ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስኣሰር እምነትን ተኣዛዝነትን ኖህን ዳንኤልን እዮብን ስዓብ

ኣስኣሰር እምነትን ተኣዛዝነትን ኖህን ዳንኤልን እዮብን ስዓብ

“ኖህን ዳንኤልን እዮብን፡ . . . ብጽድቆም ርእሶም ጥራይ መድሓኑ።”—ህዝ. 14:14

መዝሙር፦ 89, 119

1, 2. (ሀ) ኖህን ዳንኤልን እዮብን ዝሓደግዎ ኣብነት ኬተባብዓና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ህዝቅኤል ነቲ ኣብ ህዝቅኤል 14:14 ዘሎ ቓላት ዝጸሓፎ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ፧

ከም ጥዕና ምስኣን፡ ቍጠባዊ ጸገማት፡ ወይ መስጐጕቲ ዝኣመሰለ ብዙሕ ፈተናታት የጋጥመካዶ ኣሎ፧ ሓድሓደ ግዜ ብሓጐስ ንየሆዋ ምግልጋል ይኸብደካ ድዩ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ኖህን ዳንኤልን እዮብን ዝሓደግዎ ኣብነት ኬተባብዓካ ይኽእል እዩ። ንሳቶም ከማና ዘይፍጹማት እዮም ነይሮም፣ ከም ናትና ዝዓይነቱ ብድሆታት እውን ኣጋጢምዎም እዩ። አረ ገሊኡ ብድሆታትሲ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዜእቱ እውን እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ንጽህናኦም ሓልዮም እዮም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መርኣያ እምነትን ተኣዛዝነትን ኰይኖም እዮም።ህዝቅኤል 14:12-14 ኣንብብ።

2 ህዝቅኤል ነዛ ፍረ ነገር እዛ ዓንቀጽ ዝዀነት ጥቕሲ ዝጸሓፋ፡ ብ612 ቅ.ክ. ኣብ ባቢሎን ከሎ እዩ። * (ህዝ. 1:1፣ 8:1) እቲ ብ607 ቅ.ክ. ዘጋጠመ ጥፍኣት እታ ኸሓዲት የሩሳሌም ቀሪቡ እዩ ነይሩ። ከም ናይ ኖህን ዳንኤልን እዮብን ዝዓይነቱ ባህርያት ዝነበሮምን ንድሕነት ዚኸውን ምልክት እተገብረሎምን ሰባት ሒደት እዮም ነይሮም። (ህዝ. 9:1-5) ገለ ኻባታቶም ከኣ፡ ኤርምያስን ባሩኽን ዔቤድ-ሜሌክን ሬካባውያንን እዮም።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

3 ሎሚ እውን እቶም ከም እኒ ኖህን ዳንኤልን እዮብን ዝኣመሰሉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መንቅብ ዘይብሎም ሰባት ጥራይ እዮም እዚ ስርዓት እዚ ኺጠፍእ ከሎ ዚድሕኑ። (ራእ. 7:9, 14) እምበኣር፡ የሆዋ ነዞም ሰለስተ ሰባት እዚኦም ስለምንታይ ከም ኣብነት ጽድቂ ገይሩ ኸም እተጠቕመሎም ንርአ። ብዛዕባኦም ክንመያየጥ ከለና ድማ፡ ነፍሲ ወከፎም (1) እንታይ ብድሆታት ከም ዘጋጠሞም፡ (2) ብኸመይ ኣስኣሰር እምነቶምን ተኣዛዝነቶምን ክንስዕብ ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

ኖህ—ንልዕሊ 900 ዓመት እሙንን እዙዝን ኰነ

4, 5. ኖህ እንታይ ብድሆታት እዩ ኣጋጢምዎ፧ ተጻዋርነቱ ዜደንቕ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

4 ኖህ ዘጋጠሞ ብድሆታት። ብግዜ እቲ ኣቦ ኣቦሓጎ ኖህ ዝነበረ ሄኖክ፡ ሰባት ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ነበሩ። አረ ኣብ ልዕሊ የሆዋ “ዜሰምብድ” ዘረባ ይዛረቡ ነይሮም እዮም። (ይሁ. 14, 15) ዓመጻ ኣስፋሕፊሑ ነበረ። ብግዜ ኖህ ድማ፡ ‘ምድሪ ብዓመጻ መሊኣ ነበረት።’ ስጋ ዝለበሱ መላእኽቲ፡ ኣንስቲ ወሰዱ እሞ፡ ጨካናት ደቓሉ ወለዱ። (ዘፍ. 6:2-4, 11, 12) ኖህ ግና ካብ ኵሎም እተፈልየ ነበረ። “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ሞገስ ረኸበ። . . . ኣብቶም ብዘመኑ ዚነብሩ ዝነበሩ፡ ኣበር ዘይብሉ ነበረ። ኖህ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ።”—ዘፍ. 6:8, 9

