ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ተምሃር

ካብ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ተምሃር

“የሆዋስ ካባኻ እንታይ እዩ ዚደሊ፧ ፍትሒ ኽትገብር፡ ተኣማንነት ክትፈቱ፡ ምስ ኣምላኽካ እውን ብትሕትና ኽትመላለስ ጥራይ እዩ!” —ሚክ. 6:8NW።

መዝሙር፦ 18, 43

1, 2. ዳዊት ንኣምላኽ እሙን ምዃኑ ብኸመይ ኣርእዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ከውታ ለይቲ፡ ዳዊትን ኣቢሻይን ሰላሕ እናበሉ ናብ ማእከል እቶም ደቂሶም ዝነበሩ 3,000 ወተሃደራት ኣተዉ። ኣብ ማእከል እቲ ሰፈር ከኣ፡ ንንጉስ ሳኦል ከቢድ ድቃስ ወሲድዎ ረኸብዎ። ንዳዊት ኪቐትሎ ኢሉ እዩ ናብ በረኻ ይሁዳ መጺኡ። ስለዚ፡ ኣቢሻይ፡ “በጃኻ፡ ከይደገምኩስ ሓንሳእ ብዂናት ምስ ምድሪ ኸላግቦ ሕደገኒ” ኢሉ ንዳዊት ሕሽዅ በሎ። ምላሽ ዳዊት ግና ዜስደምም እዩ ነይሩ! “ኢዱ ናብ ቅቡእ እግዚኣብሄር ዘረጊሑስ በደል ዘይዀኖ መን አሎ፧ . . . ኢደይ ኣብ ቕቡእ እግዚኣብሄር ካብ ምዝርጋሕሲ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ” ኢሉ እዩ መሊሱሉ።—1 ሳሙ. 26:8-12

2 ንኣምላኽ እሙን ምዃን ኪብሃል ከሎ እንታይ ከም ዜጠቓልል፡ ዳዊት ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። ንሳኦል ኪጐድኦ ጠሪሱ ኣይሓሰበን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ብኣምላኽ እተቐብአ እዩ ነይሩ። እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ነቶም የሆዋ ዝሸሞም የኽብርዎም እዮም። እወ፡ የሆዋ፡ ኵሎም ህዝቡ ‘ተኣማንነት ኪፈትዉ’ (NW) እዩ ዚደሊ።—ሚክያስ 6:8 ኣንብብ።

3. ኣቢሻይ ንዳዊት እሙን ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

3 ኣቢሻይ ንዳዊት ከም ዜኽብሮ ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ዳዊት ነቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ዝሙት ኪሓብእ ኪጽዕር ከሎ፡ ዮኣብ ሓው ኣቢሻይ ንኡርያ ሰብኣያ ኣብ ውግእ ከም ዜቕትሎ ገይርዎ እዩ። (2 ሳሙ. 11:2-4, 14, 15፣ 1 ዜና 2:16) ኣቢሻይ ብዛዕባ እዚ ሰሚዑ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ ብኣምላኽ እተሸመ ዳዊት ካብ ምኽባር ኣየቋረጸን። ብዘይካዚ፡ በቲ መራሒ ሰራዊት ከም ምዃኑ መጠን ዝነበሮ ስልጣን ተጠቒሙ፡ ዝፋን እስራኤል ኪምንዝዕ ኣይፈተንን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንዳዊት ካብ ከዳዓትን ካልኦት ጸላእቱን ተኸላኺሉሉ እዩ።—2 ሳሙ. 10:10፣ 20:6፣ 21:15-17

4. (ሀ) ዳዊት ንኣምላኽ እሙን ብምዃኑ ኣብነት ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ካልእ ኣብነታት ኢና ኽንምርምር፧

