ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ብብዙሕ መገድታት ጸጋ ኣምላኽ ረኺብና

ብብዙሕ መገድታት ጸጋ ኣምላኽ ረኺብና

ኣርተር ዝስሙ ኣቦይ ፍርሃት ኣምላኽ ስለ ዝነበሮ፡ ብንእስነቱ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ሜቶዲስት ኪኸውን ይደሊ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዜዳለውዎ ጽሑፋት ኬንብብን ምሳታቶም ኪሓብርን ምስ ጀመረ ሓሳቡ ቐየረ። ብ1914 ከኣ ወዲ 17 ዓመት ከሎ ተጠምቀ። ኣብቲ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ጻዕጺዑሉ ዝነበረ እዋን ድማ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኪህብ ተጸውዐ። ኣጽዋር ኪዕጠቕ ፍቓደኛ ስለ ዘይኰነ ግና፡ ኣብ ኦንታርዮ፡ ካናዳ ኣብ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ኪንግስተን ዓሰርተ ወርሒ ኺእሰር ተፈርዶ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ፡ ኮልፖርተር (ፈላሚ) ዀይኑ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመረ።

ብ1926 ኣርተር ገስት ንሄዝል ዊልኪንሰን ተመርዓዋ፣ ኣደ ሄዝል ብ1908 እያ ሓቂ ተማሂራ ነይራ። ኣነ ኸኣ ብ24 ሚያዝያ 1931 ተወለድኩ፣ ካብቶም ኣርባዕተ ደቆም ድማ ካልኣይ እየ ነይረ። ህይወት ስድራ ቤትና ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ዘማእከለ እዩ ነይሩ፣ ኣቦይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ዓሚቝ ኣኽብሮት ከኣ፡ ኣብ ምሉእ ህይወትና ንቓል ኣምላኽ ክንፈቱ ሓጊዙና እዩ። ብምልእታ ስድራ ቤትና ኣብ በቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ብስሩዕ ትካፈል ነበረት።—ግብ. 20:20

ገለልትነተይ ሓለኹ፡ ከም ኣቦይ ከኣ ፈላሚ ዀንኩ

ብ1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ተወልዐ፣ ንዓመታኡ ኸኣ፡ ኣብ ካናዳ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣገደ። ኣብ ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኸም ንባንዴራ ሰላምታ ምሃብን ሃገራዊ መዝሙር ምዝማርን ዝኣመሰለ ነገራት ይግበር ነበረ። ኣነን ዶረቲ ዝስማ ዓባይ ሓብተይን ከምዚ ኺግበር ከሎ ኻብቲ እንምሃረሉ ኽፍሊ ንወጽእ ነበርና። ሓደ መዓልቲ፡ መምህረይ ፈራህ ከም ዝዀንኩ ብምዝራብ ከተዋርደኒ ፈተነት። ድሕሪ ትምህርቲ ድማ፡ ሓያሎ መማህርተይ ጸረፉንን ኣውዲቖም ወቕዑንን። እቲ መጥቃዕቲ ግና፡ ነቲ ‘ኻብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ክእዘዝ’ ዝገበርክዎ ውሳነ ኣደልደሎ።—ግብ. 5:29

ኣብ ሓምለ 1942 ወዲ 11 ዓመት ከለኹ፡ ኣብ ሓደ ሕርሻ ኣብ ዝነበረ መዕቈሪ ማይ ተጠመቕኩ። ዓመት ዓመት ቤት ትምህርቲ ኺዕጾ ኸሎ፡ ሓጋዚ ፈላሚ ዀይነ አገልግል ነበርኩ። ሓደ ዓመት ከኣ፡ ምስ ሰለስተ ኣሕዋት ኴንና ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ኦንታርዮ ኣብ ዚርከብ ተሰቢኹሉ ዘይፈልጥ ክሊ ዕንጨይቲ እናቘረጹ ንዚናበሩ ተቐማጦ ሰበኽናሎም።

ብ1 ግንቦት 1949፡ ስሩዕ ፈላሚ ዀንኩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርና ይህነጽ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ 1 ታሕሳስ ኣብዚ ዕዮ እዚ ኽሕግዝን ኣባል ቤት-ኤል ካናዳ ክኸውንን ጻውዒት ቀረበለይ። ኣብኡ ድማ፡ ኣብ ክፍሊ ሕትመት ክሰርሕ ተመደብኩ፡ ሓታሚት ማኪና ብኸመይ ከም ዘንቀሳቕስ እውን ተመሃርኩ። ንሓያሎ ሰሙናት ኣብ ናይ ምሸት እብረ እሰርሕ ነበርኩ፣ ህዝቢ የሆዋ ኣብ ካናዳ ንዚወርዶም ዝነበረ መስጐጕቲ ዚምልከት ትራክትታት ድማ ንሓትም ነበረና።