5 ነዚ ብዛዕባ እቲ ጻድቕ ሰብኣይ ዚገልጽ ቃላት እሞ ኣስተብህለሉ። ኖህ ኣብታ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ዓለም፡ ከምቲ ሕጂ ዘሎ ዕምሪ ሰባት ን70 ወይ ን80 ዓመት ጥራይ ኣይኰነን ብህይወት ጸኒሑ። የግዳስ፡ ኣብታ ዓለም እቲኣ ዳርጋ 600 ዓመት እዩ ብህይወት ነይሩ። (ዘፍ. 7:11) ከምዚ ኸማና ድማ፡ ካብ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ መንፈሳዊ ደገፍ ኪረኽበሉ ዚኽእል ጉባኤ ኣይነበረን። ብስጋ ኣሕዋቱ እውን ዝደገፍዎ ኣይመስልን። *

6. ኖህ ሓያል ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

6 ኖህ፡ ጥዑይ ሰብ ኴንካ ምንባር ጥራይ እኹል ከም ዝዀነ ገይሩ ኣይሓሰበን። እኳ ደኣስ፡ ብየሆዋ ኸም ዚኣምን ዚዛረብ ተባዕ “ሰባኽ ጽድቂ” እውን እዩ ነይሩ። (2 ጴጥ. 2:5) ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ዝጸሓፎ ኸኣ፡ “በታ እምነት እቲኣ ገይሩ . . . ንዓለም ኰኒንዋ” እዩ። (እብ. 11:7) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ላግጽን መስጐጕትን ምፍርራህን ከም ዘጋጠሞ ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብ“ፍርሂ ሰብ” ኣይተሸበረን። (ምሳ. 29:25) የግዳስ፡ እቲ የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ዚህቦም ትብዓት ነይርዎ እዩ።

7. ኖህ መርከብ ኪሃንጽ ከሎ፡ እንታይ ብድሆታት እዩ ኣጋጢምዎ፧

7 ኖህ ንልዕሊ 500 ዓመት ምስ ኣምላኽ ድሕሪ ምምልላሱ፡ ሰባትን እንስሳታትን ዚድሕኑላ መርከብ ኪሰርሕ የሆዋ ኣዘዞ። (ዘፍ. 5:32፣ 6:14) እዚ ዕዮ እዚ ኣዝዩ ኸቢድ ኰይኑ ተራእይዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰባት ከም ዜላግጹሉን ከም ዚቃወምዎን እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብእምነት ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ። እወ፡ “ልክዕ ከምኡ ገበረ።”—ዘፍ. 6:22

8. ኖህ፡ የሆዋ ንስድራ ቤቱ ኸም ዚናብዮም እተኣማመነ ብኸመይ እዩ፧

8 ንኖህ ዘጋጠሞ ኻልእ ብድሆ ድማ፡ ንሰበይቱን ንደቁን ምንባይ እዩ ነይሩ። ቅድሚ ማይ ኣይሂ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ሰባት ብብዙሕ ጻዕሪ እዮም እኽሊ ዜብቍሉ ነይሮም፣ ኖህ እውን ከማታቶም ኪጽዕር ግድን እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 5:28, 29) ኰይኑ ግና፡ ህይወቱ ኣብ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ስጋዊ ነገራት ዘተኰረት ኣይነበረትን። ነታ ኽትህነጽ ዳርጋ 40 ወይ 50 ዓመት ዝወሰደት መርከብ ኪሰርሓ ኸሎ እውን፡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ካብ ምትኳር ዓዲ ኣይውዓለን። እወ፡ ድሕሪ ማይ ኣይሂ እውን ን350 ዓመት መንፈሳውነቱ ሓልዩ እዩ። (ዘፍ. 9:28) ከመይ ዝበለ ኣብነት እምነትን ተኣዛዝነትን ኰን እዩ!

