ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ለካቲት 2018

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 2 ኽሳዕ 29 ሚያዝያ 2018 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ኣስኣሰር እምነትን ተኣዛዝነትን ኖህን ዳንኤልን እዮብን ስዓብ

እዞም እሙናት ሰብኡት እዚኦም ከምቲ ሎሚ ዜጋጥመና ዘሎ ጸገማት የጋጥሞም ነይሩ እዩ። ንጽህናኦም ኪሕልዉ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

ከም ኖህን ዳንኤልን እዮብን ጌርካ ንየሆዋ ትፈልጦ ዲኻ፧

እዞም ሰባት እዚኦም ነቲ ዅሉ ዚኽእል ዝፈለጥዎ ብኸመይ እዮም፧ እቲ ዝነበሮም ፍልጠት ዝጠቐሞም ብኸመይ እዩ፧ ከም ናታቶም ዝበለት እምነት ከነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ታሪኽ ህይወት

ብየሆዋ ዅሉ ይከኣል እዩ

ኣብ ኪርጊዝስታን ኣብ ኣውቶቡስ እተሰምዓ ሒደት ባህ ዜብላ ቓላት ንሰብ ሓዳር ህይወቶም ቀየራኦ።

መንፈሳዊ ሰብ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ “መንፈሳዊ ሰብ” ዘለዎ ባህርያትን ካብ “ስጋዊ ሰብ” ዚፍለየሉ መገድን ይገልጽ።

ከም መንፈሳዊ ሰብ መጠን ንቕድሚት ገስግስ!

ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ መንፈሳዊ ሰብ ኣይገብረካን እዩ። እንታይ ካልእ ተወሳኺ ነገራት የድሊ፧

ሓጐስ—ካብ ኣምላኽ እነጥርያ ባህርይ

እቲ መዓልቲ መዓልቲ ዜጋጥመካ ፈተናታት ሓጐስካ ይሰርቆ እንተ ደኣ ኣልዩ፡ ሓጐስካ ኺምለሰልካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ካብ መዛግብትና

ህዝባዊ መደረታት ነቲ ብስራት ኣብ ኣይርላንድ ከም ዚዝርጋሕ ገይሩ

ቻርለስ ቴዝ ራስል እቲ “ኺዕጸድ ዚጽበ ዘሎ ድሉው” ግራት ከም ዝዀነ ዘእመኖ እንታይ እዩ፧