ድሕሪ ግዜ፡ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ኣብ ዝዓይየሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ናብቲ ኸቢድ መስጐጕቲ ዝነበረሉ ግዝኣት ኵበክ ኬገልግሉ ዚኸዱ ፈለምቲ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈርና ሓለፉ፣ ኣነ ድማ ቃለ መጠይቕ ገበርኩሎም። ሓንቲ ኻብቶም በጻሕቲ፡ ሜሪ ዛዙላ ዝስማ ኻብ ኤድመንተን፡ ኣልበርታ ዝመጸት ሓብቲ እያ ነይራ። ንሳን ዓብዪ ሓዋ ጆን፡ ነቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ደው ምባል ስለ ዝኣበዩ፡ እቶም ውፉያት ኦርቶዶክስ ዝነበሩ ወለዶም ካብ ቤት ሰጒጎምዎም ነበሩ። ኣብ ሰነ 1951 ከኣ ክልቲኦም ተጠምቁ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ፈለምቲ ዀኑ። ቃለ መጠይቕ ክገብረሎም ከለኹ፡ በቲ ሜሪ ዝነበራ መንፈሳዊ ኣረኣእያ ተመሰጥኩ። ንርእሰይ ከኣ፡ ‘ገለ ሕማቕ ነገር እንተ ዘየጋጢሙ፡ ነዛ ጓል እዚኣ ኽምርዓዋ እየ’ ኢለ ሓሰብኩ። ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ድማ፡ ብ30 ጥሪ 1954 ተመርዓና። ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ንዕዮ ወረዳ ኽንስልጥን ዕድመ ቐረበልና፣ ክልተ ዓመት ምሉእ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ኦንታርዮ ኣብ ዚርከብ ወረዳ ኣገልገልና።

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ኣዝዩ የስፋሕፍሕ ስለ ዝነበረ፡ ሚስዮናውያን ይድለዩ ነበሩ። ንሕና ድማ፡ ኣብ ካናዳ ኣዝዩ ኸቢድ ቍሪ ኣብ ዘለዎ ኽራማትን ጣንጡ ኣብ ዝበዝሖ ሓጋይን ከነገልግል ካብ ከኣልና፡ ኣብ እተመደብናሉ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንዜጋጥመና ኣጸጋሚ ዅነታት ክንሰግሮ ኸም እንኽእል ተሰምዓና። ኣብ ሓምለ 1956 ካብ መበል 27 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ምስ ተመረቕና ድማ፡ ኣብ ሕዳር ናብ ብራዚል ክንከይድ ተመደብና።

ኣብ ብራዚል ዝነበረና ሚስዮናዊ ንጥፈት

ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብራዚል ምስ ከድና፡ ምስ ፖርቱጋልኛ ተላለና። ሰላምታ ንምሃብ ዚሕግዛና ሒደት ቃላት ምስ ፈለጥናን ናይ ሓደ ደቒቕ ኣቀራርባ መጽሔት ምስ ተለማመድናን፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽንሳተፍ ጀመርና። እቲ እንረኽቦ ብዓል ቤት ተገዳስነት እንተ ኣሕዲሩ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ዚርከብ ህይወት ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብበሉ ተተባባዕና። ናብ ኣገልግሎት ኣብ ዝወጸናላ ናይ መጀመርታ መዓልቲ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ጽን ኢላ ሰምዓትና፣ ራእይ 21:3, 4 ምስ ኣንበብኩላ ግና፡ ሃለዋተይ ኣጥፋእኩ። ነብሰይ ነቲ ሃሩርን ዳህርን ኣይተለማመዶን ነይሩ፣ ንነዊሕ እዋን እውን ነቲ ዅነታት ኣየር ክለምዶ ኣይከኣልኩን።