9, 10. (ሀ) ኣስኣሰር እምነትን ተኣዛዝነትን ኖህ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ኣምላኽ፡ ስርዓታቱ ንዚሕልዉ ዅሎም ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧

9 ኣስኣሰር እምነትን ተኣዛዝነትን ኖህ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከምኡ ኽንገብር እንኽእል፡ ንጽድቂ የሆዋ ምስ እንድግፍን ካብ ናይ ሰይጣን ዓለም ምስ እንፍለን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ምስ እንህብን እዩ። (ማቴ. 6:33፣ ዮሃ. 15:19) ከምዚ ዓይነት ህይወት ምስ እንነብር፡ ዓለም ከም ዘይትፈትወና ዜተሓታት ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ንሓዳርን ጾታዊ ስነ ምግባርን ዚምልከት ሕግታት ኣምላኽ እንድግፍ ብምዃንና፡ ሚድያታት ገሊአን ሃገራት ኣካፊአናና እየን። (ሚልክያስ 3:17, 18 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ከም ኖህ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኢና እንፈርህ። ከመይሲ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህበና ዚኽእል ንሱ ጥራይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።—ሉቃ. 12:4, 5

10 ንስኻ ብብሕትኻ ግና ከመይ እዩ ዚስምዓካ፧ ካልኦት ምስ ዜላግጹልካ፡ ምስ ዚነቕፉኻ ወይ ከኣ ቍጠባዊ ጸቕጢ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምነት ምስ ዚፍትኖ እውን ‘ምስ ኣምላኽ ትመላለስ’ ዲኻ፧ ኣስኣሰር እምነትን ተኣዛዝነትን ኖህ እንተ ስዒብካ፡ የሆዋ ኸም ዚናብየካ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።—ፊል. 4:6, 7

ዳንኤል—ኣብ ሓንቲ ኽፍእቲ ኸተማ፡ እሙንን እዙዝን ኰነ

11. ንዳንኤልን ነቶም ሰለስተ ብጾቱን ኣብ ባቢሎን እንታይ ከቢድ ብድሆታት እዩ ኣጋጢምዎም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

11 ዳንኤል ዘጋጠሞ ብድሆታት። ዳንኤል ኣብታ ብኣምልኾ ጣኦትን ብመናፍስታዊ ተግባራትን መሊኣ ዝነበረት ባቢሎን እዩ ኣብ ምርኮ ዚነብር ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ባቢሎናውያን ንኣይሁዳውያን ይንዕቅዎም ነበሩ፣ ንዓታቶምን ንኣምላኾም የሆዋን ድማ የላግጹሎም ነበሩ። (መዝ. 137:1, 3) እዝስ ንዳንኤልን ንኻልኦት ከምኡ ዝኣመሰሉ እሙናት ኣይሁድን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣጕህይዎም ይኸውን! ዳንኤልን እቶም ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን ዚብሃሉ ሰለስተ ብጾቱን ንንጉስ ምእንቲ ኼገልግልዎ ስልጠና ይውሃቦም ስለ ዝነበረ፡ ዚገብርዎ ነገራት ኣትኵሮ ኻልኦት ኪስሕብ ይኽእል ነበረ። እቲ ዚበልዕዎ ምግቢ እኳ ኸይተረፈ ተመዲቡሎም ነበረ። ዳንኤል ግና፡ “በቲ ጥዑም ብልዒ ንጉስ . . . ኸይረክስ” ቈሪጹ ነበረ፣ እዚ ድማ ንዳንኤል ኰነ ንብጾቱ ጸገም ፈጠረሎም።—ዳን. 1:5-8, 14-17

12. (ሀ) ዳንኤል እንታይ ዓይነት ባህርያት እዩ ነይርዎ፧ (ለ) የሆዋ ንዳንኤል ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧

12 ንዳንኤል ኬጋጥሞ ዚኽእል ዝነበረ ኻልእ ብድሆ ድማ እቲ ዝነበሮ ፍሉይ ክእለት ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። ሳላ እቲ ፍሉይ ክእለቱ፡ ፍሉይ መሰላት ረኺቡ ነበረ። (ዳን. 1:19, 20) ይኹን እምበር፡ ዕቡይን ንዓይ ጥራይ ስምዑኒ በሃልን ኣይነበረን፣ እኳ ደኣስ፡ ወትሩ ንየሆዋ ኽብሪ ዚህብ ትሑት ሰብ እዩ ነይሩ። (ዳን. 2:30) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ዳንኤል ገና መንእሰይ ከሎ፡ የሆዋ ምስ ኖህን እዮብን ብሓባር ከም ኣብነት ጽድቂ ቘጺሩ ጠቒስዎ እዩ። እወ፡ የሆዋ ብዳንኤል ብሓቂ ይተኣማመን እዩ ነይሩ! ሓቁ ድማ እዩ፣ ከመይሲ፡ ዳንኤል ክሳዕ ዕለተ ሞቱ እሙንን እዙዝን እዩ ነይሩ። ኣብ ከባቢ 100 ዓመት ዕድሚኡ ኸኣ፡ መልኣኽ ኣምላኽ ንዳንኤል “ኦ ዳንኤል፡ ኣታ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ” ብዚብላ ባህ ዜብላ ቓላት ጸውዖ።—ዳን. 10:11