4 ዳዊት ንንጉስ ሳኦል ኪጐድኦ ፍቓደኛ ዘይምዃኑ፡ ሓደ ኻብ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ምዃኑ እዩ ዜርኢ። ብግዜ ንእስነቱ፡ ነቲ ደፊሩ “ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ዜባጩ” ዝነበረ ጐልያድ እቲ ፍልስጥኤማዊ ገጢሙሉ እዩ። (1 ሳሙ. 17:23, 26, 48-51) ንጉስ ምስ ኰነ እሞ ዝሙትን ቅትለትን ዜጠቓልል ከቢድ ሓጢኣት ምስ ፈጸመ፡ ካብ ነብዪ ናታን መግናሕቲ ተቐቢሉን ተነሲሑን እዩ። (2 ሳሙ. 12:1-5, 13) ምስ ኣረገ እውን፡ ንኣምላኽ እሙን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ንህንጸት ቤተ መቕደስ የሆዋ ብልግሲ ወፍዩ እዩ። (1 ዜና 29:1-5) እወ፡ ዳዊት ከቢድ ጌጋታት እኳ እንተ ገበረ፡ ንየሆዋ እሙን እዩ ነይሩ። (መዝ. 51:4, 10፣ 86:2) ብዛዕባ ዳዊትን ብግዜኡ ብዛዕባ ዝነበሩ ሰባትን ካልእ ዛንታታት ክንምርምር ከለና፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ምላሽ ንርከበሉ፦ ንመን ዘሎና ተኣማንነት እዩ ቐዳምነት ኪውሃቦ ዚግባእ፧ እሙናት ንምዃን እንታይ ባህርያት የድልየና፧

ንመን ዘሎና ተኣማንነት እዩ ቐዳምነት ኪውሃቦ ዚግባእ፧

5. ካብቲ ኣቢሻይ ዝገበሮ ጌጋ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧

5 ኣቢሻይ ናብ ሰፈር ሳኦል ኪኣቱ ኸሎ፡ ቀዳምነት ኪውሃቦ ዘለዎ ተኣማንነት ብንጹር ኣይሰርዐን ነይሩ። ንዳዊት ካብ ዘለዎ ተኣማንነት ተላዒሉ፡ ንንጉስ ሳኦል ኪቐትሎ ተሃንጥዩ ነይሩ፣ ዳዊት ግና ኢድካ ኣንጻር ‘ቅቡእ የሆዋ’ ምልዓል ጌጋ ምዃኑ ስለ ዚፈልጥ፡ ከልኪልዎ እዩ። (1 ሳሙ. 26:8-11) ካብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ንረክብ ኢና፦ ብቐዳምነት ንመን እሙናት ክንከውን ከም ዘሎና ኽንውስን ምስ ዜድልየና፡ ኣብቲ ዅነታት እቲ ኺሕግዘና ብዛዕባ ዚኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንሓስብ ኣሎና።

6. ንቤተ ሰብናን ንፈተውትናን እሙናት ምዃን ባህርያዊ እኳ እንተ ዀነ፡ ስለምንታይ ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧

6 ተኣማንነት ካብ ልቢ እዩ ዚፍልፍል፣ ልቢ ሰብ ግና ጐራሕ እዩ። (ኤር. 17:9) ስለዚ፡ ሓደ ንኣምላኽ እሙን ዝዀነ ሰብ፡ ሕማቕ ንዚገብር ናይ ቀረባ ዓርኩ ወይ ቤተ ሰቡ እውን እሙን ኪኸውን ከም ዘለዎ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ምናዳ እንቐርቦ ሰብ ካብ ሓቂ እንተ ወጺኡ፡ ብቐዳምነት ንየሆዋ እሙናት ክንከውን ከም ዚግብኣና ኽንርስዕ የብልናን።—ማቴዎስ 22:37 ኣንብብ።

7. ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ንኣምላኽ እምንቲ ዝዀነት ብኸመይ እያ፧

7 ሓደ ናይ ቀረባ ቤተ ሰብና ኺውገድ ከሎ፡ ንመን እሙናት ክንከውን ከም ዘሎና ኽንውስን የድልየና እዩ። ንኣብነት፡ ንሓንቲ ኣን [1] ዝስማ ሓብቲ፡ እተወገደት ኣዲኣ ተሌፎን ደወለትላ። እታ ኣደ ድማ ካብ ስድራ ቤታ ስለ እተፈልየት፡ ከም እተሳቐየት ነገረታ። ኣን በቲ ልማኖኣ እኳ እንተ ተረበሸት፡ ብደብዳበ ምላሽ ከም እትህባ ነገረታ። ቅድሚ ምጽሓፋ ኸኣ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ መርመረት። (1 ቈረ. 5:11፣ 2 ዮሃ. 9-11) ድሕሪኡ፡ ኣን ንኣዲኣ፡ ንሳ ብምእባሳን ብዘይምንሳሓን፡ ባዕላ ኻብቲ ስድራ ቤት ከም እተፈልየት ብለውሃት ኣዘኻኸረታ። “ናብ የሆዋ እንተ ተመሊስኪ ጥራይ ኢኺ ኻብ ስቓይኪ ኽትድሕኒ እትኽእሊ” ኢላ እውን ጸሓፈትላ።—ያእ. 4:8

8. ንኣምላኽ እሙናት ንምዃን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

8 ብግዜ ዳዊት ዝነበሩ ሰባት ዘርኣይዎ ተኣማንነት፡ ንኣምላኽ እሙናት ንምዃን ኪሕግዛና ዚኽእላ ሰለስተ ባህርያት የጕልሕ እዩ። እዘን ባህርያት እዚአን ኸኣ ትሕትናን ለውሃትን ትብዓትን እየን። በብሓደ እስከ ንመርምረን።

ንኣምላኽ እሙን ምዃን፡ ትሕትና ይሓትት

9. ኣብኔር ንዳዊት ኪቐትሎ ዝፈተነ ስለምንታይ እዩ፧

9 ዳዊት ንርእሲ ጐልያድ ሒዙ መጺኡ ምስ ንጉስ ሳኦል ኣብ እተዛራረበሉ እዋን፡ እንተ ወሓደ ኽልተ ኻልኦት ሰባት ኣብኡ ነይሮም እዮም። እቲ ሓደ ዮናታን ወዲ ሳኦል እዩ ነይሩ፣ ንሱ ድማ ምስ ዳዊት ኪዳን ዕርክነት ተኣታትዩ እዩ። እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣብኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊት እዩ ነይሩ። (1 ሳሙ. 17:57–18:3) ኣብኔር ጸኒሑ ነቲ ሳኦል ንዳዊት ንምቕታል ዚገብሮ ጻዕርታት ይድግፍ ነይሩ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ዳዊት፡ “ዓመጽቲውን ንነፍሰይ ይደልይዋ አለዉ” ኢሉ ዝጸሓፈ። (መዝ. 54:3፣ 1 ሳሙ. 26:1-5) ኣብኔር ብዛዕባ ዳዊት ዝነበሮ ኣረኣእያ፡ ካብቲ ናይ ዮናታን ኣዝዩ እተፈልየ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብኔር ከም ዮናታን፡ ኣምላኽ ንዳዊት ኣብ እስራኤል ኪነግስ ከም ዝሓረዮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ድሕሪ ሞት ሳኦል፡ ኣብኔር ትሕትና ኼርኢ፡ ንኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦል ዘይኰነስ፡ ንዳዊት ብምድጋፍ እውን ንኣምላኽ እሙን ኪኸውን ይኽእል ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ጸኒሑ ናብ ሰበይቲ ወሰን ንጉስ ሳኦል ዝኣተወ፡ ነቲ ዝፋን ንርእሱ ኺገብሮ ብምድላዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—2 ሳሙ. 2:8-10፣ 3:6-11

10. ኣቤሴሎም ንኣምላኽ ዘይእሙን ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10 ኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት እውን ትሕትና ስለ ዝጐደሎ እዩ ንኣምላኽ እሙን ዘይኰነ። ስለዚ፡ “ኣቤሴሎም ሰረገላን ኣፍራስን ቀቅድሚኡ ዚጐዩ ሓምሳ ሰብኣይን ገበረ።” (2 ሳሙ. 15:1) ንተኣማንነት እቶም ህዝቢ እውን ሰረቐ። የሆዋ ንዳዊት ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ከም ዝቐብኦ እናፈለጠ ኽነሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣብኔር ዝገበሮ፡ ንዳዊት ኪቐትሎ ደልየ።—2 ሳሙ. 15:13, 14፣ 17:1-4