እታ ሚስዮናውያን ኴንና ኸነገልግለላ እተመደብናላ ኸተማ፡ ካምፖስ እትብሃል እያ ነይራ። ሕጂ ኣብታ ኸተማ 15 ጉባኤታት ኣለዋ። ናብታ ኸተማ ኣብ ዝኸድናሉ እዋን፡ ሓንቲ ግልልቲ ጕጅለ ጥራይ ኣብኡ ነበረት። ኤስተር ትሬሲ፡ ራሞና ባውር፡ ሉኢዛ ሽቫትጽ፡ ሎሬን ብሩክስ (ሕጂ ዋለን) ዝስመን ኣሓት ድማ ኣብ ቤት ሚስዮናውያን ይነብራ ነበራ። ኣብቲ ቤት ሚስዮናውያን፡ ክዳውንቲ ኽሓጽብን ንመብሰሊ ምግቢ ዚኸውን ዕንጨይቲ ኽኣርን ተመደብኩ። ሓደ ሰኑይ ምሸት፡ ግምቢ ዘብዐኛ ኣጽኒዕና ምስ ወዳእና ዘይተጸበናዮ ጋሻ መጸና። ሰበይተይ ኣብ ሶፋ ተጋዲማ ኸላ፡ ብዛዕባ ውዕሎና ነዕልል ነበርና። ክትትንስእ ኢላ ቕንዕ ምስ በለት ግና፡ ካብቲ መተርኣሳ ተመን ወጸ። ድሕሪ ብዙሕ ዕግርግር ከኣ ቀተልክዎ።

ንሓደ ዓመት ዚኸውን ፖርቱጋልኛ ምስ ተምሃርኩ፡ ሓላው ወረዳ ክኸውን ተመደብኩ። ቀሊል ናብራ እናነበርና ኣብ ገጠራት ነገልግል ነበርና። ኤሌክትሪክ ዚብሃል ኣይነበረናን፡ ኣብ ምድሪ ቤት ንድቅስን ብፈረስን ብካሮሳን ንጐዓዝን ድማ ነበርና። ኣብ ዘይተዓይየ ኽሊ ብወፈራ ምእንቲ ኸነገልግል፡ ኣብ ኣኽራን ናብ እትርከብ ከተማ ብባቡር ከድና፡ ኣብ መሕደሪ ኣጋይሽ ድማ መደቀሲ ተኻረና። ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ኣብ ኣገልግሎት እነበርክቶ 800 መጽሔት ተለኣኸልና። ነቲ መጽሔታት ዝሓዘ ባኮታት ካብ እንዳ ጶስጣ ናብቲ ዘዕረፍናሉ ቦታ ኽንወስዶ ድማ ብዙሕ ሳዕ ተመላለስና።

ብ1962 ኣብ መላእ ብራዚል ኣሕዋትን ሚስዮናውያን ኣሓትን ዚካፈሉሉ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ተዳለወ። ንሽዱሽተ ወርሒ ዚኣክል ድማ፡ ንሜሪ ገዲፈ ናብ እተፈላለየ ኸባቢታት እናተጐዓዝኩ ኣብቲ ኣብያተ ትምህርቲ መሃርኩ። ኣብ ማኑስን በለምን ፎርታሌዛን ረሲፊን ሳልቫዶርን ድማ ምሂረ እየ። ኣብ ማኑስ ኣብ ዚርከብ ኦፐራ ሃውስ ንእተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ እውን ወዲበ እየ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝዘነመ ኸቢድ ዝናም፡ ነቲ ንኣኼባ ኣዳሊናዮ ዝነበርና ዚስተ ማይ በከሎ፡ ነቲ መመገቢ ቦታ (ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ምግቢ ይዳሎ ነይሩ እዩ) እውን ኣበላሸዎ። ኣብቲ ኸባቢ ንዝነበሩ ኽፍሊ ሰራዊት ብዛዕባ እቲ ዅነታት ምስ ነገርኩዎም፡ ሓለቓ እቲ ሰራዊት ንኣኼባ ዚዀነና ዚስተ ማይ ኣምጽኣልና፡ ወተሃደራት ልኢኹ ድማ ንኽሽነን ንመመገብን ዚኸውን ዳሳት ተኸለልና።

ገይሸ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ሜሪ ኣብ ክሊ ዕዳጋ ፖርቱጋል ትሰብኽ ነበረት፣ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ሰባት ግና ብዛዕባ ገንዘብ ጥራይ እዮም ዚግደሱ ነይሮም። ንዋላ ሓደ ሰብ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ከተዘራርብ ስለ ዘይከኣለት ድማ፡ ንገሊኦም ቤት-ኤላውያን፡ “ኣብ ፖርቱጋል ክነብር ፈጺመ ኣይደልን እየ” በለቶም። እቲ ዜገርም ግና፡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ናብ ፖርቱጋል ከም እተመደብና እትገልጽ ደብዳበ በጽሓትና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብታ ሃገር ዚግበር ንጥፈታት ስብከት ተኣጊዱ ነበረ። ሜሪ ኣብ ፈለማ ሰምቢዳ እኳ እንተ ነበረት፡ ነቲ እተዋህበና ዕዮ ተቐበልናዮ።

