ ብምሕባር፡ መሓሪ ምዃኑ ብትዕግስቲ ንኣብርሃም መሃሮ።—ዘፍ. 18:22-33

12, 13. (ሀ) ኣብርሃም ዝነበሮ ፍልጠትን ተመክሮን ጸኒሑ ዝጠቐሞ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብርሃም ኣብ የሆዋ እምንቶ ኸም ዝነበሮ ዜርእየና እንታይ እዩ፧

12 ኵሉ እቲ ኣብርሃም ዝረኸቦ ፍልጠትን ተመክሮን ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ናይ ቀረባ ዕርክነት ዓቂቡ ኺመላለስ ከም ዝሓገዞ ኣየጠራጥርን እዩ። ጸኒሑ፡ ንኣብርሃም ከቢድ ፈተና ምስ ኣጋጠሞ፡ ማለት ንይስሃቅ ወዱ ኺስውእ ካብ የሆዋ ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ እቲ ሰማያዊ ፈታዊኡ እንታይ ዓይነት ባህርያት ከም ዘለዎ ኼስተንትን ክኢሉ እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ ናብቲ ኣብ ምድሪ ሞርያ ናብ ከረን ዚድይብ ዝነበረ እሙን ሰብኣይ ንመለስ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ‘የሆዋ ብሃንደበት ተቐዪሩ ጨካንን ምሕረት ዘይብሉን ኰይኑ’ ኢሉ ኣሚኑ ነይሩ ድዩ፧ ብዓይኒ ኣብርሃም፡ እዚ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ! ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

13 ኣብርሃም ነቶም ዘሰነይዎ ግዙኣቱ ሓዲግዎም ቅድሚ ምኻዱ፡ “ምስ እዛ ኣድጊ ኣብዚ ጽንሑ፡ ኣነን እዚ ወድን ከኣ ናብቲ ኼድና ኽንሰግድ ኢና፡ ናባኻትኩም ድማ ንምለስ” ኢልዎም እዩ። (ዘፍ. 22:5) ኣብርሃም እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ይስሃቅ ከም ዚስዋእ እናፈለጠ ኽነሱ፡ ከም ዚምለስ ኪነግሮም ከሎስ፡ ይሕስዎም ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። እንታይ ማለቱ ምንባሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ። (እብራውያን 11:19 ኣንብብ።) ‘ኣምላኽ ንይስሃቅ ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል እዩ ሓሲቡ።’ እወ፡ ኣብርሃም ብትንሳኤ ይኣምን ነይሩ እዩ። ንዕኡን ንሳራን ብግዜ እርጋኖም ከም ዚወልዱ ዝገበሮም የሆዋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (እብ. 11:11, 12, 18) ንኣምላኽ ዚስኣኖ ነገር ከም ዘየልቦ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። በታ ፈታኒት መዓልቲ እቲኣ ዘጋጠመ እኳ እንተ ኣጋጠመ፡ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ምእንቲ ኺፍጸም፡ እቲ ፍቑር ወዱ ኸም ዚምለሰሉ እምንቶ ነይርዎ እዩ። እምበኣር፡ ኣብርሃም ‘ንዅሎም እቶም ዚኣምኑ ኣቦኦም’ እንተ ተባህለ ዚውሕዶ ኣይኰነን።

14. ንየሆዋ ንምጋልጋል እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥመካ፧ ኣብነት ኣብርሃምከ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

14 ንሕናኸ፧ ልክዕ እዩ፡ ሎሚ ኣምላኽ ከምቲ ንኣብርሃም ኪገብሮ ዝሓተቶ ነገር ኣይሓትተናን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ትእዛዛቱ ንምሕላዉ ኸቢድ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ወይ ስለምንታይ እቲ ትእዛዛት እቲ ኸም ዝሃበና ኣብ ዘይንርድኣሉ እዋን እኳ እንተ ዀነ፡ ክንእዘዞ ይሓትተና እዩ። ኣምላኽ ክትገብሮ ዚደልየካ ኣጸጋሚ ዝዀነካ ነገር ክትዝክርዶ ትኽእል፧ ንገሊኦም ዕዮ ስብከት ይኸብዶም እዩ። ምናልባት ሓፋራት ብምዃኖም፡ ንዘይፈልጥዎ ሰብ ቀሪቦም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር ይኸብዶም ይኸውን። ገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕ ካብ ካልኦት እተፈልዩ ምዃኖም ይኸብዶም እዩ። (ዘጸ. 23:2፣ 1 ተሰ. 2:2) ከም ኣብርሃም ልዕሊ ዓቕምኻ ዝዀነ ነገር ንምግባር ናብ ከረን ሞርያ ትድይብ ከም ዘለኻ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ብዛዕባ ኣብርሃምን እምነቱን ሕሰብ! ብዛዕባ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ምስትንታንካ፡ ንዓታቶም ንምምሳልን ንየሆዋ ኸም ፈታዊኻ ንምቕራቡን ክትድረኽ ትኽእል ኢኻ።—እብ. 12:1, 2