13. ዳንኤል ንኣይሁድ በረኸት ዝዀኖም ብኸመይ እዩ፧

13 ዳንኤል ሞገስ ኣምላኽ ስለ ዝረኸበ፡ ሓደ ኻብቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ግዝኣት ባቢሎንን ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን ኰይኑ የገልግል ነበረ። (ዳን. 1:21፣ 6:1, 2) የሆዋ ኸምቲ ንህዝቡ ምእንቲ ኺባርኽ ኣብ ግብጺ ንዮሴፍ፡ ኣብ ፋርስ ከኣ ንኣስቴርን ንማርዶካይን እተጠቕመሎም፡ ንዳንኤል እውን ብዓል ስልጣን ኪኸውን ዝሓገዞ በዚ ምኽንያት እዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። * (ዳን. 2:48) ህዝቅኤልን ካልኦት እተማረኹ ኣይሁድን፡ የሆዋ ብዳንኤል ኣቢሉ ኺሕግዞም ከሎ ምርኣዮምሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣጸናኒዕዎም ይኸውን!

እቶም ንጽህናኦም ዚሕልዉ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፈቱዋት እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 14, 15 ርአ)

14, 15. (ሀ) ኵነታትና ምስ ናይ ዳንኤል ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ ወለዲ ኻብ ወለዲ ዳንኤል እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

14 ኣስኣሰር እምነትን ተኣዛዝነትን ዳንኤል ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ሎሚ ብስነ ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ በታ “ማሕደር ኣጋንንትን” ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ኣብ እተበከለት ዓለም ከም ጓኖት ኴንና ኢና እንነብር ዘለና። (ራእ. 18:2) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ካብ ካልኦት እተፈለና ስለ ዝዀንና፡ ሰባት የላግጹልና እዮም። (ማር. 13:13) እምበኣር፡ ከም ዳንኤል ንየሆዋ ኣምላኽና ንቕረቦ። ትሑታትን እዙዛትን ኴንና ብእኡ እንተ ተኣሚንና፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኽቡራት ክንከውን ኢና።—ሃጌ 2:7

15 ሎሚ ዘለዉ ወለዲ እውን ካብ ወለዲ ዳንኤል ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ብኸመይ፧ ዳንኤል ገና ቈልዓ ኸሎ ኣብ ይሁዳ እከይ ኣስፋሕፊሑ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ንኣምላኽ የፍቅሮ ነበረ። እዚ ግና ብኣጋጣሚ ዝረኸቦ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ወለዱ ጽቡቕ ገይሮም ከም ዘሰልጠንዎ ዜርኢ እዩ። (ምሳ. 22:6) እቲ “ኣምላኽ ዳኛይ እዩ” ዝትርጕሙ ዳንኤል ዚብል ስም እውን፡ ወለዱ ፍርሃት ኣምላኽ ከም ዝነበሮም ዜርኢ እዩ። (ዳን. 1:6፡ እ.ጽ.) ስለዚ፡ ወለዲ ብውሉዳትኩም ተስፋ ኸይቈረጽኩም፡ ብትዕግስቲ ምሃርዎም። (ኤፌ. 6:4) ብዘይካዚ፡ ምሳታቶም ኴንኩም ምእንታኦም ጸልዩ። ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልቦም ክትቀርጹ ምስ እትጽዕሩ፡ የሆዋ ኣብዚሑ ኺባርኸኩም እዩ።—መዝ. 37:5