ኣብ ፖርቱጋል ዘገልገልናዮ ኣገልግሎት

ኣብ ነሓሰ 1964 ኣብ ሊዝበን፡ ፖርቱጋል በጻሕና። ኣሕዋትና ብምስጢራዊ ፖሊስ ፖርቱጋል ብዙሕ መስጐጕቲ ይወርዶም ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ናብታ ሃገር ምስ ከድና፡ ኣሕዋት ኣይተቐበሉናን፡ ምስ ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር እውን ኣይተራኸብናን። ፍቓድ መንበሪ ኽሳዕ ዚውሃበና፡ ኣብ መሕደሪ ኣጋይሽ ተቐመጥና። ቪዛ ምስ ረኸብና ኸኣ፡ ኣፓርታማ ተኻረና። ኣብ ጥሪ 1965፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተራኸብና። ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ንመጀመርታ ግዜ ኣኼባ ጉባኤ ምስ ተኣከብና ኣዚና ኢና ተሓጒስና።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ፖሊስ በብመዓልቱ ናብ ኣባይቲ ኣሕዋትና እናኸዱ ይፍትሹ ነበሩ። ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተዓጽዩ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ቤት ኣሕዋት ኢና ኣኼባታት ንገብር ኔርና። ኣማእታት ኣሕዋት ናብ መደበራት ፖሊስ ተወሲዶም ይምርመሩ ነበሩ። ብፍላይ ኣሕዋት ድማ፡ ስማት እቶም ኣኼባታት ዚመርሑ ኣሕዋት ምእንቲ ኺዛረቡ ይግፍዑ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ኣሕዋት ከምቲ ልሙድ ብስማት ስድራ ቤቶም ዘይኰነስ፡ ከም ሆሴን ፓውሎን ብዝኣመሰለ ብሕታዊ ስሞም እዮም ዚጽውዑ ነይሮም። ንሕና እውን ብኸምኡ ተጸዋዕና።

ልዕሊ ዅሉ ዜገድሰና ዝነበረ፡ ኣሕዋት መንፈሳዊ ምግቢ ኺረኽቡ ምሕጋዝ እዩ ነይሩ። ሜሪ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛን ካልእ ጽሑፋትን ብስተንስል ክትጽሕፍ ዕዮ ተዋህባ፣ እቲ ጽሑፋት ድማ ይባዛሕ ነበረ።

ኣብ ቤት ፍርዲ ነቲ ብስራት ተማጐትናሉ

ኣብ ሰነ 1966 ኣሕዋት ኣብ ሊዝበን ናብ ቤት ፍርዲ ቐረቡ። 49 ኣባላት ጉባኤ ፋዝሁ፡ ኣብ ናይ ውልቀ ሰባት ቤት ዘይሕጋዊ ኣኼባ ጌርኩም ተባሂሎም እዮም ተኸሲሶም ነይሮም።። ኣነ ኸኣ፡ ዓቃብ ሕጊ ኣብ መርመራ ኺሓትቶ ዚኽእል ሕቶታት ብምሕታት ኣቐዲመ ኣዳለኹዎም። ኣብቲ ቤት ፍርዲ ኸም እንስዓር ንፈልጥ እኳ እንተ ነበርና፡ ዓብዪ ምስክርነት ክንህብ ኣጋጣሚ ኸም እተኸፈተልና ተገንዚብና ኔርና ኢና። እቲ ጠበቓና ድማ፡ ዘረባኡ ኺዛዝም ከሎ፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ገማልኤል እተዛረቦ ዘረባ ጠቐሰ። (ግብ. 5:33-39) ሚድያታት ብዛዕባ እቲ መጋባእያ ገለጻ፣ እቶም 49 ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ካብ 45 መዓልቲ ኽሳዕ ሓሙሽተ ወርሕን ፈረቓን ተፈርዶም። እቲ ተባዕ ጠበቓና፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ፣ ክሳዕ እቲ ዝሞተሉ እዋን ከኣ ኣብ ኣኼባታት ይእከብ ነበረ።

ኣብ ታሕሳስ 1966 ሓላው ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኰይነ ተሸምኩ፣ ዝበዝሕ ግዜ ድማ ምስ ሕጊ ዚተሓሓዝ ጕዳያት እሰርሕ ነበርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ኣምልኾ ናጽነት ዚረኽቡሉ ባይታ ይንጸፍ ነበረ። (ፊል. 1:7) ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ፡ ብ18 ታሕሳስ 1974 ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኸብና። ሓውና ናታን ኖርን ሓውና ፍረደሪክ ፍራንዝን ካብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት መጺኦም፡ ኣብቲ ኣብ ኦፖርቶን ኣብ ሊዝበንን እተኻየደ ብድምር ልዕሊ 46,870 ተኣከብቲ ዝነበሩሉ ታሪኻዊ ኣኼባ ተኻፈልቲ ሓጐስና ዀኑ።