11. ካብቲ ብዛዕባ ኣብኔርን ኣቤሴሎምን ባሩኽን ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታታት ከመይ ጌርና ኽንጥቀም ንኽእል፧

11 ሓደ ሰብ ትሑት ምስ ዘይከውንን ህርፋን ስልጣን ምስ ዚህልዎን፡ ብቐሊሉ ንኣምላኽ ዘለዎ ተኣማንነት ከም ዜጕድል፡ ካብ ኣብነት ኣብኔርን ኣቤሴሎምን ክንርኢ ንኽእል ኢና። እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ ጥቕሚ ርእሲ ዘተኰረን ክፉእን መገዲ ጠሪሱ ኣይስዕብን እዩ። ሓደ ክርስትያን ሃብቲ ወይ ኣኽቢርካ ዚርአ ስራሕ ኪረክብ ባህጊ ምስ ዜሕድር፡ ንመንፈሳውነቱ ኼዳኽሞ ይኽእል እዩ። እቲ ንኤርምያስ ጸሓፊኡ ዝነበረ ባሩኽ፡ ብሓደ ዘይተገልጸ ምኽንያት ኣትኵሮኡ ስሒቱ ነይሩ እዩ። እቲ የሆዋ ናብ ባሩኽ ዝለኣኾ መልእኽቲ ኸምዚ ዚብል ነበረ፦ “እንሆ፡ ነቲ ዝሰራሕክዎ ኤፍርሶ፡ ነቲ ዝተኸልክዎ ኸኣ እምንቍሶ አሎኹ፡ እዚውን ኣብ ኵላ እታ ሃገር ክገብሮ እየ። ንስኻንዶ ንርእስኻ ዓብዪ ነገር ትደሊ አሎኻ፧ ኣይትድለዮ።” (ኤር. 45:4, 5) ባሩኽ ነቲ መአረምታ ተቐቢሉ እዩ። ንሕና እውን መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ኽንጽበ ኸለና፡ ነዘን ኣምላኽ እተዛረበን ቃላት እዚአን ክንዝክረን ኣሎና።

12. ኣብ ብሕታዊ ድሌት እንተ ኣተኲርና፡ ስለምንታይ ንኣምላኽ እሙናት ክንከውን ከም ዘይንኽእል ግለጽ።

12 ኣብ መክሲኮ ዚነብር ዳንየል ዝስሙ ሓው፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዘለዎ ተኣማንነትን ብሕታዊ ድሌቱን ኪሓሪ ኣድልይዎ እዩ። ሓደ እዋን፡ ኣማኒት ዘይኰነት ጓል ኪምርዖ ደልዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ዳንየል ከምዚ ይብል፦ “ፈላሚ ዀይነ ምግልጋል ድሕሪ ምጅማረይ እኳ እጽሕፈላ ነይረ እየ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ ርእሰይ ኣትሒተ ንሓደ ምኩር ሽማግለ፡ ንመን እሙን ክኸውን ከም ዘሎኒ እጭነቕ ከም ዘለኹ ነጊረዮ። ንሱ ድማ ንኣምላኽ እሙን ንምዃን፡ ንዓኣ ምጽሓፍ ከቋርጾ ኸም ዘሎኒ ኽግንዘብ ሓጊዙኒ። ድሕሪ ብዙሕ ጸሎትን ንብዓትን፡ ከምኡ እየ ገይረ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝረኽቦ ሓጐስ ወሲኹ።” ዳንየል ጸኒሑ ንሓንቲ ንፍዕቲ ክርስትያን ሓብቲ ተመርዕዩ እዩ፣ ሕጂ ድማ ሓላው ወረዳ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።

ንኣምላኽ እሙን ምዃን፡ ለዋሃት ክንከውን ይሕግዘና

ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይካ ኸቢድ ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ እንተ ፈሊጥካ፡ መንፈሳዊ ሓገዝ ምእንቲ ኺረክብ ብተኣማንነት ክትሕግዞ ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

13. ዳዊት ምስ ሓጥአ፡ ናታን ንኣምላኽን ንዳዊትን እሙን ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