እዮብ—ሃብታም ከሎን ምስ ደኸየን እሙንን እዙዝን ኰነ

16, 17. ንእዮብ እንታይ ብድሆታት እዩ ኣጋጢምዎ ነይሩ፧

16 እዮብ ዘጋጠሞ ብድሆታት። እዮብ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ዓበይቲ ለውጥታት እዩ ኣሕሊፉ። ኣብ ፈለማ፡ “ካብ ኵሎም ሰብ ምብራቕ ዝዓበየ ነበረ።” (እዮ. 1:3) ሃብታምን ፍሉጥን ሕፉርን እዩ ነይሩ። (እዮ. 29:7-16) እዮብ እዚ ዅሉ እኳ እንተ ነበሮ፡ ብዛዕባ ርእሱ ልዑል ኣረኣእያ ኣይነበሮን ወይ ከኣ ኣምላኽ ከም ዘየድልዮ ገይሩ ኣይሓሰበን። የሆዋ ድማ፡ “ጊልያይ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ፣ ብዛዕባኡ እውን፡ “ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ንጹህን ቅኑዕን ሰብ” ኢሉ ኣሎ።—እዮ. 1:8

17 ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ግና፡ ህይወት እዮብ ብሃንደበት ተቐያየረ። ዝነበሮ ዅሉ ብምስኣኑን ተስፋ ብምቝራጹን ድማ፡ ሞት ተመነየ። ከምቲ እንፈልጦ፡ ሰይጣን ንእዮብ፡ ጥቕሚ ርእሱ ደልዩ ንየሆዋ ኸም ዜምልኾ እዩ ብሓሶት ከሲስዎ። (እዮብ 1:9, 10 ኣንብብ።) የሆዋ ነዚ ብኽፍኣት እተኣልመ ኽሲ እዚ ዕሽሽ ኣይበሎን። የግዳስ፡ ንእዮብ ንጽህናኡ ኼርኢ፡ ማለት ንኣምላኽ ብቕንዕናን ብፍቕርን ተደሪኹ ኸም ዜገልግሎ ኼርኢ ዚኽእለሉ ኣጋጣሚ ሃቦ።

18. (ሀ) ንንጽህና እዮብ ብዚምልከት ዝመሰጠካ እንታይ እዩ፧ (ለ) ካብቲ የሆዋ ንእዮብ ዝሓዘሉ መገዲ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ንምሃር፧

18 ሰይጣን ኣብ ልዕሊ እዮብ ከቢድ መጥቃዕቲ ኣውረደ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮብ፡ በቲ ዘጋጠሞ ነገራት ኣምላኽ ተሓታቲ ኸም ዝዀነ ሓሰበ። (እዮ. 1:13-21) ድሕሪኡ ኸኣ፡ ሰለስተ ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ መጺኦም፡ ብሕሱም ቃላት ንእዮብ ወቐስዎ። ኣምላኽ ንእዮብ ከም ግብሩ ይፈድዮ ኸም ዘሎ ድማ ተዛረቡ። (እዮ. 2:11፣ 22:1, 5-10) እዮብ ግና ንጽህናኡ ሓለወ። ሓድሓደ ግዜ ተሃዊኹ ይዛረብ እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ንእዮብ ስቓዩ ተረዲኡሉ ነበረ። (እዮ. 6:1-3) ሰይጣን ንእዮብ ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ጐድኦ፡ እዮብ ግና ንየሆዋ ፈጺሙ ኣይሓደጎን። እቲ ፈተና ምስ ተወድአ፡ የሆዋ ንእዮብ ዕጽፊ እቲ ቕድሚ ፈተና ዝነበሮ ነገራት ሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዕድሚኡ ድማ፡ 140 ዓመት ወሰኸሉ። (ያእ. 5:11) ሽዑ እውን እንተ ዀነ፡ እዮብ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ውፉይ እዩ ነይሩ። ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ምኽንያቱ፡ ህዝቅኤል ነዛ ናይዛ ዓንቀጽ እዚኣ ቐንዲ ጥቕሲ ዝጸሓፋ፡ እዮብ ምስ ሞተ ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት እዩ።

19, 20. (ሀ) ኣስኣሰር እምነትን ተኣዛዝነትን እዮብ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ከም የሆዋ ንኻልኦት ክንርሕርሓሎም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

19 ኣስኣሰር እምነትን ተኣዛዝነትን እዮብ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኵነታትና ብዘየገድስ፡ ኣብ ህይወትና ንየሆዋ ቐዳምነት ክንህቦ ኣሎና። ስለዚ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ኽንውከልን ብምሉእ ልብና ኽንእዘዞን ኣሎና። ከምኡ ኽንገብር ከኣ ካብ ናይ እዮብ ዝዛየደ ምኽንያት ኣሎና። ከመይሲ፡ ብዛዕባ ሰይጣንን ሜላታቱን ብዙሕ ንፈልጥ ኢና። (2 ቈረ. 2:11) ሳላ መጽሓፍ እዮብ፡ ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኸም ዝፈቐደ ኽንፈልጥ ክኢልና ኢና። መንግስቲ ኣምላኽ፡ ክርስቶስ የሱስ ዝገዛኢኣ ናይ ሓቂ መንግስቲ ምዃና ኻብ ትንቢት ዳንኤል ተገንዚብና ኢና። (ዳን. 7:13, 14) እዛ መንግስቲ እዚኣ ድማ ድሕሪ ቐረባ እዋን ንዅሉ መከራ ኸም እተወግዶ ንፈልጥ ኢና።