የሆዋ ኣብ ከም እኒ ማደይራ፡ ሳው ቶመን ፕርንቺፐን፡ ኣዞረስ፡ ከይፕ ቨርደ፡ ዝኣመሰላ ፖርቱጋልኛ ዚዛረባ ሓያሎ ደሴታት እቲ ብስራት ኪዝርጋሕ ኣጋጣሚ ኸፊቱ እዩ። ብ1988 ከኣ ዝሰፍሐ ህንጻታት ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ረኸብና። ብ23 ሚያዝያ ድማ፡ ሓውና ሚልተን ሄንሸል ኣብ ቅድሚ 45,522 ተኣከብቲ ነቲ ህንጻታት ንየሆዋ ወፈዮ። ኣብ ፖርቱጋል ሚስዮናውያን ኰይኖም ኣገልጊሎም ዝነበሩ 20 ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብዚ ታሪኻዊ ፍጻመ እዚ ኺካፈሉ ተመሊሶም ምምጻኦም ኣሐጒሱና እዩ።

ካብ ኣብነታት እሙናት ኣሕዋት ተጠቐምና

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ምስ እሙናት ኣሕዋት ዝነበረና ምሕዝነት ብዙሕ ጠቒሙና እዩ። ንሓውና ቴዶር ጃራዝ ኣሰንየ ኣብ ሓደ ዞባዊ ምብጻሕ ምዕያየይ ብዙሕ ትምህርቲ ረኺበሉ እየ። እቲ ዝበጻሕናዮ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከቢድ ሽግር እዩ ነይርዎ፣ ኣባላት ኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እውን ዝከኣሎም ገይሮም ነበሩ። ሓውና ጃራዝ ከኣ፡ “ሕጂ መንፈስ ቅዱስ ኪዓዪ ጥራይ ፍቐዱሉ” ኢሉ ኣቕሰኖም። ነዊሕ ዓመታት ይገብር ናብ ብሩክሊን ኣብ ዝኸድናሉ እዋን፡ ሓደ ምሸት ኣነን ብዓልቲ ቤተይ ሜሪን ምስ ሓውና ፍራንዝን ካልኦት ኣሕዋትን ከነዕልል ኣምሰና። ሓውና ፍራንዝ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፎ ዓመታት ገለ ዘረባ ኺዛረብ ምስ ተሓትተ፡ “ኣነ ዝላበወኩም፡ ብግዜ ራህዋን ጸበባን ምስታ እትርአ ውድብ የሆዋ ኽትለግቡ እዩ። እቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ዝሃቦም ትእዛዝ እትፍጽም ዘላ ንሳ ጥራይ እያ” በለና።

ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ከምኡ ብምግባርና ድማ ብዙሕ ሓጐስ ረኺብና ኢና። ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ዞባዊ ምብጻሕ ብምግባር ብዙሕ ባህ ዜብል ተዘክሮታት ረኺብና ኢና። እቲ ዝገበርናዮ ምብጻሓት፡ ንሓያሎ እሙናት መንእሰያትን ዓበይትን ሞሳና ኽንገልጸሎምን ነቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝረኸብዎ ፍሉይ ኣጋጣሚ ሒዞም ምእንቲ ኺመላለሱ ኸነተባብዖምን ኣጋጣሚ ረኺብና ኢና።

ሕጂ ኣብ 80ታት ዕድሜና ኢና ዘለና። ሜሪ ድማ ብዙሕ ጸገም ጥዕና ኣለዋ። (2 ቈረ. 12:9) ዘጋጠመና ፈተናታት ንእምነትና ኣጽርይዋን ንጽህናና ኽንሕሉ ንዝገበርናዮ ቘራጽነት ኣደልዲልዎን እዩ። ብዛዕባ እቲ ዘሕለፍናዮ ህይወት ክንሓስብ ከለና፡ ብኣዝዩ ብዙሕ መገድታት ጸጋ የሆዋ ኸም ዝረኸብና እዩ ዚስምዓና። *

^ ሕ.ጽ. 29 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንሕትመት ክትዳሎ ኸላ፡ ሓውና ዳግላስ ገስት ብ25 ጥቅምቲ 2015 ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ሞይቱ እዩ።