በረኸት ዜምጽእ ዕርክነት

15. ኣብርሃም ንየሆዋ ብተኣማንነት እዙዝ ኰይኑ ብምምልላሱ ኸም ዘይተጣዕሰ ኸመይ ጌርና ርግጸኛታት ንኸውን፧

15 ኣብርሃም ንየሆዋ ብተኣማንነት እዙዝ ኰይኑ ብምምልላሱስ እተጣዕሰዶ ይመስለካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መወዳእታ ህይወቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብርሃም ድማ ጽቡቕ እርግና ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ ትንፋሱ ወጸት ሞተውን” እዩ ዚብል። (ዘፍ. 25:8) ኣብርሃም ወዲ 175 ዓመት ምስ ኰነ፡ ሓይሉ ጠሊምዎ እዩ፣ ግናኸ፡ ብህይወቱ ዕጉብ እዩ ነይሩ። ህይወቱ ኣብቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበሮ ዕርክነት ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብርሃም “ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ” ዚብል ከነንብብ ከለና፡ ህይወት ከም እተመነዎ፡ ማለት ኣብ መጻኢ ኺነብር ከም ዘይብህግ ጌርና ኣይንሕሰብ።

16. ኣብርሃም ኣብ ገነት እንታይ ሓጐስ እዩ ኺረክብ፧

16 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብርሃም፡ “ነታ ኣምላኽ ዝነዳፊኣን ዝሃናጺኣን ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ነበረ” ይብል እዩ። (እብ. 11:10) ሓደ መዓልቲ፡ ነታ ኸተማ እቲኣ፡ ማለት ንመንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽትገዝእ ከላ ኸም ዚርእያ ይኣምን ነይሩ እዩ፣ ብርግጽ እውን ኪርእያ እዩ! ኣብታ ምድራዊት ገነት ኪነብርን ምስ የሆዋ ዘለዎ ዕርክነት ብዝያዳ ኼደልድልን ከሎስ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧ እምነቱ ንኣገልገልቲ የሆዋ ንኣሽሓት ዓመታት ከም ዝደገፈቶም ምስ ፈለጠስ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኪሕጐስ እዩ! ኣብ ገነት ከኣ እቲ ንይስሃቅ ዝረኸበሉ መገዲ ናይ ኣዝዩ ዓብዪ ነገር “ምሳሌ” ምዃኑ ኺፈልጥ እዩ። (እብ. 11:19) እቲ ንይስሃቅ ኪስውኦ ምስ ተዳለወ እተሰምዖ ስቓይ ድማ፡ ሚልዮናት እሙናት ሰባት ነቲ የሆዋ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ በጃ ገይሩ ኺህብ ከሎ እተሰምዖ ስቓይ ኪርድኡ ኸም ዝሓገዞም ኪፈልጥ እዩ። (ዮሃ. 3:16) ኣብርሃም ዝሓደጎ ኣብነት፡ ነቲ ኣብ ታሪኽ ልዕሊ ዅሉ መግለጺ ፍቕሪ ዝዀነ መሰናድዎ በጃ ዝያዳ ኣድንቖት ከም ዚህልወና ይገብረና እዩ!

17. እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘራጽነት ጌርካ ዘለኻ፧ ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

17 እምበኣር፡ ኵላትና ኣስኣሰር እምነት ኣብርሃም ንስዓብ። ከምኡ ንምግባር፡ ከም ኣብርሃም ፍልጠትን ተመክሮን የድልየና እዩ። ብዛዕባ የሆዋ እናፈለጥናን ንዕኡ እናተኣዘዝናዮን ብዝኸድና መጠን፡ ንሱ እውን ኪባርኸናን ኬዕቍበናን እዩ። (እብራውያን 6:10-12 ኣንብብ።) የሆዋ ንዘለኣለም ፈታዊና ይኹን! ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ዝዀኑ ሰለስተ እሙናት ኣብነታት ክንርኢ ኢና።

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 3) እዚ ሰብኣይ እዝን ሰበይቱን ኣብ መጀመርታ ኣብራምን ሳራይን እዮም ዚብሃሉ ነይሮም፣ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ግና በቲ የሆዋ ጸኒሑ ዝሃቦም ስማት፡ ኣብርሃምን ሳራን ኢልና ኢና ኽንጽውዖም።