20 ተመክሮ እዮብ፡ ጸበባ የሕልፉ ንዘለዉ ክርስትያናት ብጾትና ኽንርሕርሓሎም እውን የተባብዓና እዩ። ገሊኦም ኣሕዋትና ኸም እዮብ፡ ሓድሓደ ግዜ ብሃወኽ ይዛረቡ ይዀኑ። (መክ. 7:7) ግናኸ፡ ኣብ ክንዲ እንዅንኖም ክንርድኣሎም ንጽዓር፡ ብርሕራሐ ድማ ንሓዞም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ ፈቃርን መሓርን ዝዀነ ኣቦና የሆዋ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና።—መዝ. 103:8

የሆዋ “ኼበርትዓኩም . . . እዩ”

21. ቀዳማይ ጴጥሮስ 5:10፡ ኖህን ዳንኤልን እዮብን ኣብ ህይወቶም ብዛዕባ ዘጋጠሞም ነገራት እተዘኻኽረና ብኸመይ እያ፧

21 ኖህን ዳንኤልን እዮብን ኣብ እተፈላለየ ዘመናት ዚነብሩን ኣዝዩ እተፈላለየ ብድሆታት ዘጋጠሞምን እኳ እንተ ነበሩ፡ ነቲ ዘጋጠሞም ብድሆታት ተጻዊሮምዎ እዮም። ታሪኽ ህይወቶም ድማ ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝበሎ ቓላት እዩ ዜዘኻኽረና። ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ቍሩብ ግዜ መከራ ምስ ጸገብኩም . . . ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ንስልጠናኹም ኪፍጽሞ እዩ። ኬጽንዓኩምን ኬበርትዓኩምን ኪስርተኩምን እዩ።”—1 ጴጥ. 5:10

22. ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

22 የሆዋ በቲ ጴጥሮስ ብድራኸ መንፈስ ቅዱስ ዝጸሓፎ ቓላት ኣቢሉ፡ ንኣገልገልቱ ጽኑዓትን ብርቱዓትን ከም ዚገብሮም ኣረጋጊጹልና እዩ። እተን ቃላት እቲአን፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ንዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ዚምልከታ እየን። ከመይሲ፡ ኵላትና ኻብ የሆዋ ብርታዐ ኽንረክብን ኣብ ኣምልኾኡ ኽንጸንዕን ባህጊ ኣሎና። ስለዚ፡ ኣስኣሰር እምነትን ተኣዛዝነትን ኖህን ዳንኤልን እዮብን ክንስዕብ ንደሊ ኢና። ኣብታ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ከም እንርእዮ ድማ፡ ንየሆዋ ብሓቂ ምፍላጦም፡ ንጽህናኦም ኪሕልዉ ሓጊዝዎም እዩ። አረ ኣምላኽ ኪገብርዎ ዚደልዮም ‘ኵሉ ይርድኡ’ ነይሮም እዮም። (ምሳ. 28:5) ንሕና እውን ከማታቶም ክንገብር ንኽእል ኢና።

^ ሕ.ጽ. 2 ህዝቅኤል ናብ ምርኮ እተወስደ ብ617 ቅ.ክ. እዩ። ነቲ ኣብ ህዝቅኤል 8:1–19:14 ዘሎ ቓላት ዝጸሓፎ ድማ፡ ናብ ምርኮ ምስ ተወስደ “ኣብ ሻድሸይቲ ዓመት፡” ማለት ብ612 ቅ.ክ. እዩ።

^ ሕ.ጽ. 5 እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ኣቦ ኖህ ዝዀነ ላሜክ፡ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ኣቐዲሙ እዩ ሞይቱ። ማይ ኣይሂ ኺጅምር ከሎ ኣደን ኣሕዋትን ኖህ ብህይወት እንተ ነይሮም፡ ካብ ጥፍኣት ኣይደሓኑን ማለት እዩ።

^ ሕ.ጽ. 13 እቶም ሰለስተ ብጾት ዳንኤል እውን ስልጣን እተዋህቦም ብሓገዝ የሆዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ዳን. 2:49