13 ሓድሓደ ግዜ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት፡ ነቲ ንሰባት ዘሎና ተኣማንነት ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ነብዪ ናታን ንኣምላኽ ዘለዎ ተኣማንነት ከየጕደለ፡ ንዳዊት እሙን ኰይኑ እዩ። ሓደ እዋን፡ ዳዊት ከም ዝዘመወን ንሰብኣይ እታ ምስኣ ዝዘመወ ሰበይቲ ኣብ ውግእ ከም ዘቕተሎን፡ ናታን ፈለጠ። የሆዋ ንናታን፡ ንዳዊት ኪገንሖ ምስ ለኣኾ፡ ናታን ንዳዊት እሙን እኳ እንተ ነበረ፡ ተኣዚዙን ብትብዓት እተባህሎ ገይሩን እዩ። ነቲ መግናሕቲ ኸኣ ብጥበብን ብለውሃትን እዩ ኣቕሪብዎ። ዳዊት ንኽብደት እቲ ሓጢኣቱ ምእንቲ ኺግንዘብ፡ ናታን ነቲ ሓደ ሃብታም ሰብ ናይ ድኻ ሽበን ብምውሳድ ዝፈጸሞ ግፍዒ ኸም ምሳሌ ገይሩ ተጠቒሙ እዩ። ዳዊት ኣብ ልዕሊ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ቍጥዓኡ ምስ ገለጸ፡ ናታን፡ “እቲ ሰብኣይ ንስኻ ኢኻ” በሎ። ዳዊት ነቲ ኺመሓላለፍ እተደልየ መልእኽቲ ኣይሰሓቶን!—2 ሳሙ. 12:1-7, 13

14. ንየሆዋን ንዓርክኻን (ወይ ንየሆዋን ንኣባል ቤተ ሰብካን) እሙን ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

14 ንመን እሙን ክትከውን ከም ዚግብኣካ ኽትውስን ከለኻ፡ ለውሃት ክትሕግዘካ ትኽእል እያ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይካ ኸቢድ ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ ብንጹር ትፈልጥ ትኸውን። ምናዳ እቲ ሰብ እቲ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ወይ ቤተ ሰብካ ምስ ዚኸውን፡ ንዕኡ እሙን ክትከውን ከም ዚግብኣካ ይስምዓካ ይኸውን። ኣበሳኡ እንተ ሸፊንካሉ ግና፡ ንኣምላኽ እሙን ኣይትኸውንን ኢኻ። እወ፡ ንየሆዋ ዘሎካ ተኣማንነት ቀዳምነት ኪውሃቦ ኣለዎ። ስለዚ፡ ከም ናታን፡ ለዋህ ግናኸ ጽኑዕ ኩን። ንዓርክኻ ወይ ንኣባል ቤተ ሰብካ፡ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ኪደሊ ተማሕጸኖ። ኣብ ውሽጢ እተወሰነ እዋን ከምኡ እንተ ዘይገይሩ፡ በቲ ንኣምላኽ ዘሎካ ተኣማንነት ተደሪኽካ፡ ነቲ ጕዳይ እቲ ንሽማግለታት ክትነግሮም ኣሎካ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ንየሆዋ እሙን ኢኻ እትኸውን ዘለኻ፡ ንዓርክኻ ወይ ንኣባል ቤተ ሰብካ ኸኣ ትልውሃሉ ኢኻ ዘለኻ፣ ከመይሲ፡ ክርስትያን ሽማግለታት ብልእመት እዮም ኬቕንዕዎ ዚጽዕሩ።—ዘሌዋውያን 5:1፣ ገላትያ 6:1 ኣንብብ።

ንኣምላኽ እሙን ምዃን፡ ትብዓት ይሓትት

15, 16. ሑሻይ ንኣምላኽ እሙን ንምዃን ትብዓት ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧

15 ሑሻይ ዝስሙ ሰብኣይ ንኣምላኽ እሙን ንምዃን ትብዓት ኣድልይዎ እዩ። ሑሻይ እሙን ፈታዊ ንጉስ ዳዊት እዩ ነይሩ። ኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት ልቢ ብዙሓት ምስ ሰረቐ እሞ ንየሩሳሌም ኪቈጻጸራን ነቲ ዝፋን ኪምንዝዕን ምስ ደለየ ግና፡ ተኣማንነት ሑሻይ ተፈቲኑ እዩ። (2 ሳሙ. 15:13፣ 16:15) ሽዑ፡ ዳዊት ካብታ ኸተማ ሃደመ፣ ሑሻይ ግና እንታይ ገበረ፧ ተኣማንነቱ ብምቕያር ንኣቤሴሎም ድዩ እሙን ኰይኑ፡ ወይስ ነቲ ህይወቱ ንምድሓን ዚሃድም ዝነበረ ብዕድመ ዝደፍአ ንጉስ እዩ ስዒብዎ፧ ነቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ንጉስ እሙን ኪኸውን ስለ ዝቘረጸ፡ ምስ ዳዊት ኣብ ደብረ ዘይቲ ተራኸበ።—2 ሳሙ. 15:30, 32

16 ዳዊት ከኣ ንሑሻይ ናብ የሩሳሌም ኪምለስ እሞ፡ ፈታው ኣቤሴሎም ብምምሳል፡ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ኬፍሽለሉ ሓተቶ። ሑሻይ ድማ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ፡ ንየሆዋ እሙን ኰነ፡ ከምቲ ዳዊት ዝሓተቶ እውን ገበረ። ከምቲ ዳዊት ዝጸለዮ ድማ፡ እቲ ተባዕ ሑሻይ ዝሃቦ ምኽሪ፡ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ኣፍሸሎ።—2 ሳሙ. 15:31፣ 17:14

17. እሙናት ንምዃን፡ ትብዓት ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

17 ንሕና እውን ንየሆዋ እሙናት ንምዃን፡ ትብዓት የድልየና እዩ። ብዙሓት ካባታትና ንኣምላኽ እሙናት ክንከውን ኢልና፡ ካብ ኣባላት ቤተ ሰብና፡ ካብ መሳርሕትና፡ ወይ ካብ ዓለማውያን ሰበ ስልጣን ንዚወርድ ጸቕጢ ጸኒዕና ተጻዊርና ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ጃፓን ዚነብር ታሮ ኻብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ንወለዱ እሙንን እዙዝን እዩ ነይሩ። ከምኡ ዚገብር ዝነበረ፡ ግዴታ ስለ ዝዀኖ ጥራይ ኣይኰነን። ንወለዱ ኼሐጕሶም እውን ይደሊ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬጽንዕ ብምጅማሩ ኺጻረርዎ ምስ ጀመሩ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪእከብ ከም ዝወሰነ ምንጋሮም ኣመና ኸቢድዎ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እዚ ታሮ ኸምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ኣመና ስለ እተቘጥዑ፡ ንሓያሎ ዓመታት ናብ ገዛ ኸይደ ኸይበጽሖም ተኸልኪለ ነይረ እየ። ኣነ ድማ ኣብ ውሳነይ ምእንቲ ኽጸንዕ፡ ትብዓት ክውሃበኒ ጸልየ እየ። ሕጂ፡ ኣረኣእያኦም ለስሊሱ እዩ፣ ኣዘውቲረ ኽበጽሖም እውን እኽእል እየ።”—ምሳሌ 29:25 ኣንብብ።

18. ካብዚ መጽናዕቲ እዚ እንታይ ተጠቒምካ፧

18 ከም ዳዊትን ዮናታንን ናታንን ሑሻይን፡ ንየሆዋ እሙናት ብምዃን ዕግበት ክንረክብ ንኽእል ኢና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ካብቲ ኣብኔርን ኣቤሴሎምን ዘይእሙናት ብምዃኖም ዝገበርዎ ተግባራት፡ መለበሚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ከም ዳዊት፡ ናብ የሆዋ ኽንለግብ ንደሊ ኢና። ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝዀነና ግና፡ ጌጋ ኸይገበርና ኽንመላለስ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ኣብ ልብና ቐዳማይ ቦታ ኸም ዘለዎ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 7) ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።